ኣብዚ,10,ዓመታት ደጀና ፓልቶክ
ባይታና መድያታት ምስ ፌስቡክ
ሕጂ ድማ ኣብ ዙም ትኽ ብትኽ
ዘረባ ንመጥጥ ክንዲ ነብሎ ብትኽ‘‘
ንድሕሪት ኣይንጉተቶ
ያኣክል ንሃገራዊ ባይቶ
ንጉጅለ ህግደፍ ክንምክቶ
ሕጅስ ናብ ስራሕ ንእቶ‘‘
__
ራህዋ ፍትሒ ዝሐረሞ ህዝቢ
ዝውስን ተሳኢኑ ዝብል እንቢ
ኑኡስ ምስ ዓቢ ተዛራቢ ኮይኑ
ግብሪ ጎዶሉ ምውሳን ተሳኢኑ‘‘
__
ዘዝኾረየ ኢዱ ምስ ኣከበ
ከም ጲላጥስ ኢዱ ዝሐጸበ
ነቐፌታ ንተቓውሞ ደንበ
ፍታሕ ኣይኮነን ዘዘርከበ
ኣፉ ዘዝሃቦ እንተ ተዛረበ
መን ክገብረልና ንጽበ
ኣየናይ ህዝቢዩ ዋጋ ከይሃበ
ብዘረባ ሐርነት ዝረኸበ‘‘
__
እንዳ ተባህለ ኣፍ ኣርክቡ
ኣብ ዘራባ መረት ዓሪቡ
ብድኽመት ውድባት ክዛረቡ
ንፋስ ይኣትዎም ምስ ተኣከቡ‘‘
__
ናብ ዘዝዓመረ ጕያ ያዕ ንበሎ
ንህግደፍ ካብ ሱሩ ክንነቕሎ
ተባህለ ኣይኮነን ዘድሊ ዘሎ
ኣብ ባይታ ግብሪ የድሊ ኣሎ‘‘
__
ብግዝያዊ መንግስቲ ደም ዘንብዖ
ተንቤናይ ንህዝብና ኣንጊሁ ዝከድዖ
ሃብቲ ሃገርና ኤርትራ ምስ መንዝዖ
ንህግደፍ በየናይ ዓንቀጽ ኢና ንረትዖ‘‘
__
ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ሕልሞም
ጉሒላ መምስ ዘመጸ ውዲት ይልም
ተዛረብቲስ ኣይወሐድናን እምም
ብማዕዶ ኮንካ ኣሰርሑን እባ ግርም
ኣለኹ ይበል ብህዝቡን ሃገሩን ዝሐምም‘‘
__
ምውርዛይ ያኣክል ሎምስ
ካብ ብማዕዶ ኢድና ንሐውስ
ኣይገበርኩምን እንታይ ይዓብስ
ዝሃንጽ ኣይረኤናን ብጀካ ዘፍርስ‘‘
__
ናትና ንግበር ያኣክል ወደሳ
ሃገርና ናብ ደቀባታ ክንመልሳ
ምስ ንፋቐር ኢና ንኽውን ዋሕሳ
ካብ ማእከልና ቦሎኽ ክብል ኣንበሳ‘‘
__
ደጀን ዘረባ ኮና ምስ ጸናሕና
ክንዲ እንካን ሃባን ሐዲሽ ምስ ፈተና
ኤርትራዊያን ቀዳሞትና ዳሕሮዎታና
ናይ ዘረባ ጀጋኑ ኮና ተሪፍና‘‘
__
ግብራዊያን ንኹን ደቂ ኤረይ
ብሐደ ድምጺ ኣስላማይ ምስ ክስታናይ
ሕጂ ዩ ሰዓቱ ንማፍያዊ ጉጅለ ንምእላይ‘‘
__
ብኣጋ ዘይተሐከመ ቁስሊ
ኣይርከቦን ዩ ፈውሲ
ምግድዳዕ ያኣክል ሎምሲ‘‘
__
ንያኣክል ግብሪ እንተ ዘይወሰኽናሉ
ብውሽጢ ህዝቢ እንተ ዘይተላዒሉ
ኣብ ድያስፖራ ያኣክል እንተ ኢሉ
ያኣክል ጭርሖ ጥራይ እንደኣሉ‘‘
__
ሕጂስ ያኣክል ክሳብ ማዓስ ክንዛረብ
ንዓመታት ተዛሪብና ንፍንጣሕ ንእከብ
ንወስን ዘረባስ ኣይረኸብናሉን መኽሰብ
ተቃሊሱዩ መሰሉ ዘራጋግጽ ወዲ ሰብ‘‘
__
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ብኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።
__