- ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-
- US pauses all pending green card applications from 19 'countries of concern'
- Eritreans lose their Norwegian citizenship for falsely claiming they fled from the Eritrean regime
- ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-
- ለበዋ ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ ማዕከናት ዜና ንዝነጥፉ ዘለው ተቓለስቲ፡-
- ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
- ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- With the media focused on Gaza, Christians across Africa fall to a globalizing jihad
- No internet, no social media, no digital activity; 99% people in this country live life in old, traditional way
- Pro-Eritrea TPLF says ready for war against Ethiopia
- ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
- Booming cross-border gold smuggling by the Eritrean and Tigrayan military
- Army 15 Opposes TPLF, Calls Peaceful Resolution to Contested Areas
- US State Department Report on Human Rights in Eritrea
- ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።
- This African country has no mobile internet access; here’s the surprising truth behind its digital blackout
- News: Eritrean Afar National Congress says ready armed struggle from Ethiopia, opens office in Semera
- ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን።
- ድምጺ ግፉዓት ዘይምዃን፡ ዘይተገዳስነት ወይስ ካብ ዝርገተ ሓሳብ ዝብገስ መርሆ ምስኣን?
We have 158 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ካብ’ታ ዝነኣሰት ግን ከኣ፡ መሰረት ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ዝኾነት ስድራ ቤት ጀሚሩ፡ ክሳብ’ቲ ዝዓበየ ብሃገር ደረጃ ዝኽሰት ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን ፍልልያት፡ ካብ ንኹልኻ ዘኽስር ተራ ህልኽን ጸለመን ርሒቕካ፡ ቅድም ቀዳድም ዘቤታዊ ጉዳይካ ገምጊምካ፡ መን ጠንቂ መን ሳዕቤን መዚንካ ንዕኡ ዝፍውስ መፍትሒ ሓሳባት ቀሪብካ ብተግባር ክትሰርሓሉ ይግባእ። ካብ’ዚ ወጻኢ ውሽጣዊ ጉዳይካ ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ክፈትሐልካ ምጽባይ፡ ኩለንተናዊ ረብሓኻን ክብረትካን ዘስእን ተሓንጋርነት’ዩ።
Read more: ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ኣህጉርና ኣፍሪቃ ናይ ባህሪያዊ ጸጋታት ድኽነት የብላን። በበዓይነቱ ክቡር መዓድናት ኣለዋ። ንኣግራብን ኣዝርእትን ሓዊስካ፡ ንኹሎም ህይወታውያን ፍጡራት ዝሰማማዕ ናይ ኣየር ጠባይ ኣለዋ። ክመሃር ክመራመር ክሰርሕ ዝኽእል ብዙሕ ሓይሊ መንእሰይ ዝርከባ ኣህጉር እውን’ያ። ግን ከኣ ብስእነት ህዝባዊ ውግንና ዘለዎ መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይልን፡ ብርሰት ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ህዝብታት ኣፍሪቃ ተጠቀምቲ ባህሪያዊ ጸጋታቶም ኣይኮኑን። ምንጪ እንጀራ ኣብ ማይ ቤቶም እናሃለወ፡ ብተናጸል ድዩ ብእኩብ ከም ህዝብን ብደረጃ መንግስትን፡ ሰብኣዊ ክብሪ ብዘዋርድ ኢዶም ናብ ምጽወታ ምዕራባውያን ካብ ምዝርጋሕ ደው ኣየበሉን። እቲ ኣፍራዪ ሓይሊ መንእሰይ ንዘመናዊ ባርነት ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዛጊት ናይ ድኽነት፡ ድሕረትን ኲናትን ተምሳሌት ኮይና ትቕጽል ኣላ።
Read more: ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ኤርትራውያን ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ክንዮ ሕቶ ሰላም ሕቶ ደሞክራሲ፡ ከም ህዝቢ ቅልጡፍ ፍታሕ ዝጠልብ ናይ ህልውና ሓደጋ የንጸለልወና ኣሎ። ጠንቂ ከኣ ካልእ ዘይኮነ ህልዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ’ዩ። ናይ ቀረባ ሓባራዊ ዕማም ደምበ ተቓውሞ ከኣ፡ ህልውና ህዝቢ ንምውሓስ ጠንቂ ኣብ ምውጋድ ዘትከለ ክኸውን ይግባእ። ጠንቂ ንምውጋድ፡ ኣሕዋትና እንድዮም፡ ነጻነት ዘምጽኡ እንድዮም፡ ንልኡላውነት ሃገር ዝከላኸሉ እንድዮም ብዝብል ምስምስ ምስኡ ዝደናገጽ ባህሪ ተሰኪምካ ከይትህሉ ገዛእ ርእስኻ ምፍታሽን ምቕባጽን የድሊ። ንሱ ዘደናግረሉ ጭርሖ ብንቕሓት ነጺርካ ምልላይ፡ ሓሶት ምዃኑ ምቅላዕን ምሕዳግን የድሊ። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ንግሩሃት ዘደናግረለን ቀንዲ ጭርሖታት፡ ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ሕድሪ ሰማእታት ኣይነዕብርን ዝብላ’የን። እንተኾነ ግን፡ እዚ ረዚን ጭርሖ’ዚ ናይ ደምበ ተቓውሞ ‘ምበር ናቱ ኣይኮነን፡፡ ንሱ ብፖለቲካዊ ባህሪኡ፡ ፖሊሲኡ፡ ተግባሩ ኣንጻር ናይ’ቲ ጭርሖ’ዩ።
Read more: ለበዋ ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ ማዕከናት ዜና ንዝነጥፉ ዘለው ተቓለስቲ፡-
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ብዝተነጸረ ስነ-ሓሳብ፡ ብሕጊ፡ ብግብሪ ዝተጠርነፉ ሰባት ( ኣባላት) ዘቖምዎ ውዳቤ’ዩ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ነይሩ ወይ ኣሎ ዝበሃል። ብዘቤታዊ መግዛእቲ ዝበጽሖ ዝተዋህለለ በደል ዘንቀሎ ብመጽናዕቲ ዘይኮነ ብስምዒት ዝተኣኻኸበ ብግቡእ ተናቢቡ ዘይወፈረ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ፡ ክንዲ ዝኾነ ቀልቢ ህዝቢ ዝስሕብ ግዝያዊ ንጥፈታት የርኢ፡ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝረአ ፖለቲካዊ ድዩ ግብራዊ ውቅዒት የዕርፍ፡ ምሉእ ቁመና ዘለዎ ሓደ ውድብ’ዩ ኢልካ ክትገልጾ ርትዓዊ ኣይኮነን።
Read more: ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ሃገራዊ ነጻነት ዝተደልየሉ መሰረታዊ ሕቶ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ከም ሰብ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉ ብሕግን ብተግባርን ተሓልዩ፡ ብህይወት ንምንባር ዘድልዮ መሰረታዊ ጠለባት ረኺቡ፣ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ወሳኒ ልኡላዊ ህዝባዊ ስልጣን ኣረጋጊጹ፡ ምዩቕ ከይበለ ብመስተርሆት ንኸነብር’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ካብ መጀመርታ 40ታት ክሳብ ሎሚ ከይረብረበ፡ ግን ከኣ ብምልኣት ሕቶኡ ከይመለሰ ብዓይነቱ፡ መልክዑን ዓቐኑን ዝፈላለ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ኣካይዱን ዛጊት የካይድ ኣሎን።
Read more: ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ሃገራዊ ነጻነት ዝተደልየሉ መሰረታዊ ሕቶ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ከም ሰብ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉ ብሕግን ብተግባርን ተሓልዩ፡ ብህይወት ንምንባር ዘድልዮ መሰረታዊ ጠለባት ረኺቡ፣ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ወሳኒ ልኡላዊ ህዝባዊ ስልጣን ኣረጋጊጹ፡ ምዩቕ ከይበለ ብመስተርሆት ንኸነብር’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ካብ መጀመርታ 40ታት ክሳብ ሎሚ ከይረብረበ፡ ግን ከኣ ብምልኣት ሕቶኡ ከይመለሰ ብዓይነቱ፡ መልክዑን ዓቐኑን ዝፈላለ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ኣካይዱን ዛጊት የካይድ ኣሎን።
ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ብዙሕ ኩለ-መዳያዊ መስዋእትን ኣንጻር ቀዳሞት ባዕዳውያን ገዛኢት ዝተኻየደ ሰላማውን ደማውን ህዝባዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1991 ብሓይሊ፡ ኣብ 1993 ከኣ ብሕጊ መደምደምታ ረኺቡ። ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ በቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ሃገርነት መዕቀኒ ቅቡል ኮይኑ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ውሽጣዊ ምምሕዳሩ ክብሪ ወዲ-ሰብን ልኡላዊ ናይ ምውሳን ስልጣን ህዝብን ዘይተረጋገጸሉ ክሊ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንበይኑ ግን ምሉእ መልሲ ኣይኮነን። ስለምንታይ? ብዘቤታዊ ሸነኹ ጎደሎ’ዩ።
Read more: ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
- ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።
- ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን።
- ድምጺ ግፉዓት ዘይምዃን፡ ዘይተገዳስነት ወይስ ካብ ዝርገተ ሓሳብ ዝብገስ መርሆ ምስኣን?
- ካብ ድሌቶም ወጻኢ ብኣካል ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣሕዋት ህዝብታት፡ ተራኺቦም ድዩ ክበሃል ዘለዎ ወይስ ተዓሪቖም?
- ብንጹር ስነ-ሓሳብ፡ ዓሚቕ ገምጋም ስራሕ፡ ዘይምራሕን ዘይግራሕን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ውጽኢቱ ደምበርበር ክኸውን ግድን’ዩ
- ዘይናትካ ናተይ ምባል ‘ምበር፡ ምኽንያታዊ ሕቶ ምቕራብሲ ኣየባእስን።
- جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
