ካብ’ታ ዝነኣሰት ግን ከኣ፡ መሰረት ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ዝኾነት ስድራ ቤት ጀሚሩ፡ ክሳብ’ቲ ዝዓበየ ብሃገር ደረጃ ዝኽሰት ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን ፍልልያት፡ ካብ ንኹልኻ ዘኽስር ተራ ህልኽን ጸለመን ርሒቕካ፡ ቅድም ቀዳድም ዘቤታዊ ጉዳይካ ገምጊምካ፡ መን ጠንቂ መን ሳዕቤን መዚንካ ንዕኡ ዝፍውስ መፍትሒ ሓሳባት ቀሪብካ ብተግባር ክትሰርሓሉ ይግባእ። ካብ’ዚ ወጻኢ ውሽጣዊ ጉዳይካ ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ክፈትሐልካ ምጽባይ፡ ኩለንተናዊ ረብሓኻን ክብረትካን ዘስእን ተሓንጋርነት’ዩ።
ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ እዋን ነጻነታዊ ቃልሲ ዝተራእየ ጽንዓት ሓርበኝነት ተወፋይነት ዝተመዝገበ ድሙቕ ወተሃደራዊ ዓወት ናብ ወለዶታት ክሰጋገር ዘለዎ ኣወንታዊ ተመክሮ’ዩ። ካብ ምጅማር ዘመናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ክሳብ ሎሚ ኣብ መዳይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን ንኽተሎ ዘለና ብጣሕመሽመሽ ዝግለጽ ኣገባብ ከኣ ክረም ዘለዎ ኣሉታዊ ተመክሮ’ዩ። እዚ ሎሚ ከም ህዝቢ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩለንተናዊ ውድቀት፡ ካብ ናይ ኣረኣእያን ንጹርነትን ሓቀኛ ህዝባዊ ውግንና ዝጎደሎ ፖለቲካዊ ሕማም ዝምንጩ’ዩ። ነዚ ብግቡእ እንተተረዲእናዮን ክንእርሞ እንተተበጊስናን መሰረታዊ መፍትሒኡ ኣብ ኢድና’ዩ።
ዛጊት ቅንዕናን ናይ ኣረኣእያ ንጹርነትን ስለ ዘይወነና ግን፡ ከም ህዝቢ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝነበረና ሞራላውን ነገራውን ትሕዝቶ ይጎድል ኣሎ። ካብ ምርግጋጽ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ወሳንነትን ህዝብን ዝረሓቐ፡ ድሑር ወገናዊ ጸጊዕነት ሒዝካ ዝግበር ጸለመን ምጥቕቓዕን ንሽግርና ዘጋድድ ‘ምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ህዝቢ ኣብ ምንቃሕ፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ኣብ ምድልዳል፡ ሓባራዊ ጸገማቱ ንምፍታሕ ሓቢሩን ተኣማሚኑን ክወፍር ኣብ ምግባር ኣወንታዊ ኣበርክቶ የብሉን።
ፖለቲካ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ’ዚ ንርከበሉ መድረኽ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ተዘሪጉ ይርከብ። መን እንታይ ይብል ኣሎ ዘይምድምማጽ ቀዳማይ ጸገም ኤርትራውያን’ዩ። ማሕበራዊ መሰረቱን ፖለቲካዊ ውግንናኡን ምስ መን? ብኸመይ? ብግቡእ ተረዲእካ ዘይምድጋፍ ወይ ዘይምቅዋም ካልኣይ ጸገም ኤርትራውያን’ዩ። ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ጸጋ ምዃኑ ዘይምርዳእን ዘይምኽባርን ሳልሳይ ጸገም ኤርትራውያን’ዩ። ተጻዋርነት ዘይምህላው ስምዒታዊ ምዃን ራብዓይ ጸገም ኤርትራውያን’ዩ። እዚ ጸገማት’ዚ ብዓይኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ክምዘን እንከሎ ፖለቲካዊ ድሕረት’ዩ።
ልቢ ኢልና’ሞ ነገራት ነመዛዝን ቅድሚ 1991 ዝነበረ ሓባራዊ ሃገራዊ ስምዒት፡ በጃ ህዝቢ ንምዃን ተወፋይነት፡ ሓርበኛዊ ወነን ሎሚ ዳርጋ የለን። ስሩት ማሕበራዊ ክብርትታና ከም’ዛ ዋዛ ቀስ ብቐስ ተባሕጒጉ ይበርስን ናብ ነበረ ይቕየርን ኣሎ። ኣጋጢሙና ኣብ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ክልተ ኣረኣእያ ተፈጢሩ ኣሎ። እቲ ሓደ ኤርትራ ናይ ሰላምን ልምዓትን ኣብነት’ያ ክብል እንከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ ኣይፋል ኣብነት ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሕጋዊ ውድቀት’ያ ዝብል ሚዛን ኣለዎ። ብግቡእ ከይተናበብና ብኣካል ንእከብ፡ ብዘይፍረ ንብተን መግለጺ ሓሳብ ዘይብሎም ምትእኽኻባት ኮይና ኣብ ኮለል ንነብር ኣለና። ስለዚ ከኣ ቀዳምነት ኣብ ድሕነት ህይወት ሰብ፡ ወሳንነት ህዝቢ፡ ኣድላይነት ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ተጻዋርነት፡ መሰረት ገይሩ ተቓሊሱ ዘቃልስ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ መሪሕነት ክንፈጥር ስለ ዘይከኣልና ፖለቲካዊ ሕመቕና በላዕቲ ይዕድመልና ኣሎ።
እዞም ብደግሲ ሕማም ምስፍሕፋሕ ዘይሰማዕካ ስማዕ ብዙሓት ስለ ዝኾና ናይ ግድን ወደብ ዓሰብ ክንውንን ኢና ዝነብሑ ዘለው ኣካላት ብተዘዋዋሪ ባዕላዊ ድኻምና ድፍረት ከም ዝሃቦም ኣይንጠራጠር። እዚ ብርግጽ ጻምእ ደምን ብርሰት እንተዘይኮይኑ፡ ጻምእ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕቤት ዘንቀሎ’ዩ ኢልካ ክትወስድ ዘደናግር ኣይኮነን። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ናይ ወራር ሒቕታ’ዩ። ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕጊ’ዩ። ገበን’ዩ። ነዚ ዘተባብዖ ግን፡ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ቅቡጽ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት’ዩ። ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣድኪዩ፡ በታቲኑ፡ ናይ ምድኻም ክኽተሎ ናይ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ውጥን ውጽኢት’ዩ። ምስኡ ዘለና ሕሳብ ናይ ጸላእን ፈታውን ቀዳማይ ግርጭት ስለዝኾነ፡ ካብ ምውጋዱ ወጻኢ፡ ከም’ዚ እንተዝብል እንተዝገብር ኢልና ንልግሶ ናይ ምእራም ፖለቲካዊ ምኽሪ የለን። መልእኽቲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ተደናጊሮም ንዝድግፍዎን ኣብ ገለ ኣካላት ደመበ ተቓውሞ ንዕዘቦ ዘለና ዘይቅርዑይ ኣካይዳ ንምእራም ዝዓለመ ’ዩ።
ቀዳማይ፡ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ብወግዒ መስፍናዊ ንጉሳዊ ስርዓት ኣይኮነን። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ሃሊዩና፡ ብህዝባዊ መረጻ ተወዳዲሩ ኣብ ስልጣን ዝመጸ’ውን ኣይኮነን። ብግልጺ ንኣድላይነት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ህዝባዊ መረጻን ዘይቕበል ብዊንታኡ ዝገዝእ ዘሎ እንኮ-ሰልፋዊ ዘይኮነ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ’ዩ። ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጸልመተ፣ ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ሃገሮም ተስፋ ከይህልዎም ዝገበረ፣ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ዘሎ በብዓይነቱ ጸጋታት ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል፡ ኣንጻር ድሕረትን ድኽነትን ከይረባረቡ ዝኣገደ ጸረ-ህዝቢ ገዛኢ’ዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ወዶም ጓሎም ብግፋ ኣብ መሳርዕ ሰራዊት እናእተወ፡ እቲ ሓንሳብ ምስ ሓለፈ ዳግማይ ዘይምለስ ናይ ንእሰነት ዕድመኦም፣ ኣካሎም፣ ህይወቶም ንከንቱ ዘጥፍእ ዘሎ ህዝባውን ሃገራውን ስምዒት ዘይብሉ ኣብ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝተኣማመን ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ምዃኑ እቶም ተደናጊሮም ዝድግፍዎ ወገናት ክስቆሮም ይግባእ።
ኤርትራ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዋ ልኡላዊት ሃገር’ያ። ንሱ ድማ ከም ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ዘቤታዊ ሓይሊ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብስም ኢምባሲ ኤርትራ ዝጽዋዕ ቤ/ጽሕፈታትን ብኣምባሳደራት ዝፍለጡ ልኡኻትን ኣለውዎ። ብሕጊ ኣብ ዝምረሓ ሃገራት ተልእኾ፡ ኤምባሲን ኣምባሳደራትን ረዚን’ዩ። ሕጋዊ’ዩ። ወኪል ህዝቢ’ዩ። ተልእኾ ኤምባስን ኣምባሳደራት እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኣብ ሃደን ዜጋታቶምን ዘይሕጋዊ ገበናዊ ተግባራትን ዝተዋፈሩ’ዮም። ንዜጋታት ብሃይማኖት፡ ብብሄር፡ ብቦታ፡ ከፋፊሎም ከረሓሕቑ፡ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ጽልኢ ክጽሕትሩ፡ ብዋጋ መንእሰያት ኤርትራ ናይ ውክልና ኲናት ከካይዱ ጸሓይ ዝዓርቦም ናይ ህዝብን ሃገርን ስምዒት ዘይብሎም ኣብድታት’ዮም።
ተገዲዶም ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝወጽኡ’ሞ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ዝተፈላለየ ናይ ገንዘብ ኣካል ህይወት ሓደጋ ንዘገጥሞም ዘሎ ኤርትራውያን ኣመት ክገብሩ ኣይረኣዩ። ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ንሳቶም፡ ደቆምን መቕርቦምን ኣብ ምቾት እናነበሩ፡ ወጻእተኛታት ካብ ሰብኣዊ ሓልዮት ተበጊሶም ኣብ ኤርትራውያን ግዳያት ንዘርእይዎ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓልዮት ኣየርእዩን። ስለዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራ ናይ ምጥፋእ መደብ ዘለዎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ከዕቅብ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ፖለቲካዊ ዕሽነት ወጻኢ ካልእ መግለጺ ከም ዘይብሉ ክርድኡ ይግባእ።
ኣነ ነብሰይ ስለዝፈተኹ ‘ምበር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ባእሲ የብለይን። ይድግፎየ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰላም ኣብ ካልእ የለን። መንግስቲ ኤርትራ መዘናን ዓርክን ሓያላት ሃገራት ራሻ፣ ቻይና’ዩ። ሕጂ ድማ ምስታ ከተምበርክኾ ፈቲና ዘይሰለጣ ኣመሪካ ዝምድና ጀሚሩ ኣሎ። ግብጽን ስዑዲያ ምስ ኤርትራየን። ስለዚ ከኣ ኤርትራ ኣብ ዓለም ተቐባልነታ እናሰፍሐ ተጽዕኖኣ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ ካብ ዝብል ተሓንጋሪ ግን ከኣ ብዕራይ ወለደ ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳ ሓራ ክወጽኡ ኣለዎም።
ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ታሕቲ ወሪዱ ምስ ህዝቢ ኤርትራ 5፡00 ሰዓት ተመያይጡ ዘይፈልጥ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሃገረ ግብጺ ናይ 5 መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ። እዚ ዑደት’ዚ ረብሓን ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዝገበረ ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ። ኣምለኽቱን ዝተደናገሩ ደገፍቱን ግን ከም ዘተኣማምን እንኮ መድሕን ልኡላውነት ኤርትራ ዘውሕስ ተግባር ፈጺሙ ዝተመልሰ ጀግና መን ከማኻ ክብሉ ቀኒዮም። እዚ ናብ ጥቓ ሓቂ ዘይቐርብ ብስለት ዝጎደሎ ስምዒታዊ ደገፍ’ዩ። ምኽንያቱ ብመደብ ህዝብታት ኤርትራ ንምድካይ፡ ንምድኻምን ምብትታንን ዝሰርሕ ዘቤታዊ ገዛኢ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ውክልና ኲናት ከካይድ ተልእኾ ተቐቢሉ ይመጽእ ‘ምበር፡ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዘኽብር ዲፕሎማስያዊ ስምምዓት ክገብር ከቶ ኣይሓሰብን። ስለምታይ? መጀመርታ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ‘ምበር ኣብ ግብጺ ኣይረጋገጽን። ካልኣይ ንህዝቡ ሕቖኡ ዝሃበ መራሒ፡ ኣብ ግብጺ ከይዱ ዘይነበሮ ህዝባዊ ሓልዮትን ሓላፍነት ክውንን ምጽባይ ዘይንቡር’ዩ።
ካልኣይ፡ ካብ ኣስታት ቅድሚ 2 ዓመት ጀሚሩ ካብ ኤሊት ጎረቤት ሃገር ንልኡላውነት ሃገርናን ግዝኣታዊ መሬትናን ኣመልኪቱ፡ ንሕና 130 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ወደብን ባሕርን ተዓጺና ኣይንነብርን። ካብ ወደብ ዓሰብ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ስለ ንርከብ ተጠቃምነት ዘይኮነ ዋንነት ከነረጋግጽ ኢና። ቅድሚ 30 ዓመት ንኤርትራ ልኡላውነት ንዝተዋህበ ኣፍልጦ ብግዝያዊ መንግስቲ ስለ ዝኾነ፡ ዝኾነ ብትካላዊ ስምምዕ ከም ዝተገብረን ዘረጋግጽ ሰነድ ስለ ዘይረኸብና ክንስርዞ ኢና። በብዓመቱ ኤርትራ ንወልድ ሃገር ኢና። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ 200 ሚሊዮን ህዝቢ ክንበጽሕ ኢና። 200 ሚልዮን ህዝቢ ብ2 ሚሊዮን ህዝቢ ኣፍ ደገ ባሕሪ ተዓጽዩ ክነብር ከኣ ቅቡል ኣይኮነን ብዝብል ቀጻሊ ጎስጓሳት ይግበር ኣሎ።
ነዚ ዝኾነ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነት ኤርትራን ይምልከተኒ’ዩ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ውድብ፣ በርገስ ማሕበር፣ ሃይማኖታዊ ትካል ብምስምስ ክሰግሮ ዘይግባእ፡ መርገጹ ከነጽረሉን ክኹንኖን ዘለዎ ቀይሕ መስመር’ዩ። እንተኾነ ግን ገለ ኣካላት ካብ ደምበ ተቓውሞ፡ ናይ ኩሉ ወሪዱና ዘሎ ጸገም ጠንቂ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ስለ ዝኾነ፡ ብዝኾነ መንገዲ ምስ ዝኾነ ሓይሊ ኮይንካ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ተታሒዙ ዘሎ ርድኢት የሰክፍ፡፡ እቲ ምስ ዝኾነ ሓይሊ ዝብል ስለምንታይ ምስ ዝኾነ ሓይሊ? ምስ መን ከ? ምስ’ቲ ንኤርትራዊ ሃገርነት ዝተዋህበ ኣፍልጦ ክስርዞ’የ ዝብል ዘሎ ኣካል? ዓገብ። ብሓቂ ናይ ኩሉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሕሰም ጠንቂ ዘቤታዊ ገዛኢ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘይንቡር ምሕደራ ናብ ንቡር ክምለስ ከኣ ናይ ግድን እዚ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ክውገድ ኣለዎ። ግን ብኸመይን ብመንን ይወገድ?
ኣብ ወደብ ዓሰብ ተጠቃምነት ዘይኮነ ዋንነት ከነረጋግጽ ኢና። ከም’ቲ “ዓቢ ዓሳ ንንእሽቶ ዓሳ ዝበልዕ” ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ንዝወሓደ ህዝቢ ይውሕጥ ብዝብል ቅሉዕ ዓመጽ ድሌትና ክንፍጽም ኢና ኣብ ዝብል ማእገር ተወጢሕካ ወይስ ኤርትራዊ ጸገም ብኤርትራዊ ውጥን ብኤርትራዊ ሓይሊ? ኣብ ድንግርግር ዝኣተው ወገናት ደው ኢሎም ደጋጊሞም ክሓስብሉ ኣለዎም። ናይ ግድን ኤርትራዊ ጸገም፡ ብኤርትራዊ ውጥን ብኤርትራዊ ሓይሊ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገጽ ክሕዙን ኣብኡ ክስብቱን ኣለዎም።
ከም’ቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ትሕተ ቅርጻዊ ልምዓታዊ መደባት ዋላ ሓንቲ ኣይሰራሕናን ኢሉ ብወግዒ እናተዛረበ፡ ደገፍቱ ልዕሊ ኢሳያስ ኮይኖም ኤርትራ ትለምዕ ኣላ። ትዓቢ ኣላ። ንዓለም ተዛርብ ኣለና ክብሉና ዝጸንሑ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብወግዒ ተጠቃምነት ዘይኮነ ዋንነት’ዩ ሕልምና ነዚ ከኣ ብሓይልና ከነተግብሮ ኢና ዝበሃለና ዘሎ፡ ኣይፋል ስለዝበልና ካብ ውሽጥና ተጋጊኹም እዝንኹም ዘይተባህለ’ያ ትሰምዕ። ንሳቶም ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ይኣምኑ’ዮም። ብዛዕባ ዓሰብ ዘልዕልዎ ዘለው ሕቶ ዋንነት ዘይኮነ ተጠቃምነት’ዩ ዝብል መጎት ክቐርብ ዘገርም’ዩ። ሓደገኛን ተሓንጋርን ፖለቲካዊ ርድኢት’ዩ። ስለ ዝኾነ በሃልቱ ዳግማይ ክሪእዎን ክእርምዎን ይግባእ።
ሳልሳይ፡ ነቲ ካብ ክሳብ ኣብ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ጽንዑ እምነት ዝነበሮን ዘለዎን ውድብ ህወሓት፡ ርክብ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝድግፍ ብምግላጹ፡ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ንዝድለ ስርዓታዊ ለውጢ ይዕንቅፍ ከም ዘሎ ኣምሲልካ፡ ኣብ ሕቑፊ’ቲ ብግልጺ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ኣይህብን ወደብ ዓሰብ ከኣ ተፈጥሮኣዊ ዋንነተይ’ዩ ዝብል ዘሎ ኣካል ኮይንካ ምቅዋም፡ ተሓንጋርነት ‘ምበር፡ ተሓላቕነት ናይ ልኡላውነት ኤርትራ ስለ ዘየርኢ ክእረም ይምከር። እዚ ኣብ ኣሳላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት እዚ ዞባ ዝተጸንዐ ሚዛን ከምዘለዎ ዘየርኢ፡ እዝንኹም ዘይተባህለ’ያ ትሰምዕ ዝዓይነቱ፡ ኣንጻር ጭብጢ ዝኾነ ፖለቲካዊ ድርቅና ንበሃልቱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ንሰላም ዞባና ስለ ዘይሕግዝ ብቕልጡፍ፡ ብንጹርን ብወግዕን ዳግመ ርእይቶ ተገይርሉ ክእረም ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ጠንቂ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራዊ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን ምዃኑ ኣሚንካ ካብ ተሓንጋርነት ብዝደሓነ ምቅላስ እንኮ ኣማራጺ ዘይብሉ መንገዲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ’ዩ መልእኽቲ ናይ’ዚ ዝጽሑፍ’ዩ።
ክብሮም ከሰተ
27 ሕዳር 2025