^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ
ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
5ይ መዓልቲውዕሎ ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ፡
ኣብ ናይ ትማሊ ናይ 4ይ መዓልቲ ሓበሬታና፡ ኣብቲ ዝቐረበ ንድፊውድባዊ ህንጻ-ሕጊመሰረት ብምግባር ምሉእ መዓልቲ ሕጂውን ከምቲ ዝቐነዮ ብሕኑን መንፈስ ክቕጽል ከምዝወዓለ፡ኣብ መዛዘሚ ናይቲ መዓልቲ ድማ ብምርድዳእ ነቲ ውድባዊ ህንጻ-ሕጊ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ ክሓልፍ እንከሎ፡ ጉባኤ ናብ ናይ ሎሚ 5ይ መዓልቱ ክቕጽል ምዃኑ ምሕባርና ዝዝከር ኢዩ።
ናይ ሎሚ 5ይ መዓልቲ ጉባኤ ድማ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ምምራጽ መሪሕነት ብጽፉፍ ኣገባብ ከካየድ እንከሎ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ንናይ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ናይ ክብሪን ወግዒን መዛዘሚ ምኽንያት ብምግባር ብወናማት ናይ ደግሓኤ ክፍሊ ባህሊ ምስ ወናማት ደለይቲ ፍትሒ ስነ-ጥበባውያን ከም በዓል ኪሮስ ኣስፍሃ ተሰንዩ፡ ወጋሕ ትበል ለይቲ ክካየድ ጀሚኡ ምህላዉ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መሓዙትን ክንሕብር ንፈቱ።
ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!
ዓወት ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና!
ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና!
ብክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ካብ ቦታ ጉባኤ
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/
24መስከረም 2017
ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ
ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ
ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን
ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን
ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ