^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 58 guests and no members online

ውጽኢት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ባይታን ኣብ ህዝብን

እምበር ኣብ ንፋስ ኣይንበብን።

ኣብ ፖለቲካ ኩነታት ምዕባለን ውድቀትን ሓንቲ ሃገር ንምምዛን ንከመይነት እታ ሃገር ትኽተሎ ልዕለ ቅርጻን፡ ብተግባር ትወፍረሉ ትሕተ ቅርጻን እንታይ ይመስል ብግቡእ ምንባብ ኣገዳሲ’ዩ። ልዕለ ቅርጻ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ብኢድ ዘይድህሰሱ ከም ፖለቲካ፣ ሕጊ፣ ባህሊ፣ ናይ ዜጋታት ንቕሓት፣ ስነ-ልቦናዊ ብስለትን ርግኣትን ….ወዘተ ዝበሉ ወሰንቲ ዓውድታት የጠቓልል። ትሕተ ቅርጻ ድማ፡ ከም ደረጃኦም ዝሓለው ጽርጊያታት፣ መንገዲ ባቡራት፣ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ኣብያተ ዕዮታት፣ መዘናግዒ ቦታታት፣ ዲጋታት፣ ዘመናዊ ሕርሻታት፣ ከም ትካላት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ጽሬቱ ዝሓለወ ቀረብ ማይ፣ መብራህቲ፣ ስልክን ካልኦት መራኸቢታትን ይሓቑፍ። ትሕተ ቅርጻ ብሕጋታት ልዕለ ቅርጻ ይምራሕን ይግራሕን። ልዕለ ቅርጻ ባህሪያት ሓደ መንግስቲ እንታይ ይመስል ዝምዘነሉ ወሳኒ ረቛሒ’ዩ። ልዕለ ቅርጻ ንሰላምን ዝርገትን፣ ንድኽነትን ልምዓትን፣ ንምዕባለን ውድቀትን ህዝቢ ወሳኒ ግደ ይጻወት። ስለዚ ከኣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣንፈት ምዕባለ ኣሎ’ዶ የለን ንምፋልጥ፡ ኣብ መሬት እንታይ ተሃኒጹ ኣይተሃንጸን ቅድሚ ምርኣይ፡ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ልዕለ ቅርጻ እንታይ ይመስል ብግቡእ ምንባብ የድሊ። ምኽንያቱ ረብሓን መሰል ህዝቢ ዝማእከሉ ፖለቲካዊ መስመርን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ኣብ ዘይብሉ፡ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ልምዓት ንምክያድ ስለዘይከኣል።

ካብ’ዚ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ዚ ተበጊስና፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ትሕተ ቅርጻ እዛ ሃገር እንታይ ሰሪሑ ኣይሰርሐን ቅድሚ ምድህሳስና፡ ንሰላምን ልምዓትን ዘገልግል ፖለቲካዊ ተፈጥሮን ካብ’ዚ ዝምንጩ ስትራተጅን ስልትን ኣለዎ’ዶ የብሉን? ኣብ ኣድላይነት ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ዘለዎ ርድኢት ከ ዝብሉ ነገራት ምርኣይን ምምላስን ኣገዳሲ’ዩ። ብዝተፈላለዩ ወገናት ተደጋጊሙ ክግለጽ ከም ዝጸንሐ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ስማዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ እንክፍጠር ጀሚሩ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ብሩህ ወይ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ኣይነበሮን። ደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን ኣይጸንሖን። መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣየኽብርን።ኣብ ልዕልና ሕግን ሕጋውነትን ኣይኣምንን። ብስነ-መጎት ሓይሊ ደኣምበር፡ ብሓይሊ ሓሳብ ኣይረዳዳእን። ግዝያዊ ጠቕሚታት መምስ ዝረኸበሉ ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ዝለዋወጥ ደኣምበር፡ ዝተጸንዐ ካብ ናብ ዘብጽሕ ስትራተጂን ስልትን ኣይነበሮን። ሕጂ’ውን የብሉን።

ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ዝበዝሐ ግዜ ብፖለቲካ ኣንቂሑ ኣዕጊቡ ዘይኮነ፡ ኣብ ደስ ዝበሎ ግዜን ኩነታት ንዜጋታት ኣገሪሁን ኣገዲዱን ብምግፋፍ የሰልፍ ኔይሩ። ነቲ ኣብ ባህልና ከም ንጉስ ወይን ንግስቲ ዝቑጸር ክቡር ናይ ሕጽነት ግዜ ብምጥሓስ፡ መርዓትን መርዓውን ካብ ንእዲ ሕጽነት ገፊፉ ይወስድ ኔይሩ። ንዓቕሚ ኣዳም ዘይበጽሑ ጓሶት ንጉስነት ካብ ገዛኦም በረኻ ምስ ወፈሩ ብኡ ንብኡ ገፊፉ ይወስድ፡ ካብ መንገዲ ሃዲሞም ናብ ጥሪቶም ክምለሱ ንዝፍትኑ ድማ ብተመልከተለይ ተኲሱ ይቕትል ኔይሩ። እዚ ዘይደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ፈጢርዎ ዝነበረ ኣሉታዊ ስምዒት ብመልክዕ ዜማ ወይ ደርፊ “ዑቑባዝጊ ወሲድዋ ጓለይ ውኻርያ በሊዓታ ጤለይ” ብምባል ይገልጽ ምንባሩ፡ ሃይማኖታዊ ሕግታት ዘየፍቅዶ መዓጹ ሰቢሩ ብምእታው ክሳብ ደመን ዘይንቀጻ ሓራሳት ዝርከበኣን ደቂ-ኣንስትዮ የሰልፍ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ጀርበት ኣብ ዝነበረ መደበር ታዕሊም፡ ህጻውንቲ ገዲፈን ተገፊፈን ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝኣተዋ ወላዳት ወይ ኣጥበውቲ፡ ኣጥባተን ብጸባ ተወጢሩ ይሽገራን ይቕንዘዋን ምንባረን፡ ሓለፈትን ድማ ኣብ ክንዲ ናብ ደቀን ዝሰድወን ናብ መሬት ክሓልባኦ ይእዝዝወን ምንባሮም፡ ነዚ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ናይ’ቲ ከባቢ ነባሪ ህዝቢ ድማ፡ ነታ ክፉእን ዘይንብሩን ዝረኣየላ ቦታ “ምሕላብ ሓራሳት” ኢሉ ከም ዝሰየማን ብኸምኡ ድማ ከም ዝጽወዓን ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻነትን እንታይ እናገበረ ከም ዝመጸ ጭቡጥ መረዳእታ’ዩ። ብካልእ ሽነኽ ከኣ ኣብ ልዕልተን ንክቡር ዕላማ በረኻ ወጺአን ኣብ መሳርዕ ውድቡ ተሰሊፈን ዝጋደላ ዝነበራ ክቡራት ኣሓትና፡ ብሓውሲ ወግዓዊ ዝፍጽሞ ዝነበረ ጾታዊ ዓመጽ፡ ብሰንኪ’ዚ ዝበጽሐን ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ማህሰይትን ምዝካር’ውን ኣገዳሲ’ዩ።

ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ከም’ቲ “እግርን ከበሮን በበይኑ” ዝበሃል ዝዛረቦን ዝገብሮን በበይኑ’ዩ። ንኣብነት ካብ እዋን ገድሊ ኣትሒዙ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ውጽኢታዊ ስራሓት ከም ዘሰላሰለ’ዩ ዝገልጽ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኣብ እዋን ገድሊ፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ ከም መዋፈሪኡ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ከባቢታት ንዝነብር ህዝቢ ከከም ኩነታቱ፡ ዝህቦ ዝነበረ ውሱን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ገዲፋካ፡ ብመደብ ሒዙ ዝሰርሓሉ ህዝባዊ ሕክምናን ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርትን ኣይነበረን። ንኣብነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰፊሕ ናይ ህዝባዊ ሕክምናን ምጥፋእት ድንቁርናን መደባት ኔርዋ። ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ግን ብመደብ ዝሰርሓሉ ህዝባዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣይነበሮን።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ መንግስትነት ዕድሜኡ ኣብ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ዝተኸተሎ ፖሊሲ፡ ዝሰርሖ ተግባራትን ከም ውጽኢቱ ኣብ ህዝቢ ዝፈጠሮ ዕግበትን’ውን ከምኡ ምስ’ቲ ጌረዮ ኢሉ ዝነብሓሉ ዝሰማማዕ ኣይኮነን። ዝሓለፈ 25 ዓመታት ናይ እህህታን ቃንዛን ዓመታት’ዩ ኔይሩ። ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብሄራትን ብሄረ-ሰባት ኤርትራ ከኣ ከም ህዝብታት ሰላም ረኺቦም እፎይ ዝበልሉ ዓመታት ይትረፍ ወርሓት’ውን ኣይተቖጽረን። ሃገራዊ ሰላም ኣብዘይብሉ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ምሉእ ንምሉእ ኣብ ዝተጨፈለቐሉ፣ ኲናት ወረ ኲናትን ኣብ ኣእምሮ ዜጋታት ፍሉይ ቦታ ሒዙ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ፡ ምርምር፡ ልምዓትን ዕቤትን ምሕሳብ ኣብ ዝደብዘዘሉ፡ ሕቶ ብህይወት ምንባርን ዘይምንባርን ቅድሚት መጺኡ፡ ስድራ ቤታት ኣብ ዝብተናሉን ዘለዋ ወቕቲ፡ “ሓላዪ ህዝቡ መንግስቲ ኤርትራ ንመንእሰያትን ትምህርትን ብዝሃቦ ፍሉይ ጠመተን እዚ ዓውዲ ንምምዕባል ዝገበሮ ገዚፍ ወጻኢታትን ብኩለንተንኡ ምሉእ ፍልጠት ዝደለበ፡ ኣብ ነብሱ ዝተኣማመን ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ ትውልዲ ተፈጢሩ ኣሎ፡” ዝብል ውጹእ ሓሶት ካብ ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ ምስማዕ ልሙድ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዶ ሓሶት ንምፍላጥ ከኣ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ምንባብ የድሊ።

እቲ ብመጽናዕቲ ብተሳትፎ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ብኣጉል ኣነነት ብመደብ ዝተጀመረ ዕንደራዊ ወፍሪ፡ ክሳብ ብደረጃ ስርዓተ ትምህርቲ ማለት ምምሃርን ምስትምሃርን ተሰሪሕሉስ፡ እነሆ ሎሚ ሃገር ከም ሃገር ሓላፍነት ዝስመዖ ተረካቢ ወለዶ ከይትስእን ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት ወዲቓ ትርከብ። ሓንቲ ሃገር ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን እንትኽተሎ ኣንፈት፡ ብቐጥታ ወለዶ ምስ ምህናጽን ምቕታልን’ዩ ዝተኣሳሰር። ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝምንጩ፡ ንህዝቢ ዘሳተፈ ህዝባዊ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ንመምህርን ተመሃራይን ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ብምቕራብ ምሉእ ፍልጠት ዘለዎ ወለዶ ይሃንጽ። ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዘይምንጩ፡ ህዝቢ ዘየሳተፈ ብትምክሕታዊ ፕሮፖጋንዳዊ ኣነነት ዝምራሕ ስርዓተ ትምህርቲ ድማ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሰንፈላል ዝወደቐ ራእይ ዘይብሉ ሓይሊ ሰብ የፍሪ።

“ዳሪክተር ጀነራል ክፍሊ ምርምርን ምልመላን ዓቕሚ ሰብ” ስርዓት ህግደፍ መ/ር ጴጥሮስ ሃ/ማርያም ብ06 ጥቅምቲ 2016 ኣብ መስኮት ቴሌቭዥን “ጉዳይ ኣብ ዘተ” ዝብል መደብ ቀሪቡ፡ ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝምዝገብ ዘለዎ ዓወታትን ዝምልከት ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ስርዓት ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ብመደብ ዝወፈረሉን ዝዘርኦን ይሓፍስ ከምዘሎ ጭቡጥ መረጋገጺ’ዩ። መ/ር ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ውጽኢታውያን ዝኾኑ ተመሃሮ ንምፍራይ ከምዘይተኽኣለ፡ ብቕዓት ዘለዎም መማህራን ከምዘየለው፡ ብቕዓት ዘለዎም መማህራንን ውጽኢታውያን ተመሃሮን ክትረክብ፡ ብዙሕ ነገር ክትገብር ከምዘለካ፡ ካብኡ ሓደ ንመምህር ዘድሊዮን ተመሃራይ ዝጠልቦን ነገራውን ስነ-ኣእምሮኣውን መሳለጥያ ምቕራብ ከምዘድሊ ግልጺ ጌሩ። ግን ከኣ ውልዶ ሃገር ስለዝኾና፡ ድኻ ሃገር ስለ ዝኾና ብዝብል ነቲ ብመደብ እናተሰርሓሉ ዝመጸ ሓደ ወለዶ ምሉእ ዝረመሰ ግጉይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምኽንያት ክገብረሉ ፈቲኑ። ሓቂ ግን እንተሃደምካሉ’ውን ደድሕሬኻ’ዩ ዝስዕብ። ስለዚ ከኣ ህግደፋውያን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብፕሮፕጋንዳ ክሽፍንዎ ከቶ ኣይከኣሎምን።

ስማዊ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ዝኽተሎ ፖሊሲ ጌረሉ ዝብሎ ወፍርን ኣ ረጋጊጸዮ ዝብሎ ዓወታትን ኣመልኪቱ’ውን ብዙሕ ክነብሕ ይስማዕ’ዩ። ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጹ መደባት ሸቶታት ሚሊኒየም ካብ ዘዐወቱ መንግስታት ሓደ’የ። ምስክረይ ድማ ተወካሊት ዩ ኤን ዲ ፒ ማለት ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ’ያ እናበለ ይውጭጭ ኣሎ። እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሩ ግን ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝቃዶ ኣይኮነን። ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ኣዴታትን ህጻናት ከኣ ብፍላይ፡ ካብ መጥቃዕቲ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ነጻ ክኾኑን ዘይክኾኑን መጀመርያ ሃገር ከደን ውሑስ ሰላም ክረጋገጽ ኣለዎ። ሕግን ሕጋውነትን ብሓሳብን ብተግባርን ልዕልና ክረክብ ኣለዎ። እንተወሓደ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ክስረት ኣለዎ። ህዝቢ ብዝተፈጥረ ሰላም፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ደሞክራስን ተሓታትነት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ትካላትን ክዓግብ ኣለዎ። ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዝፈርሕ ዘይኮነስ፡ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ንመሰሉ ብወግዒ ዝከራኸር፡ ንመንግስትን ኣካላት መንግስትን ዝቆጻጸር ክኸውን ኣለዎ።

ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ምድሪ ኤርትራ በተሓሳስባን ብተግባርን ኣረጋጊጽዎ ዘሎ ልዕልነት ግን፡ ኣጥሚኻን ኣድኪኻን ግዛእ ዝብል’ዩ። ጽልእን ኲናትን ፈጢርካ፡ ሓድነት ዘሪግካ፡ ሕድሕድ ምትእምማን ኣጥፊእካ ፈላሊኻ ዕድመ ስልጣንካ ኣናውሕ ዝብል ድሑርን ኣዕናውን ፖሊሲ’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ድማ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ ኣዴታትን ህጻናት ከኣ ብፍላይ ክሕሎ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣልቦ ሰብ ኣብ ዝተርፋ ዘለዋ ዓድታትን ከተማታትን ኤርትራ፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቐመጦም ሸቶታት ሚሊኒዮም ኣዐዊተ ኢሉ ክጀሃር ሕጫጨ ‘ምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ሰላምን ደሞክራስን ዘየስፈነ ስርዓት፡ ጥዕና ዜጋታት ዝሕለወሉ ፖሊሲ ቀሪጹ ከተግብር ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስማዊ ስርዓት ኣዐዊተዮም ኢሉ ካብ ዝጀሃረሎም ሓደ ምቕናስ ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ዝብል’ዩ። ህጻናት ካብ ክልተ መጻምዲ’ዮም ዝፈርዩ። ብምድግጋፍን ክንክንን ክልተ ወለዲ ድማ’ዮም፡ ዘድልዮም መግቢ፣ ክዳን፣ ትምሀርቲ፣ ሕክምና፣ ፍቕሪ ረኺቦም፡ ብኣካልን ብስነ-ልቦናን ብቑዓት ኮይኖም ዝዓብ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ባዕሉ ህይወቱ ዝመርሓሉ፡ ሰብ ቃል ኪዳን ኪዳኖም ኣጽኒዖም ብቐረባ ሓቢሮም ዝነብርሉ ኩነታት የለን። ኣቦ ኣብ ገለ ግዜ ድማ ኣቦን ኣደን ንነዊሕ ዓመታት ከይተራኸቡ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተሰየመ ባርነታዊ ኣገልግሎት ብጅሆ ተታሒዞም ዝነብርሉ ህይወት’ዩ ዘሎ። ህይወቶም ዝመርሕሉ ቁጠባዊ እቶት የብሎምን። ኣጋጣሚታት ረኺቦም ክሰርሑ እንተደለዩ’ውን ስራሕ የለን።

ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዓዘቕቲ ዝነብሩ ዘለዎ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ፡ ጥዕናዊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ሳላ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ክንክን ሞት ቀኒሶም። በዓል እከለ መስኪሮም እናበልካ ምህውታት፡ በቶም ኣላዪ ኣልቦ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝተደኮና መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘለው፡ ኣብ ጎደናታት ኤውሮጳ ተደርብዮም ገለ ድማ ኣበይ ከም ዝኣተው መን ከም ዝወሰዶም ደሃይ ዘይብሎም ዝጠፍኡ ህጻናት፡ ከምኡ’ውን ካብ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ጀሚርካ ብዝተፈላለዩ ገበነኛታት ብጾታዊ ዓመጽ ዝተጠቕዓን ብሕማምን ዘይተደላዪ ጥንስን ኣእምሮአን ዝተናወጻን ክሳብ ምስ ዕትብቱ ዘይተበትከ ህጻን ኣብ ባሕሪ ከንሳፍፋ ዝተራእያ ኣዴታትን ብጭብጢ ዝርታዕ’ዩ። ህግደፍ ሕማም ዓሶ ተመሓላልፍ ጣንጡ ካብ ዝበዝሕ መሬት ኤርትራ ኣጥፊአያ ክብል’ውን ይሳማዕ’ዩ። ብኸመይ በየናይ ፖሊሲ፡ ሓያሊ ሰብ፣ መድሓኒት ንዝብል ሕቶ ግን ጭቡጥ መልሲ የብሉን። ብሓቂ ቅኑዕ ህዝባዊ ጥዕና፡ ዘድሊ ሓይሊ ሰብን መሳለጥያን ኣብ ዘለወሉ ጣንጡ መሊአን እንተዘይጠፍኣ’ውን ንምቕናስ ይከኣል’ዩ። ሃገራዊ ሰላም፣ ቅኑዕ ፖሊሲ፣ ሓይሊ ሰብ፣ መሳለጥያን ኣብ ዘይብሉ ግን፡ ኣይኮነን ከተጥፍእ ክትቅንስ ኣይከኣልን። ስለዚ ከኣ ውጽኢት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ህዝብን ኣብ ባይታን ‘ምበር ኣብ ንፋስ ኣይንበብን። ህግደፍ ገበርኩ ዝብሎ ዘሎ ከኣ ብእዝኒ ዝስማዕ ደኣምበር፡ ኣብ ባይታ ብዓይኒ ዝረአ ኣዴታትን ህጻናት ካብ ሞት ዝተረፍሉ ወፍሪ የለን።

ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደግሓኤ ጥቕምቲ 2016 ሕታም 14 ዝተወስደ።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 23-11-2016

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox