^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 107 guests and no members online

TeweldeGhebreselassieሕቶ፡- ናብ’ቲ ንምሁራት ዝምልከት ዝሃብካዮ መግለጺ ክመልሰካ ብ/ተወልደ፡ ምሁር ክበሃል እንከሎ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን ንብዙሕ ነገራት’ዩ ዘጠቓልል ንሕና ሕጂ ጉዳይ ፖለቲካ’ዩ ዘዛርበና ዘሎ፡ ምሁርን ፖለቲካን ከመይ’ዮም ዝኸዱ? ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ምሁራት ክሳተፉ ኣለዎም ይበሃል’ዩ። ግን ዕድመ ተጌርሎም ብተወፋይነት ዝሳተፉ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ስለዚ ኣብ’ዚ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ከመይ’ዮም ክዋስኡ ዘለዎም።

መልሲ፡- ኤርትራዊ ምሁር ክፍልታት ዋላ’ኳ ከም’ቲ ዝድለ ነጻ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ኣብ ማሕበራውን ካልእን ዓውድታት ዓቕሙ ጸንቂቑ ብነጻነት ክዋሳኣሉ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ እንተዘይነበሮ፡ ኣብ ምምጻእ ሃገራዊ ነጻነት ናቱ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። እቲ ዝነበረ ውድዕነት ዘፍቅደሉ ኣበርክቶ ጌሩ’ዩ። ከም’ቲ ዝድለ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ወኒኑ መሪሕ ተርኡ ይጻወት ኔሩ ግን ክበሃል ኣይከኣልን። ከም ዜጋ ኣብ’ቲ ሓርበኝነት ተሳቲፉ ዋጋ ከፊሉ’ዩ። መግዛእታዊ ስርዓት ተሰዒሩ ሃገራዊ ልዑላውነት ተረጋጊጹ። መሰረታዊ ናይ ሓርነት ሕቶ ግን ኣይተመለሰን። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ኣይተኻእለን። ስለዚ’ከ ቃልሲ ክቕጽል ግድን ኮይኑ። ኣብ’ዚ እቲ ምሁር ክፍሊ ኣብ ኣንጻር ምልኪ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከም’ቲ ዝድለ ይሳተፍ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከም’ቲ ናይ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ውደባ ገና ኣይሓየለን ኣሎ ዝበልናዮን እዚ ምሁር ክፍሊ’ውን ሓያሉ ይዋሳእ የለን። ብእምነትና እቲ ኣብ’ቲ ሕብረ-ተሰብ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ንዓኡ’ውን ዝጸልዎ’ዩ። ብህዝባዊ ኣተሓሳስባ ገና ኣይተቐየረን ኣሎ። ግዝያዊ ጠቕምታት ምቕዳም’ውን የለን ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ ገዛኢ ኣተሓሳስባታት’ዚ መሊኡ ኣብ’ቲ ቃልሲ ከይሳተፍ ኣብ ምድኻሙ ናቱ ብጽሒት ክህልዎ’ዩ። ክሳብ እዚ ዶባዊ ኲናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጅመር’ኮ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ዝዋስኡ ዝነበሩ ምሁራት ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም ኔሮም። ድሒሩ ግን እቲ ኩነታት እንዳኸፍአ መጺኡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ውዕውዕ መድረኻዊ ሕቶ ምስ ኮነ መልክዕ እናሓዘ ክመጽእ ጀሚሩ። እዚ ከተባባዕ ዘለዎ’ዩ።

ካልእ ንሕና ኤርትራዊ ምሁር ኣገዳሲ መሪሕ ተራ ክጻወት ኣለዎ ክንብል እንከለና፡ ደሞክራሲ ሕቶ ምምሕዳር ናይ ህዝቢ’ዩ ካብ ዝብል ኢና ንብገስ። ኣብ’ዚ ብቑዕ ዝበሃል ምሁር ከመይ ዝኣመሰለ’ዩ፡ ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ህዝባዊ ወገናውነት ዝስመዖ ደሞክራስያዊ ምሁር ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለና። ደሞክራት ምሁር ንወጽዓታት ህዝቢ ዝርዳእ፡ ሕቶታትን ህዝቢ ንምምላስ ድልዊ ዝኾነ ምስ ዝኸውን መሪሕ ተርኡ ክጻወት ዝእግሞ ነገር ኣይክህሉን። ነገራት ብማዕርነታውን ፍትሓውን ኣገባብ ዘይጥምት፡ ኣብ ድሕረት ዝተቖማጠዐ እንተደኣ ኮይኑ ደሞክራስያዊ ምሁር ኣይኮነን። በቲ ዝተማህረሉ ሞያ ገለ ከበርክት ይኽእል’ዩ። ኣብ’ዚ ካብ ስርዓት ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ብምስግጋር ህዝቢ ንምድሓንን ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምውጻእ ኣብ ዝገበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ግን መሪሕ ደሞክራስያዊ ባእታ ኮይኑ ክዋሳእ ኣይክእልን።

ሕቶ፡- ሕራይ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ገለ ምቅይያር ተጌሩ ኣሎ። እቲ ምቅይያር ተሓሲብሉ ብመደብ ዝተገብረ ድዩ ወይ ሽዑ ዘጋጠመ ሃንደበት’ዩ?

መልሲ፡- እዚ ምቅይያራት መሪሕነት ዝምልከት ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ተላዒሉ ኣብ ውሽጢ ከዛርብ ዝጸንሐ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት እንታይ ክግበር ይከኣል እናተዘርበሉ ዝመጸ’ዩ። ኣብ’ዚ ድሮ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤና ዝተኻየደ ውድባዊ ሰሚናር ድማ ብሰፊሑ ተዘራሪብናሉ። ምቕያር ኣቦ-መንበር ምስ መጸ ከኣ ኣብ ኩሉ ቤት ጽሕፈታት ናይ ምቅይያራት ኩነታት ፈጢሩ።

ሕቶ፡- ብ/ተወልደ ካብ ሰማኒያታት ኣትሒዝካ ኣቦ-መንበር ውድብ፣ ኣብ በብእዋኑ ዝነበሩ ከም ደሞክራስያዊ ግንባር ሓይልታት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ብኣቦ-መንበርነት እንዳመራሕካ መጺእካ ክነስኻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ግን ካብ ኣቦ-መንበርነት ወድብ ወሪድካ ምክትል ኮይንካ ኣለኻ፡ እዚ ጉዳይ ዝተጸበኻዮ ድዩ፡ ምስ ወረድካኸ እንታይ ተሰሚዑኳ፡ ናብ ካልእ’ከ እንታይ መልእኽቲ የሕልፍ ትብል?

መልሲ፡- ብርግጽ እቲ መስርሕ ከም’ቲ ዝበልካዮ’ዩ መጺኡ። ኣቐዲመ ከም ዝገለጽዎ ሕቶ ናይ ምትኽኻእ ዝበሃል ኣብ በበይኑ ኣጋጥሚታት ነልዕሎ ኔርና ኢና። ንሕና ነገራት ክንርእን ክንምድብን እንከለና ማእከልና ስራሕ’ዩ። ስለዚ እቲ ዝተገብረ ምቅይያር ከም መቐሎ ስራሕ ጌርካ ዝውሰድ ደኣምበር ንውሽጥና ዘምጸኣልና ጸገም የለን። ብብዙሕ ሸነኹ መዚና ተመያየጥና ሓባራዊ ኣግንዝቦ ምስ ተታሕዘሎ ዝተገብረ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣብ ካልኦት ስምዒታት ይፈጥር ይኸውን ኣባና ግን ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒት የብሉን። ምኽንያቱ ይሓይሽ ተባሂሉ ተመያይጥና ዝገበርናዮ ጉዳይ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ከኣ ኣባይ ዝኾነ ዝፈጥሮ ጸገም የለን። ከም ባህሪያዊ ጌርካ ክውሰድ ዘለዎ’ዩ።

ሕቶ፡- ብ/ተወልደ ናብ ካልእ ሕቶ ከስገረ’ሞ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣበየናይ ክፍሊ ተመዲብካ ትሰርሕ ኔርካ ከም ተመክሮ’ኸ እንታይ ትምህርቲ ቀሲመሉ ትብል?

መልሲ፡- ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1974’የ ተሰሊፈ። መጀመርያ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1974-75 ናብ ከበሳታት ደይባ ሰፊሕ ምንቅስቓሳት ትገብረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ መደበር ዜና ዝነበሮ ባርካ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዜና ኣብ ከበሳ ተኸፊቱ ስለዝነበረ፡ ከም ሓደ ኣባል ናይ’ታ ናይ ዜና ኦዲቶርያል ቦርድ ኮይነ ክሰርሕ ተመዲበ። ድሕሪ ጉባኤ ኣብ ዝተገብረ ምቅይያራት ድማ ሓላፊ ናይ’ታ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ጨንፈት ቤት ጽሕፈት ዜና ኮይኑ ሰሪሐ። ኣብ መጀመርያ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ክፍሊ ዜና ንብምሉእ ከበሳታት ኤርትራ ሰምሃር ደንከሊያ እንኮላይ ንኢትዮጵያ ዝጠመተ ስራሕ’ዩ ዘሰላስል ኔሩ። ድሒሩ ካልኦት ጨናፍራት’ውን ተኸፊቱ’ዩ። ኣብ ክፍሊ ዜና ክሳብ 1977 ጸኒሐ። ድሕሪኡ ህዝባዊ ማሕበራት ክጣየሳ መምርሒ ምስ ወረደ፡ ከም ምስ ካልኦት ብጾተይ ኣብ ሓረስቶት ተመዲበ። ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ምስ ተገብረ ከኣ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ክፍሊ መጽናዕቲ ናይ ማሕበር ሓረስቶታት ኮይነ። ኤርትራዊ ሓረስታይ ታሪኻዊ ድሕረ ባይትኡ እንታይ ይመስል ከመይ መጺኡ፡ ሕጂ ‘ኸ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ፡ ዋንነት መሬትን ኣጠቓቕምኡን ዝምልከት ደቂቕ መጽናዕቲ የድልዮ ስለዝነበረ፡ ቀንዲ ትኹረተይ ናብ’ዚ ዝገበረ ኔሩ። ቀጺሉ እቲ ናይ ኮኦፖራቲቭ /ተራድኦ/ ጀሚሩ ኣብ’ዚ’ውን ኣባል ፈጻሚትን ናይ ክፍሊ መጽናዕትን ኮይነ ተመዲበ። ማሕበር መንእሰያት ክጣየስ ኣብ ዝተራእየሉ ድማ፡ ከመይ ይመስረት ዝብል ብላዕለዎት ተወዲኡ፡ ብመንእሰያት ሓረስቶት፣ ካብ መንእሰያት ተጋደልቲ፣ ካብ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ፣ ካብ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ካብ’ዚኦም ዝተዋጸአ ሓደ መሪሕነት ክቐውም ኣለዎ ተባሂሉ። ስለዚ ኣነ ንመንእሰያት ሓረስቶት ወኪለ ንዝተወሰነ እዋን ሰሪሐ።

እዚ ኩሉ ዝብለካ ዘለኹ እቲ ኣብ ሓረስቶት ዘለኒ ሓላፍነት ፍሉይ ዕማመን ከም ዘለዎ እንዳሃለወ’ዩ። ብዝኾነ ኣብ 1979 እቲ ንመሬት ዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ተጻፊፉ ብደረጃ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣዊጁ። ነዚ ኣዋጅ ኣብ ተግባር ንምውዓል ድማ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካል ክቖመሉ ኔርዎ። ካብ ሓረስቶት፣ ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ዝተወጻጸአት ናይ መሬት ምዕዳል ምድልዳልን ዝተባህለት ሽማግለ ቆይማ። ስለዚ ከኣ ኣነ ዋና ጸሓፊ ናይ’ታ ሽማግለ ኔረ። በቲ ጽበት መሬትን ብዙሕ ጸገማት ዝነበሮ ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ሰራየ፣ ሓማሴንን ኣከለ-ጉዛይን ድማ ጀሚርና ተግቢርናዮ።

ናይ መወዳእታ መደበይ ብውጥን ደረጃ ዝነበረ፡ ወኪል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸውን ዝብል’ዩ። በቲ ዝምልከቶ ኣካል ኩሉ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት’ኳ ተወዲኡ እንተነበረ ከቢድ ኲናት ሕድሕድ ዝካየደሉ፡ ውድብ ብውሽጣ ኣብ ኣዝዩ ጽጉም ኩነታት ዝኣተወትሉ ውድዕነት ስለ ዝነበረ ብውሽጠይ ኣይተተባባዕኩን። ኣብ’ዚ ኩሉ ዝኸድክዎ መስርሕ ዝረኽብክዎ ሰፊሕ ተመክሮ ኣሎ። ነቲ ዝተኸስተ ዘይጽቡቕ ኩነታት ተቓሊስካ ከመይ ክልወጥ ይከኣል ምስ በበይኖም ክፍልታት ሕብረ-ተሰብ ንዘራረበሉ ኔርና። ገለ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት ለውጥታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኔሮም’ዮም። ስለዚ ምስ’ቲ ኩሉ ብትምክሕትን ጽበትን ዝካየድ ዝነበረ ምትህልላኻት ብዙሕ ትምሀርቲ ረኺበ’የ ክብል እኽእል። እቲ ተምክሮ በዚ ዘለኩም ሓጺር ናይ ኣየር ግዜ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ሕቶ፡- ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚርካ ንስለ ህዝብን ሃገርን ክትብል ኣብ ፖለቲካ ትነጥፍ ዘለኻ ገዲም ፖለቲከኛ ከም ምዃን’ኳ መጠን ንፖለቲካ ኤርትራ ከመይ ትገልጾ?

መልሲ፡ ብመሰረቱ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ክንሪኦ እንከለና፡ መጀመርያ እቲ ህዝቢ ሓረበኛ ህዝቢ’ዩ። ኣንጻር መግዛእቲ ናይ 100 ዓመት ተመክሮ ዘለዎ’ዩ። ፈታዊ ሃገሩ ድማ’ዩ። ንቓልሲ ውፉይ’ዩ። ባህሉ እንተርኢናዮ’ውን ጻዕረኛ ህዝቢ’ዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ጸጋ’ዩ። እዚ ተመክሮ’ዚ ግን ካብ’ቲ ሃገራዊ ሓርበኝነት ሓሊፉ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ከዐውት ኣይከኣለን። ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሰውራ’ዩ’ መሰረታዊ ለውጢ ከኣ’ዩ ዝጠልብ ኔሩ። ስለዚ እቲ ኩሉ ሓርበኝነት ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከረጋግጽ ኣይበቕዐን። እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ተራ ሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ’ዩ ኣረጋጊጹ። እዚኣ ካብ’ቲ ሕቶታት ህዝቢ ሓንቲ ጥራሕ’ያ። ናይ ሓርነት ሕቶ ክምለስ ኣይተኻእለን። ስለዚ ፈሽሉ። መሬት ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ጌሩ እዚ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ህዝቢ ሓራ ክገብር ግን ኣይከኣለን። ናይ ሓርነት ሕቶ እንተዘይመሊስካ መሬት ንበይና ተነጺላ ምልእቲ ክትከውን ኣይትኽእልን’ያ። ልኡላውነት ክንብል እንከለና ከኣ፡ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ማለትና’ዩ። ልዑላዊ ማለት ህዝቢ’ዩ። ስለዚ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ኣሎ ኣብ ኤርትራ። ነዚ እቲ ቀዳማይ ወለዶ ዝስከሞ ታሪኽ’ዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ደሞክራስያዊ ልዕልነት ዘረጋገጸ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ዘይምህላው’ዩ። ደሞክራስያዊ ኣረኣኣያ ዝነበሮ ሓይሊ ልዕልና ኣይነበሮን። ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ልዕልነት ሒዙ ዝነበረ እቲ ተራ ሃገራዊ ሓይልታት’ዩ። ተራ ሃገራዊ ሓይልታት ድማ ጸረ-መግዛእቲ ሓርበኛዊ ቃልሲ ካብ ምክያድ ሓሊፉ ህዝባዊ ደሞክራሲ ከረጋግጽ ትጽቢት ኣይግበረሉን። እዚ ብተግባር ዝረኣናዮን ንሪኦ ዘለናን ኩነታት ክኽሰት ድማ ባሕሪያዊ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ እቲ ደሞክራስያዊ ሕቶን ቃልስን ክቕጽል ግድን ዝገብር ውድዕነት ተፈጢሩ። ተነጻጻጊ ኣረኣእያታት፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ናይ ምቅላስ ባህሊ ዘይምህላው፡ ኩሉ ዓቕሚታት ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ዘይምቕናዕ፡ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ናይ ዘይምሃብ፡ ስልጣን መን በሓተ ውድድራት ህያው ስለ ዘሎ፡ እቲ ቀንዲ ዕማምን ሕቶን ህዝቢ ዛጊት ኣይተመለሰን።

ሕቶ፡ ልዑላውነት ናይ ህዝቢ ኣይተረጋገጸን ክትብል ገሊጽካ፡ እንታይ ስለ ዝጎደለ’ዩ ዘይተረጋገጸ፡ ሓርነታዊ መሰላት ናይ ህዝቢ ክንብል እንከለና’ኸ እንታይ ማለትና’ዩ?

መልሲ፡- ልዑላውነት ናይ ህዝቢ ክንብል እንከለና ኣብ ጉዳዩ ኣብ መሰሉ፡ ብቐጥታን ብወከልቱ ኣቢሉን ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ብግዝኣተ ሕጊ ዝምራሕ ህዝቢ ማለትና’ዩ። መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስን ህዝቢ ማለትና’ዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ሎሚ የለን። ሓደ ውልቀ ሰብ ከም ድሌቱ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ ዘሎ። ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ብማዕርነትን ብምክብባርን ሓቢሮም ዝነብሩላ፡ ሃብቲ ሃገርን ፖለቲካዊ ስልጣን ብነጻን ፍትሓዊ ኣገባብን ዝመቓርሑላ ሃገር ክትህሉ ኣለዋ። እዚ ኣብ ዘይብሉ ልዑላውነት ህዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ሕቶ፡ ገለ ካብ’ቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ተሳታፊ ዝነበረ፡ ከም ናትና ዝበለ ደሞክራስያዊ፡ ኣሳታፊ፡ ሓያል፡ ሰውራ ኣይተራኣየን ኢሉ ክዛረብ ይስማዕ። ናብ’ቲ ተካኢ ወለዶ ዘሕልፎ ዘሎ መልእኽቲ ድማ ንሱ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ህዝባዊ ረብሓታት ዘረጋግጽ መሰረታዊ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ሕቶ ክሳብ ዘይመለሰ እቲ መን ከም ናትና ዝብል ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣይጋጮን’ዶ ትብል?

መልሲ፡- መጀመርያ እቲ ከምኡ ዝብል ዘሎ ኩነታት ዘየንብብ፡ መጻኢ ዘይርኢ ኣብ ሕሉፍ ዝነብር’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ኣወንታዊ ነገራት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ኣሉታ ኣይነበረ ማለት ኣይኮነን። ጽቡቕ ኔሩ፡ ሕማቕ’ውን ኔሩ። ስለዚ ኣብ ሕሉፍ ካብ ዝፈጸምካዮ ጌጋታት ክትመሃር እንተዘይክኢልካ ግን ንቕድሚት ኣይትሕገዝን። ንሕና ከም ህዝብን ከም ሃገርን ሓርበኛዊ ቃልሲ ኣይካይድና፡ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና፡ ግን መስዋእቲ ክንከፍል እንከለና ከም ተጋደልቲ ነጻ’ዶ ኔርና? እቲ ሰብ ዝመስሉ ሓሳባት ክህብ ክቃወም ክውድብ፡ ህይወቱ ክመርሕ ዘኽእሎ ናይ ሓርነት ባይታ ኔሩ ድዩ ኣብ ሰውራ ኤርትራ? ኣይነበረን። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንኣብነት ሓርበኛ ውድብ’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራሲ ኣይነበረን። ናይ ርእይቶ ነጻነት ኣይነበረን። ዝተፈልየ ርእይቶ እንተለካ ተኣሲርካ ሓለዋ ሰውራ ኢኻ ትኣቱ። ከም ሰብ የለኻን ተቐንጺልካ ኣለኻ ማለት’ዩ። እዚ ሰውራ ከመይ’ዩ ዝምራሕ ዘሎ ኢልካ ክትግምግም፡ መንገድና ቅኑዕ ድዩ ኣይቅኑዕን ሓሳባት ብነጻነት ከተውርድ ከተደይብ ክትነቅፍ፡ ዘኽእል ባይታ ዝፈጠረ ኣይነበረን። ድሕሪ ነጻነት ክንሪኦ ኢና ሕጂ ጸረ መግዛእቲ ጥራሕ ንቃለስ ዝብል መልሲ ይወሃብ ምንባሩ’ውን ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። እዚ ኣየኽይድን’ዩ።

ተጋዳላይ ኮይንካ ህዝቢ ሓራ ከትውጽእ እንተደኣ ኮይንካ መጀመርያ ንነብስኻ ሓራ ክትከውን ኣለካ። ንገዛእ ርእስኻ ናይ ርእይቶ ነጻነት ዘይብልካ እንዳሃለኻ ንካልኦት ሓራ ከተውጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ ብስነ-መጎት። ስለዚ እቲ ተጋዳላይ ንባዕሉ ሓራ ኮይኑ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ወኒኑ ኣይመጸን። ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ተጸዊሩ ሓቢሩ ክኸይድ ከም ዝኽእል ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። ሓንቲ መንገዲ ጥራሕ ሒዙ ክመጽእ’ዩ ተጌሩ። የማን ጸጋም ኣይትጠምን ጸረ-መግዛእቲ ተቓለስ፡ ካልእ ኣይትርአ፡ ናብ ውሽጣዊ ኩነታትካ ኣይትጥምት እንተኢል’ኳ ደሞክራሲ ሽዑ ንሽዑ ተዓጽያ ኣላ ማለት’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ወሳኒ ትምክሕታዊ መሪሕነታዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ክፍጠር ክኢሉ። ሓፋሽ ተጋዳላይን ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ንጹህ’ዩ፡ ሃገራዊ ግቡአይ የበርክት ኣለኹ ዝብል ጥራሕ ዝርኢ ኔሩ። እቲ ትምክሕታዊ መሪሕነታዊ ጉጅለ ናበይ ይመርሖ ኣሎ ዝርኢ ኣይነበረን። ሓደ ተቓላሳይ መግዛእቲ ምስ ኣልገስና ከመይ ኢና ክንቅጽል፡ ብኸመይ ኢና ክንነባበር ዝብል ዘይርኢ እንተደኣ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ጸገም’ዩ። ተሓጺብካ ናብ ጭቓ ዓይነት ውጽኢት ክኽሰት ከኣ ባህሪያዊ’ዩ።

ብርግጽ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስያዊ ሕቶ ዘልዓሉ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን ኔሮም’ዮም። እንተኾነ ግን ገሊኦም ብየሚን፣ ገሊኦም ብመንካዕ፣ ገሊኦም ቁዋራሻ እንዳተባህሉ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣትዮም ሃሊቖም’ዮም። ምሁር ክፍሊ ንኡስ ብርዥዋ እንዳተባህለ ክሳብ ዝዳሃል ተቐጥቂጡ’ዩ። ንገባር /ሓረስታይ/ ዘይትሓሊ እንዳሃለኻ፡ ነቲ ገባር ልዕልና ክትህብ ከም ዝተዳለኻ ጌርካ ምሁር ንኡስ ብርዥዋ’ዩ ፈታዊ ነብሱ’ዩ እንዳተባህለ ይቕጥቀጥ’ዩ ኔሩ። ስለዚ እቲ ክልውጥ ዝኽእል ዝነበረ ዓቕሚታት ተዳሂሉ እቲ ለውጢ ክመጻሉ ዝኽእል ዕድላት እናተዓጽወ’ዩ መጺኡ። እቲ ዝነበረ ሕጂ’ኮ ብዝበኣሰ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ሎሚ ንሪኦ ዘለና ሕጂ ዝተወልደ ኣይኮነን ዝጸንሐ’ዩ። እታ ምቕጥቃጥ ቀጺላ። እታ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረት ምቕጥቃጥ ድሕሪ ነጻነት፡ ንውጉኣት ሓርነት ቀጥቂጣ፣ ንተማሃሮ ኣብ ዊዓ ከጥቂጣ፣ ንጉጅለ 15 ቀጥቂጣ፣ ንኹሉ ኣብ ውሽጣ ጽገናዊ ለውጢ’ውን ይኹን ክገብር ዝተበገሰ ተቐጥቂጡ’ዩ። እዛ ተመክሮ’ዚኣ ነቲ ውድብ ዘዕበየቶ ካብ ሳሕል ዝመጸት’ያ። ሕጂ ዝተወልደት ኣይኮነትን። ነቲ ውድብ ብባህሪ ዘዕበየቶ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዝሓዘ ደሃሎ፣ ቀጥቅጦ፣ እሰሮ፣ ረሽኖ ትብል’ያ። ይዝከረኒ ንሕና ኣብ 89 እዚ ውድብ’ዚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ኣይክእልን’ዩ ዝብል እምነትና ብጽሑፋት ንምህር ኔርና። ከም’ቲ “ካብ እንቋቖሖ ተመን’ሲ ርግቢት ክትመጽእ ኣይትኽእል’ያ” ዝተባህለ፡ ህዝባዊ ግንባር ሃገራዊ ሓርበኛ’ዩ ኔሩ’ምበር ብፈጥሮኡ ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ጨሪሱ ደሞክራስያዊ ባህልን ኣሰራርሓን ኣይነበሮን።

                                 ሳልሳይ ክፋሉ ይቕጽል

                                 ወርሒ ሓምለ 2014

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox