^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 109 guests and no members online

TeweldeGhebreselassieሕቶ፡- ሓፈሻዊ ክግለጽ እንከሎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ፍልልይ ከም ዘይነበረን ይዝረብ’ዩ፡ እሞ እዚ ሓድሽ ወለዶ መታን ክመሃረሉ ናብ ኲናት ሕድሕድ ዘብጸሐን እንታይ ከም ዝኾነ እንተተገልጸልና?

መልሲ፡- እዘን ክልተ ውድባት ከም’ቲ ኣቐዲምና’ውን ዝበልናዮ ጸረ-መግዛእቲ ዝቃለሳ ዝነበራ ሓርበኛ ውድባት’የን። ንደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባታት ዝኸውን ጥጡሕ ባይታ ኣይነበረንን።

ውድብና ካብ ቅድም ኣትሒዙ በቲ ንሳተን ዝኸዳኦ ዝነብራ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ብነጻነት ክሸራሸር ዕድል ክረክብ’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበሮን። ኣብ እዋኑ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ’ውን ነቲ ዘይደሞክራስያዊ ኣካይዳታት፡ ብደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ንምቕያር ዝዓለመ’ዩ ኔሩ። ከም ሳግም ኮይና ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝገበርናዮ ዘተ ዝፈላለየና ጉዳይ’ውን ብተመሳሳሊ ንሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ዝጻወር ባይታ የለን ዝብል’ዩ ኔሩ። እቲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ካድራትን መሰረታትን እቲ ውድብ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ከም ሳግም ኮይና ዘልዓልናዮ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ግን ሽዑ ኣይተዓወተን። ዛጊት ሎሚ’ውን ኣይተዓወተን። ስለዚ ከኣ ኢና ኣብ ቃልሲ ንርከብ ዘለና። ህዝባዊ ግንባር ዘይደሞክራስያዊ ውድብ እንዳሃለወ፡ ንነብሱ ከም ደሞክራስያዊ ውድብ ጌሩ ይርኢ ስለዝነበረ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ክንኣቱ’ዩ ሕቶ ኣቕሪቡልና ንሕና ግን ኣይተቐበልናዮን። ምኽንያቱ ዘይደሞክራስያውነቱ ኣቐዲምና ዝመዘናዮ’ዩ። ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ስለዚ ድማ ኢና ከም ርእስና ዝኸኣልና ነጻ ምንቅስቓስ ኮይና ክንቃለስ ዝመረጽና። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ፕሮግራም ፍልልይ ስለዘይነበረን ሓድነት ጌረን ብሓባር ጸረ-መግዛእቲ ክቃለሳ ዝኽእላ ተራ ሃገራውያን ውድባት’የን ኔረን። እንታይ ደኣ’ዩ እቲ ዝፈላለየ እንተተባህለ ሜዳ ኤርትራ መን ብላዕለዋይነት ተቖጻጸረ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ከም ፖለቲካዊ መርተዖ ኮይኑ ክቐረብ ዝኽእል መፈላለይ ነጥቢ የለን።

ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ዝጭበጥ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይነበሮ ደማዊ ውግእ ሕድሕድ፡ ብዙሕ ሰብኣዊ ነዋታውን ሞራላውን ዕንወት በጺሑ’ዩ። እቶም ኣብ’ዚ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኮነ ኣካሎም ዝጎደሉ ዜጋታት’ዮም፡ ቤተ-ሰብ ድማ ኣለውዎም። ይኹን ደኣ’ምበር ብዛዕባ’ዚ ኣመት ዝገብር ኣካል የለን/ ኣይረአን/ ገለ ወገናት ተሓታቲ ዘይብሉ ተረዲዑ’ዩ፡ ከይዱ ከይዱ ግን ነቲ ንንየተሉ ሓያል ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ክጎድኡ’ዩ ኢሎም ስኽፍታኦም ክገልጹ ይስምዑ። ብወገንካ’ኸ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

መልሲ፡- ብመሰረቱ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ መንጎአን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ዋላ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ እንተዝነበረን’ውን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዘብጽሐን ኣይነበረንን። ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተራኣየ ኣብ መንጎ እቶም ሓይልታት ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት እንዳሃለዎም ብመልክዕ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ተማሓዝዮም ኣንጻር መግዛእቲ ዝቃለሱ ኔሮም’ዮም። ኣብ ነጻ ሃገር ከኣ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባታት ከተስፍን ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ከተረጋገጽ ኣብ ሰላማዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ውድድር ኢኻ ትኣቱ። ግደፍዶ ኣብ’ዚ ናትና ኣብ ቻይና ኣንጻር ኮሚንታንግ ብሓንሳብ ተቓሊሶም’ዮም። ስለዚ እቲ ዝተገበረ ውግእ ሕድሕድ ብመሰረቱ ግጉይ መን ላዕልዋይ ኢድ ሓዘ ዝፈጠሮ ዘሓላፍነታዊ ቁርቁስ’ዩ ዝብል ተረድኦ ኣለና። ኣብ’ዚ ከም’ቲ ዝበልካዮ ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም ኣካሎም ጎዲሎም’ዮም። ብዙሕ ተሓታትነት ዘይብሉ ኩነታት ኣጋጢምዎ እቲ ቃልሲ። እዚ ሃገራዊ ስምዒት ክጎድእ ይኽእል’ዩ። ኣላዪ ዝሰኣኑ ዝተረስዑ ወገናት ብርግጽ ብዙሓት’ዮም። ኣብ ከሰላ ሱዳን ዓበይቲ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበሩ ብዕድመ ደፊኦም፡ ብኣካል ተጎሳቒሎም ማይ ወሪዶም ህይወትም ከምርሑ እንክትዕዘብ ሕማቕ ይስመዓካ። ኣብ ካልእ ሃገራት ብተመሳሳሊ ነብሶም ደቆምን ዝዕንገልሉ፡ ዕለታዊ መግቢ ንምርካብ ዝሽገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ዝተረስዑ ወገናት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ጥራሕ ኣይኮኑን። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ኣላዪ ዘይብሎም’ውን ብዙሓት’ዮም። ስለዚ ነዚኦም ኩሎም ተሓታትነት ብዘለዎ ክንክን ክገበረሎም ይግባእ።

ሕጂ’ውን እቲ መስዋእትን መውጋእትን ይቕጽል ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽ ንስለ ህዝብን ሃገርን ክበሃል ህይወቶም ዝሰኣኑ ወይ ኣካሎም ዝጎደሉ’ዮም። እቲ ህይወቶም ዝኸፈልሉ ኣካሎም ድማ ዝጎደልሉ ሕብረ-ተሰብ ኣመቶም ክገብር ኣለዎ። እንተኾነ ግን ንከምኡ ዝዕድም ኩነታት ዳርጋ የለን። እቲ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ውድባት ከም ኣብነት እንተወሲድና ክገብር እንተደለየ’ውን ጭቡጥ ቁጠባዊ ዓቕሙ ድሩት’ዩ። ህግደፍ ከኣ ኣይኮነን ኣመቶም ክገብር ቀጻልነት ብዘለዎ ህይወቶም ዝመርሕሉ ወይ ዝሕገዝሉ ባይታ ክፈጥር ተመሊሱ ብስሞም’ዩ ዝሽቅጥ። ስለዚ እዚ ጉዳይ’ዚ ንቕድሚት ዓቢ ጾር ይጽበየና ከም ዘሎ ዘመልክት’ዩ። ቀዳማይ ምርጫ ግን ነቲ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ዝብል ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ሸቶኡ ኣብጺሕና ኣመቶም ንገብረሉ ኩነታት ንምፍጣር ምርብራብ’ዩ። ብርግጽ ዕለታዊ መግቢ ዘይምርካብ ግዜ ዝህብ ስለዘይኮነ፡ ዓቕሚ ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ማሕበረ ድዩ ውድብ ኩሉ ግዜ ኣመቶም ክገብር ክደጋገፎም ምትብባዕ ምጉስጓስ ጽቡቕ’ዩ። ከም መሰረታዊ መፍትሒ ግን፡ እዚ ኩለ-መዳዊ ምዕባለ ዓጽዩ ዘሎ ጸረ-ሰላምን ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ምልጋስ መተካእታ ዘይብሉ መድረኻዊ ዕማም ምዃኑ ዝተረደኣ ሓባራዊ ቃልሲ ምክያድ ወሳኒ’ዩ። ብዓብዩ ከኣ ኣብ እዋን ሃገራዊ ነጻነት ኮነ ሕጂ ዝተፈጸመ ገበናት ከቢድ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ከመይ ከነሕውዮ ንኽእል ብሓላፍነት ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ። ንቕድሚት ብሕጋዊ ኣገባብ ድዩ ክመሓደር ወይስ ብሃገራዊ ዕርቂ ነዚ ዘጻሪ ነጻ መርማሪ ኮሚሽን ምቛም ዘድልዮ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። ክንደይ ስድራ ቤታት ኮስኲሰን ኣዕብየን ኣጋዲለን ክንሰን ደቀን ምስ ስውኣት ዘይተጸብጸቡ ኣበይ ወዲቑ ዘይፈልጡ፡ እህህ እንዳበሉ ኣብ ሓዘን ዝነበሩ ብዙሓት’ዮም። ኣብ ውሽጢ’ዚ 23 ዓመታት ከኣ ኤርትራ ናብ ዓበይ ቤት ማእሰርቲ’ያ ተቐይራ ዘላ። ብዙሓት ዜጋታት ተኣሲሮም፡ ተጨውዮም፡ ኣካሎም ጎዲሎም፡ ተረሽኖም፡ ስድራ ቤታት ተፈላለየን፡ ማሕበራዊ ህይወት ተናጊዑ እዚ ኩሉ ተሓታቲ ኣለዎ። ግን ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ንፈትሖ ዘይኮነ ንቕድሚት ንድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝጽበየና ዘሎ ጾር’ዩ።

ሕቶ፡- ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንዝሓለፈ ተመክሮ ብድፍኑ ከድንቑን ክድነቑን ደኣምበር፡ መድረኽ ከፊቶም ኣወንታን ኣሉታን ናይ ምግምጋም ፖለቲካዊ ባህሊ የብሎምን። እዚ ጉዳኢ ድዩ ጠቓሚ? እዞም ኣብ ዘይፍትሓዊ ደማዊ ኲናት ዝሃለቑ ኮነ ብካልእ ብውልቀ ብጃምላን ዝጥፍኡ ዜጋታት ሓታቲ የብሎምን። ፖለቲካዊ ገምጋም ዝበሃል ስለዘይፍለጥ መን’ዩ ተሓታቲ ብወግዒ ብጭብጢ ዝቐርብ የለን። እቲ ድሒሩ ዝኸይድ ዘሎ ድማ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዝቐደመ’ዩ። እሞ እዝሲ መመሊሱ እናጎድኣና ዝኸይዶ ኣይከውንን?

መልሲ፡- ሕቶ ተሓታትነት ግድን ከድልዮ’ዩ። ሕጂ ሕቶ ተሓታትነት ከተልዕል እንተኾይንካ ግን፡ ነቲ ጸረ እቲ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ ዕንቅፋት ክፈጥር ይኽእል’ዩ። እዝከረኒ ሃገራዊ ዋዕላ ክንገብር ኣለና ኢልና ኣብ ዝተብገስናሉ፡ ኣብ’ቲ ቃልሲ ኣገዳሲ ተራ ብዘለዎም ምሁራን ቅድሚ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕርቂ ክገበር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ኔሩ። እዚ ነዊሕ ክትዕ ወሲዱልና። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ መንጎ’ቶም ኣካላት መስርሕ ዕርቂ ክትጅምር ከቢድ’ዩ። እቲ ኣካላት ተዳምዩ’ዩ። ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት እከለ ከምዚ በዲልካ ከም’ዚ ጥፍኣት ሰሪሕካ እንዳበልካ ሃገራዊ ዕርቂ ከተካይድ ዘኽእል ውድዕነት የለን። ኣብ ቅድሚና ዘሎ ተባራዒ ሕቶ ሃገራዊ ዕርቂ ዘይኮነ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ሕቶ’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ክንምልስ ኩሉ እቲ ሓይልታት ማለት ደላዪ ለውጢ ትማሊ እንታይ ኢሉ እንታይ ጌሩ ብዘየገድስ ብሓደ መርሖ ዝኽደሉ መርሖ ኢና ክንሕዝ ዘለና። እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ገበናት ግን፡ ከምቲ ናይ ናዚ ፋሺዝም ኣብ ኑርንበርግ ብሕጊ ዝተራእየሉ ዲና ክንክተል ወይ ከም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ዕርቂ ንቕድሚት ንህዝቢ ኤርትራ ዝወከለ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝሪኦ ነገር’ዩ። ስለዚ ኣይግዝይኡን ዝብል እምነት’ዩ ኔሩና። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ተፈናጭሉ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ’ውን ከምኡ። ስለዚ ሕሉፍ ገበናት ሕጂ ንቕድሚት ከነምጽእ ትኽክል ኣይመሰለንን።

እቲ ኣወንታን ኣሉታን ዝበሃል ካልእ ገምጋማት ግን ኩሉ ግዜ ክግበር ኣገዳሲ’ዩ። ሓፈሻዊ ደኣምበር ናይ ሓባር ጭቡጥ ገምጋም’ኮ የብልናን። ብዛዕባ ባህርን ተግባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓደ ዓይነት ሚዛንን ገምጋም የብልናን። ኣብ ባህርን ተግባርን ህዝባዊ ግምባር/ህግደፍ ዘለና ገምጋም’ውን ከምኡ ሓደ ኣይኮነን። እቲ ጎነጽ ከመይ መጺኡ መን እንታይ ፖለቲካዊ ርእይቶ ኣለዎ፡ ንህዝቢ ዘርብሕ ድዩ ዘየርብሕ፡ ኣብ ምቅልጣፍ እዚ ኣነካይዶ ዘለና ቃልሲ መን ኣወንታዊ ግደ ኣለዎ መን’ከ ኣሉታዊ ግደ ይጻወት ሓፈሻዊ ሚዛናትን ገምጋማት ክግበር ይከኣል’ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ግድን’ው ክግበር ዘለዎ ይመስለኒ። ከም ኣብነት ኣብ’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ኣወንታን ኣሉታን ክንግምግም እንከለና፡ ከባቢ 20 ዝኸውን ኣሉታታት ብሓባር ኣቐሚጥና፡፡ ኣወንታ ዝምልከት’ውን እዝን እዝን ኢሉ ኣቐሚጡ እዚ ጽቡቕ ነገር’ዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገምጋማት ንኸይግበር ዝኽልክል ኣይኮነን። እቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ’ቲ ብሓባር ዘውጸኦ መደባት ስራሕ ኣብ ምግምጋም ጸገም ኣለዎ’ዩ። ነገራት ከመይ ትሕዞምን ተመሓድሮምን ተመክሮና ሓደ ኣይኮነን። ኣረኣእያና’ውን ሓደ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ገምጋም ካብ ኣረኣእያኻን ስጥመት ውደባን ባህሊ ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን’ዩ ዝብገስ። ንሕና ምስ ካልኦት ነገራት ክንገምግም እንከለና እቲ ኣብ ውድብና ንጥቀመሉ ብልሕን ዕምቆትን ኣገማግማ ኣብኡ ክንገብር ኣይንኽእልን። ማዕሪኡ ክንከይድ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ባህልናን ባህሊ ናይ’ቲ ካልእ በበይኑ’ዩ።

እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዓውደ ተግባር ማዕረ ኣይዋስእን ኣይትግብርን። እዚ ብገምጋም ክዕረ ክገምገም ኣለዎ። ግን ክትግምግም ትጽገም። ስለምንታይ እቲ ባህሊ በበይኑ ስለዝኾነ። እዚ ዝኸበደ ጸገማና’ዩ። ዕንቅፋት’ዩ ድማ። ነቲ ናይ ሓባራ ዕማማት ኣብ ምስላጥ ብማዕረ’ዶ ዋጋ ንኸፍል ኣለና? ማዕረ ንኸፍል የለናን። በብቲ ዓቕሚና ዘፍቅዶ ክንትግብሮ ኢልና ብሓባር ዝተመደብናሉ ማዕረ ዋጋ ንኸፍል ስለዘየለና ብማዕረ ንስጉም የለናን። ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ነቲ መድረኻዊ ጠለብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ማእከል ጌሩ ዝወጸ ሓባራዊ መደባት ቀዳምነት ሂብካ ምስራሕን፡ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታት ቀዳምነት ምስራዕን ዘሎ ተደዋዊሱ ዝኸይድ ዘይተፈትሐ ጸገም’ዩ። ጸቢብ ውድባዊ ረብሓ ቀዳምነት ዝሰርዕ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ናይ ሓባር መደብን ረብሓን ቀዳምነት ክህቦ ኣይክእልን። ስለዚ እቲ ሓይልታት ይደክም። እቲ ሓይሊ ወይ ሓይልታት ኣድማዒ ወቓዒ ሓይሊ ዝኸውን ብማዕረ ንቕድሚት ከውንጭፎ ዝኽእል ናይ ተግባር ስራሕ ክሰርሕ እንተኽኢሉ ጥራሕ’ዩ። ቀዳምነት ንዝወሃቡ ብቐዳምነት ሰሪዕና ክንብገስ እንከለና፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምዕዋት ማዕረ ተወፋይነትን ምጥባቕን እንተዘይሃልዩ ጸገም’ዩ። ካብ’ቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመክሮ ኣይተገላገለን ኣሎ። ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ኣይጎልበተን ኣሎ። ካብ’ቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናታት ሎሚ ይሓይሽ ክበሃል እንከሎ ዝምድናዊ’ዩ። መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ለውጢ ኣይተረጋገጸን ኣሎ።

ለውጢ ክመጽእ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ውድባት ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ለውጢ ክረጋገጽ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሓባር ግንባራት እኩብ ድምር ናይ’ቲ ውድባት’ዩ። ኣብ ውሽጢ ውድባት ለውጢ እንተዘየልዩ፡ ኣብ ሓባራዊ ግንባር ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት ክገበር ኣይከኣልን። ለውጢ ንደሞክራሲ መጀመርያ ካብ ውሽጢ ውድብ’ያ ክትቦቁል ዘለዋ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህልና ኣይማዕበለን ኣይጎልበተን። ኣብ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘለና ኣገንዝቦ ኣይማዕበለን ኣይጎልበተን። ኣብ ናይ ሓባር መደባት ትገብሮ ኣስተዋጽኦ ማዕርነታዊ ኣኮይነን። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ከቢድ ዋጋ የኽፍለና ኣሎ። ካልእ ምርጫ ግን የለን። እቲ ምርጫ ነዚ ምልዋጥ ጥርሕ’ዩ።

ሕቶ፡- ለውጢ ዝጸበ ዘሎ ህዝቢ ውድባት ንቕድሚት ክደፋኣ ኣይከኣላን ለውጢ ከመዝግባ ከድሕናና ኣይከኣላን ዝብል መበገሲ ጌሩ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ክህሰ ይረአ’ዩ። ውድብ ከም ውድብ ኣብ ውሽጡ ገምጋም ዘይገብር፡ ንውሳኔታቱ ብተግባር ዘይሰርሓሉ እንተደኣኮይኑ ከመይ ክዕረ ይከኣል?

መልሲ፡- እቲ ፍታሕ ነታ ዘላ ንእሽቶ ኣወንታ ንቕድሚት እናደፋእካ ምኻድ’ዩ። ናይ’ቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር እዋናዊ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን’ዩ። ኣብ’ዚ ክንዲ ዝተኻእለ ምርብራብ’ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ክትከይድ ድማ ሓደ ሓይሊ ንበይኑ ዝገብሮ ዘይኮነስ፡ ነብስ ወከፍ ውድብ ኣብ ውሽጡ ብዝገብሮ ለውጥን ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦን’ዩ። ኣፍልጦ ናይ’ቲ ሕብረ-ተሰብ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ሓይልታት ዘውጸኦም መደባት ክትግብር፡ ብሓባር ክሰርሕ፡ ቀዳምነት ንዝወሃቦም ቀዳምነት ክህብ ክበቅዕ ኣብ ምግባር፡ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ዘለዎ ኣገንዝቦ ክዓቢ ኣለዎ። ምንኽንያቱ ህዝቢ እንተነቒሑ ኣብ ልዕሊ ውድባት ኣወንታዊ ጽልዋ ክገብር’ዩ። ህዝቢ ክነቅሕ ሰፊሕ ተሳትፎ ክገብር ግን ቀጻሊ ፖለቲካዊ ትምህርትን ጎስጓስን ክረክብ የድሊዮ። ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ክፈልጥን ክሳተፈን እንተተጌሩ ብዙሕ ነገራት ክልውጥ ይኽእል’ዩ። ቅድሚ ኩሉ ‘ምበኣር ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክምዕብል ኣለዎ። እዚ ክውን ክኸውን ከኣ ሰፊሕ ስራሕ ምስራሕ የድሊ።

ሕቶ፡ ቅድሚ ነጻነት ኮነ ድሕሪ ነጻነት ካብ ዝነበሩን ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ዝበዝሑ፡ ነጻነት፣ ሃገርነት፣ ልዑላውነት፣ ደሞክራሲ ኣብ ዝብል ዝተንጠልጠለ ድምጺ እንተዘይኮይኑ በሊሕ ደርባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ዘካየድሉ ኣይፍለጥን በዚ መንጽር ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ካብ ዘይብሉ፡ ህዝባዊ ወገናውነቱ ካብዘየነጸረ ፖለቲካዊ ሓይልታት ህዝቢ እንታይ ዓይነት ለውጢ ክጽበ ይኽእል?

መልሲ፡ መጀመርያ እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነብስ-ወከፉ ናተይ ዝብሎ ኣረኣእያ ኣለዎ’ዩ። ክሳብ ክንዳይ ህዝባዊ ወገናውነት ኣለዎ ዝብል ግን ክረአ ዘለዎ ይመስለኒ። ብመጻኢ ኣንጻር ክንሪኦ እንተኾን’ውን ኣፈላላይ ኣለዎ’ዩ። ተመሳሳሊ ኣረኣእያኣት ዘለዎ ኸኣ ብዙሕ ሓይልታት ኣሎ። ገሊኡ ከም’ቲ ዝበልካዮ ካብ ሓፈሻዊ ናይ ደሞክራስን ናይ ልዑላውነት ሕቶ ወጻኢ ርሑቕ ዝኸይድ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ’ዚ እምነታት’ዚ ሰፊሕ ናይ ኣረኣእያ ፍሕፍሕ ክካየድ ኔርዎ፡ ብተግባር ግን ከምኡ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣረኣእያ መሰረት ጌርካ ምፍልላይ ምክታዕ ከም ተራ ቆይቚ ጌሩ ዝወስዶ ኣሎ’ዩ ኣብ’ቲ ሓይልታት። እቲ ጸገም ከቢድ’ዩ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ነቲ ዝበዝሐን ክፋሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዝውክልን ዘርብሕን’ዶ ክዕወት ይኽእል ኣይኽእል እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ መጨረሻ ዘግህዶ’ዩ ዝኸውን። ሕጂ እታ ዝዓበየት ጸገም ኮይና ዘላ ግን በታ ዝነኣሰት ሓቢርካ ተጊህካ ዘይምስራሕ’ዩ። ንቕድሚት ዝጠመተ ኣብ ሕቶ ፖለቲካል ደሞክራሲ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ተረድኦ ክተሓዘሉ ዝኽእል ኣገባብ፡ ሰፊሕ መድረኽ ከፊትካ ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ወሪድካ ክስረሓሉ፡ ኣድላይነቱ ህያው ኮይኑ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ግን ከምኡ ይረአ የለን። እቲ ህዝቢ ግን እዚ ስርዓት’ዚ ተወገዱ ከመይ ሰለምን ደሞክራስን ይሰፍን ዝብል ሕቶ’ያ ዘላቶ። እቲ ደምበ ተቓውሞ ድማ ኣብ’ዚኣ’ዩ ዘይበቕዐ ዘሎ። ዘይበቕዓሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ድሑር ዝንባሌታትን ካብ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተመክሮ ዘይወጻ ኣሱር ኣተሓሳስባን ገና ዘይበለ ምህላው’ዩ። ገለ ገሊኦም ንገዛእ ርእሶም ዋላ ሓንቲ ዘይሰርሑ እንዳሃለወ ብትምክሕቲ ሰኺሮም እዚኦም ከምዚ’ዮም እዚኦም ከምዚ ኣበሮም ተግባሮም እንዳበሉ ኣብ ጸለመ ተዋፊሮም ትሪኦም።

ሕቶ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ብተገዳስነት ዝከታተሉ ወገናት፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ዝሕምሶ ዘሎ ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ዝምራሕ፡ ድልዱል መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ዘይምህላው ዝፈጠሮ ምጥፍእ ፖለቲካዊ መርሆ’ዩ ኢሎም ክገልጽዎ ይስምዑ፡ እዚ ርእይቶ’ዚ ሓቅነት ኣለዎ’ዶ? መሪሕ ውድብ ማለት’ከ እንታይ ማለት’ዩ? ኣስፍሕ ኣቢልካ እንተተገልጸልና?

መልሲ፡ ድልዱል መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ዘጥረየ ውድብ ዘይምህላው ጸገም ከምዘሎ ሓቂ’ዩ። እቲ ብመርሆ ዘይምኻድ ዝበልካዮ ግን፡ ብመርሆ ተመሪሕካ ምኻድ ኣሎ’ዩ። ውድብና ንኣብነት ነቲ ዝኣምነሉ ከዐውቶ ዝደሊ ብናይ ርሑቕን ቀረባን ሰሪዑ፡ ኣሰላላፋ ሓይልታት፡ ኣብ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ደሞክራስን መዚኑ፡ ምስኣቶም ብሓባር ብደረጃ ግንባራትን ብተናጸልን ከመይ ክሰርሕ ከም ዘለዎ፡ ምስ መን ክሳብ ኣበይ ክኸይድ ከምዝኽእል፡ ብንጹር ስኢሉ’ዩ ዝቃለስ ዘሎ። እቲ ጸገም ኣብ መርሆ ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ጸገም እዚ ብመርሆ ስትራተጂን ስልትን ቀሪጹ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ብኣረኣእያ ደረጃ ልዕልና ዝሓዘሉ ወቕቲ ኣይኮነን። ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣብ ደምበ ተቓውሞና ብልክዕ ሓባራዊ ኣገንዝቦ ተታሒዝሉ ኣብ ዝበረኸ መድረኽ ዝደየበ ኣይኮነን። ካልእ ካብ’ቲ ናይ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ልዕልነት ዘይምህላው ዝፈጥሮ ጸገም ዘይነኣኣስ፡ በቲ ዝተሓተ የስረሐና ኢልካ ዝቕረጽካዮ ስምምዓት ሓቢርካን ተኸባቢርካን ኣብ ተግባር ዘይምስራሕ ዘሎ ጸገም’ዩ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ብኹሉ ሓያል ጽልዋ ዘሕድር መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ እንተዝህሉ ኔሩ እዚ ጸገማት እዚ፡ እንተወሓደ በዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ኣይምሃለወን።

ካልእ እቲ መሪሕ ውድብ ማለት እንታይ ማለት’ዩ ዝበልካዮ፡ መሪሕ ውድብ ዝበሃል፡ ናይ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ልዕልነት ዘረጋገጸ ብኡ ድማ ተገዚኡ ዝቃለስ ሓያል ጸላዊ ውድብ ማለት’ዩ። እዚ ፍጹም ጌጋ ዘይብሉ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ክጥረ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ትምክሕትን ጽበትን ኣብ ኩሉ ኣሎ’ዩ። ኣብ ውድብና’ውን ትምክሕትን ጽበትን ኣሎ’ዩ። ገዛኢ ግን ኣይኮነን። ውድብና ኣብ ሕብረ-ተሰብ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ’ቲ ሕብረ-ሰብ ዘለው ድሑራት ስምዒታት ኣባና የለን’ውን ክንብል ኣይንኽእልን። ገዛእቲ ግን ኣይኮኑን። ድሑራት ስምዒታት ገዛእቲ እንተኾይኖም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ዝበሃል ኣይህሉን። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ሽዑ ንሽዑ ጠፊኡ ኣሎ ማለት’ዩ። ሓደ ውድብ መሪሕ ደሞክራያዊ ሓይሊ ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፡ ብህዝቢ ዝለዓሉ መሰረታዊ ጠለባት ፍታሕ ከምጽእ ብስትራተጂን ስልትን እንዳተመርሐ ኣብ ዓውደ ተግባር ዝረባረብ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ውጹዕ ሓፋሽ ኣብ ዙርያ’ዚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት’ዚ ዓሲሉ ክቃለስ ዝገብር መርሆ ተኸቲሉ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝወነነ፡ ኮታ ኣብ ውሽጡ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ባህሊ ዘማዕበለ ውድብ ማለትና’ዩ። እዚ ብቐሊል ትበጽሖ ኣይኮነን፡ ሓያል ጻዕርን ነዊሕ መስርሕን ዝጠልብ’ዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ’ቲ ሕብረ-ተሰብ ሓፍ ክብል ኣለዎ። ክሰፍሕ ኣለዎ። ዘለናዮ ወድዓዊ ኣተሃላልዋ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ብዙሕ’ዩ ዝተርፈና። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድሕረት ዝተኾማጠዐ ስርዓት’ዩ። ኣብ ድሕረት ዝተሸኽለ ስርዓት ከኣ ብቕኑዕ መንገዲ ክመርሕ ኣይክእልን። እኳ ደኣ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ነቲ ድሑር ስምዒታት ክዓሙቕ ሱር ክሰድድ ኣብ ምግባር’ዩ ዝረባረብ። ስለዚ ኣብ ከም’ዚ ኩነታት መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ዓዂኹ ክወጽእ ብዙሕ ኩለ-መዳያዊ ጻዕሪ የድሊዮ።

                             ራብዓይ ክፋል ይቕጽል

                               ወርሒ ሓምለ 2014

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox