^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 90 guests and no members online

بيان التحالف الديمقراطي الإرتري

بمناسبة إحياء الذكرى الـ55 لانطلاقة الكفاح المسلح للشعب الإرتري

نحتفل اليوم بالذكرى الـ55 لانطلاقة الثورة الإرترية في الفاتح من سبتمبر 1961، والتي كانت بحق محطة فاصلة في التاريخ الإرتري، وسيظل هذا اليوم محل وقفة وطنية علي مر العصور لتجاوز الأزمات والمعضلات في حياة الشعب الإرتري ،

Read more: بيان التحالف الديمقراطي...

ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝወጸ መግለጺ

 

ሎሚ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጀግና ስውእ/ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተጅምረ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህልው ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ መድረኽ ዝኾነት መበል 55 ዓመት ነኽብር ኣሎና፡፡ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ፍሉይነትን ተዘክሮን ዘሎዋ ዕለት ኮይና፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ዝሰግር መድረኽን ግዜን ዘይገትኦ ነባሪ ታረኽ ብምዃና፡ ጸገማትን ግርጭታትን ንምስጋርን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ነጻ ሃገርን ንምርግጋጽ መሰረት ዘንጽፍን ሃገራዊ ትልሚ ንምስራጽ ሞራላውን ንያታውን ድፍኢት ዝህብን’ዩ፡፡ ምኽነያቱ ንኩሉ መልክዓት ጭቆናን ምጽንባርን ምብርካኽን ወሳኒ ሃገራዊ መልሲ ዝሃብን ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ህዝባዊ ሰውራ ብምብጋሱን’ዩ። ስለዚ እዛ ዕለት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉዕዞና ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣትና ሕድሮም ተቐቢልና ንምፍጻም ሓቀኛ መምዘኒ ብምዃና ኣብ ህልው ታሪኽና ዘረጋገጽናዮ ዕላማታት መስከረም መሊእና ንምርግጋጽን ንዘሎ ብዶሆታት ንምግጣምን ሃገራውን ታሪኻውን ግቡኣትናን ክንፍጽም ይግባእ፡፡

ነዛ ታሪኻዊትን ክብርቲ ዝኾነት ዕለት ከነብዕል እንከሎና፡ ድሕሪ ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ቶተለታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጭቆናን ምዝመዛን ዘእተዎን፡ ንባህላውን ማሕበራዊ ኣከናውንኡ ብምዕፋን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ መልክዑ ሒዙ ይርከብ። ከምኡ’ውን ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሖ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ወጽዓታት ናብ ናይ መወዳእታ ጥርዙ በጺሑ ብምህላዉ ፖሎቲካዊ ጭቆና፡ ቁጠባዊ ወጽዓታት፡ ጅምላዊ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ቅትለታትን ብምቅጻሉ ንዝተፈላለዩ ቀጸላታት ናብ ስደት ንክውሕዙ ዳሪጉ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ንሞት ክቃልዑ ይገብር ኣሎ።

እዚ ጽንብል’ዚ ንህግደፍ ንምግጣም ብውሑዳት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበሩ ውድባት ዝተበገሰ ተቓውሞ፡ ቀጻልነት ናይዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምብቓዕ፡ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ኣካላት፡ ማሕበራውን ባህላውን ክፍልታት፡ ናጻ ሃገራውያን ባእታትት፡ ዝጥርንፍ ናብ ጠቕላላ ሃገራዊ መስርዕ ኣብ ተሰጋገረሉ እዋን’ዩ ዝጽንበል ዘሎ። ከምኡ’ውን ካብ ዕለት ንዕለት ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ብሓፈሻ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራከኣ ብፍላይ ኣካል ህዝብን ወጽዓታቱን ከም ምዃኑ መጠን፡ ንህልዊ መሪር ኩነታት ንምብቓዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጎኒ ዝካየደ ዘሎ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ክስለፍ ይግባእ።

እዚ ብመስርሕ ዝምዕብል ዘሎ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዝርከብ መሪር ውድዕነት ዝነጽግ፡ ንመላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ህሞት’ዚ ክጋደድ ዝደረኸ ሕሉፍ ሕጽረታቱ ግቡእ ሚዛን ድሕሪ ምውሳዱ፡ መስርዑ ኣመዓራርዩ ኣብ ሰረት ስሩጽ ቻርተር ተመርኲሱ፡ ንዝሓለፈን ህልውን መጻእን ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ምዃኑ ይእምት። እዚ ሎሚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህልዊ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንምግጣምን መተካእትኡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ግዜ ዘይህብ ወይ’ውን ዘገምታዊ ጉዕዞ ዘይቕበል ኩነታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንትጽቢታትን ተስፋታትን ህዝብና ዝምልስ፡ ህዝቢ ብነጻ ድሌቱ ከምቲ ንሱ ዝብህጋ ሃገር ክሳብ ዝሃንጽ፡ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ መርሆታትን ኣገባብ ቃልስን ምኽታል መድረኻዊ ሕቶ’ዩ።

        

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጉዕዞ መስከረምን ዘበገሶም ዕላማታትን ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ክብርን መስልን ሓርነትን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ንምምላስን ዝቖመ ጽላል ኮይኑ፡ ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዕላማታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተሓለለ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከካይድ ምዃኑ ደጊሙ መብጽዑኡ የረጋግጽ። ኤ.ዲ.ኪ ኩሎም ተቓለስቲ ሃገራውያን ሓይልታቱን ሓዲሽ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ህይወት ኣብ መንጎ ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ንምፍጣር ይዓዪ። ሓቀኛ ሃገራዊ ሓድነትን ሽርክነትን ኣብ ሕድሕድ ብሰላም ዝነብሩላን፣ ንሕሉፉን ህልውን ጸገማት ንምስጋርን ጸዕሪታቱ ክብ ክብል’ዩ። ኣብ መጻኢ ክገጥሙ ዝኽእሉ ጸገማትን ብዶሆታትን ንምግጣምን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት ኣብ ሃገራዊ ዕዩን ህንጸት ሃገርን ተራኦም ንምዕዛዝን ምንጣፍን ዓቕምታቶም ክብ ክብሉን ክምዕብሉን ብምዕያይ ይኽውን።

ተምክሮ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከካይድዎ ዝጸንሑ ተጋድሎ ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን ፖለቲካሓይልታትን ስቪካዊ ማሕበረ ሰባትን’ውን ናይ ዘተን ሽርክነትን ናይ ቃልሲ ምሕዝነትን ክዓቢ ናቱ ተራ ተጻዊቱ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ምርግጋጽ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ከም ኣገዳሲ ምሕዝነታዊ ነጥበ መቐይሮ ዝግለጹ ኮይኖም ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላት ኣብ ሕዳር 2011 ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክምስረት ተኻኢሉ።ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ተጋድሎ ብምንኣድ፡ ሃገራዊ ጉዳይና ዝገጥሞ ዘሎ ታኣፋፊ መድረኽ ማለት ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጥታውን ኩነታት ብምስትውዓል፡ ካብ መሰረታዊ ዕላማታትና ዘርሕቑና ነገራት ብምእላይ ንምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐዳምነት ምስራዕ ኣድላይነት ከምዝለዎ ኤዲኪ የረጋግጹ። ገድላዊ መድርኻዊ ሕቶታት ንምምላስ ኣድላይ ዓቕምን መሳርሕታትን ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን፡ ኩሉ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ መሳርዒታቶም ብምስማር፡ ሚዛን ሓይሊ ናብ ራብሓኦም ንምውዓልን፡ ነዚ ሓደጋ እዚ ንምዕጻፍን ህልዊ ብዶሆታት ብግቡእ ንምግጣምን ልዑል ጻዕርታት ክግብሩ ኤዲኪ ይጽውዕ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መላእ መንእሰያትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ውጹዕ ህዝቦም ጠጠው ብምባል፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ኣገዳሲ ተርኦም ክጻወቱ ጸዊዒቱ የመሓላልፍ፡፡ ኣብ ውሸጢ ኤርትራ ሓሳረ መከራ ዝርኢ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ይኹን ብሰንኪ ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ በብመዓልቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታትና ንስደት ተሳጢሖም ኣብ ፈቐዶ ምድረ-በዳታት፡ ባሕርታት፡ ስንጭሮታት ዝጠፍኡን ዝሞቱን ዘለው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን መደበራትን ዝገጥሞም ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎምን ክተሓጋገዞምን ይጽውዕ፡፡

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጋጥሙ ዝጽንሐን ዘሎን ዕንቅፋት ንምስጋርን፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ኩሉ ጻዕርታቱን ዓቕምታቱን ከም ዘይበቅቕ ከስረሕ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ።

ኣብ መደምደምታ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንኩሎም’ቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዘይሕለል ደገፎም ዝህቡ ዘለዉ ብሓፈሻ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ንደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብርዎ ምድግጋፍን፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ተቐቢሎም ምትእንጋዶምን፡ ንመንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ዩኒቨርስትታት ኣትዮም ክምሃሩ ዝኸፈትሉ ዕድልን ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ባሕቲ መስከረም 2016

ካብ ነዊሕ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት ዘሚርና ደሪፍና ሰላማዊ ሰልፊ ጌርና ተኣሲርና ተሰዲድና ክሳብ ብረት ዓቲርና ሂወትናን ኣካልናን ሃብትናን ግዜናን ሰዊእና። ኣውያት ህዝብና ግን ባህግን ጽቡቕ ተስፋን እንበር ክሳብ ሎሚ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተዓወተን።

Read more: ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ...

قاتل الشعب الإرتري البطل لمدة 30 عاما ليس فقط من أجل تحقيق السيادة الوطنية، ولكن أيضا من أجل الديمقراطية والحرية والحريات الاجتماعية والفردية وحقوق الإنسان والعيش الكريم . ومع ذلك، فإن بعض قادة التحرير الذين استولوا على سلطة الدولة بعد الاستقلال، خانوا الجماهير الإريترية ومقاتلي التحرير ، وجردوا البلاد والمواطنين من أدنى كرامة الإنسان، وحقوق الإنسان.

Read more: تصريح صحفى المجلس...

ظل التحالف الديمقراطي الإريتريلعقد من الزمن يكافح من أجل فضح وتعرية الانتهاكات الوحشية لحقوق الإنسان في إريتريا، التي ارتكبها النظام الحاكم، وكذلك فضح أنشطته المتهورة في زعزعة السلام والاستقرار في المنطقة للمجتمع الدولي. ومنذ عام 2005، قام التحالف الديمقراطي

Read more: تصريح صحفي التحالف...

ደገፍና ንሰላምዊ ሰልፊ ዕለት 23 ሰኔ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ዝግበር
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ። ብትሕትና ትግሪኛ ኣብ ታሕቲ ንበቡ።

ሻን ሓይሳንዲ ሓዪሳን ኮሊር ቁርዲ

እክባ ፈሪዕ ሙርቛ ብሊናኽ/ሆደ ንር ብርፍልድ ዪና ኮል ሰላምዲ ናይ ሙሩቑኹዲ እምን ፋርዕ ሕክምዲ ሰረስሮ ለመለም ህንበቲ። ዪን ለመለም ዪናዂ ፋሻት መታን ኣኽጚ ዪና ኮሊትል 25 ኣመራ ጃብ ይነክልዲ ይነሻንዲ ና ብርዲ ና ናሽሽዲት ላሪ በቀቅግኒ ናቅስነሪ ጀበረቲ(ናጽነት)፡ ዕቅቱ ክረም ህግደፍሩውድ መንተልስሮ ራሕመት እንገት ናይ ኮወቚሩዂሲ ዳድኖ መንደርትነት ናትክልድክ ክልውርሳኽ ኣኽላ።

Read more: ዪና ካበና ሰላምድ ትሪትና (ሰላማዊ...

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብና እናወሰኸ ደኣ እምባር እንዳነከየ ይኸይድ ዘይምህላው ሓደ መርኣያ ናይ ምብትታን ተርእዮ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ንብዙሕ ናይ ህይወትን ሞትን ሓደጋታት እናሰንጠቐ ብማእከላይ ባሕሪ ንምዕራብ ኤውሮጳ ክሰግር በብግዚኡ ዘጋጥሞም ናይ ምጥሓል ሓደጋታት ካብኡ እቲ ዝዓበየ ናይ ላምፓዱላ ልዕሊ 700 ዜጋታትና ዝሃለቕሉ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ዓለምን ዘሕዘነ ክስተታት’ዚ ናይ ቀረባ ተዘክሮናዩ።

Read more: ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣቦ መንበር...

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox