Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን

ቆሉዑ ከለና ከምዚ ንብል ነርና;

ኣመሪካኖ ፈይ ፈይ;ክሎ ሽኮር ንኣፈይ;

ምስ ጎበዝና;ኤርትራ ንኤርትራዊያን ጨሪሕና;

ድሕሪ ነጻነት ብህግደፍ ምስ ተጨወየ ሐርነትና ድማ;;

 ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ;

ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ተኣሲራ;

ኣብ ኢትዮጵያ ዕምሪ ጀነራላት ሐጺራ;

ልሳን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ;

ተገበረ ተሰርሔ ክብላ ይሐድራ;

ዕምሪ ጃንዳ ህግደፍ ክንዲ ዘሕጽራ;;

ካብ ዋዕላ ናብ ዋዕላ;መዓስ እየን ናብ ስራሕ ዝሰግራ።

ወየ ወየ እንታይ ይዓብስ፡

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክነግስ፡

ንማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ነልግስ፣

ሎሚ ጽባሕ ክንብል ግዜየ ሐሊፉ፡

ካብ ጀነራላት ህግደፍ ገደል ኣፎም፡

መጢሎም ክንዲ ዘግድፉ፡መንእሰያት ኤርትራ፡

ዓዶምን ርስቶምን ይገድፉ፣

ሰብ ስዉር ዕላማ፡

ብግፋ ሃገር ጥራያ ኣትሪፎማ፡

ተቃውሞ ደንበ ድማ፡

ዝደሐራ ዝቐደማ፡ክንዲ ዝግደማ፡

ኣብ ኣዳራሻት ድራማ።

ሰላም ደቂ ኤረይ፣

ኣይትሐዙለይ እንበር፣

ንጃንዳ ህግደፍ ዕምሩ ክነሕጽር፣

ቅጪ ሕርሙ ዘይነናጻጽር፣

ከብድና ዶ ኢሉና ብትን ብትን፣

ክንረብ ክንስእን ዘይንፍትን፣

ካብ ዳውን ዳውን ኣይረኤናን ፍረ፣

ካብ ያኣክል ውን ኣይረኤናን ፍረ፣

መሳግድናን ቤተ ክርስትያናን እንዳ ደፈረ፣

ኣዴታት ምስ ደቀን እንዳ ኣሰረ፣

ቅሳነት የለን፣ማፍያዊ ጉጅለ፣ ዕምሩ ከይሐጸረ።

ኣብ ስደት፣ ዘለዉ ኣባላት ውድባት፣

ተቃውሞ ብሰላማዊ ሰልፍታት፣

ዕጡቓት ውድባት፣ትም ንዓመታት፣

ንህግደፍ ዓጢቖም ክንዲ ዘውድቑ፣

ብትጽቢት ዓቕልና ተጸንቂቑ፣

ንህዝቢ ኤርትራ ክተድሕኑ፣

ትጽቢት ያኣክል ወስኑ ወስኑ፡

(ሰብ ላቢሽ)ቅድም ድሕነት ህዝቢ ዶ፣

ቅድም ቅዋም፣ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸቦ፣ተጸንቂቑ ዶ

ሐቦ፣ኣብቲ ምዕቡል እዋን፣ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት፣

ክንዲ ክርቢት፣ብሰንኪ ጉጅለ ኣራዊት፣

ሐዊ ክንውልዕ ነጋጩ ኣስሒት፣

ዕጥቛት ውድባት፣ ቋንቋ ማፍያዊ ጉጅለ ተዛረቡ፣

ሐቂዩ ጃህራ ክይትወስድዎ፣

ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎ፣ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ፣

ድሉውዩ ምሳኹም ክጎዪ፣ካብ ምሸት ንንግሆ

፣ ህዝባና ክረክብ መርሆ፣ንማፍያዊ ጉጅለ ክንብድሆ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣

ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣

ካብ ዉሽጡ ሑሩር፣ኣባል ተሐኤ ሃገር ጀርመን።