^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 91 guests and no members online

ናይ ሓዘን መግለጺ፣

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /.../ ሎሚ መዓልቲ 14 ጥሪ 2017 ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ / ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ-መንበር ፈጻሚ-ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዝሓደሮ ሕማም ምስውኡ ምስ ሰምዐ መሪር ሓዘን ተሰሚዕዎ።

/ ሃብተ ተስፋማርያም ካብ ዕድመ ንእስነቱ ኣትሒዙ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ ዝነበሮ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ትምህርቱ እናተኸታተለ እንከሎ ኣብ መስርዕ ቃልሲ መጀመርያ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ /ሓረካ/ ቀጺሉ ካኣ ኣብ ኤውሮጳ ትምህርቱ እናተኻታተለ እንከሎ ኣብ ምንቅስቓስ ማሕበር ተማሃሮ ኣብ .. ተወዲቡ ንጡፍ ተርኡ ዝጻወት ዘነበረ ሓርበኛ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ኣብ 1975 ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ .. ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ምስ ተመረጸውን ኣብ ወጻኢ ኣብ ዲፕሎማስያውን ሰብኣውን ስራሓት ተዋፊሩ ደኺመ ከይበለ ብቀጻሊ ዝረባረብ ዝነበረ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ኣብ ውሽጣ ዘጋጠመ ምፍልላይ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣባል መሪሕነት፡ ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣባል መሪሕነትን ፈጻሚትን ቀጺሉ ክሳብ ግዜ መስዋእቱ ካኣ ናይ ቅድሚኡ ዝሓለፉ ጀጋኑ ስዉኣት ሓርበኛታት ተቓለስቲ መራሕቲ፡ ኢዮብ ብስራት፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ / በየነ ኪዳነን ሕድሪ ኩሎም ከለኦት ስዉኣትን ኣኽቢሩ ብጽንዓት ክቃለስ ካብ ዝጸንሑ ሓርበኛታት መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ሓደ እዩ።

/ ሃብተ ተስፋማርያም ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ሓደ ግንባር ንምጥርናፍ ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ቃልስታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ደሞክራስዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካኣ ብፍላይ ናቱ ኣወንታዊ ተራ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ክሳብ ግዜ መስዋእቱ ካኣ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባውን ግንባራውን ስራሓት ተመዲቡ ክቃለስ እንከሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ልሉይ ናይ ኣመራርሓ ተራ ዝነበሮ / ሃብተ ተስፋማርያም፡ ኣብዚ ሕጂ ሃገርና ኣብ ናይ ብርሰትን ምብትታንን ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ኣብ ዘሎ እዋን ብመስዋእቲ ምፍላዩ ንደምበ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዓቢ ጉድኣት እዩ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /.../ ብመስዋእቲ ገዲም ሓርበኛ ተቓላሳይ / ሃብተ ተስፋማርያም መሪር ሓዘን እናተሰመዖ፡ ንመላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ይኹኑ ተቓለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጥን መላእ ስድራቤቱን ኣዕርኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

መስዋእቲ ብጻይና / ሃብተ ተስፋማርያም መሊሱ ከሐርነና እንተዘይኮይኑ ኣየጒድመናን እዩ!!

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡

14 ጥሪ 2017

1

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox