^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 77 guests and no members online

                                        

ጀርመን 30 ሚያዝያ 2017

ብመሰረት ጻዊዒት “ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመንን፣ “መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን“፣ ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ ኣንስትዮ፣ አብ ትሕቲ “ናይ ሓባር ሕቶና ብሓባር ዓጢቕና ንመክቶ“ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ አኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለወንን ካብ ዘተፈላለያ ሃገራት ኤሮፓን አፍሪቃን ብኣካልን፣ ብመራኸቢ ብዙሃንን ተኻፊለን ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ተላዚበን፡

  1. ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት፣ ናይ ሓባር ተረድኦ ንኽህልወና፣
  2. ዝሓለፈ ኣገባብ ቃልስናን ተመኩሮናናን ብምግምጋም፣ እቲ ተፈላሊኻ ምስራሕ ንሃልኪ ጥራሕ ምዃኑን ናብ ዓወት ገጹ ከምዘይወሰደናን ንቕድሚት ከምዘይሰጎምናን ተገንዚብና፣ ዝሓሸ ኣገባብ ቃልሲ ከነማዕብል፣
  3. ዕላማን ራኢን ናይ ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመንን፣ ናይ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብ፣ ዓቕምታትና ነውሃህደሉ ኣገባብ ብኣተኩሮ ንምንዳይ፣
  4. ተሳትፎ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕዛዝን መሪሕ ግደ ንኽወስዳ ኣተኲርና ክንሰርሓሉ፣
  5. ግደ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሕቶ ደቂ ኣነስትዮ ንፍትሕን ማዕርነትን፣ ክዓዝዝ፣
  6. ብጉዳይ ኣብ ልዕሊ ድቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ዓመጽን፣ ግፍዕን፣ ግህሰትን ክውገድ፣
  7. ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፣ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ዲክታተራዊ ስርዓት ምልጋስን፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ምትካልን ኣብ ዝካይድ ቃለሲ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ከነልዕል፣
  8. ጉዳይ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታትን ንምቅላል መንገድታት ከነናዲ ከምዘለና።

ኣብ መደምደምታ፣ ነቲ ካብ 2015 ዝተጀምረ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ውልቀስባትን ደቂ ኣንስትዮ ልዝብ መሰረት ብምግባር.፣ኣብዚ ዕለት‘ዚ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ብድሆታት ብዕቱበነት ንምግጣም ኣባላት ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን፣ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን፣ ካልኦት ንጡፋት ኤርትራወያን ደቂ ኣንስትዮን፣ ነዚ ዝስዕብ ውሳነ ኣጽዲቐን፣

  1. ካብ ዕለት 30 ሚያዝያ 2017 ጀሚሩ፣ ኣባላት ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመንን፣ ንጡፋት ተቐማጦ ጀርመን ደቂ ኣንስትዮን “መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጅርመን“፣ ብዝብል ሰም ከም ሃገረ ጀርመን ናይ መርብብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኵና ብሓባር ቃልስና ክንቅጽል ወሲና፣
  2. ንመርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጅርመን ተማእክል 5 ዝኣባላታ ግዝያዊት ሽማግለ መሪጽና።

ናይ ሓባር ሕቶና ብሓባር ዓጢቕና ንመክቶ!

መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጅርመን

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox