Meinungen & Beiträge

፟እታ ጭርሖ ሽም ቀይራ፟ (ጨናፍር ዘርጊሖም ጭፍራ)

12 May 2019 Administrator ትግ

፟እታ ጭርሖ ሽም ቀይራ፟

(ጨናፍር ዘርጊሖም ጭፍራ)

__

ሰብ ዶ ይነብርዩ ታሪኽ እንበር

ንሕና ኢና ግባር ህዝባዊ ግንባር

ኣስላም ክስታን ደቂ ኤረ ብሐባር

ሽም ኣይተሰወኤን ህዝቢ እንበር

ኣንነት በዚሑ እንታይ ሞ ይገበር;;

__

ያኣክል ብመንእሰያት ምሽቃጥ

ንሕና ንበዝሕ እንዳበልካ ምጉጣጥ

ከድሊዩ ፈታውን ጸላእን ምፍላጥ;;

__

ይሰምዕ ይርኢ ጸሚመ ዶ ዓዊረ

ብመሪሕ ጅግና ዓዋተ ወዲ ኤረ

ብ61መስከረም ሰውራ ምስ ተጀመረ

ኤርትራ ንኤርትራዊያን እንዳ ጨደረ

ኣታሐሳስባ ሱሳታት ዩ ንገዛእቲ ዘባረረ

ንኢሰያስ ዝሐንገረ;እዚ ክብል ምሐፈረ;;

__

ንተበግሶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሕቶ

ካብ ጉባኤ ኣዋሳ ንኤርትራዊ ባይቶ

ከይተበገሰ ዕንቅፋት በዚሕዎ ዘራጊቶ;;

__

ዘመን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ

ሕጂ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዶውታ

ኣብ ዳግማይ ትንሳኤ ባይቶ ኮታ

ንሕና ኢና ናይ ህግደፍ መተካእታ

እንዳበልካ ጫሌዳታት በዚሑ ቱታ;;

__

ከይቀደመትኪ ሐባል በልያ

ቅድሚ ነጻነት ተገፊዕና ብዝርያ

ንሐርነት ዘብዘብ ወሲኽናሉ ጉያ

ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ መንዩ መንያ;;

__

(ኣለዉኹም እወ)

ካብ ላዕሊ ንታሕቲ

ምስ ማፍያዊ ጉጅለ ተሐተቲ

ንሕና ኢና ተካእቲ በሃልቲ

ካብ ደገ ዘረባ መተሐላለፍቲ

ትንፋስ ንጹሃት ዘሕለፉ ሐሰውቲ;;

__

(ኣለዉኹም እወ)

ብርሃን ናብ ጸላም ዝለወጡ

ጽጋናዊያን ጉድኩም ተፈሊጡ

ንድሕነቶም ብዙሕ ኣይትወጠጡ;;

__

ኣንጺፍና ናይ ሐርነት ባይታ

ሐቔፍናኩም ቅድሚ እቕሬታ

ንጭርሖ ያኣክል ንሕና ዋናታታ

ንቀዳሞት ንምንጻል ትብሉ ቱታ;;

__

ከም ህዝቢ ሱዳን ንክገብር ሐቦ

ንህዝቢ ኣብ ማእከሉ ኮንካ ትሕብሕቦ

እንበር ኣብ ኣዳራሽ ብሐሶት ጭርሖ

ካብ ድያስፖራ መን ንመ ክመርሖ;;

__

ኣርባዓን ሽዱሽተን ዓመት ኣብ ቃልሲ

ኣብ ኤርትራ ክነግስ ሕጊ ምስ ዲሞክራሲ

ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ናይ ርስቱ ወራሲ;;

__

ከምቲ ናተይ መሰል ንህዝቢ ክምነ

ንሐርነት ዓደባይ ዝተሐረምኩ ኮይነ

ሕድሪ ጀጋኑ ከይተተግበረ ዶ ቀሲነ

ብያኣክል ዝተዓወተ ኣይሰማዕኩን ኣነ;;

__

ኣይፋል ንጽገና እወ ንሐርነት

ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዕርቂ ዘበት

ካብ ዉሽጡ ሑሩር የለን ነሕፍነት።

__

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።