Written by: ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

DFfEUˆዝኽረ ስውኣት

"....ስድራ ስውኣት ጋር (ጋር ነብሲ) ደቆም ክበልዑ ኣይኮኑን ተፈጢሮም...."

"....እዚ ህዝቢ፡ ሰንበት ሰንበት ኣብ ገዝኡ ኬድና በጊዕ ክንሓርደሉ ድዩ ደልዩ?...."

እዘን ክልተ ብሂል ካብተን ገለ "ወርቓዊ ቃላት” ኢሰያስ አፈወርቂ ኣብ ዝተፋላለዩ አጋጣምታት ዝተዛረበን'የን።

ኤርትራዊት ስድራ ቤት ኣሽንኳይዶ ጋር ደቓ ክበልዕሲ፡ መስዋእቶም ዝምለስ እንተ ዝኸውን፡ እታ ዝደኸየት ስድራ’ውን ዝኽፈለት ከፊላ፡ ውላዳ ንምድሓን ከም እትብጆ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ብተወሳኺ ህዝብ

ኤርትራ ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ዝነበረ: ዲሞክራሲን ፍትሕን ሰላምን ደኣምበር፡ ሰንበት ሰንበት አባጊዕ ክሕረዳሉ ሓሲብዎን ሓሊምዎን አይፈልጥን። እዚ ግን ህዝቢ: ኣብ ቀጻሊ ካልእ ሕቶታት ክየልዕል ኮነ ኢልካ ንምርዓዱ ዝተዘርበ እዩ ኔሩ፡ ገይርዋ ከኣ። እንሆ ከአ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ሃገር፡ ሕቶ የለ ርእይቶ የለ ጌርዋ።

ክቡራት ሰማዕቲ አብዚ ክንጸር ዝግብኦ ነገር አሎ፡ ንሕና ንዝኽረ ስውአት ከም ክቡር በዓል እነኽብሮን፡ ንኣድላይነቱን ሓቀኛ ትርጉምን ተግባራውነቱን፡ ንድግፍን ንቃለስን ምዃና ከነረጋግጽ ንፈቱ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ን20 ሰነ መዓልቲ ዝኽሪ ስውኣት ኤርትራውያን ክትከውን ወሲኑ። ስለምንታይ እዛ ዕለት‘ዚኣ ተመሪጻ ግን፡ እቲ ገባርን ሓዳግን ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ ዝፈልጣ። ከምዚ ዝአመሰለ ዓቢ ዝኽረ በዓል፡ ብመሰረቱ ብሃገራዊ ባይቶ እዩ ዝውሰንን ኣብ ሕጊ ዝሰፍርን። ኤርትራ ግን በዚ መንገዲ ክትከይድ ብእዋኑ አይተዓደለትን። ሎሚ ብዛዕባ’ዚ አይኾናን ክንዛረብ: ነዚ ምኽንያት ዝገበረ ኣገዳሲ ጉዳይ ግን ገለ ክንብል። ብዝኾነ ሎሚ ስድራቤት ስውኣት አብታ ሃገር ዝሓሰሩ አካላት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ዘካትዕ አይኮነን። 20 ሰነ መጸ ድማ ብዕሊ ይዋረዱ። ንስድራቤቶም "ሓዘንኩምን ውርደትኩምን ኣይትረስዑ” ዝዓይነቱ ይበሃሉ።

ኣብ ኤርትራ፡ ስድራ ቤት ስውአትን ደቂ ስውኣትን ብሓባር ዝዋረድሉን ስቃዮም ዝርእይሉን መድረኽ፡ መዓልቲ ሰማእታትዩ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ ዓመት ዓመት ህግድፍን ሰዓብቱን ዘይተአደነ ናይ ሓሶት መብጻዓታት ዝንስነሱላ ዕለት’ያ። ብተግባር ግን ባዶሽ’ያ። ንስድራ ስውአት ብጽቡቕን ብሕማቕን፡ ዓለም አርኪባቶም’ያ። ደቂ ስውአት ድማ፡ ገለን ብትኣምር ዝደሐኑን ገለን ኣብ በረኻታት ልብያን ሲናይን ማእከላይ ባሕሪን ብኣሰቃቂ ኩነታት ዝጠፍኡን እዩም።

"...ወድኻ ርኤዮ ብጣዕሚ ተሓጉሸ..." እትብል ኮንቱ ደርፊ ህግደፍ ን30 ዓመት በእዛን ስድራ ስውአት ምስማዕ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ክሕደት አበይ ይርከብ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ውልቀ መላኽን ደገፍቱን ንዕለተ ሰማእታት ከም መኽሰብ ኢዮም ዝርእይዎ። ብምረት ዝስምዖም እንተ ዝኸውን፡ ስውአት ንምንካይ ወግሔ ጸብሔ ውግእ አይምወልዑን። አብቲ ክሕለፍ ዘይብሉ ጸረ መግዛእቲ መስዋእቲ ምኽፋል ከም ጉቡእ እንተወሰድናዮ፡ ንኽብሪ ህዝብን ሃገርን ብምዃኑ ቅቡል ንገብሮ። ውልቀ መላኺ፡ ፊን ኣብ ዘበሎ ዝውልዖ ኵናት ዝሰሓን ፈርኔሎ አይኮነን፡ ኵናት’ዩ ሰብ ከኣ ይበልዕ ስውኣት ከአ የፍሪ። ሕጂ’ውን ኢሳያስ ክሳብ ዘሎ መስዋእቲ ህዝቢ ቀጻል’ዩ። በዚ ከአ ኤርትራውያን አዴታት ድሕሪ መስዋእቲ ደቀን፣ ብመስዋእቲ ደቂ ደቀን ተደቢሰን። በዚ’ውን ንባህግን ሕልምን ህዝቢ ኤርትራ ኣብኒንዎ፤ ጌና’ውን የብንኖ አሎ። ኩነታት ደቂ ስውአት እንተኾነ፡ ተረኽቦ ሰነዳት ማእከላይ ባሕርን ምድረ- በዳ ሲናይን፣ ሊብያን ምውካስ ይከኣል’ዩ።

ካብ 100 ሽሕ አዴታት፡ አብነት ናይ ሓንቲ አደ ስውእ ክንጠቅስ፣ አደይ አስገደት ይብሃላ ሓደ ወደን አብ ሜዳ ተሰዊኡ፣ ተጋዳላይ ክፍሎም ንጉሰ፣ ካብ አስመራ አብ 1978 አብ ተሓኤ ተሰሊፉ ኣብ 1980 ድማ ተሰዊኡ። አብ 1991 አደይ አስገደት ከም ሰበን እንኮ ወደን ተረዲኤን። ስራሕ ኣይነበረንን፣ ናይ ጥዕና ጸገም ተወሲክወን: ዕድመ’ውን ደፊኤን ኣብ እህህታን ዘይወጽእ ሐዘን አትየን፣ ዓይነንን እዝነንን ጠሊሙወን፣ ካብ አረሜን ስርዓት ቆላሕታ አይረከባን: ኣብ ከባቢኤን ዝነብሩ ጎረባብትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን እናተዓንገላ፣ ብጽምዋ፣ ናፍቆት ወደን፣ ሕማምን፣ ድኽነትን፣ ተኸቢበን ኣብ ከባቢ 2018 ዓሪፈን። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት አሻሓት ስድራ ስውኣት እዚ ዘይብሃል ዓመጽ ፈጺሙ'ዩ።

ብርግጽ ኤርትራ ኣሽሓት ጀጋኑ ደቃ ኣብ ጸረ መግዛእቲ ኣሰዊኣ እያ።   ንኽብሪ መስዋእትነቶም ግን: ስርዓት ህግደፍ ብኸመይ ኣንጸባሪቅዎዎ?

ኣብ ኤርትራ ንጅግነት ስውአት ዘንጸባርቕ ሓወልቲ የሎን። አብ ኤርትራ ንታሪኽ ጀጋኑ ዝገልጽ ቤተ መዘክር እውን የሎን።

ኣብ ኤርትራ ንታሪኽን ጅግነትን ተጋደልቲ ዝትክእ፡ ናይ ታንክታትን ጫማ ኮንጎ ሓወልቲ ምቃሙ ዘገርምዩ፡ ካብ አሽሓት ጀጋኑ ስውኣትና ግን ብስሞም ዝተሰየመት ሓንቲ ጎደና እኳ ትከሰስ። “ስውእ ክቡርዩ” ይብለና፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ግን ደበስ ንስድራ ስውኣት 10 ሺሕ ክህብ ከሎ፡ ካብ መሳርዑ ዝኾብለለን ዝጠፍኤን ኣባል፡ ካብ ስድራቤቱ 50 ሺሕ አይመንዝዑን ድዮም። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ባዕሎም ዘጥፍእዎም ከም ስውኣት ዘይተገልጹ፡ ደበስ ይኹን ሰርቲፊኬት ዘይረኸቡ ስድራ-ቤታት ምህላዎም’ዩ። እታ ንምርአያ ባህ ዘይተብልን ብአግባብ ዘይተቀርጸትን፡ ምስክር ስውእ ሰርትፊኬት መርኣያ ናይቲ ስርዓት’ያ። ካልእ ዘገርም ከኣ ንሕሱር ረብሓን ዘይምኹንይን ኣብ ማእከል ከተማና ናይ ፑሽኪን ሓወልቲ ምትካሉ መስደመም’ዩ። እቲ ምስጢር ግን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብጀክኡ ጅግና ስለ ዘየሎ፡ ስውኣት ጀጋኑ ክብሃሉ ኣይመርጽን’ዩ። እሞ እቲ ሓርበኛ ኣይነብርንዩ ታሪኹ’ዩ ዝውረስ ብሂል ህግደፋውያን ድኣ ኣየውፍር አየእቱ እንዶ ኮይኑ።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ሎም-ዘመን ዝኽሪ ስውኣት፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን፡ ንድልየት ኢሰያስ ንምርዋይ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኵናት ጸረ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ተሓባበሪ አብይ ኣሕመድ ብምዃን፡ የጽንቶም አሎ። ሕጂ’ውን ንማእከል ኢትዮጵያ ብምእታው አብ ክልል ኦሮምያ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኤርትራ፡ ኣብ ዘይጉዳዮም ይጠፍኡ ምህላዎም ብዝለዓለ ኣዕናውን ሓደገኛ ይገብሮ። ብዓቢኡ’ውን ዕላማ መስዋእቲ ጀጋኑና ዝኸሓደ፡ ዓሰብ ንኢማራት ክትሽየጥ፣ ኣይከሰርናን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዮም ኢሉ ዝኣምን ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ፣ ናይ 30 ዓመት ብረትዊ ቃልስና ዘይተደላይ ነይሩ … ወዘተ፡ ካብ ዝብል ጠላም መራሒ፡ ህዝብና እንታይ ይጽበ?

ስውአትና ንዘልአለም ይዘከሩ፣

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣

ብምኽንያት ዝኽረ ሰማእታት ዝቐረበ

ሓተታ ደግሓኤ ቁ 003

20 ሰነ 2021