Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን

፟፟(ባይቶ ዳግማይ ካብ ጀመረ ክጣራነፍ)፟

(ንተኣኻኸብ ከይቅድሙና ክንቃላጠፍ)

(ንደንበ ተቃውሞ ኣውዲቕና ክንሐልፍ)

ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ክስሕቶ

ንዓሻ ደርጓሐሉ ኣበይ ከይእምቶ

ንክጥርንፈና ዩ ተመስሪቱ ባይቶ;;

ሐሶት ክዳጋገመ ሐቂ ይመስል

ንደለይቲ ፍትሒ ክብሎም ያኣክል

ኣታ ጉሁይ ልበይ ወትሩ ክትህመል

ብኤሊት ጃንዳ ህግደፍ ክትማቃቐል;;

ኣብ ክንዲ ንጠርነፍ ሃነፍነፍ

መተካእታ ህግደፍ ብህግደፍ

ንደነበ ተቃውሞ ኣውዲቕካ ሕለፍ,

ንካልኦት ኣጸለምካ ብማዕዶ

ጎብለል ምዃን ጋዶ ዩ ጋዶ

ናይ ሐባር መንገዲ መዓስ ኢና ንኸዶ,;

ኣይበዝሔን ዶ ፍለጡና ፍለጡና

ኤርትራዊያን ጥራይ ዘረባ ኮና

ብዘረባ ዝወደቐ ጉጅለ ኣበይ ሪኢና

ንሐደ ዕላማ በበይኑ ኮይኑ ጭርሖና,,

ሐቂ ሒዝካ ስ

ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ

ሐላይ ተመሲሉ ዘባእስ

ንመጽነቲ ጉጅለ ከሕድስ,

ደላይ ፍትሒ ተሲልካ ዓዕ

ያኣክል ንብዓት ሐርገጽ ምንባዕ

ደጊምስ ብኤሊት ከዳዕ

ጃንዳ ህግደፍ የለን ዝዝንጋዕ,

ንጥርናፌና ካብ ኮንኩም ሕማም

ሐቂ ምውራድ እንተ ኣበየኩም

ጎርዳዕ ኣብልዎ ብማይ ገርኩም

ንኤሊተ ህግደፍ እዚ ወደሐንኩም;;

ክንደይ ዓቀብ ዘይወጻእና በለት ኣድጊ

እወ ንሱር ነቀል ለውጢ

ንጠንቀቕ ብደገ ብውሽጢ

ደጊም ቦታ የለን ንተጋላባጢ;;

ህዝብና እንዳ በኸየ

ክንዲ ብሐባር ንጉየ

ሕቡኣን ጉጅለ ደገፍ ነባ ጎብየ

ንተቃወምቲ ኣይፈልጦምን እየ;

ኣይፋል ንጽገና እወ ንሐርነት

ለውጢ ኣይራጋገጽንዩ ብዘይ ግልጹነት

ምስ ሰብ ሕቡእ ኣጀንዳ የለን ዓወት

ምስ ኤሊት ህግደፍ ሐርነት ዘበትዩ ዘበት

ሕቡኣን ዕንቅፍታ ኮንኩምና ን28 ዓመት

ሕጂ ውን ዋጋ ክንከፍለሉ ንኤርትራዊነት;;

ብግብሪ ብስራሕ

ካብ ሎሚ ንጽባሕ

ሽግርና ክፍታሕ

ኣይንደልን ዝምካሕ

ንጭፍራ ህግደፍ ክነብሎ ፋሕ

ዕላማታት ባይቶ ኣብ ኩሉ ይዘርጋሕ;;

(፟ሽግር ኤርትራዊያን ብኤርትራዊያን ደቀባት ዩ ዝፍታሕ)፟

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶም, ካብ ዉሽጡ ሐሩር,ኣባል ተ.ሐ.ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን, ዓወት ንደለይቲ ንሐቀኛ ሱር ነቀል ለውጢ።