ኣህጉርና ኣፍሪቃ ናይ ባህሪያዊ ጸጋታት ድኽነት የብላን። በበዓይነቱ ክቡር መዓድናት ኣለዋ። ንኣግራብን ኣዝርእትን ሓዊስካ፡ ንኹሎም ህይወታውያን ፍጡራት ዝሰማማዕ ናይ ኣየር ጠባይ ኣለዋ። ክመሃር ክመራመር ክሰርሕ ዝኽእል ብዙሕ ሓይሊ መንእሰይ ዝርከባ ኣህጉር እውን’ያ። ግን ከኣ ብስእነት ህዝባዊ ውግንና ዘለዎ መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይልን፡ ብርሰት ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ህዝብታት ኣፍሪቃ ተጠቀምቲ ባህሪያዊ ጸጋታቶም ኣይኮኑን። ምንጪ እንጀራ ኣብ ማይ ቤቶም እናሃለወ፡ ብተናጸል ድዩ ብእኩብ ከም ህዝብን  ብደረጃ መንግስትን፡ ሰብኣዊ ክብሪ ብዘዋርድ ኢዶም ናብ ምጽወታ ምዕራባውያን ካብ ምዝርጋሕ ደው ኣየበሉን። እቲ ኣፍራዪ ሓይሊ መንእሰይ ንዘመናዊ ባርነት ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዛጊት ናይ ድኽነት፡ ድሕረትን ኲናትን ተምሳሌት ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ብኩራት መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ጥሕሰት ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ድኽነት፣  ትሑት ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ፡ ተመሳሳልን ሓደን ‘ዩ ኢልካ ክግለጽ ኣይከኣልን። ኣብ ዓይነቱ፡ ዓቐኑ ኮነ መልክዑ ካብ ሃገር ናብ ሃገር መጠናዊ ፍልልይ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ውሱናት ሃገራት ዝረአ ዘሎ  እምቢ ንውልቀ ምልካዊ ምሕደራ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰልና ይከበር ዝብል ኣወንታዊ ብልጭታት ተቓውሞ ወተሃደራትን መንእሰያትን ከኣ ከም ተመክሮ ክንወስዶን ብተግባር ክንጥቀመሉን ይግባእ።  

  ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን፡ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ሃገርና ከይተኣታተወ፡ መመሓደሪ ሕጊ ዝቐርጹ ለባማት፡ ትርጉም ሰብኣውነትን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዝርድኡን ብኡ ተማእዚዞም ዝነባበሩን ዘሐብኑ  ወለዲ ከም ዝነበሩና ሰብ ጸጋ ዕድመን መዛግብቲ ታሪኽን ይሕብሩ። ቀዳሞት ወለድና፡ ኣብነት ግልጽነት፣ ህርኩትነት፣ ልግሲ፣ ሓባራውነት፣ ንስለ ህዝቢ ክበሃል ተወፋይነት፣ ጽንዓት ኣብ መትከል ገዛኢ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝነበሮም ናይ ቀረባን ርሑቕን ተዓዘብቲ ይምስክሩ።

  እዚ ብገንዘብ ዘይርከብ ህዝባዊ ክብርታት ኣብ ክንዲ ንዕቅቦ፡ ብዘሰክፍ መልክዑ ካብ ኣተሓሳስባና ይጠፍ ኣሎ። ብፍላይ እዚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝድይብ  ንደሓር፡ ዝነበረና ኣወንታዊ ህዝባዊ ክብርታት  ናብ ነበረ ይቕየር ኣሎ። ንሕና ኤርትራውያን  ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ፡ ተምሳሌት ናይ ውዱቕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን፣ ተምሳሌት ዓሚቕ ቁጠባዊ ድኽነት፣ ተምሳሌት ፍርሰት ማሕበራዊ ክብርታት፣ ተምሳሌት ሕጊ ኣልቦነት፣ ተምሳሌት ስደትን ሳዕቤናት ስደትን፣ ተምሳሌት ዘይምስምማዕን ዝርገተ ሓሳብን ኮይና ኣለና እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እኩብ ድምር ናይ’ዚ ኩሉ ኣሉታዊ ተምሳሌታት ከኣ ናይ ህልውና ሓደጋ የንጸላልወና ኣሎ። እዚ ደረጃ ክብደቱ ኣብ ምምዛን ይፈላለ እንተዘይኮይኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ሓቂ’ዩ። ናይ’ዚ ጠንቂ ከኣ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት’ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ህዝባዊ ቃልሲ ዝካየድ ዘሎ።  እንተኾነ ግን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ቅሩብነትና ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ስለ ዘይተቓደወ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመት ኣንጻር ዘቤታዊ ገዛኢ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ኣድማዒ ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን።

 ብፍላይ እቶም ርኡይ ተጽዕኖ ክፈጥሩ ዝኽእሉ፡ ብንቡርን ብሕግን ዘይኮነ፡ ብዘይንቡር ብግፋ ኣብ’ቲ ጸረ-ህዝቢ ትካል ዝኣተው፡ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝጽውዑ ብጅሆ ዝተታሕዙ ውጹዓት ወተሃደራት፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ናይ’ቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብንቕሓት ክርድኡ ብዘይምኽኣሎም ቀዳሞት ዕንቅፋት ናይ ለውጢ’ዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም፡ ናይ ህዝቦም፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዓፊኑ ብባርነት ንዝገዝእ፡ ነታ ብክቡር ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ ዝመጸት ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ድኹም ኩነታት ክትወድቕ ብምግባር፡ ንዳግመ ወራር ጸላእቲ ባይታ ንዘጣጥሕ ዘሎ ዘቤታዊ ገዛኢ ንምውጋድ ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ኣገባብ ተናቢቦም ኣብ ክንዲ ምስራሕ፡ ንሱ ኣብ ዘዝኣጎዶ ዘይፍትሓዊ ኲናት ኣትዮም ከንቱ ሞት ክሞቱ ወይ ድማ ብተናጸል ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ሓራ ንምውጻእ ሒዘሞ ዘለው ግጉይ ተረድኦ ሓይልታት ምክልኻል ስልጣን ኢሳያስ ‘ምበር ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ከም ዘይኮኑ የመልክት። ብርግጽ ገለ  ፈተነ ኣይገበሩን ማለት ኣይኮነን። ብውልዕ ጥፍእ ዝግለጽ ፈተነ ይገብሩ’ዮም። ኣድማ 1993፣   ኮሌኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለሉን ብኣብነት ዝጥቀስ’ዩ።

  ዛጊት ግን ሰብኣዊ ክብሮም ብዘዋርድ፡ ብዘይ ንድኻሞም ዝምጥን ክፍሊት፣ ብዘይ ሞያዊ ክብሪ፡ ብዘይ ሕጋዊ ናይ መዓርግ ዕቤት፣ ብዘይ ናይ ገዛእ ርእሶምን ስድራ-ቤቶም ማሕበራዊ ውሕስነት፣ ንሓለዋ ስልጣን ሓደ ሰብ’ዮም ዘገልግሉ ዘለው።  ውትህድርና ከም ኩሉ ዓውድታት ስራሕ ብህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኣፍልጦ ዘለዎ ክቡር ሞያ ‘ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን፡ ዝኾነ ሕጋዊ መምዘኒታት ዘይብሉ፡ ብፊንታ ሓደ ሰብ ካብ ገዛ፡ ካብ ስራሕ ድዩ ካብ መንገዲ ዝተረኽበ ሰብ ብግዴታ ተገፊፉ ዝኣትወሉ፣ ካብ ስድራ ቤቱ ተነጺሉ ዝነብረሉ፣ ስለምንታይ? ንረብሓ መን? ከይበለን ክቡር ህይወቱ ዝኸፍለሉ፣ ከም ተባዕታይ ኣድጊ ጉልበቱ ንጀነራላት ብባርነት ዘገልግለሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ስለዚ ከኣ  እዞም ኣካል ኣምሳል ውጹዓት ክፍልታት ሕብረተሰብ ዝኾኑ ወገናት፡ ቅድሚ ዝኾነ ኣብነት ኮይኖም መሰሎም ንምኽባር ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ኣገባብ ክለዓሉ ዘይምኽኣሎም ዘተዓዛዝብ’ዩ። ካብ’ዚ ተበጊሶም ድማ’ዮም ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ብትእዛዝ ውልቀ ሰብ፡ መሰል ካልኦት ግህሱን ንብረት ህዝቢ ክራስዩን ሆ እናበሉ ዝወፍሩ፡ መሰልና ይከበር  ኢሎም ከይሓቱ ዝሽቑረሩ ዕላማ ኣልቦ እኩባት ሰብረት ኢሎም ክገልጽዎም ዝስምዑ። ብሓቂ ድማ፡ ገዛእ ርእሶም ዝኸፍልዎ ዘለው ዋጋ፡ ኣብ ህዝቢ ዘውርድዎ ዘለው ታሪኻዊ ገበናዊ ዕዳ ተገንዚብካ፡ እምበርዶ ናይ ሰብ ስልጠና’ዩ ዝወሃቦም። እምበርዶ ካብ ዕድሜኦም ይመሃሩ’ዮም። እምበርዶ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ወተሃደራት ኣወንታዊ ተመክሮ ክወስዱ ይጽዕሩ’ዮም። እምበር’ዶ ትርጉም ህዝብን ህዝባዊ ክብርን ይርደኦም’ዩ ዝብል ሕቶ ከተልዕል ትግደድ። ወተሃደራት ካልኦት ሃገራት መሰሎምን መሰል ህዝቦምን ከኽብሩ ዝገብርዎ ንጥፈታት ርኢኻ ከኣ ብኣታቶም ትሓፍር።

ንኣብነት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት ንመልከት፡-

ቀዳማይ፡ ድሕሪ’ቲ ብ2020 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ዝተዋደደ ደማዊ ኲናት፡ ንሳቶም በጃ ኮይኖም ህዝቦም ካብ ምጽናት ከድሕኑ  ብሰናይ ፍቓዶም ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ትግራይ ዝተሰለፉ፡ ክቡር ዋጋ ከፊሎም ንህዝቦም ዘሕበኑን ንዓለም ዘገረሙን ብናይ ሎሚ ኣጸዋዋዓ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 መካይን ካብን ናብን ዝመሓላለፋሉ ቀንዲ መንገድታት ብምዕጻው፡ መሰልና ይከበር ዝብል ማሕበራዊ ጠለባት ክሓቱ ብማዕከናት ዜና ተኸታቲልና። ካብ ዘቕረብዎ ጠለባት፡- 1. ናይ ዓመተ 2013-2014  (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ዘይተኸፈልናዮ ገንዘብ ኣለና፣ 2. ወርሓዊ ክፍሊትና ኣብ እዋኑ ይመጸና የለን፣ 3. ሳእንን ክዳንን ይገበረልና፣ 4. ንመንበሪ ገዛ ዝኸውን መሬት ይወሃበና፣ 5. ኣብ ምምሕዳራት ከይድና ንነቕርቦ ሕቶታት መልሲ ኣይወሃበናን፣ 6. ብስሩ’ውን ከም ተጋደልቲ መጠን ክብሪ ኣይወሃበናን …ወዘተ ዝብል ይርከቦ።

 እቲ ኣብ በበይኑ ቦታት ኣስታት ን 4-5 መዓልታት መንገዲ ብምዕጻው ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ መንገደኛታት ካብ ጉዕዞኦም ካብ ምትእጉጓል ወጻኢ፡ ኣብ ሰብ ኮነ ንብረት ጉድኣት ከምዘይበጽሐ፡ ብወከልቶም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ህወሓትን ወተሃደራዊ መኮነናትን ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ኣብ ኣዳራሽ ብዘካየድዎ ሰላማዊ ዘተ፡ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ሰሚዕና። ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ  መሰልና ይከበር ዝብል ተቓውሞ ምልዓሎም ኣወንታዊ። ሕቶኦም ብሰላማዊ ዘተ መልሲ ክረክብ ተጽዕኖ ከሕድሩ ምኽኣሎም፡ ናቶምን መራሕቶምን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ደሞክራስያዊ ኣፈታትሓ ግርጭትን የመልክት። መሰሉ ዘየኽብር መሰል ካልኦት ከኽብር ትጽቢት ስለ ዘይግበር፡ መሰልና ይከበር ምባሎም፡ ነቶም መሰሎም ከየኽበሩ ብስም ምኽባር ልኡላውነት ሃገር መሰል ህዝቦምን ካልኦት ህዝብታትን ብምግፋዕን ንብረት ብምርሳይን ዝውቀሱ፡ ብስም ሓይልታት ምክልኻልን ሃገራዊ ድሕነትን ዝጽውዑ እኩባት ሰብ ብረት ኤርትራ ክንዲ ክጥቀምሉ ዝኸኣሉ ጽቡቕ ኣብነት’ዩ። 

ካልኣይ፡ ኣብ’ታ ልዕሊ 30 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማዳጋስካር መንእሰያት እታ ሃገር፡ 1. ብምቁርራጽ ማይን ኤሌትሪክን፣ 2. ብክብሪ መነባብሮ፣ 3. ስእነት ስራሕ፣ 4. ግዕዝይናን ኣድላዊ ምሕደራ መንግስትን ተማሪሮም ብዘካየድዎ ቀጻልነት ዝነበሮ ተባዕ ተቓውሞ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ኣንድሪ ራጃሊና ዝምራሕ ዝነበረ መላኺ ስርዓት ክድግፍ ዝጸንሐ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ተሓዊስዎ መንግስታዊ ዕልዋ ተገይሩ።ኣብ’ቲ ብተኸታታሊ ዝተኻየደ ማዕበላዊ ተቓውሞ 22 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት 100 ድማ ከም ዝቖሰሉን ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ወተሃደራዊ ክንፊ ድማ ነቲ ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ባዶነት ተቖጻጺሩ፡ ድሌት ህዝብን መንእሰያት ኣኽቢሩ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዘሰጋግረሉ  ገደብ ግዜ  ሓቢሩ ኣሎ። መራሒ ናይ’ቲ ፐርሶናል ኣድምንስትሬሽን ኤንድ ተክኒካል ኣድምንስትሬቲቭ ሰርቪስ ኮርፕስ ዝተባህለ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ክንፊ፡ ኮሌኔል ማይክል ራንድሪናራራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝጸንሐ ኮሚሽን መረጻ ተኣጊዱ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል 2 ዓመት ህዝባዊ መረጻ ክካየድ መደብ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብፋሽሽትነት ዝግለጽ እንኮ-ሰልፋዊ ዘይኮነ፡ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ንምውጋድ፡ ብጭቡጥ ናይ ምትግባር ዓቕሚ ዘለዎ ገዛእ ርእሱን ስድራ ቤቱን ኣብ ስቓይ ዝርከብ ውጹዕ ክፍልታት ሰራዊት ክንዮ’ቲ ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ዝተራእየ ማሕበራዊ ጠለባት፡ ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ኣገባብ  ወተሃደራት ማዳጋስካር ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብምድጋም፡ ገዛእ ርእሶምን ህዝቦምን ሓራ ብምውጻእ ነባሪ ታሪኽ ክሰርሑ ይግባእ።

                                                             ክብሮም ከሰተ

                                                             29 ጥቅምቲ 2025