“ናይ ሓዘን መግለጺ“
ዜና ዕረፍቲ ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና፣ ኣብዚ እዋን እዚ መስዋእቲ ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ዓ
ቢ ክሳራ ንደንበ ፍትሒ ኤርትራ ብዓቢኡ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
በዚ ናይ መሪር ሓዘን ኣጋጣሚ ድማ ብስም መላእ ኣባላት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ሓዘና እንዳገለጽና ንመላእ ስድራ - ቤቱን፣ ቤተ-ሰቡን፣ ኣዕርኹቱን መቓለስቲ ብጾቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል፣ ንሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከኣ ልኡል ኣምላክ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፡ መንግስተ-ሰማየት የዋርሶ።
ናይ መሪር ሓዘንኩም ተኻፈልቲ፡
ደግሓኤ፡
የካቲት 20/2021።
