Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ናትና ናይ ኤርትራውያን ኣተሃላልዋ ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። ተባዕ ኔርካ ፈራሕ፡ ኣረጊት መግዛእቲ ኣባሪርካ ኣብ ሓድሽ መግዛኢ ምርዓም። ምስ ሓይልኻ እንከለኻ ድኹም። ምስ ትሕዝቶኻ ተመጽዋቲ። ኩሉ ነገርና ካብ

ንቡር ዝወጽአ ኮይኑ። “ሕማቕ ጓሳ ብበትሩ ይህረም” ከም ዝተባህለ ብሰንኪ ብፖለቲካ ዘይምንቃሕናን ዘይምብቃዕናን ምስ ሓይልና እንከለና ንህረም ኣለና። “ጭጉራፍ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ዓይነት ድማ ኣብ ክንዲ ፍትሓዊ ኣረኣእያ ወኒና፡ ዝተዘርገ ኣንፈተ ፖለቲካና ኣነጽሪና፡ ናብ መንገዲ ዓወት ዘብጸሐና ስትራተጂን ስልትን ቀሪጽና ዘቤታዊ ጸላኢ ኣልጊስና ሓራ ክንከውን ንረባረብ፡ ከኩርባና ሒዝና፡ ገለ ኣምሪርና ንነቅፍ ብወግዒ ድማ ንቃለስ። ገለ ንብዓት ሓርገጽ ንነብዕ። ገለ ካልኦት ሓራ ከውጽኡና ንምህለል። ገለ ድማ ወሰና ሒዝና ንዕዘብ ንወራዘ።

ትማሊ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ደለይቲ ፍትሒ ምዃና፡ ተበዓት ምኻና፡ ኒሐኛታት ምዃና፡ ሓርበኛታት ምዃና ብዛንታ ብእዝኒ ጽሮት ዘይኮነ በተግባር ዘርኣናሉ ዘኹርዕ ወቕቲ ነይሩ። ሎሚ ከኣ፡ ብግልባጡ ክሕደት፣ ጭካኔ፣ ኣምሱልነት፣ ውልቃውነት፣ በለጽ፣ ሓሶት፣ ጉጅላውነት፣ ጉድለት ነብሰ ምትእምማን፣ ልክዑ ዝሓለፎ ራዕዲ፣ ተጸባይነት፣ ፖለቲካዊ ባዶነት፣ ኣምልኾ ሓደ ሰብ፣ መሰረት ዘይብሉ ባዶ ጃህራ፣ ካብ መስመር ሰብኣውነት ፍጮ ዝወጻአ ኣራዊታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ክሕምሱና ክመርሑና ኣብ ዝዕዘበሉ ወቕቲ ንርከብ ኣለና።

ውልቀ ሰብ ኮነ ህዝቢ ከም ህዝቢ ቀስ ብቐስ ካብ ዝደኸመ ደረጃ ናብ ዝማዕበለ ክስጉም’ዩ ትጽቢት ዝግበር። እቲ ናይ ምዕባሌ ስጉምቲ ብዝተፈላለዩ ባዕላውን ወድዓውን ምኽንያታት ክተዓናቐፍ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣወንታዊ ለውጢ ዘይከምጽእ ይኽእል’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ከኣ ከም ውሁብ ክውሰድ ይከኣል። ኣብ ናይ 30 ዓመት ዝተናወሐ ነጻነታውን ሓርነታውን ቃልሲ ዝፈረየ ሃገራዊ ፍቕሪ፣ ኒሕ፣ ትብዓት፣ ተወፋይነት፣ ሓርበኝነት ከም ብተልመደን ዝተሰርሐ ኳና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዝረግ ክዓኑ ምርኣይ ግን ልሙድ ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ’ዚ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ኢልካ ትሓልፎ ሕመቕ ኣይኮነን።

እዚ ክስተቲ’ዚ ንለባማት ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብርሑቕ ንጭቡጥ ከመይነት ፖለቲካዊ ኤርትራ ትማልን ሎምን ንዝፈልጡ፡ ደለይቲ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ክብረት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፣ ቁጠባዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ፍትሕን ንዝኾኑ ወገናት’ውን ዘሰንብድ’ዩ። ምሁራትን ተመራመርትን ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት፡ ብናይ ትማሊ ጽንዓት፡ ትብዓትን ዓወትን፡ ናይ ሎሚ ድማ ዝርገተ ፖለቲካዊ መርሆ ራዕድን ውድቀትን ኤርትራውያን ጠንቁን ሳዕቤኑን ከጽንዑ ዝድርኽ’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ዳግም ብካልኦት ከይድገም መምሃሪ ዝኸውን መፍትሒ ሓሳብ ከናድዩ ዝዕድም ተርእዮ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ሎሚ፡ “ ብዘይበደልካዮ ተፈረድ ብዘይደየብካዮ ውረድ” ከም ዝተባህለ ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ መስርሕ ምዕባሌኦም ተኾሊፉ፡ ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን ኣብ ቅድሚኦም ተደቂንዎም ብእግረይ ኣውጽእኒ’ዮም ዝበታተኑ ዘሎ።

ትማሊ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኣንጻር ግደማዊ መግዛእቲ ኣብ ዝተኻየደ ከቢድ መስዋእቲ ዝሓትት ቃልሲ፡ ፈታውን ጸላእን ብዓይኑ ዝተዓዘቦ ፊት ንፊት ምስ ዓረር ዝገጥም ዝነበረ ትብዓት፡ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ ዝሰረቱ ሕድሕድ ምትሕልላይ፣ ሓርበኝነት፡ ሎሚ ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ክድገመሉ ዘይከኣለ ምኽንያት እንታይ’ዩ? እቲ ናይ ትማሊ ጽንዓት ትብዓት ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ ድዩ ነይሩ? ኣብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝተሰረተ ሓቀኛ ህዝባዊው ሃገራውን ፍቕሪ ኣይነበረን ማለት ድዩ? ወይስ ኣብ ናይ ትማሊ ሰብን ኣብ ናይ ሎሚ ሰብን ናይ ባህሪ ፍልልይ ስለ ዘሎ’ዩ?

ፖለቲካዊ ዓፈናን ቁጠባዊ ምዝመዛን ፈጻሚኡ መን ብዘየገድስ ኩሉ ዘሕምም ዘቐንዙ’ዩ። ኣብ ናይ ትማሊ ግዳማዊ ገዛእን ናይ ሎሚ ዘቤታዊ ገዛእን ድማ ናይ ትውልድን ቋንቋን እንተዘይኮይኑ ናይ ባህሪ ፍልል የለን። ንደግርን ህግደፍን ኣብ ሓደ ሚዛን ኣቐሚጥካ ንምንጽጻር እንተተፈቲኑ ከኣ፡ ናይ ሎሚ ዘቤታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ከም ዝጭክንን ዝመርርን ንክልቲኦም ገዛእቲ ዝረኣዮ ዝምስክርዎ ዘለው ሓቂ’ዩ። እሞ እቲ ትማሊ ዝነበረ እምቢ ኣይግዛእን ኣይምብርከኸን ጽንዓትን ትብዓትን ደኣ ሎሚ ናበይ ከደ? እዚ ሎሚ ብገለ ወገናት ንሪኦን ሰምዖን ዘለና ካብ ጸላእን ቀታልን ህግደፍ ምሕረት ዝጽበ ፖለቲካዊ ልምሰትን ሕሉፍ ራዕድን ከ ከመይ ተኣታተወ? ወዲ-ሰብ ንዘለዎ ኣወንታዊ ክብርታት ይዕቅቦን ይውስኸሉ ‘ምበር፡ ብኸመይ ነቲ ትብዓት ብበለጽን ራዕድን ይጅለሖ?

ብኸመይ እወ ህግደፍ መሳቐዪ፡ ቀታሊ፡ ዘራፊ፡ ገባቲ እናሃለወ፡ ሓላዪ መሓሪ ዝብል ሕድሕዱ ዝላተም ርእይቶ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ቦታ ክረክብ ክስዕርር ክኢሉ? ንቑሕን ብቑዕን ፖለቲካዊ ኣመራር ብምስኣኑ ድዩ ወይስ ዝተረግመ ህዝቢ ስለ ዝኾነ? ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ዜጋ ንዘሳቕዮ፡ ዝቐትሎ፡ ዝዘርፎ፡ ብሰብኣዊ ክብሩን ልኡላዊ ግዝኣቱን ንዝጣላዕ ጉጅለ ኣይሰግድን። ይሕርን ‘ምበር ኣይርዕድን። ካብኡ ምሕረት ክወርደሉ ኣይጽበን።

ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና ግን፡ ኣይ ፖለቲካዊ ብስለት፡ ኣይ ትብዓትን ተወፋይነትን ኩሉ ኣንጻር ቅድሚ 1991 ዝነበረ ታሪኽን ተመክሮን ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ። ካብ’ቶም ብዙሓት ንፖለቲካዊ ዝርገትን ውድቀትን ዘርእዩና ሓደ ኣብነት ንመለከት፡- ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓድሽ ንጉስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይኸውን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ብኢደ-ወነኑ ዝተቖጻጸሮ ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ወዱ ንምስግጋር ምልክታት የርኢ ኣሎ። ወዱ ኣብ ዘይምልከቶ ኣኼባ ካቢነ-ሚኒስተራት ተሳቲፉ። ዲፕሎማሰኛታት ኣዘራሪቡ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ። ልክዕ ከም ኣቦኡ ብሃገራዊ ድሕነት ተዓጂቡ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ልዑል ጥንቃቐን ሓላፍነትን ዝሓትት ሃገራዊ ሰነዳትን ስምምዓትን ክመርሕን ክቆጻጸርን ስልጣን ተዋሂብዎ ..ወዘተ ዝብሉ ርእይቶታት ምቅላሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ጭብጢ ዘለዎ ይኹን ኣይኹን ብመንጽር’ቲ ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ንቅጽል’ዶ ኣይንቕጽልን ገጢሙና ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ትኹረት ክወሃቦ ዘይብሉ ኣዝዩ ንኡስ ነገር’ዩ። ነቲ ውልቀ መላኺ መሊሱ ዘሻድን ንፖለቲካዊ ሕመቕናን ዝሩግ ኣተሃላልዋናን ድማ ዝገልጽ’ዩ። ህግደፍ ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ትካለቱ ክሳብ ዘይተወገደ ብኢሳያስ ተመርሐ ብወዱ፡ ብፍሊጶስ ተመርሐ ብካሪካረ ዘምጸኦ ለውጢ የለን። ህግደፍ፡ ህግደፍ’ዩ።

ትኹረት ክግበር ዘለዎ ወዲ ኢሳያስ ዝለዓለ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንመሓዝ ልምምድ ይገብር ምህላው ወይ ምሓዙ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ዝበሃል ዘሎ ወዲ-ኢሳያስ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ ሰብ’ዩ። ኤርትራዊ ዜጋ ድማ’ዩ። ስለዚ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክድይብን ክመርሕን ከም ዜጋ መሰሉ’ዩ። ኣብ ስልጣን ዝወጽኣሉ ብሕጋዊ ኣገባብ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ግን ከዛረብ ይኽእል’ዩ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ኤርትራ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ዝበሃል ስለ ዘየለ ድማ፡ ብሕጊ ትሓተሉን ትቆጻጸረሉ ዕድል የለን። ዘሎ እንኮ ኣማራጺ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምፍራስን ጠቕሊልካ ምውጋድን ጥራሕ’ዩ። ወዲ ኢሳያስ ስለ ዝኾነ ጥራሕ ኣብ ጽፍሒ ፖለቲካዊ ስልጣን ይሓኩር ኣሎ ወይ ደይቡ ኣሎ ዝብል ነቔፈይታ ግን ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ክእረም ይግባእ።

ትኹረትና እንታይ ስለ ዘጉደልና ወይ ስለ ዝተጋገና ኢና ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝበለ ፈራሕ ጨካን ዘቤታዊ ገዛኢ ወዲቕና? ካብ ክብረት ናብ ሕስረት ወሪድና? ብኣንክሮ ክንፍትሽ ክንግምግም፡ ድኽመትና ኣለሊናን ተቐቢልናን ግሉጽ ርእሰ ነቐፈታ ድማ ገይርና ከም ህዝቢ ሓራ ንምዃን ብንቕሓትን ብጽንዓትን ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ምርብራብ ጥራሕ’ዩ። ምስ ባህሪና ከይተዓረቕናን ናይ ገዛእ ርእስና ድኽመታት ከይፈተሽናን ከይኣረምናን፡ ደድሕሪ ዕለታዊ ኢ-ሰብኣዊ ፍጻሜታት ጉጅለ ህግደፍ ዘብዘብ ምባል ግን ኣብ ትዕዝብቲ የእትወና እንተዘይኮይኑ ዘምጸኣልና ለውጢ የለን። ኢሳያስን ናይ ጥፍኣት መሳሒኡ ስማዊ ጉጅለ ህግደፍን ክሳብ ብህዝባዊ ቃልሲ ዝውገዱ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ክፍጽሙ’ዮም። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ብተግባር ዝተዓዘብናዮ ከይተሰከፉ ክሕስው፣ ዘይተግበር መብጸዓ ክኣትው፣ ከፋፊሎም ብኣድልዎ ክገዝኡ፣ ንምህሩ ከደንቁሩ፣ ንሃብታም ከድክዩ፣ ህጻናት ከዘኽትሙ፣ ወለዲ ከብክዩ ከጸምው፣ ፍልጠትን ጉልበትን መንእሰያት ከማስኑ፡ ኮታ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ጎረባብቲ ሃገራት እናተዋፈሩ ዜጋታት ከሳቕዩ ክቐትሉ ‘ምበር፡ ህዝባዊ ምኽሪ ሰሚዖም ክእረሙ ኣይረኣናን ኣይሰማምዕናን። ዘዋጽኣና “ሕማቕ ጓሳ ብበትሩ ይህረም” ከም ዝተባህለ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ብሕመቕና ንህረም ከም ዘለና ምርዳእን ካብኡ ንምውጻእ ምርብራብን’ዩ።

ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ’ዩ ዝቃላሕ ልቢ ኢልና ምስ እንምልከት፡ ሕድሕዱ ዘይቃዶ ሓንፈስ ርእይቶ’ዩ። ገሊና ጉጅለ ህግደፍ ህዝባዊ ሕጋውን ስለ ዘይኮነ ካብ መሰረቱ ክውገድ ኣለዎ ክንብል እንከለና። ገለና ከኣ፡ ብግልባጡ ኣሱራት ክፈትሕ፣ ቅዋም 97 ከተግብር፣ ጸረ-ህዝቢ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ወሪዱ ክቕጽል፣ ልኡላውነት ከኽብር …ወዘተ ንጽውዕ። እዚ ብርግጽ መስመሩ ዘይተነጸረ ሓንፈጽ ርእይቶ’ዩ። ብንቕሓት ድማ ክስተኻኸል ኣለዎ። ብባህሪ ምስ ጉጅለ ህግደፍ እናሃለኻ ብኣፍካ ምዃናኑ ካብ’ቲ ናይ ለውጢ ዕንቅፋት ሓደ’ዩ። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሓንፈጽ ፖለቲካዊ ርእይቶ ከይወጻእናን ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ወኒንና ክሳብ ዘይተቓለስናን ከኣ፡ ወነንቲ ገዛእ ርእስናን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣናን ንኸውን ማለት ዘበት’ዩ። “ ሕማቕ ጓሳ ብበትሩ ይውቃዕ” ከም ዝተባህለ ምስ ምሉእ ናይ ዓቕምና እናሃለና እህህ እናበልና ክነብር ኢና። ስለዚ ካብ ናይ እህህታ ህይወት ንምድሓን፡ ካብ ሓንፈጽ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ልሙስ ተጸባይነት ንውጻእ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 14-11-2019