Written by: ዛራ ማና

ተጋ/መስፍን ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መንእሰያት ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ተኸታቲለ ነይረ። ነቲ ብስሉን ዘይብሱልን ሕቶታት፡ እንታይ ማለቱ’ዩ ብዘየብል፡ ብዓቕሊ፡ ብህድኣት፡ ብምጡን ቃላት ብግልጺ ዝሃቦ መልሲ ድማ ኣድኒቐዮ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕዝቶ ዘይሰማምዓሉ ነጥብታት’ኳ እንተሃለወኒ፡ ኣቀራርባኡ ግን ብሓቂ መሲጡኒ። ዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ካብ ንጹህ ሕልና ዝመንጨወ ኮይኑ ግን ፖለቲካዊ ብስለት ዝጎደሎ’ዩ ነይሩ። መብዛሕቲኡ ጠንቂ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ መን’ዩ? ከመይ’ከ ክፍታሕ ይኽእል? ናብ ዝብል ዘድሃበ ኣይነበረን። ዘቤታዊ ጸገምና ቀጥታ ምስ ውድብ ህወሓት ብምትእስሳር፡ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንካ ምቅላስ ይከኣል’ዶ ኣይከኣልን? ህወሓት (ወያነ) ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፍ 20 ዓመታት ኣብ ውድባት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታውነት ሕጂ’ኸ ከመይ ክእመን ይኽእል? ብመሰረቱ’ኸ ካብ ህወሓት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢና ንጽበ? ....ወዘተ ዝብል ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ርትዓዊ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝጎደሎ ካብ ባሕሪ ጥርጠራ ዝተቐድሐ ሕቶታት’ዩ ነይሩ።

ተጋ/መስፍን ዝሃቦ መልሲ ግን ኣብ ዝርዝር ከይኣተኹ ሓላፍነታዊ፡ መሃሪ፡ ሚዛናዊ፡ ሃናጺ ነይሩ። ንሱ ከም በዓል ነዊሕ ተመክሮ፡ እቶም መንእሰያት ከኣ፡ ከም ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ክርከቡ ፖለቲካዊ ሀ ሀ ዝብሉ ዘለው ጀመርቲ መጠን፡ ደረጃ ናይ ሓተትን መላስን ተቐራራቢ ኣይነበረን። ተጋ/መስፍን ፖለቲካዊ ውጽዓ ብድሌት ጥራሕ ከም ዘይፍታሕ፣ ሚዛን ድሌትን ክውንነትን ሓሊኻ ምኻድ ከም ዘድሊ፣ ታህዋኽ ከምዘየዋጽእ፣ ዝሰመዐካ ነገራት ኩሉ ሓላፍነታዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ምድርጓሕ ጉዳኢ ምዃኑ፣ ክበርሃልካ ትደሊዮ ሕቶ ስምዒት ናይ ሰባት፡ ቦታ፡ ግዜ፡ ከስዕቦ ዝኽእል ኣወንታውን ኣሉታውን ውጽኢት ኣብ ግምት ምእታው ከም ዘድሊ ...ወዘተ ዝብልን ካልእን ስለገሶ ምኽሪ፡ ክመሃር ቅሩብ ንዝኾነ ሰብ ሃናጺ ትምህርቲ’ዩ።

ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ንዓመታት ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያን ህጻናትን መንእሰያትን ዝዘርኦ ናይ ድሕረትን ጽልእን ኣተሓሳስባ ብጭቡጥ መረዳእታ፡ ብሓይሊ ሓሳብ ዝሓጽብ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ቀጥታ ዝሓቱ ዝነበሩ ሰብ ጉዳይ ኮነ፡ ከም’ዚ ከማይ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተኸታተሉ ኤርትራውያን ብኣወንታ ተቐቢሎም ተማሂረምሉ ክኾኑ ድማ ተስፋ እገብር። ተጋ/መስፍን ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝጽንበር ነዊሕ ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት ዝተፈላለዩ ወገናት ተጋ/መስፍን ካብ መስረቲ፡ መራሕትን ፈለጥቲ ውሽጥን ህግሓኤ/ህግደፍ ሓደ ስለዝኾነ፡ ኣብ ተመክሮኡ ዝፈልጦ ገበናት ንህዝቢ እንተሓቢሩ፡ ንህግደፍ ዓቢ ፖለቲካዊ ውቅዒት፡ ሚዛን ርእይቶ ህዝቢ ድማ ዘስተኻኽል’ዩ ክብሉ ምጽናሖም ኣይርሳዕን። ንሱ ብወገኑ ብዙሕ ግዜ ዝፈልጦ ምስጢራት ንህዝቢ ክሕብር ተሓቲቱ፡ ጽባሕ ነርክበሉ ዝብል መልሲ’ዩ ክበሉ ጸኒሑ።

ካብ መፋርቕ 2018 ንነጀው ግን ኣብ ገዛእ ርእሱ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ይመስል። ጉጅለ ህግደፍ ብቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ዘቤታዊ ጸላኢ ምዃኑ ብዘየደናግር ቃላት ይምህር ኣሎ። ናብ ተግባር ዘሰጋግሮ መደባት ኣብ ምምድማድ ከም ዝርከብ’ውን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ። ተጋ/መስፍን ሓጎስ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዘመሓላልፎ ዘሎ ተሪር መግለጺ ቀልቢ መንእሰያት ይስሕብ ኣሎ። ውሽጣዊ ዘቤታዊ ጉዳይካ ገዲፍካ፡ ጭቡጥ መረዳእታ ኣብ ዘይብሉ፡ ናብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኢድካ ምውጥዋጥ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ዘምጸኦ ፋይዳ ከም ዘየለ ዝህቦ ዘሎ ሓሳባት ይበል ዘብል’ዩ። ክሳብ ሎሚ ደኣ ኣበይ ጸኒሕካ? ዘብል ክተባባዕ ዘለዎ ኣወንታዊ ጅማሮ’ዩ።

ናብ’ቲ ብትሕዝቶ ዘይሰማምዓሉ ርእይቶ ክኣቱ፡ ተጋ/መስፍን ካብ መንእሰያት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብደረጃ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፍካ (ተላፊንካ) ኣብ ምስራሕ ኣይተዓደሉን። ወይ ኣይበቕዕዎን። ንኣብነት ካብ 1999 ንደሓር ምሕዝነት ዝበሃል ግንባር ነይሩ። ኪዳን ዝበሃል ግንባር ነይሩ። ባይቶ ቀጺሉ እዚ ኩሉ ውጽኢት ኣየምጸአን። ዘይቅኑዕ ኣገባብ ስለ ዝኾነ ወይ ስለ ዘይከኣል ዘይኮነ፡ ንሕና ኤርትራውያን ብኸምኡ ተላፊንካ ምስራሕ ኣይከኣልናዮን። ኣይበቓዕናዮን። ሕጂ ዘለና እንኮ ኣማረጺ፡ ኣንጻር ጸላኢ ኣብ ሓደ ተጠርኒካ ምቅላስ ጥራሕ’ዩ። ናይ ዕላማ ፍልልይ ድሕሪ ምውጋድ ጸላኢ ክስረሓሉ ይኽእል’ዩ። ሕጂ ተላፊንካ ምስራሕ ዘይኮነ ሓደ ውድብ ኮይንካ ምስራሕ’ዩ ዘዋጽኣና ዘስምዕ ምኽሪ ሓሳብ ሂቡ።

ተጋ/መስፍን ሓጎስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሕብረ ውድባዊ ክውንነት ምህላው ኣይዘንገዐን። ኣብ ህላወ ሕብረ ውድባዊ ክውንነት ብመትከል ኣድላይነት ምሕዝነታዊ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር (ልፍንቲ) ኣይነጸገን። ምሕዝነታዊ ሰፊሕ ግንባር መስሪትካ ብሓባር ምቅላስ ይከኣል’ዩ። ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ግን ኣይበቓዕናዮን። ብተደጋጋሚ ፈቲናዮ፡ ብተደጋጋሚ ድማ ዝፈሸልናሉን ከነፍርየሉ ዘይከኣልናን ሜላ’ዩ በሃሊ’ዩ። ኣብ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ፖለቲካዊ ግንባር ተስፋ ከም ዝቖረጸ’ዩ ኣንጸባሪቑ።

ብገለ ሽነኹ ሓቁ’ዩ። ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ሃገራዊ ግንባር ቅድሚ 1991 ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ተፈቲኑ ኣይተዓወተን። ድሕሪ 1991 ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ዘድሊ ውጽኢት ኣየምጸአን። ሕጂ’ውን ዝተፈላለየ ፈተነታት ይግበር ኣሎ። ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ እቶም ኣብ ምምስራት ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ግንባር (ልፍንቲ) ዝዋስኡ መሪሕነታዊ ኣካላት ገዛእ ርእሶም ናይ ባህሪ ለውጢ ኣየምጽኡን። ገዛእ ርእሶም ካብ ተራ ፖለቲካዊ ህልኽ ናብ ምዕቡል ወይ ብሱል ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ውድድር ስለ ዘይቀየሩ ከኣ፡ ካብ ዝተለምደ ዝተቐየረ ነገር ከምጽኡ ኣይከኣሉን። እዚ ንትዕግስትኻ ዝፈታተን’ዩ። እዞም ዘይመትከላዊ ህልኽ ዝምርኩሶም መሪሕነታዊ ኣካላት ያዕ ክሳብ ዘይተባህሉ፡ ጭርሖ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኣይዕወትን ዝብል ጥርጠራ ከተሕድር ኣሉታዊ ድርኺት ዝገብር’ዩ። ምስ’ቲ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘይተገርሐ ፖለቲካዊ ባህሪ፣ ሓቀኛ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መስሪትካ፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ መትከላት ጸኒዕካ ብሓባር ክትቃለስ ቀሊል ኣይኮነን ከቢድ’ዩ። ክብደቱ ን 50-60 ዓመታት ብተግባር ዝተራእየ ዘይዕውት፡ ጉዕዞ ሰንከልከል፡ ሕሜታ፡ ምቅንጽጻል፡ ምጥርጣር፡ ምፍታሕ፡ ታሪኽ’ዩ።

ኮይኑ ግን ኣብ ከም’ዚ ፖለቲካ ኤርትራ ዝርከበሉ፡ ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ዝውስን ዝሩግ ኣተሃላልዋ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብደረጃ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተጠሚሮም ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ምግባር ድዩ ዝቐልል ወይስ ውድበይ ፕሮግራማይ ዝብል ገዲፍና፡ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘቕነዐ ሓደ ውድብ ፈጢርና ንቃለስ ዝብል ጻውዒት’ዩ? ኣየንኡ’ዩ ናብ ቅቡልነት ዝቕረበ? ኣብ ተግባራውነቱ ዘሎ ጸገም እቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብመትከል ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዘዐውት ሜላ ምዃኑ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታት ኤርትራውያን ዝፈላለይሉ ኣይኮኑን። እሞ ነዚ ቅኑዕ ሜላ ግን ከኣ፡ ብሰንኪ ዘይደሞክራስያዊ ባህርን ዘይብቕዓትን መሪሕነታዊ ኣካላት፡ ዘይተበቕዐ ከተብቅዕ ድዩ ዝቐለለ ወይስ ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ክጥርነፉ ዘይበቕዑ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሓደ ውድብ ተጠቓሊሎም ውጽኢት ከምጽኡ ምጽባይን ምጽዋዕን’ዩ? ንዓይ ህላዌ እቲ ብዝሐ ውድባት ቅሂሙ፡ ኣብ ሓደ ውድብ ኮይና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንመክት ዝብል ሓሳብ ፖለቲካዊ ክፋእ የብሉን፡፡ መበገሲኡ ሓልዮት ህዝቢ ዝደፍኦ ሓላፍነታዊ ስምዒት ምዃኑ ይርደኣኒ’ዩ። ብተግባር ግን ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።

ከም’ቲ ዝተባህለ ዋላ ንሓጺር መድረኽ ይኹን፡ ዘለና ፍልልይ ገዲፍና ኣብ ሓደ ውድብ ንጠርነፍ ማለት ሓድነት ንግበር ማለት’ዩ። ንልፍንታዊ ስራሕ ብሓሳብን ብተግባርን ቅሩብነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ባህሪ፡ ኣብ ሓደ ውድብ ተጠርኒፍና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ፡ መስዋእቲ ከፊልና ሃገር ከደን ህዝባዊ ዓወት ነምጽእ ኢልካ ከተስመዖ ምፍታን የዋህነት’ዩ። ተቐባልነቱ ፈጺሙ ኣይረኣየንን። ብምንጽጻር ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት ተላፊንካ ምስራሕ ዝብል ሓሳብ’ዩ ብቐሊል ክሰምዕዎን ክትግብርዎ ዝኽእሉን ሜላ። ንስለ ድሕነት ህዝብናን ልኡላውነትናን ብሓደ ንስራሕ ንዝብል ዝቕበል ባህሪ ኣይኮነን ዝሰምዕ እዝኒ’ውን ዘሎ ኣይመስለንን። ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ዘቃልስ ምሩጽ ሜላ’ዩ። ስለዚ ክሳብ ሎሚ ውጽኢት ዘየምጸአሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ ምልላይ’ዩ እቲ ዝሓሸ መንገዲ እብል። ተደጋጋሚ ፈተነታት ተገይሩ ዘይተዓወተሉ ምኽንያት ክግምገም ካብኡ ክውሰድ ዘለዎ ትምህርቲ ድማ ክውሰድ እተተኻኢሉ ዘይእረመሉን ኣብ ግብሪ ዘይትርጎመሉ ምኽንያት የለን። ብናተይ እምነት ኣተሓሓዛና ዘይመትከላዊ ኣብ መጽናዕቲ ዘይተመስረተ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተመልአን ብተብተብ ዝግበር ፈተነታት ስለ ዝኾነ’ዩ ክሳብ ሎሚ ዘይተዓወተ።

ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር (ተላፊንካ ምስራሕ) ዘዐውት ምዃኑ ኣብ ካልእ ከይከድና ባህልና ጭቡጥ ምስክር’ዩ። ሓደ ብዕራይ ዘለዎ ኤርትራዊ ሓረስታይ ምስ ካልእ ሓደ ብዕራይ ዘለዎ ኣላፊኑ ጸገሙ ከም ዝፈትሕ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ኣብ ግዜ ቀውዒ ብፍላይ ከኣ ዘይተደላዪ ደበናን ዝናብን ኣብ ዘንጸላልወሉ ወቕቲ፡ ሓረስቶት ኤርትራ ጉልበቶም ኣላፊኖም’ዮም ፍርያቶም ካብ ምብልሻው ዘድሕኑ። ኣብ ወርሒ ሰነ ትኸል ንቐል ኣብ ዝኾነ ወሳኒ ወቕቲ ብዕራይ ምስኣን፡ “ካብ ማይ ሕዳር ኣምበጣ ሕዳር” ኣብ ዝበሃለሉ ሃይሃይታ ቀውዒ ጉልበት ምስኣን ቀጻልነት ህይወት ንሓደጋ ዘሳጥሕ ከቢድ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ጸገም’ዩ። ነዚ ጸገም’ዚ ንምብዳህ ከኣ ብዕራይን ጉልበትን ኣላፊንካ ምስራሕ’ዩ። ንሱ’ዩ ፍቱን መፍትሒኡ። እዚ ውጽኢታዊ ሓባራዊ ስራሕ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ’ውን ይሰርሕ’ዩ። ብግቡእ ክንግልገለሉ ከኣ ይግባእ። ካልእ ኣብነት’ውን ንምጥቃስ ይከኣል፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ክልተ ደምበ ተፈላልዩ፡ ሓደ ውድቀት ናይ’ቲ ካልእ ንምቅልጣፍ ሓያል ንሕንሕ ኣብ ዝነበረሉ መድረኽ ዝሑል ኲናት፡ ንዓለም ናብ ዘይህልውና ዝደፍእ ምስፍሕፋ ፋሽሽታውያን ሓይልታት ምስ ኣጋጣመ፡ እቲ ክልተ ደምበ ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥቢ ብሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተኣሳሲሩ’ዩ መኪትዎ። ሳላ ከምኡ ዝተገብረ ከኣ ዓለም ካብ ኣንጸላልይዋ ዝነበረ ሓደጋ ክትድሕን ክኢላ። እዚ’ውን ዓቢ ተመክሮ ስለ ዝኾነ ክንመሃረሉ ይግባእ። ኣብ ጎሮቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንስርዓት ደርግ ንምውጋድ፡ ብመሪሕነት ህወሓት-ኢህወደግ ዝተገብረ ምሕዝነታዊ ግንባርን ዘምጸኦ ኣንጸባራቒ ዓወትን’ውን ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። ኣብ ጸረ ደርግ ዘትከለ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ህወሓት-ኢህወደግን ኤርትራዊ ህግሓኤን’ውን ከምኡ ጽቡቕ ኣብነት’ዩ።

ስለዚ ንሕጂ ይኹን ንቐጻሊ በበይኑ ርእይቶ ዘለዎም ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዘለውሉ ወቕቲ፡ ብሓሳብ ደረጃ ብኹሎም ውድባት ቅቡል ዝኾነ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መስሪትካ፡ ብተግባር ክሰርሕ ዝኽእለሉ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ንቕሓትን ሃሰስ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ኣብ’ዚ ተፈቲና ወዲቕና ኢና። ወይ ኣይተዓደልናን። ዘለና እንኮ ኣማራጺ ኣብ ሓደ ውድብ ተጠርኒፍካ ምቅላስ’ዩ ዝብል ርእይቶ፡ ንባህሪ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ ብዕምቆት ዝተገንዘበ ኣይመስለንን። ቀዳምነት ንዝወሃቦ ዛዕባ ምልላይን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ሰሪዕካ ንምስራሕ ዝተቐረበ ባህሪ እንተዝነብር ደኣ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርስ መዓስ መድልየ። ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር፣ ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር፣ ዘድለየሉ ምኽንያት’ኮ ኣብ መንጎ’ቶም ሓይልታት ዘሎ ናይ ባህሪ ድዩ ናይ ኣረኣእያ ርሕቀት ይቀራረብ ስለ ዘየሎ’ዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ናይ ባህሪ፣ ናይ ስነ-ሓሳብ፣ ስትራተጂ ድዩ ስልቲ ክፍተት ምእርናብ ምስ ኣበየ ‘ኳዩ ኣድላይነት እዚ ግንባር ከም ኣመራጺ ምፍትሒ ሓሳብ ተወሲዱ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ክሰርሓሉ ጸኒሑን ዛጊት’ውን ዝስረሓሉ ዘሎን። ስለዚ ኣብ ምቛም ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዘይበቕዑ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ሓደ ውድብ ተጠርኒፎም ኣወንታዊ ውጽኢት ከምጽኡ ምጽባይ ክውንነታዊ ስለ ዘይኮነ፡ ነቲ ቅኑዕ ግን ዘይተበቕዐ ምቛም ሰፊሕ ሃገራዊ ልፍንታዊ ግንባር ክውን ንምግባር ንረባረብ።

                                             ካብ ዛራ ማና

                                           29-09-2020