^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 84 guests and no members online

መግለጺ ሓዘን፡

ናብ ዝኸበርኩም ስድራ ቤት ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶ/ር. ሃብተ ተስፋማርያም፡-

ናብ ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን መላእ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራን፡-

ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም፡ ብሕማም ምኽንያት ዓራት ከም ዝሓዘ፡ ካብ ዝሰማዕናሉ እዋን ጀሚርና፡ ብውሽጥና እናተሻቐልና ኢና ጸኒሕና። ደሃዩ'ውን ንዝምልከቶ ሓቲትና፤ እናተመሓየሸ ይኸይድ ምህላዉን ደሓን ምዕባለታት የርኢ ከምዘሎ ሓበሬታ ረኸብና፤ ሙሉእ ምሕረት ረኺቡ ናብ ስድርኡን መቓልስቱን ክምለስ'ውን ተተስፊና፡፡ እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ኣብ ዘይበሃል መዓልታት፡ ሎሚ ንግሆ ዕለት 14 ጥሪ 2017 ብመስዋእቲ ከም ዝሓለፈ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቶጎሩባ ተለጢፉ ምስ ረኣና፡ ምሒር ደንጊጽና፤ ዝተሰማዓና ሓዘን ድማ ኣዝዩ መሪር እዩ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶ/ር. ሃብተ ተስፋማርያም፡ ካብ ጊዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ዘካየዶ ተጋድሎን፡ ካብ ጽባሕ ነጻነት ድማ፡ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ፡ ከም መራሒ ናይ ቃልሲ እጃሙ እናበርከተ ዝመጸ ሓርበኛ ተጋዳላይ እዩ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም፡ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኣብ መፈጸምታ ከየብጸሐ፡ ውጽኢት ጻዕሩን ቃልሱን ከይረኣየ፡ ከም'ቶም ዝሓለፉ መቓልስቱን ዓበይቲ ሓርበኛታት ብጾትን፡ ኣብ ስደት ብመስዋእቲ ምሕላፉ፡ ሓዘና መሪር ይገብሮ።

መስዋእቲ ንቡር ዕጫ ተቓለስቲ እዩ፤ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶኦምን ታሪኾምን ክውረስ ድማ ግቡእ እዩ። ስዉእ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም ድማ፡ ንዝኣመነሉ ዕላማ ንምዕዋት እናተጋደለ፡ ብመስዋእቲ ሓሊፉ ኣሎ፡፡ ንዕኡ መንግስተ-ሰማያት ከዋርሶ ንጽሊ፡፡ ንመላእ ስድራ ቤቱ፣ ኣዕሩኽቱ፣ ንመሪሕነትን መሰረታትን ግሃድኤ፣ ኩሎም ተቓለስትን ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራን ኣኻእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም ንብል።

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

14 ጥሪ 2017.

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox