^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 38 guests and no members online

መግለጺ መሪር ሐዘን

ብምኽንያት ዕረፍቲ, ሐርበኛ መንግስተኣብ ሃይለ,

ንመግለጺ መሪር ሐዘን, መንግስተኣብ ሃይለ, ብኸምዚ ክጅምሮ, ናይ ቶም ቅድሚ ነጻነት እንቢ ንመግዛእቲ, ድሕሪ ነጻነት እንቢ ንምልኪ, ዝበሉ, ዋዕሮታትን ሐርበኛታትን ዝዓበዩን ዝነኣሱን, ተቓውሞ ዘስምዑ, ሕጊ ከንግሱ, ኣብ መላእ ዓለም ሐመድ ኣዳም ዝለበሱ፡፡ ግዝኣተ ሕጊ ምስ ነገሰ ምልኪ ፈሪሱ, ኣብቲ መዳሕንቶም ዝተቐበረሉ ኣስከረኖም ንሜሬት ዓደቦኦም ተመሊሱ, ኣብ ጎኒ እኒ ሐጎታቶምን, ኣብ ጎኒ ኣቦ ሐጎታቶምን, ንሐዋሩ ቀሲኖም ይስድቅሱ፡፡

ሐርበኛ ኣይሞተን ዝወለደ ዝዘመደ

እንቢ ንመግዛእቲ ምስ በለ ጾሩ ዘየውረደ

ኣርከብ ኣርክብ ኮይኑ ወደቦይ ሃይለ ከደ

መንግስተኣብ ንጭፍራ ህግደፍ ከይሰገደ..

ፍቃድ ፈጣሪ ኮይኑ ሐርበኛ ተበጊስካ ዶ

ንሐዊ ጅግና ሰመረ ሃይለ ወየ እኳ ክውሕዶ

ንትፋስ ወዲ ሰብ መዓልቱ ቆጺሩ ስለ ዝወስዶ..

ስለ ዘይፈለጥኩ ሕማምካ

ጋን ኮይኑኒ ምስ ሰማዕኩ ሞትካ

ሲዒብካዮም ንሐርበኛታት ብጾትካ..

መርድእ በጺሕኩም ዶ ኣውሊዕ ጾሩ

ኣሰር ሐርበኛታት ንህዝቦም ዝፍቅሩ

መንግስተኣብ ሃይለ ይቕሰን መቓብሩ

ሐርበኛ ሐሊፉ ከይጠለመ ሕድሩ..

ሞት ዘይተርፍ, ብሞትካ ጉህየ, ከም ኩሎም ብጾት ክብለልካ ወየ, ንመቓልስተይ, ከፋንወካ እንዳ በልኩ ደሐን ኩነለየ, ሐርበኛ መንግስትኣብ, ሐደ ካብ ቶም, መልሐሶም ዘይዓጸፉ, ኣጆኹም ኣጆና እንዳ በሉ ዝሐለፉ,, ሐዊ ሰመረ ጅግና ክብለካ ኣነ, ካብ ነቐልካ እንታይ ክብል ኮይነ, ካብ ብሩህ ገጹ መቓልስቲ ሲኢነ፡፡

ብሰማይ ዝምድራ ኣውሊዕ ተገኒዙ, ተስፋኣለም እሽማዒል, ኣልኣዛር, ዓሊ በኺት ዶክተር ሃብተ, ይመጻኩም ኣሎ ጋሻ ተቐበሉ, ሕድሪ ድርብ ሐሞት, ሕድሪ ቀዳሞት ዳሕረዎት ዘይጠለመ, ፍትሒ ይንገስ ብዓውታ ዝደጋገመ, ንወደቦይ ሃይለ ኣይሞትካን ክብሎ, ከም ኩሉም ሐርበኛታት ሐመድ ዓደቡኡ ዝተሐረመ,

ኣይሞተን ሐድጊ ዝገደፈ, መንግስተኣብ ቀሲንካ ደቅስ, ተቓሊስካ ንግዝኣተ ሕጊ ክተንግስ, ሕልንኡ ቅሱንዩ ንምልኪ ዘውድስ, መንግስተኣብ, ንምልኪ ኣፍሪስና ምስ ተኸልና ባይቶ, ፍትሒ ነጊሱ ምስ ኮነ እቶ እቶ, ታሪኽ ልሳን ህዝቦም ምስ ወግሔ ይዝንቶ, ሐርበኛ ኣኺላ ዶ ዕምሪ, ወዲ ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ዩ ነባሪ, መንግስተኣብ ኣብ ዝፋኑ ይቀበልካ ፈጣሪ፡፡

ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ, ንስድራ ቤቱ, ድማ ጠልን ፍቕርን ይግደፈልኩም, ንብል ፈተውትን መቓልስትን ኣቦኹም፡፡

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ,

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና፡

18 ሐምለ 2017 ገጣሚ በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን፡፡

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox