^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 94 guests and no members online

ናይ ሐዘን መግለጺ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦ ወንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤረትራ፡፡ ብሐርበኛ ተቃላሳይ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ዝተሰማዓና መሪር ሐዘን እንዳ ገለጽና፡ ንዶክተር ሃብተ መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤቱ ጠሊ ይግደፈልኩም ንብል፡፡ ንመቓልስቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ንምነየልኩም፡፡ ካብ ናይ ሐዘንኩም ተኻፈልቲ መላእ ኣባላትን መሪሕነት ተጋድሎ ሐርነት ኤረትራ፡፡

ዶክተር ሃብተ ኣርክብ ኣርክብ ዶ ኾነ

ብ ዋዕላ ኣቃቂ ምስ ዶክተር በየነ

ኣብ መንጎ ሰለስተ ዶክተራት ራባዓይኩም ኮይነ

ብጉዳይ ሃገር ክንዛተ ተዘኪሩኒ ኣነ

ዶክተር ሃብተ ከም ዶክተር በየነ ሐሊፉ ከይቀሰነ..

ከድካ ዶ ሰራወታይ ዓዲ ዃላ ዝዓዱ

ሐደ ካብቶም ሙሁራት ንሜዳ ዝወረዱ

ከም ኩሉም ካብ ሜዳ ከፈተዉ ዝተሰደዱ..

እንቢ ንመግዛእቲ ኤረትራ ንኤረትራዊያን ዝበሉ

ሐርበኛ ዶክተር ሃብተ ሰራወታይ ጽኑዕ ኣብ መትከሉ

ሐመድ ዓዶም ዝሐረሞም ፍትሒ ይንገስ ስለ ዝበሉ

ከም እዮብ ዶክተር በየነ ኣሕመድ ሲዒቡ ከይዓጸፈ ቓሉ..

ወደቦይ ተስፋማርያም ሕቡን ኤረትራዊ

ኣብ ሜዳ ኣብ ስደት ዝመከተ ንኣረማዊ

ንግዝኣተ ሕጊ ከንግስ ዝተቓለሰ ሃገራዊ..

ኣብ ጀርመን ትምህርቱ ምስ ወደኤ

ዶክተር ንሜዳ ዝወረደ ናብ ተሐኤ

ድሕሪ ነጻነት ጽዒሩ ንዳግማይ ትንሳኤ

ንሐርነት ተቓሊሱ ሃገር ነጻ ምስ ወጽኤ..

ንኤረትራዊ ወደባት ክብለሉ ወየ ወየ

ዶክተር ሐሊፉ ብጉዳይ ሃገር እንዳ ተጓየየ

ንዕንቅፋት ቃልሲ ዓገብ ኢሉ እንዳ ኣለየ

ብተረኹቦ ሎሚ ሐዚኑ ሐሊፉ እንዳ ጓሃየ..

ወግሔ ጸብሔ ጓል ነገር

ሰብ ዶ ይነብር ታሪሕ እንበር

ግዜ ነዊሑ ሃየ ንባራበር..

ህልዋት ተቃለስቲ ሕጂ ወስኑ

ሐርበኛታት ሐመድ ዓዶም ዝሰኣኑ

ኣብ ቃልሲ ኣሪጎም ኣብ ስደት ዝተደፈኑ

ሰማእታትና ንሐውሩ ኣብ ዓዶም ክድፈኑ..

ወሎዶ ተማሊ ተባህለ እንታይ ይዓብስ

ክሳብ ማዓስ ኢና ነዚ እንዳ ሰማዕና ንድቅስ

ቃል ኣቲና ስዉኣትና ክቐስኑ ህዝቢ ክድበስ

ንወለዶ ሎሚ ጠርኒፍና ንጸላእትና ነልግስ..

ሐርበኛ ዶክተር ሃብተ ይቕሰን መቓብርካ

ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ካብ ተበገስካ

ሰማይን ሜሬትን ዝፈጠረ ፈጣሪ ይቀበልካ

ብሽም ናይ ዕላማ ብጻትካ ብኸምዚ ክፋነወካ..

ክብርን ሞጎስን ንሐርበኛታትና

ብሂወትና ክሳብ ዘለና

ቅሰኑ ቃልና ኣይንዓጽፍን ኢና

14 ጥሪ 2017 ብበርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox