^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 53 guests and no members online

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ዓድታት ክኒን ቅኒቶን ዝገበርዎ ንጥፈታት ኣመልኪታ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ካልኣይ ክፈል

ሕቶ፡ ዝያዳ ንምንጻራ ክሳብ ሕጂ ምንጪ ኣታዊኹም ካበይ’ዩ? ንቕድሚ’ከ ምንጪ ኣታዊ ንምርክብ እንታይ ዝሓዝክሞ ዝተፈልየ መደባት ኣሎ?

መልሲ፡- ክሳብ ሕጂ ጭቡጥ ምንጪ ኣታዊና እቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ’ዩ። ማለት ፍሉጣት ኣባላት እዚ ማሕበር፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ፈተውቲ ኤርትራውያንን ተደናገጽትን ዝልግስዎ’ዩ ምንጭና። ንቅድሚት ምንጪ ቁጠባና ዘጎልብትን ዘውሕስን ኩነታት ክንፈጥር ሕልሚ ኣለና። ሕልምና ንምትርጓም ድማ ተጊህና ንሰርሕ ኣለና። ኮይኮነ ኣብ ዝርዝር ምእታው ግን ኣገዳሲ ኣይመስለንን።

ሕቶ፡- ዝኸበርካ ኣቶ ካሕሳይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ነገራዊ ሓገዛት ክትህቡ ዘርኢ ዜናዊ ጸብጻባት ኣብ ናይ ኤርትራውያን ዌብ ሳይታት እከታተል’የ። ግን ኣብ ዝተወሰነ መዓስከራት ኢኹም እቲ ሓገዛት ትገብሩ ስለምንታይ? ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ከም ዘሎ ይፍለጥ’ዩ ኣብኡ ከም ትሕግዙ ዘርኢ ዜናዊ ሓበሬታ ድማ ኣይተኸታተልኩን። እንታይ ኮይንኩም ኣብኡ ንዘለው ጽጉማት ወገናትና ዘይሓገዝኩም?

መልሲ፡- እምነትን ዕላማን ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዓቕምና ንሓግዝ’ዩ ዝብል። እዚ’ዩ መትከሉ። ብመትከሉ ተገዚኡ ድማ’ዩ ዝሰርሕ። ከም’ቲ ዝበምልካዮ ብጻዕኪ ክንወፍረሉ ዝጸናሕና ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ማለት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ሽመልባ፣ ማይ-ዓይኒ፣ ዓዲ-ሓርሽ፣ ህንጻጽ’ዩ። ከምኡ ምግባርና ነቲ ሓደ ብምቕራብ ነቲ ካልእ ብምርሓቕ ኣይኮነን። ኩሉ ህዝብና’ዩ። ኩሉ ጽጉም’ዩ። በታ ዝዓቕምና ንኹሉ ኣለና ኣብ ጎንኻ ክንብሎ መሰረታዊ እምነትና’ዩ። ካብ’ዚ ተበጊስና’ውን ሓደ ግዜ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ደቂ ብሄረ ዓፋር ገለ ሓገዛት ገይርና ነይርና ኢና። ኣብ’ዚ ዓመት እዚ’ውን ገለ ገንዘባዊ ሓገዝ ሂብና ኣለና። ስለዚ ኣብ ኩሉ ክንጎዪ ዘየኽእለና ዘሎ ናይ ድሌት ዘይኮነ ናይ ዓቕሚ ድሩትነት’ዩ። ከም’ቲ “ ዝወሃብ ዘይብላ ኣደ ካብ ከውሒ ትጸንዕ” ዝተባህለ ምስላ ኢድካ እንተዘይመሊኡልካ ኣብ ድሌካ ክትከይድ፡ ንወገንካ ክትሕግዝ ኣጸጋሚ’ዩ ዝኸውን። ንዓና ገጢሙና ዘሎ ጸገም ድማ ሕጽረት ገንዘብ’ዩ። ዘገላብጥ ገንዘባዊ ዓቕሚ ፈጢርና ኣብ ኩሉ ክንበጽሕ ክሳብ ዘይከኣልና፡ እዚ ዝበልካዮ ትዕዝብታት ንቕድሚት’ውን ብካልኦት ምልዓሉ ዘይተርፍ’ዩ ዝኸውን። ብዝተኻእለ መጠን ግን ሰማዕቲ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ዝተበግስናሉ ቅኑዕ ዕላማን ድሩት ዓቕምናን ብምንጽጻር ክርድኡልና በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽሮም እደሊ።

ሕቶ፡ ካብኡ ከይወጻእና፡ ብሃገራት ደረጃ’ውን ኣብ ሱዳን፣ የመን፣ ጅቡቲ፣ ኬኒያ ተመሳሳሊ ጸገማት ዘለዎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለው ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ይስማዕ’ዩ። እዚ ትፈልጥዎ ትኾኑ ዝብል ተረድኦ ኣለኒ። ናብ’ዚ ኣመት ዘይገበርክምሉ ምኽንያት ከ እንታይ’ዩ? ዓቕሚ ብምስኣን ድዩ ወይስ ሕጽረት ሓበሬታ?

መልሲ፡- ማሕበርና ናይ ነዊሕ መደቡ ኣብ ኩሉ ቦታ ሰፊሕ ሸፈነ ሃልይዎ፡ ንኹሉ ስደተኛ ክሕግዝ’ዩ። ሕጂ ግን ቁጠባዊ ጉልበቱ ውሱን ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጸጥታዊ ኩነታት’ውን ሓደ ጸገም’ዩ። ኣብ ገለ ካብ’ዘን ዝገለጽካየን ሃገራት ዓቕሚ ሃልዩካ’ውን ናብ’ተን ሃገራት ክትኣቱ ርኡይ ጸገማት ኣሎ’ዩ፡፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ እንተኣቲኻ’ውን ህዝቢ ኣኪብካ ምኽሪ ክትልግስን ነገራዊ ሓገዛት ክትገብርን ኣይከኣልን። እዚ ንኹሉ ግሁድ ይመስለኒ። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ከም ስደተኛ ብዘይጸጥታዊ ስግኣት ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ኢትዮጵያ ጥራሕ’ያ። ማሕበር ረድኤትን ምዕባለ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ዝኾነ ካልእ ተመሳሳሊ ሓገዛት ክገብር ተበግሶ ዝወስድ ውልቀ-ሰብ ድዩ ማሕበር ድማ ነቲ ዝህቦ ሓገዝ ዘተኣማምን ቦታ ዝደሊ ይመስለኒ። ዓቕምን ድሌትን ሃልዩካ’ውን ጸጥታዊ ስግኣት ኣብ ዘለወን ሃገራት ገለ ክትገብር ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ንጽጉማት ሓገዝ ከይትገብር ዕንቅፋት ዝፈጥር ጸጥታዊ ኩነታት የለን። ስለዚ ኢና ድማ ብጻዕቂ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስ ንረአ። ንቅድሚ ጸጥታ ናይ’ዘን ሃገራት ተመሓይሹ፡ ኤርትራውያን ኣኪብካ እተስተምህረሉን እትረድኣሉን ደረጃ ምስ በጽሐ ናብኡ ገጽና ክንጥምት ምዃና ክንጸር ኣለዎ።

ሕቶ፡- ገለ ወገናት ነቲ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ብኣወንታ ተቐቢሎም፡ ግዝያዊ ገንዘባዊ ኮነ ነገራዊ ሓገዛት ምግባር ጽቡቕ’ዩ፡ ግን እቶም ጽጉማት ወገናት ኣብ መነባብሮኦም መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእሉ ዝኽእሉ ናይ ትምህርትን ሞያዊ ስልጣናን ዝርኽብሉ ዕድላት እንተዝፍጠረሎም ምሓሸ ክብሉ ይስምዑ፡ እሞ ብወገንኩም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ እንታይ ዝረኣኽሞ ወይ ዝሓዝክሞ ነገረ ኣሎ?

መልሲ፡- ንሕና’ውን እንታይ ንግበር? ከመይ ንግበር? ብምንታይ ዓቕሚ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዕሊና ኣብ እንዘራረበሉ ዘለና ወቕቲ’ዩ እዚ ሕቶ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ መዓስከራት እቶም ኣቐዲመ ዝገልክዎም ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣለው። ዝተፈላለየ ናይ ነብሰ ኣኽእሎ ንጥፈታት ድማ የገብሩ’ዮም። ንኣብነት ገለ ኤርትራውያን ደቂ-ኣስንትዮ ናይ ምምሻጥ ጸጉርን ስፍየት ክዳንን ተበግሶታት ጀሚረን ስለ ዘለዋ፡ ዋላ እኹል ኣይኹን ገለ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ገርና ኢና። ቅድም ኢሎም’ውን ጉድኣት ኣካል ሽማግለታትን ዘበገስዎ ምንጪ ቁጠባ ዝኸውን ንጥፈታት ጸኒሑ’ዩ። ብመጠኑ ካብኡ ተረባሕቲ ክኾኑ ክኢሎም ምህላዎም ድማ ጭቡጥ መረዳእታ ኣሎ። ስለዚ እዚ ሞያዊ ትምህርቲ ዝበልካዮ ናይ ዓቅሚ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ሓደ ካብ እምነትና’ዩ። እዚ ኣብ ተግባር ክውዕል ናይ ኩሉ ግዱስ ሓገዝ የድሊዮ። ምኽንያቱ ዝጠልቦ ወጻኢታት ቀሊል ስለዘይኮነ። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፉ ትርጉም ዘለዎ ዓቕሚ ዘለዎም ኣህጉራውያን ትካላት ረድአት ክፈልጥዎን ክሳተፍዎን ድማ ጭቡጥ መረዳእታ ሒዝካ፡ ግዜ ከየጥፋእካ ምጉያይ የድሊ። ብዓቕምና ክንዲ ንኽእሎ ክንገብር ንጎዪ ኣለና። እቲ ካልእ ድማ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ብውሁድ ዓቕሚታት ደኣምበር ብሓደ ክልተ ማሕበራት ጥራሕ ክዕመም ዝከኣል ብደሆ ስለዘይኮነ። ህዝብና ሒዝና ደገፍትናን ተደናገጽትናን ሒዝና ከነተግብሮ ከኣ እምነትና’ዩ።

ሕቶ፡- ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጻዕቂ ናይ መወዳእታ መዐረፊኦም ካብ ዝገብርዎ ዘለው ምድሪ ኤውሮጳ’ዩ። እንተኾነ ግን ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ኣወንታዊ ተግባራቶም ከም ዘለዎ ቅቡል ገይርና፡ ካብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ግን ኣብ ኣተሓሓዛ ስደተኛታት ዝኸተልዎ ዘለው ኣገባብ ሚዛኑ ዝሓለወ’ዩ ክትብል ዝከኣል ኣይኮነን። ምስ’ቲ ካብኣቶም ዝግበር ትጽቢት ዝቃዶ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ስደተኛታት በዚሑና ኣብ ቁጠባና ኮነ ማሕበራዊ ህይወትና ተጽዕኖ ይገብረልና ኣሎ ካብ ዝብል ኩርናዕ ተበጊሶም፡ ምስ’ቲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ዝኾነ መንግስታዊ ጉጅለ ተሻሪኾም፡ ነቶም ናብ ሃገሮም ዝኣተው ናብ ሃገሮም ናይ ምምላሶም መደባት ከም ዘለዎም’ዩ ዝስማዕ፡ እሞ ሓቂ ተፈሊጡ እዚ ጉዳይ ክዕጸፍ ስለዘለዎ፡ ምስ’ቶም ህይወቶም ከድሕኑ ዝኸድዎም ዘለው ወገናትና ክደናገጹ ንምግባር፡ ብወገንኩም ወይ ምስ ካልኦት ኮይንኩም ክሳብ ሕጂ እታ ዝገበርክሞ ንጥፈታት ኣሎ? ክሳብ ሕጂ እንተዘይገርኩም ንቕድሚት ከ እንታይ ዝሓዝክሞ መደብ ኣሎ?

መልሲ፡- ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ዕማም ናይ ማሕበር ረድአትን ምዕባለን ኤርትራ፡ ህዝብታት ኤርትራ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ዘሎ ጸረ-ሰብኣውነት ዝኾነ ጨፍላቒ ፖሊሲ፡ ዝፍትውዋ ሃገሮምን ማይ በቶምን ንድሕሪት ገዲፎም ዋሕዚ ክበሃል ብዝከኣል ስደት፡ ኣብ ጉዕዘኦም ዘጋጥሞም ዘሎ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ብልክዕ ተረዲኡ፡ ኣብ ዘተኣታትዎ ዘሎ ግጉይ ኣተሓሕዛ ዳግመ ርእይቶ ገይሩ፡ ነቲ ጠንቂ ጥፍኣትን ስደትን ዝኾነ ዘይ ህዝባውን ዘይደሞክራስያውን ስርዓት ብግቡእ ኣጽኒዖም ፍትሓዊ ዝኾነ ውሳነ ክውስኑ፡ ምስ ስደተኛታት ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምድንጋጾም ከርእዩን ንምርዳእ ዝጀመሮ ፈተነታት ኣሎ። እዚ በይንና ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ግዱሳት ብምትሕብባር ክንቅጽለሉ ኢና። ምኽንያቱ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዓለም ደረጃ ዘለዎ ጽልዋን ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኮነ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ፖሊሲ ምቅልሉን ፍትሓውን’ዩ። ንቕድሚት’ውን ነዚ ክቕጽሎ ንኹሉ ዝጠቅም ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝፍጸም ዘሎ በደል ብጭብጢ ብሰነድ ቀሪብካ ተዛቲኻ ኣእሚንካ ሓቂ ሒዞም ኣብ ጎኒ ግዳያት ክኾኑ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኢና።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ከም ሕብረት ኮነ ኣባል ሃገራት፡ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸቕጢ ናይ ስደተኛታት፡ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ኩነታት ዝፈጥረሎም ተጽዕኖ ጥራሕ ዘይኮነ ግን፡ ኣብ ጸጥታዊ መዳይ’ውን ስግኣት ከም ዘለዎም ምርዳእ ጽቡቕ’ዩ። ምኽንያቱ ስደተኛታት ተመሲሎም ኣሸበርቲ ጉጅለታት ክኣትውዎምን ንነዊሕ ዓመታት ዝሃነጽዎ ሰላም ደሞክራስን ቁጠባዊ ትካላትን ከዕንውሎም ይኽእሉ’ዮም። እዚ ንሕና’ውን ንቕበሎ ስግኣት’ዩ። ኣብ ፈረንሳ፡ በልጂም ጀርመን ዝተራእየ ናይ ኣሽበርቲ መጥቃዕቲ ድማ ኣብነት ይመስለኒ። ስለዚ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ስደተኛታት ተኣሳሲሩ ወድዓዊ ጸገም ገጢምዎም ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ይኹን ግን እቲ ካብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ናብ ሃገሮም ዝመጽእ ዘሎ ስደተኛታት 98% ክበሃል ዝከኣል መነባብሮ ከመሓይሽ ኢሉ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ወጽዓ በጺሕዎ ቅሳነት ስለዝሰኣነ፡ ሰላም ኣለዎም፡ ደሞክራሲ ኣለዎም፡ ፍትሒ ኣለዎም’ሞ ህይወተይ ከድሕን ኢሉ ይመጽኦም ከም ዘሎ ክብደት ሂቦም ክርድእዎን ብኡ መንጽር ኣተሓሕዛኦም ከመዓራርዩን ቅኑዕ ይመስለኒ። ስልኳታት ኣሽበርቲ ሰጊእካን ቁጠባዊ ምቅጻጽ ከይገብሩልካ ሰሲዕካን ሰብኣዊ ሓልዮት ንዘድልዮም ሰብኣውያን ፍጡራት ኣይትእተውና፡ ኣይትቕረቡና ረሓቑልና ኣይበሃልን። ከም’ዚ ምግባር ንስልጡን   ክፍለ ዓለም ኤውሮጳዊ ዝምጥን ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ መሰል ከምዘየለ፡ ብሓደ ሰብ ዝዝወር ዝመርሓሉን ዝምረሓሉ ሃገራዊ ቅዋም ዘይብሉ፡ ውሱን ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ድላዩ ይገብር ከም ዘሎ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ምስጢር ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ስርዓት ከም ዘሎ፡ እንታይ ዓይነት ግፍዕታት ከም ዝፍጽም፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት መስካሪ ደኣምበር ምስክር ዝደሊ ኣይመስለንን። ኣብ ዝኣመንካዮ ናይ ምውዳብ፡ ናይ ምንቅስቓስ፡ ናይ እምነት ነጻነት፡ ናይ ምፍራይ፡ ገደባት ከም ዘሎ ማንም ዝፈልጦ’ዩ። ስለዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብፍላይ ምስ ስርዓት ህግደፍ ተሻሪኹ ጥራሕ ዘይኮነ ንክትኣምኖ ዘጸግም ኣማኢት ሚሊዮናት ኣሕቊፉ ዋሕዚ ስደተኛታት ክዓግተሉ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ፍረ ከምዘይረበሉ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ኤውሮጳዊ ስልጣነ ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ግን ዘሕፍር’ዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሓደ ፍጹም መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ተመሓዝዩ ብገንዘብ እናጠበረ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ፍታሕ ከምጸኣሉ ምሕሳቡ፡ ኤውሮጳዊ ብልሒ ፖለቲካ፣ ክብረት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ናበይ የንቆልቁል ኣሎ ዘየብል ኣይመስለንን። ንሕና ኤርትራውያን ግን ብመረዳእታ ንምዕጻፉ ካብ ጸቢብ ውድባዊ ሕሳባት ወጺእና ብተናጸል ዘይኮነ ብውሁድን ውድቡን ኣገባብ መረዳእታና ሒዝና ክንወፍረሉ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሕቶ፡- ገለ ወገናት ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰረ መንግስታት ኤውሮጳ ብጻዕቂ ስደተኛታትን ስልኳታት ኣሸበርትን ስለ ዝተሸገሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዓበይቲ ናይ ዕደና ኩባኒያታት ኣብ ኤርትራ ኣዋፊሮም ዘይተኣደነ ሃብቲ ይጉሕጉሑ ስለ ዘለው፡ እዚ ከይጎድሎም ነቲ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ንምሕጓስ ወይ ንምጥባር ኮነ ኢሎም ዝገብርዎ ዘለው ተግባር’ዩ ኢሎም ክገልጹ ይስምዑ’ዮም። ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎም። ነዚ መሰረት ገይሮም ንመንግስታቶም ይቃወሙ’ዮም። ኤርትራውያን ናይ ብሓቂ ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት’ዮም ስለዚ ከኣ ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ ኢሎም ክከራኸሩ ይስምዑ’ዮም። እዚ ጽቡቕ’ዩ። ግን ብተግባር ነዚ ዝድግፍ ጭቡጥ ሓበሬታ ዘስንቕ ኤርትራዊ ጥርናፈ ኣሎዶ?

መልሲ፡- ኣነ ኣብ በበይኑ ግዝያት ኣብ ኤውሮጳ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣኼባታትን ሰሚናራትን ተኻፊለ’የ። ቅድም ክብል ነካይዶ ዝነበርና ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ዝርደኣሉ ንመሰሉ ኣብ ጎኒና ዝስለፈሉ፡ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጸገምና ብግቡእ ዝርደኣሉ፡ ኣህጉራውን ሰብኣውን ግዴታኡ ዝዋጽኣሉ መድረኽ ክመጽእ’ዩ ዝብል ተስፋ ሰኒቕና ኒሕ ዓጢቕና ኢና ነካይዶ ዝነበርና። ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ዝሕዞም ጭርሖታት፡ ዘመሓላልፎም መልእኽታት፡ ዓይነትን ብዝሕን ተሳተፍትን ግን ካብ’ቲ ዝጸንሐ መሰረታዊ ለውጢ ኣለዎ። ኤውሮጳ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ክፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብደረጃ’ቲ ሕብረት ኮነ ተናጸል ሃገራት ምስ ስርዓት ኣስመራ ዘለዎም ዝምድና ክፍትሹን ብስም ልስሉስ ዲፕሎማስን ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዛት ዝገብርዎ ዘለው ደገፍ ከቋርጹ፡ ኣመት ውጹዓት ኤርትራውያን ክገብሩ ዘዘኻኽርን ዝጽውዕን’ዩ። ህግደፍ ከም ስርዓትን ወሰንቲ ኣካላቱን ብገበን ተሓተቲ’ዮም ዝብል ድምጺ ይስማዕ ኣሎ። ከም’ዚ ኣብ’ዚ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ኣብ ኒው ዮርክ ዝገብረ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ስርዓት’ዚ ብባህሪኡን ብተግባሩን ብህዝብታት ኤርትራ ዝተጸልአን ዝተነጸለን ምዃኑ ንምርዳእ ዝግበር ቃልሲ ዋላ’ኳ ከም’ቲ ክኾኖ ዝግባእ ቅልጡፍ ኮይኑ ኣድማዒ ፍረ ኣብ ዘምጸኣሉ ደረጃ እንተዘይበጽሐ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝገብርዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ግን ከጻሊ ኣሎ። ፍረ ከምጽእ ምዃኑ ከኣ እምነተይ’ዩ።

መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትምስረት፡ ተመስሪታ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ ክብረት ዝምልከት ክልተ ግዜ ብኣማኢት ገጻት ዝሓዘ ብመርተዖ ዝሃብተመ ጸብጻባት ብምቕራብ፡ ፈጸምቲ ገበን ክሕተቱ ኣለዎም ዝብል ክሲ ክሳብ ምምስራት ዝኸደሉ’ኮ ባዕሉ ዝሃንደሶ ወይ ስቕ ኢሉ ካብ ጎደና ዝኣከቦ ሓበሬታ ገይሩ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ውልቀ-ሰባት፣ ስቪክ ማሕበራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ማዕከናት ዜናን ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ከቕርብዎ ናይ ዝጸንሑ ጥርዓናት ውጽኢት’ዩ። ንሶም ብቃል ምስክርነት፡ ብጽሕፍን ድምጽን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ተመርኲሱ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ዩ። ስለዚ ሕቶኻ ንምምላስ ንተግባራት ስርዓት ህግደፍ ንምቅላዕን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ምስኡ ዝሻረኹ ወገናት ኢዶም ክስሕቡ ንምግባርን ቃልሲ ክካየድ ጸኒሑ’ዩ። ንቕድሚት’ውን ብዝሓየለ ክቕጽልዩ።

                                                               ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 23-11-2016

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox