ዕረፍቲ ዘሪኢሰናይ ተወልደ
ብዛዕባ ቐብሪ ስነስርዓት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዪ ጠውቑ
ልቕሶ ንተቓላሳይ ዘሪኢሰናይ
ወደቦይ ተወልደ ቐላቲ ሓብኛ
ቖልሕታኡ ግሩም ሸፋሽፍቲ ዓይኑ
በል ድሓን ኩን መዓብይተይ
ቃል መሪር ሓዘን
ብጻይና ግርማይ ሰመረ (ወዲ ዓላዊ) ብዝወረዶ ሕማም ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዓርቢ ዕለት 5 ሰነ 2020 ካብዛ ዓለምና ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት/ ጀርመን ዓሪፉ፣ ብሰሉስ ዕለት 16/06/2020 ከኣ ብጾቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ዓቢ ተቓላሳይ መምህር ሙሳ ኣራሖ ጉባላ
ገዲም ተቓላሳይ ኣቦና መምህር ሙሳ ኣራሖ ጉባላ ብሰንበት ዕለት 21.06.2020፡ ኣብ ከተማ ርያድ - ስዑዲ ዓረብ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።
መምህር ሙሳ ኣራሖ ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት ታሪኻውያን ተቓለስቲ ኤርትራ ከም ዝኾነን፣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ብትብዓትን ብጅግንነትን ዝተቓለሰን ዘቃለሰን ሓርበኛ ኢዩ።
መግለጺ ድርብ ሐዘን - ብምኽንያት ዕረፍቲ ብጻይና ዶክተር መሐመድ ኢብራሂም ኣደምን፡ ብዕረፍቲ በዓልቲ ቤቱ ንስዉእ ዓብደላ እድሪስ፡ ወይዘሮ ኣምና እሙ ኢብራሂምን።
ንዋዕሮ ኣምና ሳልሕ እሙ ኢብራሂም‘‘በዓልቲ ቤቱ‘‘ንስዉእ ጅግና ዓብደላ እድሪስ‘‘ንእሙ ኢብራሂም ኣላህ ይርሐምኪ‘‘ ኣብዛ ዓለም ታሪኽ ገዲፍኪ‘‘ካብዛ ዓለም ሐሊፍኪ‘‘ ንስድራቤት ጽንዓት‘‘ንመዋቲት ጀና‘‘እንዳ ተመነና ንፋነወኪ ኣለና።
ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል
ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል ብዓርቢ ዕለት 15.05.2020 ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጅያ) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።
ሓርበኛ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል ብዝነበሮ ልዑል ሃገራዊ ንቕሓትን ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ብምንባሩ፣ ኣብ መጨረሽታ ናይ 1974 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ካብ’ቶም ሃገራዊ ጉቡኦም ዘበርከቱ ሃገራውያን ነበረ።
(መግለጺ ቃል ሐዘን ተጋድሎ ሐርንርት ኤርትራ)
(መግለጺ ቃል ሐዘን ተጋድሎ ሐርንርት ኤርትራ)
ሙና እንታይ ረኸበኪ ኤርትራዊት ዋዕሮ
ልሳን ውጹዓት ሞትኪ ኣይከኣልናን ክንጾሮ
ኣደ ሰለስተ ሙና ሙስጣፋ ወይዞሮ‘‘
መግለጺ ሓዘን ፡
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ብሞት ኣዴና ወይዘሮ ታቦቱ መሪጌታ
ገብረመድህን ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ። ዝያዳ ንምንባብ ኣብዚ ይጠውቑ
ቃል ሐዘን ብምኽንያት ዕረፍቲ‘‘ ኣደና እክብት ጉብጣን‘‘
ቃል ሐዘን ብምኽንያት ዕረፍቲ‘‘ ኣደና እክብት ጉብጣን‘‘ ወላዲቱ ንሐርበኛ ሳሙኤል ዳኒኤል‘‘ ኣደይ ዶ ኽብለኪ ይማ እክብት‘‘ጓል ኣቦይ ጉብጣን ኤርትራዊት‘‘ኣደ ጀጋኑ ስዉኣት‘‘ ጓል ሰንሒት‘‘ወየ ወየ ነታ ተባዕ ዋዕሮ ሃገራዊት‘‘ ከድኪ ዶ ኣብዛ ተካል እዋን‘‘ ንፈታዊኻ ዘይትብለሉ ሰላም‘‘ ንፈታዊኻ ዘይተልብሰሉ ሐመድ ኣዳም።