Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ

ኤርትራና ኣይፋላለይን እዩ ህዝባ

ተጋሩ ዓዘራ ዘለዎ ዘረባ ሕደጉ ባ

ደቂ ኤረይ ንድሐነት ህዝባ ሃየ እባ

ኢደይ ኢድካ ንበል እንዳባ‘‘

ትግራይ መድያ ዶ

ምንዮት ኤሊት ትግራይ

ዳሕረወቶም ዝገደዱ

ናይ መን ደኣ ክትወስዱ

መኒኻታ ዘይናትካ ተማዕዱ‘‘

ንህዝቢ ኤርትራ ክትመቓቕሉ ትፍክሩ

መቀለ በሊጻታ ነስመራ ኢሎም ዝጀሃሩ

ተጋሩ ንደቅኹም ገግናዩ ኣይትምሃሩ‘‘

ኤርትራና ወላዲት ሸሞንተ

ኤርትራ ዓዲ ሐርበኛ ዓዋተ

ሐንቲ እያ ኣይኮነትን ክልተ‘‘

ኤርትራዊያን ዓሺና ወ

እንበር ናይ ሳሕል ኣርወ

ኣርሐ ኮይኑ መዓስ ምነቀወ‘‘

ኣነየ ኣስላማይ ኣነየ ክስታናይ

መልስና ንክርዳድ ንምጽሃይ

ንሉኡኻት ህውሐት ትግራይ

መልሐሶም ዘይጸረየ ለዋይ

ገግናዩ ዝሐልሙ ልቦም ጠዋይ‘‘

ትግራይ መድያ ዶ

ምንዮት ኤሊት ትግራይ‘‘

ወደብ ዓሰብ ኣይትረኽቡ ባጽዕ

ናይ መንእሰያት ትግራይ ፊዕ ፊዕ

ብልሳንኩም ዝፍጋእ የለን ዝነትዕ‘‘

ኣውሊዔይ መለይ ዝባንዴራና

ዕላውያን ቋንቋና ዓረብ ትግርኛ

ንስኹም ዕላዊ ቋንቋኹም ኣምሐርኛ

በዘም ክልተ ጃንዳ ቅሳነት ሲኢና‘‘

መንዩ ሽፍታ እቲ ሐርበኛ

ንሐምድ እድሪስ ዓዋተ ጅግና

ንጎቦ ኣዳል የላን ትብሉና

ደም ክጥዕመኩም ዩ ገና‘‘

ትግራይ መድያ ዶ

ምንዮት ኤሊት ትግራይ‘‘

ኣይሰርሑ ኣየስርሑ ምስ በዝሑ

ብደገፎም ዕምሪ ህግደፍ ተናዊሑ

ዝያዳና ጅግንነት ከም ዝሰርሑ

ተጋሩ ዶ ብኤርትራዊያን ትምክሑ‘‘

ብኤርትራዊያን እንዳ ተጸዉዑ

ካብ ብክልተ ማንካ ዝበልዑ

ደቂ ኤረ ሐደራ ከይትዝንግዑ‘‘

ዝብእስ ኣብዘይ ፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ‘‘ማእሰ ኣንጽፉለይ በለ‘‘ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ እሞ‘‘ተጋሩ ነዚ ህዝብታት እሾኽ ኣይትዝርኡሉ‘‘ጽግዕተኛታት እንታይ ይብጻሐኩም ኤርትራውነት‘‘መን ገርኩም ወሃብቲ መንነት‘‘ተጋሩ ዳግማይ ሐዊ ኣይትእጎዱ‘‘ኢድኩም ኣክቡ‘‘ኤሊት ትግራይ‘‘ሕልሚ ዓባይ ትግራይ‘‘ ጽውጽዋይ እዩ ጽውጽዋይ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።