Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን

ንሳ እያ ከም ትማሊ ተምጽእ ራህዋ;;

ከምዚ ሕጂ ኣብ ሰብዓታት;ብኩዑሶ;ህዝቢ ብቲፎዞ ምስ ተባእሰ;ኣውራጃ ንኣውራጃ

ምስ ተኻሰሰ;ስነ ጥበባዊ ዑስማን ከምዚ በለ;ኣነ እየ ስፖርት;ኣነየ ሐማሴን;ኣከልጉዛይ;ሰራየ ሰምሃር ሰንሒት;ሳሕል ደንካልያ ባርካ; ኣነየ ስፖርት ናይ ኤርትራ ብጠቕላላ; እንዳበለዩ ብዜማ;ንኤርትራዊያን ዓደይ ዓደይ ዘበለ;;

ነብሲሄር ስነ ጥበባዊ;ዮኑስ ኢብራሂም;ውን ከምዚ ምስ ሰምዔ ከምዚ ዝበለ;ኣታ ኤርትራዊ እየ እትብል; ከምዚ እንተኮይኑ ትሕዝቶኻ; ፈሺልካ ኮይኑካ;;

ኣነ ድማ ከምዚ ክብል;ሃይማኖት ናይ ግሉ; ሃገር ግን ናይ ሐባር;ክውዕየካ ብማንካ;ክዝሕለካ ብኢድካ; ኣቲ ኣታ ህዝቢ ከየድሐንካ;ብኣውራጃ ትፋላለ ዘለኻ;ቲፎዞ ወልቀሰባት ዝኮንካ; ኣይፋልኪ ኣይፋልካ;ወደሐንኪ ወደሐንካ;;

ዎጮ እንተ ገምጠልካዮ ዎጮ;ፓልቶካት ፌስቡካት; ጠገለ ሲኢኑ;ኣንነት እንበዛ ገኒኑ;ህዝቢ ከየድሐንካ; ብኣነ ኣነ ስኒት ተሳኢኑ;መናውሑ ማፍያዊ ጉጅለ ኮይኑ;ካብ ኣነ እየ ቲፎዞ እከለ;ብቲፎዞ ካብ ንፋላለ;; ኣውራጃይ ኣውራጃኻ ገዲፍና;ናይ ሐባር ጸላኢ; ህዝቢ ኤርትራ ንእለ;;

ኢሰያስ ኣፈወርቂ;;መራሒ ጭፍራ ህግደፍን;መራሒ እኽብካብ ማፍያዊ ጉጅለን እንበር;ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፕረሲደንት ኣይኮነን;; ኤርትራ ዓዲ ጀጋኑ ብጃንዳ;ብጭፍራ ህግደፍ ተካሒዳ;ምስ ህዝባ ን28 ዓመት ተዓኒዳ;;

እታ ኣብ 91 ዝበርሀት ሽግ;እቶም ንኤርትራ ሉኡላዊት ክትከውን ዝገበርዋ;ኣይኣተውን ንዓዲ;እቶም ንዓዲ ዝኣተዉ; ሐደ ክንዲ ሽሕ ተሳኢኑ;ህግደፋዊያን ንዓዲ ጀጋኑ; የዕንዉዋ ኣለዉ;; ህግደፋዊያን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ; ምሕደሮኦም ምሕደራ ፋሽሽቲ; ን28 ዓመት; ብግዝያዊ መንግስቲ;;

ንሰራቂ ስረቆ;መዓት እዝጊ ክወድቆ;ኡኩኖ እንታይ ደኣ ትንኖ;ኣነ ዶ ንህግደፍ ክጽግኖ;ንጋኔን ከይፈርስ ከድሕኖ;ሰብ ቆላን ከበሳን ደቂ ኤረ;ገለ እንዳ ሰምዔ ዝጸመመ;ገለ እንዳ ረኣየ ዝዓወረ;ጉያ ያኣክል ደድሕሪ;ጅቡኡ ዝሃጠረ;;

ከም ትማሊ ይመስለክን;ውሕጅ ይወስደክን;በዓል ሽሉ ምሉ; በዓል ሽላ ራውያ;ከም ትማሊ;ዓማ ሐቂቃያ;ቪቫ ወዲ ኣፎም; እንድ በልክን ጉየያ;ሕጂ ውን ጀብሃስ ኣላ;ልሳን ጀጋኑ እያ; ፍትሒ ይንገስ ይብሉ ኣለዉ;ደቀባት ተ;ሐ;ኤ ግንባር ነበር; ጀብሃ ምስ ሻዕብያ;;

ንዓመታ ክብላ ይሞታ;ንደለይቲ ፍትሒ;ንደቂ ኤረ ሐደራ;ካብ ውድበይ ውድብካ;ሰልፈይ ሰልፍኻ; ዝተማህረ የብሉ ዘይተማህረ; በቶም ልቦና ዝጎደሎም ክይትጋገዩ; ፈታውን ጸላእን መምዩ;ጸረ ናይ ሐባር ጸላኢና; ብስኒት ክትጎዩ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።