መንዩ ደመኛና ደቂ ኤረ መንዩ ቆፎ ንህቢ ዝሰበረ
ምስ ወያነ ሐይሉ ዘስመረ
ትማሊ ብደምና ዝተቛመረ‘‘
ኤርትራ ባጽዕን ዓሰብን ወደባታ
ንኤርትራ ኤርትራዊያን ዋናታታ
መንዩ ሐቀኛ‘‘ መንዩ ተሐታቲ
ሐቂ ዶ ክንዛረብ
ታሪኽ ጀጋኑ ክምዝገብ
ተዓዛቢ ምዃን ዓገብ‘‘
እታ መዓልቲ ክትብልያ ደበኽ ናይ ክድዓት ባርነት ክብተኽ
ወዲ ዓሻ ክልተ ግዜ ይውቃዕ
ኣያክል ብሐሶት ምልኻዕ
ሐላፍነትካ ዘይምዝንጋዕ‘‘
ኤረና ዶ ብህግደፍ ትሕሎ 3ይ ክፋል
ህግደፍ ብኸመይ ይዕወት
ብፕሮፖጋንዳ ብውዲት ብሐሶት
ብከይትእሰር መሰልካ ኣይትሕተት‘‘
ኤረና ዶ ብህግደፍ ትሕሎ (2ይ) ክፋል
ብኣቢዪ ከይተተከኤ
ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ
ዋጉኡ ከይበዝሔ
ኣማዕዲና ኣይንርኤ‘‘
ጅንጅብል መን እንተበሉኻ መን ትብል‘‘
ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸቦ
ክንዛረብ ዶ ከላእ ትዛረቦ
ብኣፎም ተለጒሞም ኣዛብእ ዓደቦ‘‘
ሃልሃልታ መለይ ዑፍ ዓሲላታ ቃልሲ ኣብ ባይታ
ዘስደምም እዩ ዘስደምም
እዚ እንዳ ሰማዕካስ ትም
ብደውና ውዲት ከደግም‘‘
ኤርትርዊት ማሕዘል ክሳብ ማዓስ ክትብደል
ኤርትርዊት ማሕዘል
ክሳብ ማዓስ ክትብደል
ብሐርነት ክትጽንበል‘‘
ንከም ነፋሒቶ ሕብሩ ዝለዋውጥ
ካብ ያዕ በልዎ ያዕ ንበሎ ይሰልጥ
ንማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ክንልውጥ;;
ኣብ ባይታ ኣርክብ ንበል ሎምሲ
ከም ሱዳናዊታን ክንረክብ ፈውሲ
ንዲክታቶር ክንትክኦ ብዲሞክራሲ‘‘
ኣርዮስ ንሱዳን ጉያ
ውድባት ኤርትረያ
ኢዱ ኣይትምሕን እያ
መራሒ ጉጅለ ማፍያ
ከይቅድመክን ጉየያ‘‘
ናይ ኤርትራዊያን ርኢቶ
ኣብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ
ኮና ንጋኔን ክንምክቶ‘‘
ንዕላምኡ ከርዊ
ንጥፍኣት ኤርትራዊ
ዝደጎሎ ሐዊ
ኣብ ዝባንኩም ከሐዊ‘‘
መራሒ ህግደፍ
ከይረክብ ደገፍ
ከም በሺር ክግለፍ‘‘
ሕልንኡ ኩፉእ
ንኑጹሃት ከጥፍእ
ጋኔን ሐዊዩ ዝተፍእ‘‘
መራሒኦም ኮብራ
ኣማኸርቱ ኣትማን
ተንቤናይ ናይ ቀርኒ ጋኔን
ተጠንቀቑ በልዎም ንሱዳን
ከይከልኣኩም ምትእምማን‘‘