Written by: ትርጉም ዓ.ኢ

ኣዳላውን ዘርጋሕን ኣትላንቲክ ሚድያ ኢንስዩራንስ

ኒል ካብ ኣፍላጋት ኣፍሪቃ ዝነውሐ ፈለግ ኮይኑ፡ ኣስታት 11 ሃገራት ብምስንጣቕ፡ ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ተጓዒዙ ናብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝፈስስ፡ መዋእሉ ድማ ከምኡ ኢሉ ዝጎዓዝን ዝፈስስን ባህሪያዊ ሃብቲ’ዩ።

እዚ ፈለግ ካብ ዝብገሰለን ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ’ያ። ኢትዮጵያ ኣስታት 85% ካብ ማያት ፈለግ ኒል ተመንጩ ሃገር’ያ።ዝበዝሕ ክፋሉ ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ ፈለግ ኒል፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ሰንጢቑ’ዩ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ወይ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝፈስስ።

ኣብ’ዚ እዋን ሓንቲ ካብ ሰብ ቤት ፈለግ ኒል ዝኾና ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ገለ ካብ ማያት’ዚ ኣገዳሲ ፈለግ መኽዘን ማይ ዝኸውን ዓቢ ዲጋ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።” ዓቢ ግድብ ንተሓድሶን ልምዓትን ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዲጋ ‘ዩ። ብዙሓት ካብ’ዘን ማያት ኒል ዝካፈላ ሃገራት ሓንሳእ እዚ ዓቢ ዲጋ ተሃኒጹ ምስተዛዘመ ብዙሕ ክንርባሕ ኢና ኢለን’የን ትጽቢት ዝገብራ። ጽሩይ ማይ ክረኽባ’የን። ብሃፋ ንከንቱ ዝባኽን ማይ’ውን ኣይክእህሉን’ዩ።

ክኢላታት ከም ዝብልዎ እዚ “ዓቢ ግድብ ንተሃድሶን ልምዓትን ኢትዮጵያ ምስተዛዘመ ኣስታት 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ክህልዎ’ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓይሊ ጸዓት ጠለብ ምስ ኣማለአ፡ እታ ሃገር ንሱዳንን ግብጽን ክትሸጠለን ከኽእላ’ዩ።

ዓቐን “ዓቢ ግድብ ንተሃድሶን ልምዓትን ኢትዮጵያ” ዝምልከት 74 ቢሊዮን ክዩቢክ ሚተር ማይ ናይ ምዕቋር ዓቕሚ ክህልዎ’ዩ። እዚ ፍርቂ ናይ’ቲ ኣብ ግብጺ ተሃኒጹ ጽርከብ ዓቢ ዲጋ ኣስዋን’ዩ። ከም ዲጋ ህዳሴ ዝበለ ዓቢ ፕሮጀክት ሓያሎ ብደሆታት ከጋጥምዎ ከኣ እትጽበዮ ነገር’ዩ። ተክኒካዊ ብደሆ ኣሎ። ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ብደሆ’ውን ኣሎ። ብወገን ሱዳንን ግብጽን ጥራሕ ዘይኮነ ብወገን ካልኦት ብቀጥታ ዘይምልከቶም’ውን።

ንኣብነት ናይ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ሓደ ካብ’ዞም ብቐጥታ ዘይምልከቶም ግን ከኣ ዓንቀፍቲ ኣካላት’ዩ። ኩሉ መደረኡን ተግባሩን ተጻብኦ’ዩ። ኤርትራ በዚ ውልቀ መላኺ መራሒኣ ኣቢላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ እንተኽኢላ ጠቕሊሉ ከይህነጽ ደው ክብል፡ እንተዘይኮነ ከኣ፡ ብዝተታሕዘሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ከይፍጸም ንምጉንዳብ ዝከኣላ ክትገብር ጸኒሓ ኣላ። ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ብዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጥን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን የርእዮ ብዘሎ ምቅርራብ ተጻብኦኡ ይቕጽል’ዶ ኣይቕጽልን፡ ምስ ስኽፍታ ግብጺ ኣተኣሳሲርካ ፍሉይ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ዩ።

ምኽንያቱ እዚ ሜጋ ፕሮጅክት’ዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ’ዩ ተሓሲቡን ተበጊሱን። ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ድማ እዚ ብነብስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተሃንደሰን ዝተጀመረን ፕሮጀክት ከይዕወት፡ ሕልሚ ኮይኑ ክተርፍ ዝከኣሎ ኩሉ’ዩ ክገብር ጸኒሑ። ብሓጺሩ ንምትዕንቓፉ ዘይኳሕኮሖ ማዕጾ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ንኣብነት ንገለ ካብ’ቶም ኣብ ኤርትራ መሰረቶ ጌሮም ዝነቀሳቐሱ ዝነበሩ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ውድባት ኣስለጢኑ ኣዕጢቑን ኣስኒቑን ህዳሴ ግድብ ንከጥቅዑ ይልእኮም ከም ዝነበረ ዝተፈላለዩ መሰኻኽር ዓይኒን ጸብጻባት ማዕከናት ዜናን የረጋግጹ። ይኹን ግን ዝተፈላለየ ፈተነታት’ኳ እንተገበረ ሕልሙ ግን ኣይሰመረሉን። ግድብ ህዳሴ ይቕጽል ኣሎ።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኩለን’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ዝበዝሓ ካብ’ተን ማያት ፈለግ ኒል ዝምልከተን ሃገራት ነዚ ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ሜጋ ብፕሮጀክት ብኣወንታየን ተቐቢለናኦ ዘለዋ። ናይ ሓባር ረብሓ ዝምልስ’ዩ ብዝብል’የን ዝገልጸኦ። ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ድማ የተባብዓ ኣለዋ።

ርግጽ’ዩ ሃገረ ግብጺ ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ህንጸት ፍሉይ ስኽፍታን ሳቕሎትን ኣለዋ። ሻቕሎት ድማ ኣብ ኩሉ መድረኻት ምስ ኣስመዐት’ያ። ከም’ቲ ውልቀ መላኺ ኤርትራ ዝደልዮን ዝምነዮን ብሓይሊ ምፍትታን ዘይኮነ፡ ብዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ረብሓኣ ከተናዲ ምድላያ ክትድነቕ ይግበኣ። ከምኡ’ውን ጎረቤት ሃገረ ሱዳን። ህላወ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተጻብኦን ኲናት ዝተመስረተ ስለዝኾነ፡ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘርእዮ ዘሎ ኮሸምሸም ይቕጽል’ዶ ወይስ መልክዑ ይቕይር? ምስ ዝምድና ግብጽን ኢሳያስ ኣዛሚድካ ክረአ ዘለዎ’ዩ።

                                               ትርጉም ዓ.ኢ መጋቢት 2019

                                                 ድ,ስ,አ,ድ,ኤ, 03-04-2019