ወየ ወየ ኣብ 24 ጥሪ ኣታ እንታይ ተረኸበ

ዓሪፍካ ዶ ኣብ ዉዑዩን ዝሑልን ዝተረኸበ

ወደባይ ኣለም መሐረና ዓሪፉ ዝብል ኣንቢበ

ወየ ወየ ወየ ክብለልካ ክንዲ ሐመድ ድበ‘‘

ዓቢ ኮኾብ ወዲቑ ደላይ ፍትሒ

ንሐቂ ሐቂ ዝብል ብዘይሸርሒ

መምህር ነርካ ናይ ህዝቢ መናቓቕሒ‘‘

Ist möglicherweise ein Bild von 1 Person und Text

ክብለካ ዶ ኣዝማሪኖ ኮኾብ ጽባሕ

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ረኸበ ፍታሕ

ራኢኻ ብሩህ ነሩ ብሕጊ ክንምራሕ’’

 

ኮኾብ ዶ ክብለካ ተስፋልደት ፍትሐዊ

ወደባት ኤርትራዊ ፈታዊ ህዝቢ መርሃዊ

ዓሪፍካ ዶ ተስፋልደት ሐርበኛ ሃገራዊ‘‘

 

ታሪኻ ዝፈልጥ ዘበለ ኩሉ በኣኻ ይሕበን

ኣብ ኣዝማሪኖ ገሊጽካዮ ናይ ኢሰያስ ገበን

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፊልካ ኣብ ጀርመን

መምህር ነርካ ተሐላቒ ናይ ህዝቢ ዓቢ ፍናን‘‘

ወየ ክብለሉ ንዓቢ ኮኾብ ወደባት

ኣለም መሐረና ሐብሐቢ ውጹዓት

ፍትሒ ይንገስ ዝጨረሔ ብንቅሐት‘‘

 

ተግባራት ናይ ፋሽሽቲ ህግደፍ ዘቃለሔ

ንህልቀት መንእሰያ ናብ ዓለም ዘጋውሔ

ንግድያት ዓዲ ኣቤቶ ኣስማቶም ዝዘርገሔ’’

 

ጽላል ዳዕሮ ዓሪፉ እዛ ዓለም እዞኣ ሞ

ወየ ክብለሉ ንመሬት ዓደቡኡ ዝሐረሞ

ታሪኽ እንበር ወዲ ሰብ ኣይኮነን ነባሪ

ሐርብርኛ ተስፋልደት ወትሩ ዩ ተዘካሪ

ወየ ወየ ኣፋንዉኒ ኢሉ ኣኺላ ዕምሪ‘‘

 

ኣንፈትና ከይንስሕት ተላብዩ ሚዒዱ

ኮኾብ ኤርትራዊ ወደባት ኣከለጉዛይ ዝዓዱ

ወደቦይ ኣለም መሐረና ዓዲ ኩልና ከይዱ‘‘

 

መርድእ ካብ ኣመሪካ ንኤርትራ

ወየ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ድያስፖራ

መርድእ

በጺሑኩም ዶ መተዓብይቲ ነስመራ‘‘

 

ብሰላም ዕረፍ ኒሕን ሐቦን እዝጊ ዝሃቦ

ተስፋልደት ዓቢ እንባ ነርካ ልሳን ዓደቦ

ኣብ መርበብካ ንዓቢ ኑኡስ ፍናን ትህቦ

ብሰላም ዕረፍ ዓቢ እንባ ሐርበኛ በዓል ሐቦ‘‘

 

ንተስፋልደት እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ የዋህ ኣምላኽና ኣብ ገነቱ ይቀበሎ‘‘ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ‘‘ንስድራቤቱ ጠሊ ይግደፈልኩም ጽንዓት ይሃብኩም‘‘እንዳበልኩ ክፋነወኩም‘‘ክብርን ሞጎስን ንሐርበኛታት ብጾትና‘‘ብሽም ደለይቲ ፍትሒ ገጣሚ ኣባል ተሐኤ ናይ ሐዘንኩም ተኻፋሊ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 29 ጥሪ 2024።