ንህዝቢ ኤርትራ ፋሕ እንዳ በሎ
ተቓውሞ ደንበ እንታይ ይጽበሎ
ንሱ ዕላሙኡ ሃሪሙ ጎጃም ዎሎ
እንዳ ኸደ ይዛወር ኤሎ‘‘ __
ናይ መን ንበሎስ ኣለዎ ሐለፋ
ንሃገር ብዘይ ህዝቢ እንዳ ኣትረፋ
ውድባት ሰልፍታት ክንዲ ዝዳጋገፋ
ን29 ዓመት ኣብ ዘረባ ግዜ የሕልፋ‘‘
__
ያኣክል ንፈላጣት ኢና በሃልቲ
ተቃለስቲ ዶ ተማጻደቕቲ
ኣብ ዘረባ እንበር ግብሪ ዋላ ሐንቲ
ህዝቢ ከየድሐንካ ዶ ብጽባሕ ትዝቲ‘‘
__
ዘበን ግርንቢጢ ማይ ንዓቐብ
ኢትዮጳያዊያን ሕልሞም ዓሰብ
ኤርትራዊያን ኣዚርና እባ ንሕሰብ‘‘
__
ሑጹብ መዓንጣ ወዳቢ
ሲኢኑ እንበር ህዝቢ
ድሉው ዩ ንህዝባዊ ናዕቢ‘‘
__
ቃልስና ህዝባዊ ምዃኑ ክነፍልጣ
ተባህለ ገዲፍና ቅልጽምና ነሕብጣ
ህግደፍ በብሐደ ክልቀሙ ብወረጣ‘‘
ተንቤናይ ንባህልታትና ዝደፈረ
ይባ ይማ ከሎ ዝመቀረ
ኣቦይ ኣደይ ዶ ብባባ ምተቐየረ
ንባህሊ ዓደቦ ክገብሮ ነበረ ያ ነበረ‘‘
__
ህግደፋዊያን ንሕና ንሱ
ንመጽነት ዓደቦ ዝውድሱ
ኣሜን በሃልቲ ጽባሕ ትኽሰሱ‘‘
__
ካድራት ህግደፍ ምስ ኮኑ ፈረዲ
ኣብ ገጠር ከተማ ዳኛታት ዓዲ
ምስ ጀነራላቱ ሲኢኖም ቀይዲ
ህዝቢ ኤርትራ ሐሪምዎ ፍርዲ‘‘
__
እንታይ ይብል ኣሎ ህዝብና
ናይ ኤርትራ ውድባት ኣለዋና
ተቃወምቲ ህግደፍ ብደገ ሰሚዕና
መዓስ ኢዮም ሐራ ዘውጹኡና‘‘
__
ውድባት ሰልፍታት ተናሳሐ
ብዘረባ ዲኽን ንህግደፍ ክትፍንጥሐ
መነመን እየን ዕምሪ ጃንዳ ህግደፍ ዘናውሐ
ንጽገና እንበር ንሱር ነቅል ለውጢ ዘይሰርሐ‘‘
__
ኣየወ ኣይትብዙሑ
ኣይኮነን መርገም ኣይትርብሑ
ኤርትራዊያን ኣብ ዘረባ ኣፎም በሊሑ
ወገነይ ወገንካ ጭርሖ ምስ ኣብዝሑ
ሰለዚ ዩ ዕምሪ ጃንዳ ህግደፍ ተናዊሑ‘‘
__
ስብሐት ዕላማኻ ኣይትስሐት
እቲኦም ከ እንታይ ኳዃት
እቶም ክንዮዎት ከ ምራኻት
እንታይ ዩ ሽግርና ደቀባት
ንሐደ ዕላማ ን29 ዓመታት
በበይንኻ ምምጓት
እዚኣስ ኣለዋ ብልሐት
ተሕትት እያ ብክድዓት‘‘
__
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ብኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።
__