Date: 03/07/2019

ENCDCቃል መሪር ሓዘን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ዕርፍቲ ክብርቲ ኣዴና ወ/ሮ ዓሻ ዑስማን ኢድሪስ፣ በዓልቲ ቤት ጅግና ፈላሚ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ስዉእ ሓምድ

ኢድሪስ ዓዋተ፣ ዝተሰማዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ፣ ንመዋቲት ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ክቕበለን ንልዑል ፈጣሪ ንምህለል፣ ንኽቡራት ቤተ ሰበን መላእ ህዝቢ ኤርትራን፣ ብፍላይ ድማ ንኽቡር ተጋዳላይ ዶር. ከራር ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ጽንዓትን ኣኻእሉን ይሃቦም።

እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን፣ ስድራ ቤት ስዉእ መራሒ ሰውራናን ካልኦት ስድራ ቤታት ስዉኣትን ተጋደልትን፣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ፈጺሙ ዘይግደሰሎምን ኣዋሲንዎም ምህላዉን ኢዩ። እንተኾነ ግን ስርዓት ህግደፍ ኣሊና፣ ዕላማታት ሰውራና ብምሉኦም ብምርግጋጽ፣ ህዝብና ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝጒናጸፈሉ ኩነታት ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ድሕሪ ምቛም፣ እዞም ክቡራት ስድራ ቤታት፣ ጻማ ቃልስታት ኣቦታቶምን ደቆምን፣ ኣብ ሕብረተሰብና ዝግበኦም ክብርን ቦታን ክረኽቡ ከይተሓለልና ክንቃለስ ምዃንና ቃልና ነሐድስ።

ደጊምና ንክብርቲ ኣዴና ረቢ ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ይቀበልን፣ ንሙሉኣት ስድራ ቤት ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Date: 03/07/2019

كلمة عزاء ومواساة

بقلوب راضية بقضاء الله وقدره، تلقينا نبأ وفاة أرملة القائد الرمز الشهيد/ حامد إدريس عواتي، السيدة/ عائشة عثمان إدريس وإننا وإذ نتقدم بخالص التعازي وأصدق المواساة للمناضل الدكتور كرار حامد عواتي وإلى جميع أفراد أسرة القائد عواتي وشعبنا الإرتري المناضل، نرجو من الله العلي القدير أن يتغمد الفقيدة بواسع رحمته وأن يلهم الأسرة الكريمة جميل الصبر وحسن السلوان.

ولا يسعنا في هذا المصاب الجلل، إلا أن نعبر عن الحسرة التي نشعر بها ويشعر بها أبناء شعبنا بسبب الظلم والتجاهل الذي عانته هذه الأسرة المناضلة وغيرها من أسر الشهداء والمناضلين الأبطال من قبل النظام الديكتاتوري الشمولي في إرتريا. إلا أننا في الوقت نفسه نؤكد على أننا سنواصل نضالنا دون هوادة حتى يسقط النظام الديكتاتوري القائم وتتحقق أهداف ثورتنا المجيدة في بناء دولة يتمتع في ظلها شعبنا بالحرية والعدالة والمساواة، ولتتبوأ أسر مناضلينا وشهدائنا الأبطال مكانتها الطبيعية في المجتمع، ويكرم أبناؤها نظير ما قدمه الآباء والأجداد من تضحيات جسيمة من أجل حرية واستقلال إرتريا.

إنا لله وإنا إليه راجعون..

المكتب التنفيذي

للمجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي