^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 58 guests and no members online

መግለጺ ሐዘን ብዕረፍቲ ሰለስተ ሐርበኛታት፡

በብሐደ ሰብ ወሐደ ሕጂ ውን ሕድሪ ሰማእታትና ዘይጠለሙ ተባዓት ገዳይም ሐርበኛታት ከሲርና፡ ንኣሕ ሕማም ተወሲኽዎ፡ኣሪግካ ጥራይ ኣይኮነን ዝምወት ታሪኽ ገዲፍካ ሞት ግን ዓወት እዩ፡፡ በዛ ናዓኹም ዘይትበቅዕ ሐጻር ግጥመይ ንዝኽርኹም ኣሰንየ ንደንበ ተቓውሞ ክላቦ፡ እወ መራሕትና ሰኣን ወሲንካ ንህግደፍ በቲ ዝሰምዖ ቋንቋ ምዝራብ እዮም ገዳይም ሐርበኛታት ዝተቃለሱሉን ዝደመዩሉን፡ ዕትብቶም ዝተቐበረሉ፡ሐመድ ዓደቦኦም ሐሪምዎም ኣብ ስደት ዝድፈኑ ዘለዉ እሞ፡፡መለበምን ኣይግበርካ መልለበምን ኣይኽላእካ ልቢ ይሃብኩም መዛረቢ ዝረብሑን ዘይረብሕን ኣይትግበሩና እብል፡፡

ሐርበኛ ብጻይ ስለማን ካብ ተበገስካ

ኣላህ ይርሐምካ ረቢ ኣብ ጀና ይቀበልካ

ሐርበኛ ስለማን ኣደም ስለማን ዶ ክብለካ

ገዲም ተቓላሳይ ኤረትራ ንኤረትራዊያን ዝበልካ

ንስድራ ቤት ጽንዓት ጥሊ ንምነ ናይ ዕላማ ብጾትካ

ንስለማን ኣደም ስለማን ረቢ ኣብ ጀና ይቀበልካ..

ብጻት ካብ ፍቓድ ፈጣሪ ዘምልጥ የለን

ኣላህ ይርሐምካ ሐርበኛ ኣቡበከር ስለማን

ፍትሒ ይንገስ ዝበልኩም ኣብነታዊያን

ጀጋኑ ከሲርና ሐርበኛታት ሃገራዊያን

ሐሊፍኩም ዶ ከይረኣኹም ናይ ሕርነት ብርሃን..

ንብጻቱ ጽንዓት ይሃብኩም

ንኣቡበከር ድማ ረቢ ይርሐም

ንስድራ ቤት ጠሊ ይግደፈልኩም..

ኣሰር ብጻትካ ሲዒብካ በዓል ዓቕሊ

ኣላህ ይርሐምካ ዓብዱ ዑመር ዓሊ

ሐርበኛ ዓብዱ ዑመር ኣኺላ ዕምሪ

ኣብ መትከል ጸኒዑ ዘይጠለመ ሕድሪ

ግዜ ንዊሑ ዓብዱ ዑመር ዓሊ

ንዓለም ኢልካያ ዶ ደሐን ወዓሊ..

ሰንሒተታይ ዓብዱ ዑመር

ሰብ ኣይነብርን ዩ ታሪኽ እንበር

መዓልቲ ነዊሑ እነና ኣብ ስደት ንቕበር..

ንስዉእ ዓብዱ ዑመር ዓሊ ጀና

ንስድራ ቤት ጽንዓት ጠሊ ጥዕና

ንብል ናይ ዕላማ ብጾትካ ኑኡስና ዓቢና..

ዘይውስኑ መራሕቲ ረኺብና

ሰኣን ምውሳን በብሐደ ንሐልፍ ኣለና

ሕጂ ኸ መርድእ መን ክንሰምዕ ኢና..

እዚ ተባዕ ህዝቢ ዘዋሃህዶ ሲኢኑ

ወስኑ ኣለዉ ኣሰርኩም ዝስዕቡ ጀጋኑ

ወይ ውረዱ ወይ መድሕን ህዝቢ ኩኑ

ኣድሕንዎም መንእሰያት ከይተበታተኑ..

ንሱዳን ሲዒቡ ንጀጋኑና ዝቐንጸለ በብሐደ

ትም ካብ ቀዳማዮም ዳሕረዋዮም ዝገደደ

ኢሰያስ ምተፈርደ እንበር ንሱ ዶ ምፈረደ..

ለኪሙና ወሳኒ መሪሕ ስለ ዝተሳእነ

እንቢ ንምልኪ ኢሉ ንህግደፍ ዝኾነነ

ዋዕሮታት ሐርበኛ ኣብ ስደት ተደፈነ

ሐደ በዓል ሐሞት ዶ ተሳኢኑ ዝፈዲ ሕነ..

ክዋራዘዩልና ብመልሐሶም ጭለ

እቲ በረት ተሐንጊጡ ዝተጋደለ

ተጋዳላይ ተሐኤ ፍትሒ ይንገስ ዝበለ

በብሐደ ኣብ ስደት ይድፈን እነሆለ..

ንጃንዳ ህግደፍ ክንዲ ትፈርዱ

ኣብ ስግር መረብ ካብ ትዕነዱ

ብዝረብሑን ዘይረብሑን ትዋረዱ

ወሲንኩም ግዳ ባይታ ዘይትወርዱ..

ንድኽመታትና ጫፍ ጫፉ ተናኺፈዮ

ብማዓልትና ንጉድጓድና ባዕልና ኣለናዮ

ብወየ ከሰንዮ ንረቢ ኣምላኽ ዝሐረዮ

ንፈላላዪ ካድር መሪሕ ኣይንስዓቦ ንእበዮ..

ኢሰያስ ኣብ ዝኣጎዶ ሐዊ ኣይንጉየ

ጻዊዒት ንለውጢ ንዝነኣሰ ንዝዓበየ

ናይ ሐርነት ተቃለስቲ

ያኣኽለና ወየ

መድሕን ህዝቢ ክንከውን ንወስን ሃየ..

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ብበርሀ ዑቁባዝጊ ወኪል ተሐኤ ኣብ ሃገር ጀርመን

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox