Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን

ያኣክል ንደንበ ተቃውሞዩ ዝምልከት;ለበዋ; ንተሳተፍቲ ጉባኤ;ንኤርትራዊ ሃገራዊ;ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ; ምፍልላይ ኣይነብዝሕ; ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ፣ተመኩሮ ኣለና ናይ ኣቃቂ ኣዋሳ፣ኣነ ኣነ እዩ ንባይቶ ዝረመሳ።

ንካላኣይ ጉባኤ ባይቶ ተዳሎ;ብውክልና ተበገስ ይበሃል ስለ ዘሎ; ህዝቢ ካብ ጉባኤ;እንታይ ይጽበ ሎ;ዝበሃል ዘሎ; ዓወት;ናይ ሃገራዊ ባይቶ; ንዲሞክራስያዊ ለውጢ;;ህዝቢ ብሃንቆውት ብስራት ይጽበ ኣሎ;;ሳዕሰዕ እሞ; ስራሕካ ኣይትረስዕ;ንጠንቀቕ ካብ በዓል መዘንግዕ; ከየዘንግዑና እንዳ በሉ ጽግዕ;;

ምፍንጫል ያኣክል;ህዝቢ ኣብ ውሳንየ ባይቶ ክዓስል; ትጽቢት ኤርትራዊያን ነዚ ይመስል;ያኣክል ጌጋ ከይንደግም; ተንኮል ዝኣልም;ለኪሙና ከይብል ህልም; ወከልቲ ህዝብን ውድባትን;መልእኽትና ነብስል ነብስል;;

ኣብ ጉባኤ ሽወደን;ኣብዚ ዘለናዮ ፈታኒ እዋን;ጭርሖና ኤርትራ ንኤርትራዊያን;;ምፍንጫል ያኣክል;;ዝሐለፈ ታሪኽና ንዘክር;;ብደገን ውሽጥን ንህዝብና ዓወት ምስ ነበስር;ሽዑ ኢና ሐርነት ንዓትር ንዓትር;;

ትርጉም የብሉን ምስ ኮነ ወየ;መሰረታት ደድሕሪ ፈላለይቲ ኣይንጉየ;ብናይ ሐባር ውሳኔ፣ምስቲ ን28 ዓመት;ንህዝብና ዝበተነ፣ባይቶ ተኺልና ብሕጊ ክንፈዲ ሕነ፣ኣብ ጥቓ ትኪ፣ ዘሎ ቆልዓ ኣይተብኪ፣ነደ ጀጋኑ ማፍያዊ ጉጅለ ዝደፈረኪ፣ነደ ጀጋኑ ክንብላ ኣጆኺ ኣጆኺ።

ስኒትናዩ ህዝብና ዝምነዮ;ጎደሎ መኣዲ መን ይደልዮ; ምፍንጫል;ያኣክል;ንኹን;ሐንቲ ዋልታ;ብስኒት ክንወርድ ኣብ ባይታ;ብናይ ሐባር ባይቶ፣ንህግደፍ ክንምክቶ፣ ሐርነት መስዋእቲ እዩ ዝሐትት፣ ኣብ ባይታ ወሪዱ ዝምክት፣ብስኒት ንህግደፍ; ክንገጥሞ ፊት ንፊት።

ኣነዶ ንስኻ ንዓዲ መዓስ የእቱ፣ዓገብ ክንብል ዓመታት ሐሊፉ፣መሰልናን ነጻነትናን፣ ብጃንዳ ህግደፍ ተገፊፉ፣ ቀዳማይ ታርገትና ህግደፍ፣ዓወትና ክቃላጠፍ፣ ዘረባ ዝሕላገቱኽ ኣብ ዘለዎ ይትረፍ።

ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ; ደላይ ፍትሒ ዝመስል፣ ክንብሎ ሽፍንፍን ያኣክል፣ባይቶ ተኺልና ንህግደፍ ክነፍርስ፣ዝተሰደደ ንዓዱ ክምለስ፣ስልጣን ህዝቢ ዝመንጠለ ክፍደስ፣ቅዋም ብምሁራን ሕጊ ክሕደስ፣ ኣብ ቅዋማዊት ኤርትራ ክኸውን ደስ ደስ።

ባይቶ ተዓዊቱ ምስ ዝወጽእ፣ንህዝቢ ካብ ባርነት ሐራ የውጽእ፣ ሹዑ ገዓት ጠስሚ ክኣቱ፣ ገዓት ሐምሊ ክመጽእ፣ እዚዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ለበዋ፣ኣደታት ንውሳኔ ባይቶ ይጽበያ ኣለዋ፣ህግደፍ ምስ ፈረሱዩ ንወላዲት ጀጋኑ ዝርህዋ።

ሽዑ እቶም ካብ ባይቶ; ወጸኢ ዘለዉ; ቅዱስ ቅንኢ ክቀንኡ; ኣብ መጻኢ;ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ; ዓወት;ንኤርትራዊ;ሃገራዊ;ባይቶ፣ንዲሞክራስያዊ ለውጢ; ህዝብና ክድሕን ካብ ናይ ጭፍራ ህግደፍ ጸቕጢ;;

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።

ኣብ ካላኣይ ጉባኤ,,ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተነበበት ግጥሚ,,19 04 2019,ስቶኮሎም።