ብጻይ ከሰተ ተስፋማርያም ዓሪፍካ ዶ

ሐምድ ድበ ዕጫ ብጾትካ በጺሑኳዶ

ኣፋኑውኒ ኮይኑ ኣምላኽ ካብ ፈቐዶ፣

ወየ ወይ ሐርበኛ ከሰተ ሐረስታይ

ክብለካ ዶ ደላይ ፍትሕ ተቃላሳይ

ኣብ ዉዑይን ዙሑልን ዝርከብ ብጻይ፣

 

ኣንጊሁ ንነጻነት ኤርትራ ዝወፈረ

እወ ንሐርነት ንፍትሒ ዝጨደረ

ኣብ ድምጺ ዉጹዓት ራድዮ ኤረ

ኣብ ስቱድጋር ንብዙሐት ዝመሃረ፣

 

ዕምሪ ኣኺላ ኣፋኑዉኒ ካብ በልካ

ብትብዓት ንጭፍራ ህግደፍ ዝበዳህካ

የዋህ ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ፣

 

ስዉኣት ብጾትና ይቅሰን መቓብርኩም

 ከሰተ ተቃላሳይ ተሐኤ ዶ ክብለካ ሳግም

ልሳኑ ከይዓጸፈ እንቢ ንምልኪ ዘደጋግም፣

 

ወየ ወየ ወየ ሰብ ዶ ይነብር ታሪኽ እንበሪ

 ንድሕነት ህዝቡ ዝተቃለሰ ወትርዝ ተዘካሪ

ንፍትሒ ንሐርነት ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ

ሐርበኛ ከሰተ ሐረስታይ ብሰላም ዕረፍ፣

 

ወየ ወየ ከሰተ ጥዑም እንበር ሕማቕ ዘይወጾ

ወየ እንዳበልኩ ንሐዘነይ ብግጥመይ ክገልጾ

ጸረ ጉጅለ ህግደፍ ብዓውታ እንዳ ጨረሔ

ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ወጽዓ ህዝቡ ዘቃለሔ፣

 

ሐደ ብጻይኩም ካብቶም ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ ዝበሉ

ናይ መቃብር ብጾት ጋሻ ይመጽኣኩም ኣሎ ተቀበሉ

ሐርበኛ ከሰተ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ዘይዓጸፈ ቃሉ፣

 

ንብጻይ ከሰተ መንግስተሰማ የዋርሶ፣ንስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ይግደፈልኩም፣ብሽም ተኻፈልቲ ሐዘንኩም ኣባል ተ-ሐ-ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ፣ኡሉም ሃገር ጀርመን።