Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ብባህሪኡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ፡ ዘይልምዓታዊ፡ ብዓይኒ ሕጊ ከኣ ዘይሕጋዊ፡ ብተግባር ድማ ብስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ ዝረዳዳእ፡ ልዑል ገንዘባዊ ወጻኢ ሰሊዑ፡ ብዝተወደበ ኣገባብ ንዜጋታት ዝሃድን፤ ሒዙ ዘሳቒ፣ ጨውዩ ዘሕቅቅ፣ ዝቐትል፣ በዚ ድማ ፍሳሃ ዎ ደስታ ዝስመዖ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ናይ ልምዓት መደባት ኣውጺአ ኣለኹ ክብል እንከሎ ካበይ ተበጊሱ ዝብል ሕቶ ምልዓል ቅኑዕ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ምስ

ህዝቢ ከብድን ሕቖን ዝኾነ ጉጅለ’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ከም ሃገር ዝተቖጻጸረ ሓይሊ፡ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕል መደባት ልምዓት ከሰላስል ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ሃገራዊ ኣታዊታትና ክንደይ’ዩ? ኣበይ’ከ ይውዕል ህዝቢ ዝፈልጦ ነገር የለን። ከም ዜጋታት ንፈልጦ፡ ልዑል ገንዘባዊ ወጻኢ ሰሊዑ ናይ ዜጋታቱ ሰላማዊ ማሕበራዊ ህይወት ዝጻባእ፡ ዘሳቕን ዝቐትልን ምዃኑ ጥራሕ’ዩ።

ምሉእ ግዜኡ ዜጋታቱ ኣብ ምህዳን ምስቓይ ምዝራፍ ምቕታል ተዋፊሩ እናሃለወ ግን፡ ከምስል ሕድሪ ስውኣት፣ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር፣ ሓድነት፣ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፣ ካብኡ ዝሓለፈ ድማ ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ኣገባብ ስትራተጂካዊ ሃገራዊ ናይ ልምዓት መደባት የካይድ ኣለኹ ምባሉ’ዩ። እዚ ባህሪ፡ ኣበሃህላን ተግባርን’ዚ ኣይኮነን ካብ ህዝብን ሃገርን ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ ኣብ ሓደ ሰብ’ውን ክረአን ክስማዕን ዘይብሉ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ሃገርና ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና ግን ዘደንጹ’ዩ። ነቲ ገለ ወጻእተኛታት፡ እዚ መንግስቲ ለባማት ኣማኸርቲ የብሉን ድዩ? ሓላፍነት ኣይስመዖን ድዩ? ተልእኾ መንግስቲ ዘይፈልጡ ሰባት ድዮም ኣቚመሞ? ኢሎም ዝግረምሉ ዘረጋግጽ’ዩ።።

እዚ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ልዕሊ ሓደ ወለዶ ኣቚጺሩ ኣሎ። ልዕሊ ሓደ ወለዶ ማለት ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ክሳብ ሎሚ ኣብ ምንታይ ጸኒሑ እንተተባሂሉ ኣብ ምስቓይን ምቕታል ዜጋታት ካብ ምባል ወጻኢ፡ ኣብ ህንጻት ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላትን፣ ኣብ ህንጸት ሕግን ሕጋዊ ትካላትን፣ ኣብ ምቕራጽ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ውጥናትን ልምዓት ኢሉ ዝከራኸር ዘሎ ኣይመስለንን። ባዕሉ ህዝቢ ዘይሪኦም ጸላእቲ ፈጢሩ፡ ሑሕ በዓል እከለ መጽኡኻ ጎበጡኻ ዝብል ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳት የካይድ’ዩ። ኣብ ትሕቲ’ዚ ናይ ኲናት ስነ-ኣእምሮ ኮይኑ ኤርትራና ሳላ ብቑዕን ውፉይን መሪሕነታን ከም ማይን ጸባትን ዝተወሃደ ዝምድና ህዝብን መንግስትን ኣብነታዊ ሰላም ኣረጋጊጻ ኣላ። ርኡይ ልምዓታዊ ገስጋስ ተመዝግብ ኣላ። ቅሰኑ ሰማእታትና። ኩርዓትን ሓበንን ይሰማዕካ ህዝቢ ኤርትራ …ወዘተ ይብል’ዩ። እዚ ብሓሳብ ኮነ ብተግባር ባዶ’ዩ። ገይረ ንምባል ገለ ክገብር እንተጀሚሩ ድማ ንፖለቲካዊ ሸርሒ ‘ምበር ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ ሃገራዊ ልምዓት ክኸውን ከም ዘይኽእል ከሎ ገና ንምግማቱ ኣየጸግምን።

ነዚ ክጽሕፍ ካብ ዝደረኸኒ ሓደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መርበብ ረድዮ ኤረና፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ናብ ኣቑርደት ዝኣቱ 134 ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርጊያ ንምስራሕ ምስ ሓደ ናይ ቻይና ኮንትራክተር ተሰማሚዑ። ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳይ ስማዊ ውድብ ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወት (ክሻ) ድማ ኣብ’ቲ ስምምዕ ክታሙ ኣንቢሩ ዝብል ዝረኸብክዎ ዜና’ዩ።

ነቲ ዜና ምስ ኣንበብኩ ኣብ ኣእምሮይ ብቐጥታ ምስ ባህሪ ህግደፍ ዝኸይድ ርእይቶ ቅጅል ኢሉኒ። ህዝብና ብስእነት ጥጡሕ ጽርጊያ ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ተጸጊሙ ከም ዘሎ ስለ ዝፈልጥ ብገለ ሸነኹ’ኳ እንተሐጎሰኒ፡ ብዓይኒ ሃገራዊ ቁጠባዊ ስትራተጂ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ዝወሃቦ መንገድታት እናሃለወ ስለምንታይ ነዚ ዝብል ሕቶ ድማ መጺኡኒ። እወ ስለምንታይ?

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ኤርትራ ብኹሉ መኣዝናት ብደረጃኡ ብዝሓለወ ናይ ቅጥራን ዝርጊያ ዓይኒ ዓራት ክትመስል ናይ ኩሉ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ሕልሚ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ይኹን ግን፡ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ናብ ኣቑርደት ዝወስድ ጽርጊያ ምስራሕ ካብ’ቶም ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎ መደባት ሓደ ክኸውን ቅኑዕ ድዩ? መጋቢ መንገዲ ድዩ? ገንዘቡ መሊሱ ብሃገር ደረጃ ምንጪ ቁጠባ ኮይኑ ዘገልግል ድዩ? ብሓላፍነት ብኣንክሮ እስከ ንሕሰበሉ። መጀመርያ ኣድላይነት ጽርጊያ ብደረጃ ሃገር ክሕሰብ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ጽርጊያ ዘይኮነስ ምንጪ ቁጠባ ዝኾነ ጽርጊያ’ዩ። እዚ ማለት ኣብ’ቲ ጽርጊያ ዝስረሓሉ መስመር ዘሎ ብዝሒ ህዝብን ኣብኡ ዝርከባ ከተማታትን ናይ ልምዓት ፕሮጀክታትን ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ መደብ ዝተሓዝ።

ስለዚ እዚ ዝበሃል ዘሎ ጽርጊያ ብመንጽር ከምጸኦ ዝኽእል ሃገራዊ ቁጠባዊ ረብሓ፡ ካብ ወደብ ባጽዕ ደቀም-ሓረ፣ ደቀም-ሓረ ሰርሓ፣ ደቀም-ሓረ መደፈራ -ቢንቶ መረብ፣ ባጽዕ ኣስመራ፣ ወደብ ዓሰብ ዶብ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክስራሕ ዝግበኦ ድዩ? መን’ዩ ቀልጢፉ ሃገራዊ ቁጠባ ኣብ ምስሳን ናይ ስራሕ ዕድላት ድማ ኣብ ምፍጣር ዓቢ ግደ ዘለዎ? ብመንጽር ጻዕቂ ህዝብን ኣቐዲሙ ዝተደኮነ ከተማታት ኣስመራ-ከረን፣ ከረን- ኣቑርደትን ኣብቲ መስመር ዘለዋ ከተማታትን ዘመናዊ ሕርሻን መን’ዩ እወ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክህነጽ ዝግባእ? ሓድሽ ጽርጊያ ዓዲ-ጓዕዳድ ኣቑርደት ወይስ እዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት? ካብ ከባቢያውነት፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ወጺእና እስከ ብመንጽር ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ቁጠባዊ ረብሓ ንጠምቶ።

እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ ጽርጊያ ካብ’ቲ ነባር ጽርጊያ ኣስመራ ከረን- ኣቑርደት ዝተወሰነ ኪ.ሜ ርሕቀት ይቕንስ ይኸውን። ነቶም ኣብ’ቲ መስመር ዝርከቡ ናይ ገጠር ዓድታት’ውን ገለ ጸገማት ከቃልለሎም ይኽእል’ዩ። ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ጸጊንካን ኣስፊሕካን ዝርከብ ዕዳጋ ድዩ ዝዓቢ ወይስ እዚ ዝበሃል ዘሎ ትርጉም ዘለዎ ምንጭ ሃገራዊ እቶት ዘይብሉ መደብ? እቲ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኣካል ኣብ ሃገራዊ ምንጪ እቶት ብዘለዎ ግደ ኣጽኒዑ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ኢሉ ዝሰርሖ ዘሎ’ዩ ኢለ ክኣምን የጸግመኒ። ኣብ ባህርን ተግባርን ናይ’ዚ ስማዊ ጉጅለ ካብ ዘለኒ ናይ ነዊሕ ተመክሮ ተበጊሰ ክግምግሞ እንከለኹ ፖለቲካዊ ክፋእ ዘለዎ ‘ምበር ንጹህ ናይ ልምዓት ተበግሶ ኮይኑ ኣይረኣየኑን። ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ኣድኪኻን ከፋፊልካን ግዛእ ዝብል ፖለሲ’ዩ ናብ’ዝብል ግምት ድማ ይወስደኒ።

ስለምንታይ’ሲ ድሕሪ 28 ዓመት ብናይ ወጻኢ ኮንትራክተር ደረጃኡ ዝሓለወ ጽርጊያ ክሰርሕ ተበጊሲሱ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ቀዳምነት ዘይምሃቡ፡ ቅንዕና ዘይብሉ ስራሕ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት። ኣነ ከም ድላየይ፡ ህዝቢ እንተኾረየ ጫውጫው እንተበለ ኣበይ ከይበጽሕ ዝብል ሓላፍነት ዘይብሉ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ማእከል ዝገበረ መደብ ኮይኑ ይረኣየኒ።

                                             ህያቡ ተመስገን ካብ ከሰላ ሱዳን

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 17-11-2019