^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 108 guests and no members online

ኻሕሳይ ይሕደጎሕቶ፡- ብ/ካሕሳይ ዝያዳ ንምብራሃ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገም’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ሓደ ህዝቢ ብባህሪያዊ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ሽግራት ቁጠባዊ ጸገማት ከጋጥሞ እንከሎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክደጋገፎ ከሰጋገሮ ግቡእ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ንሕና ተመጽወቲ ኣይኮናን፡ ዝኾነ ሓገዝ ኣይንቕበልን ብዝብል፡ ህዝቢ ገለ መሰጋገሪ ህይወት ዝኾኖ ቁርብ ቁራቦ ከይረክብ ዓጊትዎ ክነሱ፡ ከም መንግስቲ ንባዕሉ ዝተፈላለዩ መዓጹ እንዳኳሕኮሐ ይልምን ኣሎ። ኣብ’ዚ ግቡእ ኣገንዝቦ ዘይሓዙ ንሱ ዘዝበሎ ጥራሕ ዘኮማስዑ ወገናት ድማ ከም ቅኑዕ ክገልጽዎ ይስምዑ። እሞ ብወገንካ እንታይ ክትመኽሮም ትኽእል?

መልሲ፡- ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም መሰጋገሪ ሓገዝ ክረክብ ብመትከል ቅኑዕ’ዩ። መሰሉ’ውን’ዩ። እቲ ዝልገስ ሓገዝ ኣበይ ይውዕል ዝብል ግን የገድሰና’ዩ። ብስም ህዝቢ ኤርትራ ተረኺቡ ኣብ ዘይተደላዪ መዓላ ከይውዕል ናይ ኩሉ ግዜ ምሕጽንታናን ጥንቃቔናን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ናይ ህዝቢ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ንህዝቢ ዕንጋሎት ሂቡ ኣይፈልጥን። በንጻሩ መሬቱ ገቢቱ፡ ንብረቱ ገቢቱ ብዘይተኣደነ ግብርን ቀረጽን ዘማስኖ ዘሎ’ዩ። ንሕና ግን ከም ውድብን ከም ማሕበርን ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝብና ዋላ ዝነኣሰ ይኹን በታ ዝዓቕምና መሰጋገሪ ሓገዝ ክረክብ ኩሉ ግዜ ምስ ጸዓትና ኢና። እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ግን ህዝቢ ብጥሜትን ስእነት መድሓኒትን እንዳተሳቐየ እንከሎ፡ ደጋጊሙ ዓይነታዊ ሓገዝ ኣይንደልን ኢና፡ ተመጽወቲ ኣይኮናን፡ ፖሊሲ መንግስትና መደብ ርእሰ ምርኮሳ’ዩ፡ እንተደሊኹም ባዕልና ክንዕድሎ ጥረ ገንዘብ ንዓና ሃቡና ብዝብል ደላይን ተዓባይን ኮይኑ ዓጽይዎ ይርከብ ኣሎ።

ሕቶ፡- ከም መንግስቲ ጥልዕ ጉንብሕ እንዳበለ እኳ ደኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም እናዘረገ ክልምን ንሪኦን ንሰምዖን ኣለና፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ንህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይድልን ይብል፡ እዚስ ኣይጋጮን’ዶ?

መልሲ፡ ህዝብና ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ዝኣምን ሰራሕተኛ ህዝቢ ምዃኑ፡ ኣብ ጎረባብትና ዘለው ህዝብታት ዝምስክርሉ ሓቂ’ዩ። ህዝብና ነዚ ተውህቦን ተመክሮን’ዚ ከይተግብርን ግን፡ ብድሑር ኣመራርሓ ህግደፍ ተዓንቂጹ ምዕባልንኡ ተኾሊፉ ምህላው ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ከም’ቲ ዝበልካዮ ህግደፍ ዝኸደሉ ዘሎ ግን ተገራጫዊ’ዩ። ህዝብና ብመደብ ርእሰ ምርኮሳ ስለዝኸይድ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣየድልየናን ይብል ብሓደ መዳይ፡ ተገልቢጡ ከኣ፡ ንመንግስቲ ዝኸውን ሓገዝ ምሕታቱ’ዩ። ዋእ ጥዑይ ብህዝቢ ዝስቀልን ዝወርድን ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ዘለዎ’ኮ ህዝብን መንግስትን ፈላሊኻ ትሪኦ ኣይኮነን። መንግስትን ህዝብን ሃገርን’ኮ ሓደ ኣካል ኣምሳል፡ ዝርከብ ሓገዛት ከኣ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕል’ምበር፡ ንመንግስቲ ተባሂሉ ዝወሃብ ሓገዝ’ሞ ክህሉ ኣይክእልን። መንግስቲ እንተደኣ ናይ ህዝቢ ኮይኑ። ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተገራጫዊ መንገዲ ግን፡ ናይ ህዝቢ ከም ዘይምዃኑ ፍሉይ ናይ ፍሉይ ጉጅለ መንግስቲ ምዃኑ ዘብርህ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓገዝ ዘየድልዮ እንተደኣ ኮይኑ፡ እኹልን ትሩፍን እንተደኣ ሃልይዎ ኮይኑ መንግስቲ ደኣሞ ዘይካብ ግብሪ’ዩ ኣታዊታት ዝእኽብን ዝነብርን። እንታይ ዓይነት ንመን ዝኸውን ሓገዝ ደኣዩሞ ዘድልዮ ዘሎ? ንመን ከገልግለሉ፡ ንዕድሜኡ ዘናውሕ ስለላ፡ ንመን ከገልግለሉ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክዋጋኣሉ ብዙሕ ሕቶታት ከተልዕል ዝድርኽ’ዩ።

ሕቶ፡- ናብ ካልእ ሕቶ ከስገረካ ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/ ድሕሪ ምግባር ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤኡ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ እንተተብረሃልና?

መልሲ፡- ውድብና ደግሓኤ ዕውት ሰሚናር ዕውት ጉባኤ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ብዙሓት ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብኣካልን ብደብዳቤን ዝተሳተፍዎ’ውን ስለ ዝነበረ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤና ካብ’ቲ ዝሓለፈ ፍሉይነት ኔርዎ። ንመድረኽ ብልክዕ ዘንበበ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ዝገጥም፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ ዕዮን ሕገ ህንጻን ኣጽዲቑ። ብግሉጽን ደሞክራስያውን ኣገባብ መሪሕነቱ መሪጹ ዝወጸ’ዩ። ካብ ጽባሕ ጉባኤ ጀሚሩ ነቲ ጉባኤ ዘሕለፎ ወሳኔታትን ማእከላይ መሪሕነት ዘውጸኦ መደባትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ህዝቢ ይነጥፍ ኣሎ። ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክጻወቶ ዝጸንሐ ኣወታዊ ግዳይ ብዝለዓለ ደረጃ ይዋሳኣሉ ኣሎ። ካልእ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ጉባኤኛታት፡ ድሕሪ ዕውት ውድባዊ ጉባኤ ምስልሳሉ፡ ካብ ምምሕዳር ህግደፍ ወጻኢ ናብ ዝርከብ ህዝቢ ዓድታት ክኒን ቅኒቶን ብኣካል ከይዶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ከመይ ኩነታት ይነብር ኣሎ ዝተዓዘብሉ፡ ምስ ህዝቢ ተላልዮም ተላዚቦም፡ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ብዓቕሞም እጃሞም ጌሮም ዝተመልስሉ ኩነታት’ውን ሓደ ካብ’ቲ ድሕሪ ጉባኤ ዝተገብረ ንጥፈታት’ዩ።

ሕቶ፡- ንጥፈታት ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ”ኸ ኣብ ከመይ ይርከብ?

መልሲ፡- ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብተነጻጻሪ፡ ደረጃ ብደረጃ ለውጢ የመዝግብ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝተኸፈለ ዋጋ ቀሊል ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ጣጥኡ ዝወደአ’ዩ ማለተይ ግን ኣይኮንኩን። ምስ ብዙሕ ጸገሙ ከም ዘሎ ዝሕባእ ኣይኮነን። ብፍላይ’ቲ ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምብጽሑ፡ ከም ሰፊሕ ግንባር ብቐሊል ዝግመት ስዳሮ ኣይኮነን። ሰፊሕ ግንባር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዙሕ ዋጋ ዝተኽፍለሉ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ ዝተገብረሉ ትጽቢት ዓቢ’ዩ ኔሩ። ብተግባር ግን ብዝተገብረሉ ትጽቢት መሰረት ክዋሳእ ኣይተራእየን። ምኽንያቱ ካብ’ቲ ቀዳማይ ጉባኤ ክወጽእ እንከሎ፡ ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘለዎ፡ ኩሉ ውልቃውን ቤተሰባውን ማሕበራዊ ሽግራቱ ገዲፉ ምሉእ ሃሙን ቀልቡን ናብ ቃልሲ ዝገበረ ውፉይ መሪሕነት መዚዙ ስለ ዘይወጸ፡ ውሳኔታት ጉባኤ ኣብ ምትግባር ኣይተዓወተን። ብርግጽ ቃልሲ እንዳወደቕካን እንዳተሳእካን ምዃኑ ይርደኣኒ’ዩ። ሕጂ ድማ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባር ኣሰናዳኢት መዚዙ ይነጥፍ ከም ዘሎ ገለ ገለ ኣብ መርበብ ኢንተርኔት ዝወጹ ጽሑፋት ይሕብሩ ኣለው። እሞ እቲ ዝበሃል ዘሎ ጉባኤ ካብ ናይ ዝሓለፈ ብዝሓሸን ዝጸፈፈን ኣገባብ ተኻይዱ፡ ዝሓሸ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ተቓሊሱ ዘቃልስ ፖለቲካዊ መሪሕነት ኣብ ምምራጽ ከም ተመክሮ ክግልገለሉ ይግባእ እብል። ዝሓለፈ ጉድለታት ብዝዓበየ ኣብ መሪሕነታዊ ኣካላት ዝወድቕ ይኹን ደኣምበር፡ እቲ ሓፋሽ ተቓላሳይ’ውን ካብ ወቐሳ ነጻ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ንቑሕ ተሳትፎ ብዘይምግባሩ ዝወጹ መደባት ተተግቢሮም ኣይተተግበሩ፡ እንተዘይተተግቢሮም እንታይ ምኽንያቶም፡ መን’ከ ይሕተተሎም ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ብዘይምሕታቱን ኣወንታዊ ተጽዕኖ ብዘይምግባሩን ሕልንኡ ወቒሱ፡ ካብ ትምክሕትን ጽበትን ድሑር ሕሳባት ሓራ ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ህዝብና ወሪዶም ዘለው ወጽዓታትን ዝለዓሉ ዘለው ናይ መሰል ሕቶታትን ግቡእ ቦታን ኣቕልቦን ሂቡ ብህድኣት ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ተኻቲዑ ብሓባር ዘቃልስ ሰነዳት ብምጽዳቕ፡ ማእከሉ ህዝቢ ምድሓን ጌሩ ምሉእ ግዜኡ ሂቡ ዝዋሳእ ብቕዓት ዘለዎ ፖለቲካዊ መሪሕነት ንምምራጽ ከሎ ጌና ክሓስበሉ ከም ዘለዎ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከዘኻኽር እደሊ።

ሕቶ፡ ከም’ቲ ዝበልካዮ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ምግባር ቀዳማይ ጉባኤኡ እዚ ዝበሃል ሚዛን ዝወሃቦ ስራሕ ኣይሰርሐን ተባሂሉ ይሕመ’ዩ። ዝተዋህብዎ ዕማማት ብኣድማዕነት ከይፍጽም ዝዕንቅጽዎ እንታይ ‘ዮም፡ ንቕድሚ’ከ ካብ ዘለዎ ድኽመታት መሊኡ ክወጽእ እንታይ ቅድመ ምድላዋት እንተገበረ ይሓይሽ ትብል?

መልሲ፡- ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ውልቀ ውድባውን ግዝያዊ ረብሓታት ካብ ምቕዳም፡ ኣብ ድሑር ህልኻት ግዜኡ ካብ ምብኻን ወጺኡ፡ ህዝቢ ብንጹር ብዝርደኦ መትከላዊ ውዑላትን ስምምዓት ሓንጺጹ፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክዋሳእ ስለዘይጸንሐ’ዩ እቲ ድኽመታት ክኽሰት ክኢሉ ኢለ እኣምን። ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ በርገስ ማሕበራት ካብ’ዚ ግጉይ ተመክሮ’ዚ ዝተማህረ፡ ኣብ መንጎ ውልቀ መንባበሮ ምጥጣሕን ቃልስን ካብ ዝጥምት ማንታ ርእይቶ ዝደሓነ፡ ብሓድሽ ኣገባብ ቃልሲ ብሓድሽ ወኒ፡ ውድብ ውድብ ዘምስሎ ስጡም ውደባ ተኸቲሉ ክኸይድ ዘኽእሎ ምድላዋት ክገብር ጽቡቕ ይመስለኒ። ካብ መን ንኢሰ ካብ ዝብል ድሑር ሕሳባት ተናጊፎም፡ መን ኣበይ የድምዕ ብሰውራዊ መንፈስ ተመዚኑ፡ ኣብ ዝግባእ ቦታ ዝግባእ ሰብ ዝመደበሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ። ንሕና ከም ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብዘይ ቃል ዓለም ንዝተሰማማዕናሎም ኣብ ምትግባር ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ግቡእና ኣብ ምፍጻም ብዙሕ ዘሕሚ ጎደሎታት ኣለና ኢለ ኣይርእን። ምኽንያቱ ምስ መሓዙት ውድባት ወይ ግንባራት እንተኣቲና ብዘይ ቀሚሽ ኣዳይ ዓንቂፉኒ ዕጣይ ምጣጣይ ግቡእና ክንዋጻእ ኣለና ባህሊ ናይ ኣካይዳናን ኣሰራርሓናን’ዩ። ነዚ መሓዙት ውድባት’ውን ዝምስክርዎ ይመስለኒ።

ሕቶ፡ ዝኸበርካ ብጻይ ካሕሳይ ይሕደጎ ብሰንኪ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ካብ ሃገሮም ንዝተሰዱ ዜጋታት ኣብ ምሕጋዝን ምትብባዕ ጸኒሕካ ኣለኻ። እዚ ዕማም’ዚ ኣዝዩ ዓቢ ከም ምዃኑ መጠን ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከብ ንሰማዕትና ኣስፍሕ ኣቢልካ እንተትገልጸልና?

መልሲ፡ እዋናዊ ሕቶ’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሎም ብህዝቦም ንዝገደሱ ወገናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ርሱን ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጥ ንዝርከቡ፡ ከከድዝኽእልዎ ገለ ኣበርክቶ ክገብሩ ይጽውዕ። እቲ ስራሕ ናይ ውልቀ ዘይኮነስ፡ ካብ ቅድሚ ምርግጋጽ ሃገርዊ ነጻነት ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ኤውሮጳ ዝተመሰረት ደሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ከም መቐጻልታ ክገብሮ ዝጸንሐ ንጥፈታት ዝዋሳኣሉ፡ ከምኡ’ውን ንዕኡ ዝምውል ሓደ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ተጣይሱ፡ ብናይ ህዝብን ሃገርን ሓልዮት ተመልሚሎም ዝቃለሱ ተሓሊቦም ዘይነጽፉ ኣባላት ዘለውዎ ማሕበር ወኪለ’የ ዝንቀሳቐስ። ከም ወኪልን ከም ልኡኽን ኮይነ ድማ ካብ ብጾት፡ ፈተውትን ተደናገጽትን፡ ዝተረኽበ ሒዘ ኣብ’ዚ ብተደጋጋሚ እንዳተመላለስኩም ተራና ክንጻወት ጸኒሕናን ኣለናን ኢና። እዚ ዕማም’ዚ እዚ ስራሕ’ዚ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ብውሑዳት ሰባት ጥራሕ ዘይዕማም ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን የድሊ።

ሕቶ፡ ብተግባር ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት’ዩ ዝርከብ? እቲ ተሓጋዛይ ብቀዋምነት ድዩ ዝሕገዝ፡ ንስኻ”ከ እቲ እትገብሮ ሓገዛት ብቀዋምነት ከተቐጽሎ ዘኽእለካ ዓቕሚ ኣለካ’ዶ?

መልሲ፡- እቲ ዝርከብ ምንጪ ውሑድ ብምዃኑ እቲ ዝግበር ደገፍ ከም’ቲ ዝድለ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ መዓስከራት ዘሎ ሓገዝ ዘድልዮ ወገን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። እቲ ንገብሮ ሓገዝ ዋላ ውሑድ ይኹን ግን ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ብኣካል ከይድና ክንሪኦ፡ ዘለና ከንወፍየሉ ሞራል ክንህቦ ኣለና ኣብ ጎኒኻ ክንብሎ እንከለና ዝስመዖ ፍናን ቀሊል ኣይመስለኒን። እቲ ኣብ መዓስከራት ዝነብር ህዝቢ ዘለዎ ዝተፈላለየ ጸገማት ብዓይኒ ንዝረኣየ ንጨካን’ውን ክርህርህ ዝድርኽ’ዩ። ነዚ ንግበሮ ዘለና ዝሕግዙ ኤርትራውያንን ካልኦት ፈተወትን ተደናገጽትን ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ኣውስትራሊያ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝርከቡ’ዮም። ንኩነታት እቶም ተሓገዝቲ ብምስሊ ኣደጊፍና ብመራኸቢታት ስለ እንዝርገሖን ብልክዕ ሪኦም ተኣማሚኖም ካብ ዝሓደሮም ሰብኣዊ ድንገጻ ተበጊሶም ዘወፍይዎ’ዩ። እቲ ዝልገስ ሓገዝ ንኹሉ’ቲ ኣብ መዓስከር ዘሎ ዝልገስ ኣይኮነን። ነቲ ዝኾነ ምንጪ ዘይብሉ ብኮሚቴ ተጸኒዑ’ዩ ዝወሃብ። እዚ ቀሊል’ውን ኣይኮነን። እቲ ተግባር ቀጻሊ’ዩ። ንምምዕባሉ ዝምልከት ከኣ ንኹሉ ሰብኣዊ ሓልዮት ዘለዎ ለጋሲ ዝምልከት’ዩ።

ሕቶ፡ ከም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ህዝቢ መጠን እቲ ተሓጋዛይ ብዙሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጸግም ኣይመስለንን፡ ነዚ ሰናይ ተግባር’ዚ ዝደጋገፉ ሰብኣውያን ማሕበራት ዝረኸብካሉ ኣጋጣሚታት እንተሎ፡ ወይ ንቕሚት ንምርካብ ዘኽእል ውጥናት እንተሎ?

መልሲ፡- ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ብዙሕ’ዩ። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ተዓጢቑ ንኹሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ናይ ህዝብታት ንምኽባር ብጽንዓት ዝቃለስ ግን ፍሉይነት ዘለዎ’ዩ። ስለዚ እዚ ማሕበር በዚ ዝተገልጸ መምዘኒታት ዝተመልመሉ ኣባላት’ዮም ዘለውዎ። ኣነ ወኪለ ዝንቀሳቐስ’የ። እንተቲ ማሕበር ኣዝዮም ብህዝቦም ዝግደሱ ምዑታት ውፉያት ኣባላት ዘለውዎ ማሕበር ምዃኑ ንመላእ ለገሳይ ክበርሃሉ ይግባእ። ምንጭና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብመጡ ዕቤት የርኢ ኣሎ። ብኡ መጠን ብዝሒ ናይ ንድግፎም ይውስኽ ኣሎ። ኣብ’ዚ ቀረባ ንኣብነት ኣብ ኩለን ኣብ ትግራይ ዘለዋ መዓስከራት ከይድና ዝነበረና ኣወፊና ኣተባቢዕና ሞራል ሂብና ኢና። ካልእ ንጉዕዞና ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ኣብ’ቲ ካብ ምምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ወጻኢ ዝርከብ ቅኒቶ በጺሕና፡ ከም መግለጺ ተደናጋጽነትና ነቲ ኣብ’ቲ ቦታ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዓቕሚ ዝፈቕዶ ገለ ዓይነታዊ ደገፋት ጌርና። ምስ ናይ ክልቲኡ ሕብረተሰብ ሽማግለታት ዕውት ኣኼባ ኣካይድና ዘለዎም ጸገማት ተረዲእና። ብጽቡቕ ተመሊስና ኣብ’ቲ ህዝቢ ዘሎ ጸገም ከቢድ’ዩ። ብዓቕምና ንቐጻሊ’ውን ምድግጋፍና ዘይፍለዮም ምዃኑ ገሊጽናሎም ኣለና። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ግዱስ ጠመተ ክገብረሎም ድማ እሕብር።

ሕቶ፡- ጽንብል መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ መበል 23 ዓመት ኣመልኪትካ እንታይ ክትብለና ትኽእል፡ ንምዃኑ’ኸ ኣበይ ኣኽቢርካዮ?

መልሲ፡- ኣነን ምሳይ ዝነበሩ ብጾተይን ዕድለኛታት ኢና ክብል እኽል። ንተኸታታሊ ስለስተ ዓመታት ጽንብል ነጻነት ኣብዘን ዝገለጽኩልኳ ካብ ምምሕዳር ህግደፍ ወጻኢ ዘለዋ ዓድታት ቅኒቶን ክኒን ኢና ኣኽቢርናዮ። ምስ ህዝብና ፈተውትናን ተጋደልትናን መበል 21፣ 22፣ 23 ጽንብል ሃገራዊ ነጻነት ከነኽብር እከለና ካብ’ቲ ካልእ ፍሉይነት ኔርዎ። ኣብ’ዚ ከይገለጽክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ መዓልቲ ነጻነት ክኽበርን ክግለጽን እንከሎ ብክልተ መንገዲ’ዩ ዝግለጽ። ሃገርና ኣካል ኣምሳል ማሕበረ ሰብ ዓለም ምዃና በቲ ሓደ ወገን ክግለጽ እንከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ መሬታዊ ነጻነት ደኣምበር ህዝባዊ ሓርነት ብዘይምርግጋጹ፡ ሕቶ ህዝባዊ ሓርነት ንምምላስ ኣብ ቃልሲ ንርከብ ከም ዘለና ብዝሕብር ኣገባብ’ዩ ዝኽበር።

ሕቶ፡ ዝኸበርካ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ፡ ዝነበሩኒ ሕቶታት ኣብ’ዚ ይዛዝም ኣለኹ፡ ምናልባት ዘይተላዕሉ ኣገዳስነት ዘለዎም ርእይቶ እንተለካ ንኽትብል ዕድል ክበካ?

መልሲ፡ ክበሃል ዘለዎ ብዙሕ’ዩ። ሓደ ካብ’ቲ ኣትኩሮ ክገበረሉ ዘለዎ ግን ምዑታት መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2014 ንስርዓት ህግደፍ ኣእምሮኡ ክናውጽ ዝገብር ዘመሓላለፍዎ ሓደ ተባዕን ሓላፍነታውን ጽሑፍ ኔሩ። እዚ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ምንጋጋ ሓደ በላዒ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ኮይኖም ህይወቶም ከይበቐቑ ዝዘርግሕዎ ጽሑፍ ብልክዕ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ኣሰካፊ ኩነታት ዘርኢ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ታሪኻዊ መልእኽቲ ብተመሳሳሊ ብኹሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ክድገፍ ኣለዎ። እቶም ዝተረፉ ኣሰር እዞም ኣብነታውያን ኣቡናት ክስዕቡ እጽውዕ። ካልእ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ለገስቲ እናሰርሐ ዝመጸን ዝቕጽል ዘሎን ከም ምዃኑ መጠን፡ ጸገም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምፍታሕ ብዓቕሙ ይረባረብ ኣሎ። ይኹን ደኣምበር እቲ ብሰንኪ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገማት ኣዝዩ ገዚፍን ዝተሓላለኸን ብዝሑ ዓቕሚታት ዝሓትት ብምዃኑ፡ ብደረጃ ውልቀታት ኮነ ማሕበራት ነዞም ስደተኛታት ኣሕዋትናን ኣሕትናን ንምሕጋዝ በብዓቕምና ኣብ ዘዘለናዮ ከባቢታት፡ ብዝጥዕመና ኣገባብ ትኹረት ሂብና ክንረባረብ ብስም መላእ ማሕበርና ኣጽውዕ። ብፍላይ ኣብ ዓዲታት ክኒን ቅኒቶን ዘሎ ናይ ቤት ትምህርትን ጽሩይ ዝሰተ ማይን ጸጋማት ኣብ ምቅላል ኣበርክቶኹም ከተሓይሉ ደጊመ ኣጽውዕ።

ዝኽበርኩም ሰማዕቲ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ብ/ካሕሳይ ኣብ ህልዊ ኩነታት ጸላኢ፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ቃለ-መጠይቕ ኣብ’ዚ ተዛዚሙ ኣሎ። ኣኹል ሓበሬታ ረኺብኩም ክትኮኑ ተስፋ እናገበርና፡ መደብና በዚ ንዛዝም ኣለና ንስለ’ቲ ምክትታልኩም ድማ ነመስግን።

ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዕድመና ኣኽቢርካ ኣብዚ መጺእካ ርእይቶኻ ስለዝሃብካና ደጊመ ብስም ሰማዕቲ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ብስመይን ኣመስግነካ የቐንየለይ።

ብካሕሳይ ኣነ’ውን እዚ ኤርትራዊ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ህይወት ኣመልክተ ሓሳባይ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከመሓላልፍ ንዝሃብኩምኒ ዕድል ድማ ኣመስግን የቐንየለይ።

             ነሓሰ 2014

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox