^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 46 guests and no members online

ጠለብ ህዝቢ ዝተበተነ ክእከብ፡ ዝኸውን ዘሎ ተኣኪብካ ምብታን

ኣብ መንጎ ዝተበታተነ ፖለቲካዊ ዓቕምታት ምእካብን ዝተኣከበ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምብታንን ዘሎ ጋግ ገፊሕ’ዩ። እቲ ድሌታት ፈጺሙ ዘይቀራረብ ከብድን ሕቖን ምዃኑ’ውን የመልክት። ዘይከም ሎሚ በቲ ስሩት ዘኹርዕ ባህሊ ስራሕን ምድግጋፍን ወለድና፡ ገዛ እክንትሰርሕ ዋንነቱ ናይ ሓደ ክንሱ ብናይ ብዙሓት ፍልጠትን ጉልበትን ተሳትፎ’ዩ ዝስራሕ። ዳስ ሓጎስ ኮነ ዳስ ሓዘን ብተመሳሳሊ እቲ መርዓ ይኹን እቲ ሓዘን ናይ ሓደ ወይ ናይ ዝተወሰኑ ክንሱ፡ ዝተፈላለየ ዓቕሚታት ኣሳቲፍካ’ዩ ዝዕመም። ኣብ እዋን ቀውዒ ኣብ ዓጺድ ኮነ ኣብ ዓውዲ ካብ ጸየቒቶ ማይ፡ ባዕልን እንስሳን ንምህዳም ብመልክዕ ወፈራ ተጠርኒፉ’ዩ ምህርቲ ኣብ ቆፎ ዝኣቱ። ነታ ዓዲ ብዓዳ ዝምልከት ከም ሕቦብላዊ ንፋስ፣ ውሕጅ፣ ባርዕ ሓዊ፣ ኣንበጣ፣ ወይ ምስ ጎደቦ ዓዲ ዘጋጥም ናይ መሬት፡ ማይን መገሃጫን ምስሕሓብ ….ወዘተ ነቲ ብዙሕን ዝተበታተነን ዓቕሚ ብሓደ ኣኪብካ ናይ ሓሳብ ቀላሲ፡ ናይ ተግባር መራሕን ፈጸምቲ ስራሕን ወዲብካ ብሓደ ሓሳብን ብሓደ ኣንፈትን ሆ ኢልካ ብምውፋር’ዩ ዝምከትን ዝብዳህን ነይሩ።

እዚ ዘኹርዕ ኣወንታዊ ባህሊ’ዚ ኣብ ክንዲ ምዕቃቡን ምሕያሉን ንምህሳሱ ነበረ ንምግባሩ ይስራሕ ከም ዘሎ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ እንተኾነ ዘይከም ድሌትን መደብን ጸያቒቶ ጉጅለ ህግደፍን ኣጫፈርቱን ዛጊት ኣብ ኩሉን ከም ቀደሙን ኣይኹን ‘ምበር፡ ኣሰሩ መሊኡ ዘይጠፍአ ምዃኑ ግን ተስፋ ክትገብር የተባብዓካ። እዚ ኣብ’ቲ ኣይተማህረን ፍልጠት የብሉን፣ ብድሌቱን ብዕድሉን ‘ምበር ብዝተወደባ ኣገባብ ኣይሰርሕን ተባሂሉ ዝሕመ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ሓረስታይ ሃገርና ከኣ ብፍላይ ዝዝውተር፡ ዘሕብን ምትሕልላይ ምድግጋፋን ምትሕብባርን’ዩ። ብግቡእ ተዓቂቡ፡ ኣብ ኩሉ ሓባራዊ ዛዕባታትና ማለት ባህላዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ ህይወትናን ንጥፈታትናን ድማ መሰረት ኮይኑ ከገልግል ይግባእ ነይሩ። ምኽንያቱ ሓደ ሓባራዊ ህዝባዊ ሃገራዊ ጸገም ገጢሙካ፡ መፍትሒ ሓሳባት ንምርካብ ናይ ካልኦት ተመክሮ ንምውሳድ፡ ናይ ታሪኽ መጻሕፍትን ሰነዳትን ንምርካብ ግዜ፣ ጉልበትን ፍልጠትን ካብ ምብኻን ነዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጽአ ኣብ ማይ ቤትካ ብቋንቋ ትረኽቦ ጸጋ ምጥቃም፡ ብብዙሕ ሸነኻቱ ተመራጽን መርኣያ ብሱል ኣተሓሳስባ ’ዩ።

ብቐዳምነት ነዚ ህዝባዊ ሃገራዊ ሃብቲ’ዚ ክዕቅብዎን ክጥቀምሉን ዘለዎም ድማ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ዝነጥፉ ወገናት’ዮም። ስለምንታይ? ቀዳማይ፡- ኩሉ ኣብ’ታ ሃገር ዝግበር ንጥፈታት፡ ባህላዊ ድዩ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ ድዩ ቁጠባዊ፣ ጾታዊ ድዩ ሃይማኖታዊ፣ ጸጥታዊ ድዩ ዲፕሎማስያዊ፣ ስነ-ጥበባዊ ድዩ ስፖርታዊ፣ ስነ-ፍልጠታዊ ድዩ ታሪኻዊ ዓውድታት ኩሉ ብፖለቲካን ኣብ ትሕቲ ፖለቲካን’ዩ ዝነባበር ዝመሓደር። ካልኣይ፡- ግዳማዊ ድዩ ዘቤታዊ ብሓባር ዝጭፍልቕ ጸላኢ ኣጋጢሙ፡ ብቓልስን መስዋእትን ምልጋሱ ኣማራጺ ዘይብሉ መፍትሒ ኣብ ዝኾነሉ፡ ዝተበታተነ መልክዕ ተቓውሞ ዘድሊ ውጽኢት ከምጽእ ኣብ ዘይከኣለሉ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ናይ ስርዓት ለውጢ እናደለየ ግን ዘይተወደባ ዜጋ ኮነ፡ ኣብ ንኡሳን ግን ብዙሓት ጉጅለታት ዝተወደበ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዓቕሚታቱ ብግቡእ ወዲብካ፡ ተወዳዳሪ፡ ሃራምን ኣፍራይን ሓይሊ ኮይኑ ብሓደ ኣንፈት ክወፍር ምግባር ፍቱን መንገዲ ዓወት’ዩ።

ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ መጀመርያ ክሳብ ሎሚ ክበሃል ይከኣል፡ ህላወ ብዙሓት ውድባትን ብዙሕ ርእይቶታትን ክሪኡን ክሰምዑን ዘይደልዩ ብሕማም ገባቲ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝተጠቕዑ ወገናት’ኳ እንተነበሩን ዛጊት’ውን እንተሃለውን ሕብረ ውድባዊ ክውንነት ግን ህልዊ’ዩ። ኣብ ኣርበዓታት መሰረታዊ ፖለቲካዊ ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ፡ ዝተፈላለየ ዝንባሌታት ዝነበሮም ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ነይሮም። ካብ መወዳእታ ሱሳታት ክሳብ ሎሚ ድማ ብተመሳሳሊ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ምንቅስቃሳትን ድማ ኣብ ባይታ ይነጥፉ ነይሮምን ዛጊት’ውን ኣለውን።

እቲ ካብ ኣርበዓታት ሱሳታት ኮነ ሰብዓታት ጀሚሩ ክሳብ 1991 ዝነበረ ፍልልያት ብቐንዱ፡ ኣብ ተዋሳእቱ ዝነበረ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ፣ ሃይማኖታውን ቁጠባውን ባህላውን ጽልዋታት፣ ብግዳማውያን ርእሰ ሓያላን ዝቕለስ ቀጥታዊ ኢድ ኣእታውነትን ስነ-ሓሳባዊ ስሕበትን ዝተፈራረቖ ብምንባሩ፡ እቲ ምሕዝነት ወይ ሓድነት ዝብል ጠለብ ህዝቢ ክሰምር ኣይከኣለን። ሎሚ ቀጥታዊ ግዳማዊ መግዛእትን ዓንገልቱን ኣብ ዝለገስሉ፣ ብሓይልን ብሕግን ልኡላውነት ሃገር ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ናብ ከባቢ 100 ዓመት ናይ ዝጽጋዕ ዕጥቃውን ፖለቲካውን ቃልሲ ተመክሮ ኣብ ዝሓፈስናሉ፣ ካብ ካልእ መድረኻት ብዝያዳ ፖለቲካዊ ውዳቤታት ኣብ ዝበዝሓሉ፣ ብሰንኪ ሓደ ውሱን ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ቀጻልነት ህልውናና ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ኣብ ዝወደቕናሉ፣ ማራኸቢታት ማዕቢሉ ኣብ ገገዛኻ ኮይና መላጉም ኮምፒተርን ሞባይልን ብምጥዋቕ ኣብ ዝተወሰነ ደቓይቕ ሓሳብ ንሓሳብ ትለዋወጠሉ፡ ክሳብ’ውን ኣኼባ ንምክያድ ንምክታዕ ኣብ ዝተኻእለሉ መድረኽ፡ “ሓድነት ሓይሊ’ዩ” “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” ዝብል ጭርሖ እናደጋገምካ ካብ ሓቀኛ ሓድነትን ምእካብን ምህዳም፡ ምስ ምንታይ ይቑጸር? እንታይ ምኽንያት’ከ ይወሃቦ? መን’ዩ ዝሕተተሉ? ህዝቢ ተበታቲንኩም ኣይተድምዑን ኣይተስምዑን ህግደፍ ናይ ምውጋድ ዕላማ እንተለኩም፡ ህግደፍ ከመይ ነውግድ ኣብ ዝብል ተኣከቡ ተመሓዘው ተላዘቡ’ሞ ብሓደ ኣንፈት ውፈሩ ይጠልብ ይምሕጸን ኣሎ፡፡ ብግንባራት ደራጃ ተጠራኒፎም ሓይሊ ክድልቡ ተስፋ ህዝቢ ክኾኑ ንጸላኢ ክህድዱ ትጽቢት ዝግበረሎም ፖለቲካዊ ውድባት ግን ብኣንጻሩ ዝሰርሕዎ ገዛ ኣፍሪሶም ይበታተኑን ኣዋጅ ምብትታን ከስምዑ ይቀዳደሙን።

ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ውድባት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናይ ዕላማ ፍልልይ ብግቡእ ተናቢቦም ብምምሕዳር፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ኣብ ዘሰማምዖም ነጥብታት ድማ ዓቕሚታቶም ኣላፊኖም ብሓደ ኣንፈት ከይወፍሩ ‘ሞ ከየድምዑን ከይስምዑን ዘዝሰርሕዎ ናይ ሓባር ጎጆ ከይቀነየ ሽዑ ንሽዑ ዝፈርሰሉ ዘሎ ጭቡጥ ምኽንያት እንታይ ይኹን? ሓባራዊ ህዝባዊ ሃገራዊ ጸገም ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ውልቃዊ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ፡ ተቐራሪብካ ተላዚብካን ዓቕሚኻ ኣላፊንካን ትገጥመሉን ትዕወተሉ ጥበብ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ወለድና ዘጽንሑልና ኣወንታዊ ባህሊ ኣሎ። ናይ ከባቢ 100 ናይ ቃልሲ ተመክሮ ኣሎ። ሕጂ ድማ ዝረቐቐን ዝቐልጠፈን መራኸቢታት እናሃለወ፡ ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኣለኹ በጃኹም ሕበሩ’ሞ ብሓንሳብ ውፈሩ እናበለ፡ ወድዓዊ ኩነታት በሲሉ ዝበልዖ ስኢኑ እናፈንተረ እንከሎ ከም’ዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ውድቀት ክረአ ዘደንጹ’ዩ፡፡

ብኤርትራን ኤርትራውያንን ዝግደስ፣ ናይ ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ደርባዊ ፍትሕ ዝገበረ፣ ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ ዝኣምን፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ኢሉ ዝጭርሕ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ኣብ ሓደ ሓባራዊ ግንባር ተጠርኒፈ ኣይሰርሕን ክብል ጭቡጥ ምኽንያቱ እንታይ’ዩ? ካልእ ዘይኮነ ብቐዳምነት ናይ ነፍስ ወከፍ ከም’ዚ ዓይነት ዓንቃፊ ርእይቶ ናይ ዘለዎም ውድባት ሓፋሽ ኣባል ከልዕሎ ዘለዎን ብቅጽበት መልሲ ክረክበሉ ዝግባእን ከቢድ ጉዳይ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ሕማም ንውሳኔታት ጉባኤ ተማእዚዙ ዘይኸይድ መሪሕነት፣ ንመሪሕነቱ ዘይቆጻጸር ተጎታቲ ኣባል ከምዘሎን ብሕኸኸኒ ክሓከካ ተሓናጊሮም ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ይዕንቅፍዎ ምህላዎም ዘርኢ’ዩ። ካብ’ዚ ንምድሓን ከም ሰብ፣ ከም ውድብ፣ ከም ህዝቢ በብደረጃኡ ከመይ ኣለኹ እንታይ ይገብር ኣለኹ/ኣለና ልክዕ ዝኾነ ገምጋም ምግባርን ተሓዲስካ ብተግባር ምውፋርን’ዩ። ካብ’ዚ ብዝተረፈ ጠለብ ህዝቢ ዝተበታተነ ክእከብ፡ ዝኸውን ዘሎ ዝተኣከበ ምብታን’ዩ። ብኸምዚ ድማ እናተሰሓግካ ሞት ‘ምበር ዓወት ክመጽእ ኣይሕለምን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 14-03-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox