Written by: ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ

Bilen Eritireaኮሚሽነር ኮሚሽን መርጻ ክልል ባቶን መንግስትን ትግራይ፣ መ/ም ሙሉውርቂ ኪዳነ ማርያም ምስ ሙሉኣት ናይ ስራሕ ብጾቱ ታሪኻዉን በዳህን መረጫ፣ ክመርሑ ዝተዋህቦም ሓደራ ብሰላምን ብዓወትን ክድምድሙ እናተተምኔና፣ ህዝብታትን ፖሎቲካዊ ዉድባትን ክልል ትግራይ እንቛዕ ኣብ’ዚ ሓምሻይ ህዝባዊ መርጻ ኣብጻሓኩም፣ እናበልና፣ ብሰላምን ዓወትን ከም ትድምድምዎ እናተኣማመና፣ ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ነዚ ህዝባዉን ፖሎቲካዉን ምርጫ ደገፍና ንገልጽ።

አብ ታሪኻዊ ምዕባሌ ደቂ-ሰባት ከም ዝሕብሮ አብ ረብሓታት ዝተሰረተ ጎንጽታት ከም ዝነበሩን ዘለውን ኩላትና ዘይንስሕቶ ኮይኑ፡ ወዲ ሰብ ነጻ ስለ ዝተወልደ፣ ንናይ ካልኦት ናጽነት ዶብ ከይሰገረ ብነጻ ክነብር መሰሉ ሙዃኑ ንኣምን። እዛ ንነብረላ ዓለም ፍትሕን ሓቕን ዝጎደላ’ያ። ጨቖንቲ ሓይልታት፣ ብስነሓሳቦምን ብድልየቶም ዝኸይድ መንግስቲ ኣቑሞም ገባትን ጨቛንን መንግስታዊ መዋቅር ምሕደራ ዘርጊሖም ንሪሂጸ በላዕ ሰፍ ዘይብል ጭቆና የውርዱሉ። ጩቑናት ድማ ንዝበጽሖም አድልዎን ወጽዓን ክቓወሙ ብሰላማዊ መንገዲ ምረቶም ገሊጾም ዝሰምዖም ምስ ሰኣኑ ብብረት ክምክቱ ናይ ግን ይኸዉን።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገዛእ መሬቱ መሰለይ ይከበረለይ ኢሉ ሰማዒ ስለ ዘይረኸበ አብ ዝተፈላለየ እዋናት ቀዳማይ ካልአይ ወያነ እንዳተባህሉ ዝጽውዑ መረርቲ ቓልሲ ኣካይዱ። አብቲ ድሒሩ ን17 ዓመታት ዘካየዶ ቃልሲ ድማ ንዉጹዓት ጠርኒፉ ብርእሰ ሓያላን ዝተደገፈ ስርዓት ደርጊ ሲዒሩ፣ ናይ ኩሎምን ንኹሎምን በሄራትን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንጩቑናት ዝዉክል ፈደራላዊ ሕጊ መንግስቲ ኣጽዲቑን ተኺሉን። አብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰላምን ምርግጋእን ምሉእ ዓለም ዝመስከረሉ ቁጠባዊ ዕብየትን ከምዝግብ ኪኢሉ፡፡ አብ ዓለማዊ መገባእያታት ድምጺ ውጽዓት ብምዃን ንዝተዛብዔ ዓለማዊ ቁጠባዊ ኣድልዎን ብሰንኪ ክሊማዊ ኣብ ሓረስቶት ኣፍሪቓ ዝወርድ ደርቒ ኣቓሊዑ፣ ዓመታዊ ካሕሳ ኩለን መንግስታት ኣፍሪቓ ከም ዝወበን ገይሩ። እዚ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝቖመ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ንዘመናት ዝጸንሔ ድኽነትን ጥጡሕ ቑጠባዊ ሰረትን ስለ ዘይነበሮ ጽገማት አጋኒፍዎ። ነዚ ዝተፈጥረ ሃጋፍ ከም ዓቢ ዕድል ተጠቂሞም ብዉሽጥን ብደገን ማለት ብናይ ኒዮ-ሊበራል ሓይልታት ዝተዋሃሃደ መጥቃዕቲ፡ አብ እግሪ ተኽሊ ንዝነበረ ሓድሽ ፈደራላዊ ስርዓት ነቕነነቕ ከም ዝብል ገይሮሞ።

ኢሂወደግ ብዉሽጥን ብደገን ተጻብኦታት ወሪድዎ ኣብ ቅልዉላዉ ኣትዩ። ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝተገብረ መጽናዕትን ለዉጥን ቐዲሙ ብሓያላት ሚደያታትን ሃሱሳትን ስለ ዝተህረም ለዉጢ እንተበልካ እግሪ ለዉጢ ተሸኺላ ምዕይ ምባል ኣብያ። ህወሓት’ውን ይኹኑ ምስ’ኡ አብ ልፍንቲ ዝነበሩ ሓይልታት፡ ናይቲ ቅልዉላዉ ፈጣርትን ባዕሎም መፍትሒ ዘናድዩን ስለ ዝነበሩ፣ ደርባዊ ሕማማት ኣብ ዉሽጡ ጎልቢቱ ስለ ዝጸንሔ ብምልኣት ክፈትሕዎ አይከአሉን።

ኣብ’ዚ ግዜ እዚ’ዩ ህዝቢ ትግራይ ደዉ ኢሉ ክሓስብ ዝጀመረ። ሕቶ ሞትን ሂወትን ስለ ዝኾነ ህወሓት’ውን ናብ’ቲ ዝፈጠሮ ህዝቢ ተመሊሱ ርእሰ ገምገም ክገብር ዝተገደደ። ህወሓት ኣብ’ዚ ግዜ ገምጋም ካብ ትዕቢትን ካብ ኣምሰሉነትን ነጻ ኮይኑ ስለ ዝሓዞ ዳግማይ ታሪኻዊ ዉሳኔ’ዩ ኣሕሊፉ። ንሱ ድማ መንግስትን ገንዘብን ወተሃደርን ዝዉንን ዝነበረ ዉድብ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣኑ ንክብሪ ሕገ-መንግስቲ ኢሉ ምርካቡ’ዩ። ኣብ ግዜ ንመሰላት ብሄራትን ሕብረብሄራትን ዝዉክል ሕገ መንግስቲ ክጉዕጸጽ ከሎ ተመልካቲ ወይ ደጋፊ ከይኮነ በቲ ቑዋማዊ መንግስቲ ዝተዋህበ መሰል ምርጫ ኣብ ሓምሽተ ዓመት ዝግበር ኣብ ክልለይ ከካይዶ’የ ምባሉ ንሕድሪ ሱዉኣቱ ኣኽቢሩ ዓቢ ደገፍ ህዝቢ ድማ ረኺቡ። እዚ ዝግበር ምርጫ’ውን ዲሞክራስያዉን ነባርን ክኸዉን ሓደስቲ ፖሎቲካዉያን ዉድባት ኣጣይሱ፣ ድሕሪ ምርጫ ከም’ቲ ልሙድ ብሓደ ዉድብ ዝዘዉር መንግስትን ባይቶን ከይከዉን ንተኻፋልነት ተቛወምቲ ዝዕድም ቦታ ሓዚኡ ሓዲስ ሕጊ ኣተኣታትዩ፣ ብልዝብን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ድማ ናይ ምርጫ ኮሚሽን ኣቑሙ። ኣብ’ዚ ዮሃና ንብሎ።

ህዝቢታት ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ዘካየድና ሕብርን ቛንቛን ዝገዝኡና ሓይልታት ጸሊእና ኣይኮነን። ሃገራዉን ሰብኣዉን መሰላትና ብሓይሊ ስለ ዝገፈፉን’ዩ። ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ብረታዊ ቓልሲ፣ ብብዙሕ መስዋእቲ ሃገራዊ ልኡላዉነትና ኣረጋጊጽና ሰብኣዊ መሰላትና ግን ካብ ግዜ መግዛእቲ ንላዕሊ ንግዛእን ንጭቆንን ኣሎና። ብዛዕባ ምርጫ እቲ ገባቲ ስርዓት እንታይ ከም ዝበለ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይምሰለናን፣ ብሕጽር ዝበለ ቓል ግን ከም ጡብ ኣደኺም ቅበጽዎ እዩ ዝበለና። ኹሉ ግዜ ኣለዎ ከም ዝተባህለ ቓልስና ነትርር።    

ዞባና ብመሳፍንትን ዲክታቶራትን ምሕደራ ተጎቢኡ ኣሎ። እንኮ ህዝቢ ትግራይ ንመራሕትና ባዕልና ነደይብን ነውርድን ምባሎም ድቓስ ዝኸልኦም ብዙሓት’ዮም። ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ብጠቅላላ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ እዚ ዕድል ምርጫ ህዝቢ ትግራይ እንተተዓንቐፈ ንስኻ’ውን ጽባሕ ምርጫ ከይትገብር ተሓባቢሮም ጊላ ኮንካ ክትነብር ንገባቲ ስርዓት ክሕግዙ’ዮ። ብዓቢኡ ድማ እንኮ ንነጻነት ኤርትራ ዝኣምን ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ እንተ ዓንቂፎሞ፣ ድሕሪኡ ዘሎ ኣጀንዳኦም እታ ወግሔ ጸብሔ ኣብ ወግዓዊ ቲቪኦም ዘርእዩና ኤርትራ ዝሓወሰት ካርታ ኢትዮጵያ ክሰርሕዋ ከይደቐሱ ይሓድሩ ኣለዉ። ንኤርትራ ገለን ምስ ትግራይ ገለን ምስ ምልእቲ ኢትዮጵያ ክሕዉሱ ዝደልዩ ጎሓፍ ታሪኽ ይቐላቐሉ ኣለዉ። ዘይተረድኦም ንኹሉ መግዛእታዊ ካርታ ኣፍሪቓ ሙዉቓዕ’ዩ። ብዓቢኡ ድማ ናይ ሰላሳ ዓመት ቓልስና ምንዓቕ’ውን’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኩለን ዉድባት ትግራይ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ዘለወን ንጹር መርገጽ እናመጎስና፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓንቲ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ክዉንቲ ኮይና ከም ክልተ ጎረባብቲ ብሰላምን ብምክብባርን ክነብር፣ ኣንጻር ድኽነትን ድንቑርናን ሕማምን ብሓባር ከም ክልተ ሃገራት ክንምክት ተስፋና ሩሑቕ ኣይኮነን።

ኮሚሺን ኾሚሽነር መረጻ ትግራይ ስራሕኩም ብገለልትነትን ብርትዓዉነትን ክትዛዝምዎ እናተስፎና ደጊምና ዓወት ንምነየልኩም። ከምኡ’ውን ዉድባት ትግራይ ኣብ ምርጫ ተዓዋትን ተሳዓርን የሎን እሞ ድሕሪ ምርጫ ጭዋ ባህሊ ክተርእዩ፣ ንዞባና ኣብነት ክትኮኑ ንጽበየኩም።

ዓወት ናይ ህዝቢ መርጻ ትግራይ!!!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሱዉኣትና!!!

ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ Wednesday, 26 August, 2020