^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 68 guests and no members online

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ 7ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ንኹሎም ሰማእታትና ብሓፈሻ፡- ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ዝቕዘፉ ዘለዉ ወገናትን ኣብ ሊብያ ብISIL(ዳዕሽ) ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብካራን ጥይትን ዝተቐንጸሉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ወገናትና ድማ ብፍላይ፡ ንሓደ ደቒቕ ዝኽረ-ሰማእታት ብምክያድ እዩ ዝመሰሶ።

Read more: ደምዳሚ መግለጺ፡ 7ይ-ስሩዕ ኣኼባ...

24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ፡ ንሰንሰለታዊ ተወራራሲ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ ገጻት ታሪኽ ኤርትራ ንሓንሳብን ንሓዋሩ ዝመሓወት፤ ንሓድሽ ኤርትራዊ ሃገራውነት መቕድም ምዕራፍ፤ ዋጋ ኣማኢት ኣሽሓት ሰማእታትን ኣካለ-ስንኩላትን ዝተገዝመት፡ ነቲ መሪርን ጽንኩርን ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝደበሰት ናሕሲ ናይ ዓወታትና’ያ፡፡

24 ግንቦት፡ ሕልሚ ወለዶታት ኤርትራ፡ ናብ ጋህዲ ዝቐየረት ነቲ ካብ ካርታ-ዓለም ብዓመጽ ንዝተሓኸከ ህልውና ኤርትራን ኤርትራውነትን ባህርያዊ ቦትኡ ክዓትር ዝገበረት፣ ሉዑላዊ ግዝኣትን ሃገራዊ ክብርታትናን ዘረጋገጽናላ፡ ዳግመ-ውልደት ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝተበሰረሉ ዕለት’ያ፡፡ እዛ ዕለት’ዚኣ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ተራ ምቅይያራት ዓውደ-ኣዋርሕ ኮይና ኣብ ዓመት ሓደ እዋን እትኽሰት ዕለት ኣይኮነትን፡፡ ብክንዲቲ ዝተኸፈለላ ሱባኤ ምስ ደምናን ዓጽምናን ዝተዋሰበት ምልኣተ-ህይወት ዘለዋ ብቀጻሊ እትፈርይን እትጸግይን ዕለት’ያ፡፡ ሃገራዊ ርስቲ ናይ ሎምን ጽባሕን ወለዶታት ኤርትራ ብምዃና ድማ ብፍትሕን ማዕርነትን ካብ ጸጋታት እንመቋራሖ ገዝሚ ሰማእታትና ዝኾነት ዕለት’ያ፡፡ ፈ/ቤ/ጽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቑን እንቛዕ ንመበል 24 ዓመት ዝኽሪ ጽንብል መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብጽሓኹም ክብል እንከሎ፡ ምስ ርዝነት ናይዛ ዕለት ዛዳረግ ታሪኻዊ ሕድሪ ከምዘሎና ብምዝኽኻር’ውን እዩ፡፡

ብርግጽ ከኣ ነዛ ሰንደቕ ኤርትራዊ ሃገራውነትና ዝኾነት ክብርቲ ዕለት ክነብዕል እንከሎና፡ ናይ ወትሩ ፍሉይነታት ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ ሎሚ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ነብዕለሉ ዘለና ህሞት ግን፡ ኣዝዩ ፍጹም ፍሉይን መሪርን ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይንና ኢና ንጽንብላ ዘለና፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርዕ ሰውርኡ ብሓደ ርድኢት ዓሲሉ ክቓለስ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብታ ብዋጋ መሪር መስዋእቱ ሓራ ዝወጸት ኤርትራ፡ በዓል-ቤት ሉዑላዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዝኾነሉ፤ ብዝሑነታዊ ኣካውንኡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን ክብርታቱ ክሕለወሉ፤ ፍትሓውን ምዕሩይን ተሳትፍኡ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ምህናጽ ሃገሩ ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝኾነሉን፡ ንዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓይልን ገጸብ-ኣሰራቱን ብምርሳዕ ዝድበሰሉ ብሩህ መጻኢ ብምምዕዳዉ’ዩ፡፡

ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓነ ሕድሪ ሰማእታትና ዝጠለመ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዛ ናሕሲ ኩሎም ዓወታትና ዝኾነት መዓልቲ ነጻነት ተሞኹልዩ፤ ወራስ ዓራት ደርጊ ኢሰፓ ብምዃን ዝባኑ ቀሊዑ ዙፋን ፖለቲካዊ ስልጣን ብኢደወነኑ ካብ ዝዓትር፡ መሰታ’ዛ ክብርቲ ዕለት ኮይኑ ኣሎ፡፡

ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፉ ዕድመ ስልጣኑ ብዝተኸተሎም ኣግላልን በሓትን ፖሊስታቱ፡ ሃገር ቑልቑል ዝኣፋ ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታን ኣሳጢሑ ኣብ ልዳት ፍሽልቲ ሃገር ክትስራዕ ጌርዋ ኣሎ፡፡ ንኩሉ ሰብዓዊ ዓቕምታት ሃገር ብሽም ግዱድ ዕስክርና ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን መሳርዕን ዘሪዑ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማእቶታዊ ስራሕ ብምንጻል ብናይ ድኽነትን ድንቑርናን ሓለንጊ ብምቕጻዕ፡ በተኽ ክኸውን ፈሪድዎ ኣሎ፡፡

እዚ ስርዓት’ዚ፡ መሰረታዊ ዕላማታት ሰውራና ብምብርዓን ሕድሪ’ቶም በጃ ዝሓለፉ ብሉጻት ሰማእታትና ብምጥላም ዝመሰሶ ክሕደት ተዓዛዚርዎ፤ ብዕሸል-ዕድመ መንእሰያትና እናተቛመረ መጻኢ ዕድሎም ብምጽልማት፡ ሃገር ተካኢ ወለዶ ሲኢና ክትጸንት ዝገብር፤ ኣረጋውያን ወለዲ ኣብ ኣጋ ዝጥወሩሉ ዕድመ በስገዳድ ዘዓስክር፤ ስድራቤታት ዝበታትን ብመሪር ስቕያቶም ዝፍሳህ፤ ብብርሰቶም ዝስውድ ስርዓት ምዃኑ ተግባራዊ ምንቅስቓሱ ኣግሂድዎ’ዩ፡፡ ኣብ ዓዲ-ቀይሕን ከባቢ ኣስመራን ዜጋታት ሕሉቦምን ንጹፎምን ገፋጊፎም ንዘጥረይዎ ኣባይቲ ብምፍራስ ዝጀመረ፡ ገናውን መዕለቢ ዘይተረክቦ ጨካን ኣረሜናዊ ተግባር ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ናይ’ዚ ጽዑቕ መግለጺኡ’ዩ፡፡

ብሰንኪ’ዚ ገባቲ ፖሊሲኡ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፍኦም ዝጸልመቶም ወለዲ ንዝበጽሑ መንእሰያት ደቖም፡ ኣብ ታሪኽ መዋእልና ብዘይተራየ መልኽዑ ዝኽፈል ከፊሎም ናብ ስደት ምውፍናው ከም መዓልታዊ ተርእዮን ብሕታዊ ምርጫን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ዝገበረ ስርዓት’ዩ፡፡ እዞም ንስደት ዘንቐዱ ዜጋታትና፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዞኦም ዝጓንፎም እልቢ ሓደጋ ገጢሞም ምስ ካብ ሓደ ንላዕሊ መልኣከ-ሞት እናተጠማጠሙ ዕሽር ጥራይ ዝሰግሩሉ፤ ዝበዝሑ መላስ ኣውያት ዘይብሎም ኣብ ባሕርን በረኻታትን ብዘሰቅቕ ጅምላዊ ጥፍኣት ዝሃልቑሉ፡ ንዓለም ዘደንጸወ ቐቢጸ ተስፋ ኣብ ኤርትራን መላእ ህዝባን ክነግስ ዝገበረ ስርዓት’ዩ፡፡ እዚ’ዚ ሕላገቱ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ምንጪ ስደት ኤርትራውያንን ብርሰቶምን ባዕሉ እናሃለወ፡ መራሕ መንገድን ደላላን ኮይኑ ማሕፍዱኡ እናመለአ፤ ኣብ ቅድሚ’ቶም ብቃፍላይ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕለቕለቑ ምዕራባውያን ሃገራት “ንብዓት ሓርገጽ እናነበዐ” ብጉዳዮም ተሓላቒ ክመስል ምንጪ ኣታዊኡ ንምግባር ዘይሓንኽ ነውራም ስርዓት ምዃኑ ኣብ ኣደባባይ ጥራይ ዕርቓኑ ኣብ ዝወጻሉ እዋን’ዩ፡፡ መዓስ’ዚ ጥራይ፡፡

ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብዋጋ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዓይሩ ብዝመስርሖ ማሕበራዊ ምህንድስና፡ ንባዕዳውያን ሓይልታትን መግዛእታዊ ውዲቶምን ንዘምከነ ኤርትራዊ ማሕበራዊ ክብርታት በዊዙ፤ ኢ-ሞራላውን ኢ-ስነምግባራውን ጠባያት ክስዕርሩ ብምግባር፡ ብመዋእል ዝተጠረየ ሃገራዊ ክብርታትናን መቆሚያታትናን ኣብሪስዎ’ዩ፡፡ ብነውርታቱ ዝንየት፣ ብስስዓን ንዓይ ይጥዓመንን ዝልለ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ሓዉ ጓይላ ክተክል ቅጭጭ ዘይብሎ፣ ብዋጋ ሰብኣዊ ክብርታቱ ንምልኪ ከሳስይ ዝብጀዉ፣ ንምሞራላውን ዜግነታውን ሓላፍነታቱ ገኒዙ ዝቐበረ ማሕበራዊ ፍጮ ብምፍራይ፡ ሕልሚ ወለዶታት ኤርትራ ቐቲሉዎ’ዩ፡፡ በዚ ሰራም ውዲት’ዚ ኣቢሉ ድማ ኣብ መንጎ’ቲ ቅዱምን ድሑሩን ወለዶታት ኤርትራ መላግቦ ዝኸውን ማሕበራዊ ውርሻታት ብምብታኽ ንጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዝጸውር፡ ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ዝቆጽር፤ ምድራዊ ሲኦል ዝኾነቶ ኤርትራ ከም ኪኖዋይ ዓለም ገነት ጌሩ ዝርእይ፤ ምስ ድኽነትን ዓጸቦን፤ ሞትን ማእሰርትን፤ ግፋን ግዱድ ዕስክርናን፤ ኮታ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት’ቲ ስርዓት ዝተላመደ፡ ዝተአዘዞ ዝፍጽም እምበር ዘይሓትት ወለዶ ብምህናጽ፡ መግለጺ ብርሰት ህዝብን ሃገርን ኣካላዊ ጥራሕ ዘይኾነ እንተላይ ስነ-ኣእሙራውን ማሕበራዊ ክብርታቱ ብምብሕጓግ ዝግለጽ ባዶነት ኣብ ምፍጣር ኣብ ዝተጸመደሉ፡ ሓደግኡ ከኣ ብርእዮ ኣብ ዝጋሃደለ ዘሎ መድረኽ ኮይንና ኢና ዝኽሪ 24 ግንቦት ንጽንብል ዘሎና፡፡

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ፡ ኣብ ድሮ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ነጻነትና፡ ኣስታት 350 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 800 ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘሰቅቕ ጅምላዊ ህልቒት ኣብ ዝሓለፉሉ፤ ብካልእ ሸነክ ከኣ፡ ንነብሱ ከም ብሕታዊ ወኪል ናይ እስላምና ሃይማኖት ምዃኑ ዝኣወጀ ዳዕሽ /ISIS/ ብተግባር ንዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ዘይውክል ግብረሽ-በራዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሊብያ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ባድራጋ ጠያይትን ብካራን ኣብ ዝቐንጸለሉ፡ ድርብ መሪር ሓዘን ኮይንና ኢና ነብዕላ ዘሎና፡፡ እዚ ሓዘን’ዚ መሪር ካብ ዝገብሮ ቐንዲ ምኽንያት፡ እታ ፍኖት መጻኢ ብሩህ ተስፋና ክትኸውን እልፊ ኣእላፍ ዘግዘምናያ ነጻነት ኤርትራ፡ ብቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ምልኣታ ተኾሉፉ፤ ጅምላዊ ህልቒት ዜጋታትና ኣብ ጽባህ ጽባሕ እናደገሰ ዝቐደመ ቑስልና ከይንርስዕ ይገብረና ምህላዉን፤ ዜጋታትና ብህይወት እናሃለዉ ዝተሓረምዎ ንቡር ሰብኣዊ ክብሪ፤ ምስ ሓለፉዉን ስነ-ስርዓት ቐብርን ሓዘንን ክንፈጎም ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፤ ንስድራቤታቶም ዝድብሶም ብዘይምህላዉን ጽባሕ’ውን ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ውሑስ ዘይምካንናን’ዩ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ’ዩ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ነጻነትና፡ ኣብ ፍሉይ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብፍሉይ ኣገባብ እነብዕላ ዘሎና፡፡

መሰረታዊ ትርጉም ናይ’ዚ ጽንብል’ዚ፡ ዕላማታት ሰውራና ኣበርዒኑ መዓልቲ ነጻነትና ብድነ ዓሚቕ ሓዘን ክትድወን ዝገበረ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ባህሪኡ ዘፍቕደሉ ናይ ጥፍኣትን ህልቒትን ተልእኹኡ እናፈጸመ፡ እዚ ንሓልፎ ዘለና መሪር ህይወት ክንከፍል ዝኾነናሉ ምኽንያት ምጽብጻብ ከቶ ኣይኾነን፡፡ ንሱሞ በብእብረ ኣብ ውሽጢ ማይቤትና ሊሑኹ ኣብ መንኩብና ገጸብ ብምፍጣር ዘሳቕየና ዘሎ፡ ካብ ነጻ ተሞኩሮታትና ዘለለናዮ ሓባራዊ ሃገራዊ ሽግርና’ዩ፡፡ እቲ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ክማላእ ዝግብኦን ብተወፋይነት ዕዮ ገዛና ንወድደለን ዕማም፡ ከም ህዝብን ሃገርን በዚ ቶታሊታርያዊ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ንብረስዶ? ወስ ኢድን ጓንትን ኮንና እናተመላላእና፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ምውሓስ ታሪኻዊ ግቡእና ንፈጽም ዝብል ቁልፊ ሕቶ ብምምላስ ነጥበ-መቐይሮ ክንገብር እንጥለበሉ ታሪኻዊ መድረኽ’ዩ፡፡

ብርግጽ ህልው ኩነታትና ካብዚ ንላዕሊ ዝጸውር ብዘይምዃኑ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ኣንጻር’ዚ ንህላዌና ዝፈታተን ዘሎ ምንጪ ጥፍኣትናን ብርሰትናን ዝኾነ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተበተነን ሓውሲ-ዝተወደበን መልክዑ ተቓውሞ ካብ ምግባር ኣይተቖጠቡን፡፡ ነዚ ህዝባዊ ምልዕዓላት’ዚ ብዝተወደበ ኣድማዕነቱን ውሑስ ዓወታቱን ብዘረጋግጽ መልክዑ ክመርሖ ዝክእል ሓያልን ዝተወሃሃደን ውደባ ዘይምፍጣርና’ዩ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ብቓጽዖን ብንጽልን ግዳይ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ንኸውን ዘሎና፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ቀንዲ ትኹረትና ምልኣተ ሓፋሽ ብዕግበት ኣብ ጎኑ ዘሰልፍ፡ ብህዝቢ እምነት ዝንብረሉን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነቱ ዝሰርዕ፤ ንስሙር ኤርትራዊ ሃገራውነት ከውሕስ ዝክእል ኣሳታፍን ሓቋፍን ብብዝተወሃሃደ ሓባራዊ ርድኢትን ህርመትን ዝስጉም ናይ ለውጢ መሳርሒ ክንሃንጽ ንጥለብ ኣሎና፡፡

ከም እምነት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት፡ እዚ ዋኒን’ዚ ብቐንዱ ንፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝምልከት ብተግባር ንሶም ዕዮ-ገዝዖም እንተፈጺሞም፡ ነቲ ኣጠቓላሊ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኣወንታ ብምጽላው ከም ሃገርን ህዝብን ክንዓሞ ዝግባእ መድረኻዊ ዕዮና ኣብ ምፍጻም ኣወንታዊ ዝላ ከመዝግብ ዘክእለና ዓቕምታት ክንድልብ ከም ንክእል ጽኑዕ እምንትኡ’ዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ፡ ንዝሓዞ ቁልፊ ዕዮ ንምዕዋት ኣብ ጽፉም ቅድመ ምድላው ዝተሰረት ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ንምክያድ፡ ቀጻሊ ዘተን ምምኽኻርን ፖለቲካዊ ውድባት ብምጽዋዕ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ መኽሰባት ዘዋህልል ዘሎ፡፡ እዚ መስርሕ’ዚ ብመንጽር ህጹጽነት መድረኻዊ ጠለብ፡ መሊእና እንንየተሉ ደረጃ ዝበጸሐ ብዘይምዃኑ ንዛነየሉ ብፍጹም ኣይኮነን፡፡ እቲ ዝተጀመረ መስርሕ ናብ ቕኑዕ ኣንፈት ዘማእዝነና ብምዃኑ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣበርቲዑ ክንቕጽለሉ ድልው ምህላዉ ክገልጽ ይፈቱ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ካብ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ኣወንታዊ ምላሽ ብምርካብ፤ ብናይ ሓባር ዕግበት ንኩላትና ዘርውይን ዝሓቑፍን ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባእ ዘክእለና ምቹእ ኩነት ንምፍጣር ፖለቲካዊ ድልውነቶም ከይፍለዮ ይጽውዕ፡፡ ብተመሳሳሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ደሞክራሲያዊ ለውጥን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ሒዝዎ ዘሎ፡ ዕዉት ጉባኤ ምክያድ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ምውሓስ ዘለዋ ዓብይ ግደን ትርጉምን ብንቕሓት ብምርኣይ፡ ሙሉእ ዘይጉዱል ደገፎም ከበርክቱን ነጥበ-መቐይሮ ኣብ ምምዝጋብ ታሪኻዊ ኣበርክትኦም ክገብሩን በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒቱ የመሓላልፍ፡፡  

24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነትና ዋጋ ቃልስና’ያ!!

ገዝሚ ሰማእታትና ዝኾነት 24 ግንቦትን ዝገደፉልና ሕድሪን ክንዕቕቦ ኢና!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ፈ/ቤ/ጽ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

24 ግንቦት 2015

إننا نحتفل في هذا اليوم الأغر الرابع والعشرون من مايو 2015م بمناسبة مرور الذكرى الـرابعة والعشرون للإستقلال الوطني تمجيدا للنضالات البطولية لشعبنا في مرحلة التحرر الوطني للتخلص من نير الإستعمار الأجنبي، وتجديدا لعهدنا للمضي قدما في مسيرة الإنعتاق عبر الإرتقاء بالنضال الديمقراطي الجاري في مواجهة الديكتاتورية إلى مستوى التحديات الراهنة.

Read more: بيان التحالف الديمقراطي...

ሎሚ 24 ግንቦት 2015 ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕል ከሎና፡ ህዝብና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስታት፡

Read more: መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን...

24 ግንቦት፡ ህዝብታት ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳውያን ተበራረይቲ ገዛእቲ መሪር ቃልሲ ብምክያድ ከቢድ መስዋእቲ ዋጋ ቃልሲ ከፊሎም፡ ሃገራዊ ነጻነቶም ዘረጋገጹላ ኣብ ታሪኽና ልዑል ስፍራ እትሕዝ ታሪኻዊት ዕለት እያ።

Read more: ብምኽንያት መበል 24 ዓመት ዝኽሪ...

ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተተኮሰ ርችት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ሓምሺሹ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ሉኡላዊ ኣኽሊል ናጽነት ዝደፍኡላ ክብርቲ ዕለት እያ፤24 ግንቦት 1991።

Read more: ንመበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት...

እነሆ ሃገራዊ ነጻነትና ካብ ዝረጋገጽ መበል 24 ዓመቱ ደፊኑ ኣሎ። እዚ ጊዜ'ዚ ዕድመ በጽሒ ጎበዝ እዩ። መሬታዊ ነጻነት ሃገርና፡ ዋጋ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ሰማእታትናን፡ ልዕሊኡ ዝኸፈልናዮ ኣካል ምጉዳልን እዩ።

Read more: ብምኽንያት መበል 24 ዓመት በዓል...

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox