ህዝብታት ኤርትራ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝወርዶም ዝነበረ ዘስካሕክሕ ኩሉ-መዳያዊ ጭቆና፡ን20 ዓመታት ዝኣክል ዘካየድዎ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ቃልሲ ከዐውትዎ ስለ ዘይከኣሉ ብሓደ መስከረም 1961 ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ተገዲዶም ዝጀመሩላ ታሪኻዊት ዕለት ኢያ፡፡

እቲ ብተበግሶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጀመረ ዕጥቃዊ ቃልስና፡ ዋላ እኳ ፍትሓዊ ናይ ሓርነት ዕላማ ብምሓዝ ዝተበገሰ እንተነበረ፡ ነዚ ፍትሓዊ ዕላማታት ከዐውት ዝኽእል ቅኑዕ እስትራተጂታት ብምሕንጻጽ ተቓሊሱ ከቃልስ ዝኽእል ብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ክውነን ስለ ዘይተኻእለ መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልስና እናተጸገመ፡ ሃገራዊ ዓቕምታትና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላእቲ ክውደብን ከቕንዕን ብምግባር ምቅላስ ስለ ዘይተኻእለ ተቓላሳይ ዓቕምና ክዳኸምን ዕድመ ብረታዊ ቃልስና ክናዋሕን ህዝብታትና ካብ ዝግባእ ንላዕሊ መስዋእትን ስንክልናን ክኸፍሉን ዝተፈላለዩ ሓሳረ-መከራ ክርእዩን ክሳቐዩን ኮይኖም እዮም፡፡

እዚ ፖለቲካዊ ጸገማትን ድኽመታትን ብምንባሩ ድማ፡ ዕጥቃዊ ቃልስና ሳላሰሳ ዓመታት ክወስድ ክኢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እዚ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ' ድሕሪ ግንቦት 1991 ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትና'ውን ስለ ዝቐጸለ ናብ ዳግም ሓርነታዊ መሰላት ንምርግጋጽ ክንቃለስን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ክንሰጋገርን ተገዲድና ኢና፡፡

ምኽንያቱ እቲ ንሃገራዊ ናጽነትናን ህዝባዊ ሓርነታትናን ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ህዝባዊ ብረታዊ ቃልስና፡ ካብ ተራ ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽ ሓሊፉ፡ ናይ ህዝብታትና ዝተማለአ ሓርነታት ክንጭብጥ ዘኽኣለ ስለ ዘይኮነ፡፡ ብምዃኑ ድማ እዚ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ፖለቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ዝኸኣለ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ዲሞክራስን ዝዀነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ዘቤታዊ ጨቋኒ/ገዛኢ/ ሓይሊ ተሰጋጊሩ፡ ኩሉ መዳያዊ ሓርነታትና ብምዕፋን ህዝብን ሃገርን ብምርማስ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዕድል ክረክብ ኣኽኢሉዎ እዩ፡፡

ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰልና ንምዕዋት ዝካየድ ዘሎ ቃልስና ኣብ መስርሕ ቃልስና ዝዓሰላ ብርክት ዝበላ ውድባትን ግንባራትን ኣብ ምውሳእ ዝርከብ ዘሎ እኳ እንተኾነ፡ ሃገራዊ ተቓላሳይ ዓቕምታትና ኣብ ናይ ሓባር እምነት ዝስረት ሓባራዊ ጽላል ብምፍጣር፡ ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታትና ብግቡእ ብምልፋንን ምውዳድን ክንጥቀመሉ ስለ ዘይበቓዕና፡ ህዝባዊ ቃልስና ዘገምታውን ዘየድማዕን ብምዃኑ፡ ሕመቕን ድኻማትን ናይ ደምበ ተቓውሞና ንገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥረሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ተርእዮ ምዃኑ ሓቢእካ ዘይሕባእ ድኹም ጎኒ ናይ ህዝባዊ ቃልስና ኢዩ፡፡

ስለ ዝኾነ ደምበ ተቓውሞና ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ክባሃል፡ ብእምነት ውድብና ኣብ ሞንጎ ውድባት፡ ግንባራት፡ ህዝባዊ ማዕበላትን ወዘተ ዝረአ ዘሎ ናይ ዘይምክብባርን ሕድሕድ ዘይምትእምማንን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ክጭበጥ ዘይክእል ፖለቲካዊ ስልጣን ምብሃግን፤ ኣብ ሞንጎ ገዲምን ሓድሽን ተቓለስቲ ሓይልታትና ዝረአ ዘሎ ናይ ዘይምቅብባል መንፈሳትን ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓንቀፍቲ ድኽመታትና ዝውገድሉን ምትእምማን ዝፍጠረሉ ኩነታት ንምጭባጥን ንኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታትና ዝሓቑፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር /ጽላል/ ንምምስራት ዝበጋገስ ዘሎ ኣወንታዊ ርእይቶታት ንምዕዋት ልዑል ትዂረት ሂብና ክንቃለሰሉ ኣለና ዝብል ውድባዊ ናይ ቃልሲ መልእኽትና በዛ ኣጋጣሚ ታሪኻዊት ዕለት ነመሓላልፍ፡፡

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ናይ ከባቢና ሃገራት ፖለቲካዊ ጸገማት እናመዝመዘ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየን ኢዱ ንምእታው እናጸዓረ ብሓደ ገጽ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኤርትራ ናይ ሰላም፡ ምርግጋእን ልምዓትን ሃገር ምዃና እናገለጸ፡ ህዝብታትና ንዘውርደሎም ዘሎ ጭቆናን ጸገማትን ንምፍታሕ ክብሉ ኣንጻሩ ንከይቃለሱ ኣቓልበኦም ንግዳም ንምቕናዕ ዘካይዶ ዘሎ ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳትን ናይ ክተት ወፍርን፡ ህዝብታትና ኣብ ዝቐደመ ግዜ ደቆም ኣብ ዘይምልከቶምን ዘይጠቕሞምን ወግእ እናኣእተወ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ክሞቱን ክስንክሉን ዝገበሮም ከይኣክል፡ ሎሚ'ውን ነዚ ኣዕናዊ ተግባራቱ ንምድጋም ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ ምህላዉ ንዝኾነ ኣካል ዘይተኸወለ ሓቂ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ነዚ ናይ ሞትን ዕንወትን እከይ ዕላምኡን መደባቱን' ንምፍሻል፡ተቓወምቲ ሓይልታት ሃገራዊ ዓቕምታትና ብምውህሃድ፡ ንድሕነት ሃገርናን ህዝብታትናን ቀጻልነቶምን ንምርግጋጽ ብስጥመት ክንቃለስ ኣብ እንጥለበሉ ኩነታት ኢና ንርከብ ዘለና፡፡

መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ኣብ እንዝክረሉ ዘለና ወቕቲ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስም ተጠቃምነት ወደብን ባሕርን ብዝሒ ህዝቢ ኣለና ዝብል ምኽንያት መበገሲ ብምግባር ገለ ግዜ ብሰላም፡ ኣይተኻእለን ድማ ብዘለዎ ዓቕሚ-ሰብን ኣጽዋርን ተኣማሚኑ ብሓይሊ፡ ወደብናን ባሕርናን ብምውናን ክጥቀም ምዃኑ ብተደጋጋሚ ወግዓዊ መግለጺታትን ምድልዋትን ይገብር ከም ዘሎ ክሕበር ጸኒሑ እዩ፡፡ እዚ ድሌትን ምድላዋትን' ንሃገራውን ህዝባውን ነጻነትናን ልዑላውነትናን ዝፈታተን ፖለቲካዊ ተርእዮ ስለ ዝኾነ፡ ብወገን ውድብናን ህዝብታትናን ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ንሕብር፡፡

እቲ ክኸውን ዝግባእ ፍትሓዊ ኣገባብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብዛዕባ ወደብን ባሕርን ኣልባ ዝኾና ሃገራት ኣመልኪቱ ዝወጸ ናይ ተጠቃምነት መሰል ዘረጋግጽ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ተቐቢሉ፡ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ተኸቲሉ ኣብ ሞንጎ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ህዝብታት፡ ሰላማዊ ርክብን ምክብባርን ክህሉ፡ ሓባራዊ ረብሓ ዝረጋገጸሉ፡ ተደጋጊፎም ክዓብይሉ ዝኽእሉ ኩነታት ክፍጠር ምስራሕ ንክልቲኦም ሃገራትናን ህዝብታትናን ዝረብሕ ምዃኑ ክንሕብር ንፎቱ፡፡

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝሓለፈ 64 ዓመታት መስርሕ ህዝባዊ ቃልስና፡ ከነወግዶ ዘይካኣልና መሰረታዊ ፖለቲካዊ ድኽመት ናይ ቃልስና ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እናማሓደርና ሃገራዊ ዓቕምታትና ኣላፊንና ብሓባር ክንቃለስ ዘይምብቃዕና ዝፈጠሮ ጸገም እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ታሪኻውን ወድዓውን ድኽመትና' ከይፈታሕና ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ከነዐውት ስለ ዘይንኽእል ቀዳምነት ሰሪዕና ንምፍትሑ ክንረባረብ እዩ ዝህልወና፡፡

 

ዕላማታት ባሕቲ መስከረም፡ ብስሙር ህዝባዊ ቃልስና ከነዐውቶም ኢና!

 

ውድቀት ንጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ!

 

ክብርን ሞጎስን ንኩሎም ስውኣትና!

 

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

 

ሓደ መስከረም 2025