ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዳርጋ ኹሉ ንጥፈታት ሃገራት ኣደስኪሉ፡ ንህዝቢ ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ኣገዲዱ'ሎ። መንግስታት ዓለም ድማ፡ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ ኩሉ ዓቕሞም፡ ኣብ ምክልኻል እዚ ለበዳን ቀጻሊ እዋናዊ ስጉምትታትን ይወስዱ ኣለዉ።

 

Image copyright YEMANE GEBREMESKEL/TWITTER ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ

መብዛሕትኦም መራሕቲ ዓለም፡ ንህዝቦም ኣብ ምርግጋእ ኮነ መምርሒታት ንምሃብ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡን፡ ኣብ መሳዂቲ ተሌቪዥናት ሃገሮም ክቐርቡ ይራኣዩ።

ኣብታ ዛጊት 35 ሰባት ተለኺፎማ ዘለዉ ኤርትራ ግን፡ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ደሃይ ኣጥፊኦም ዝብል ነቐፌታት ይስማዕ ኣሎ።

ነቲ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝግበር ዘሎ መኸተ ዝመርሖ ዘሎ ሓደ "ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም" ምዃኑ ዝጠቅስ ሓበሬታ'ኳ እንተሎ፡ በየኖት ኣካላት ወይ ሰባት ዝቖመ ምዃኑ ዝሕብር መግለጺ ኣይወጸን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣበይ ኣበለ?

Image copyright ERI-TV ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘራረብሉ ዘለዉ ጉዳይ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣበይ ኣበለ ዝብል'ዩ።

መራሕቲ ዓለም፡ ኩሉ ካልእ ንጥፈታቶም ኣወንዚፎም፡ እንኮ ኣተኩሮኦም ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝገብሩሉ ዘለዉ እዋን፡ መራሕቲ ኤርትራ ከም መዘናታቶም መራሕቲ ብዘይምግባሮም ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ'ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ህጹጽ ናይ ለበዳ ስግኣት ክሳብ ሕጂ ብዝኾነ ኣገባብ ንህዝቢ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መራሕቲ ኢጋድ ብመንገዲ ኢንተርነት ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝዘተዩ'ሉ እዋን'ውን ኣይተረኽበን። ኤርትራ ንኢጋድ ካብ እትሕሰሞ ነዊሕ ገይራ'ላ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከም ዝነብር ዝንገረሉ ፕረዚደንት፡ ሳሕቲ'ዩ ንህዝቢ መግለጺ ዝህብ። እዚ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ሃገራውያን በዓላት፡ መመረቕታ ተዓላሞ ሳዋን፡ ኣብቲ ምስ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ዘካይዶ ሳሕቲ ቃለ መሕትታትን'ዩ።

በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ዘይራኣየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ጥዕንኡን ሃለዋቱን ዝተፈላለዩ ወረታት ክናፈስ ዝስማዕ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ 'ሞይቱ፡ ሓሚሙ፡ ተዳኺሙ' ዝብል ወረ ምስተነዝሐ፡ ምስ ምሉእ ጥዕናኡን ዓቕሙን ምህላው ዘርኣየ ቃለ መሕትት ገይሩ ነይሩ።

ካቢነ ምኒስትሪታት'ከ?

እቲ 'ስማዊ' ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘየካይድ ካቢነ ሚስተራት፡ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ወይ ክልተ ሳብ እዩ ዝእከብ።

ዋላ'ኳ እቲ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝወሃብ ሓበሬታ ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ይወጽእ እንተሎ፡ምኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሑሰን፡ ብኣካል ኣብ ሚድያ ቀሪባ ዝኾነ መግለጺ ዘይምሃባ ብዙሕ ሕቶታት ፈጢሩ'ሎ።

እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ ሰብዓታት ብዘለዉ ሚኒስተራት ዝተዓብለለ ካቢነ፡ ብዛዕባ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ክዘራረብ ኮነ ውሳነታት ከሕልፍ ስለዘይተራእየ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣገሪሙ ኣሎ።

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብዘይወግዓዊ መግለጺ ካብ ዝፈርስ ንደሓር፡ እቲ እንኮ ከም ትካል መንግስቲ ዝጥቀስ ካቢነ ምኒስተራት ጥራይ እዩ።

ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ19 ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታትን ብድሆታቱን

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ቻይና ምስ ተላበዐ፡ ብናህሪ ናብ ካልኦት ሃገራት ክዝርጋሕ ተራእዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ክስተት፡ ብዛዕባ'ቲ ለበዳ ንህዝቢ ብወግዒ መግለጺ ክህብ ጀሚሩ።

ኣብ መጋቢት 11 ብሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝወጽአ "እዋናዊ ሓበሬታ"፡ ካብተን ሽዑ እቲ ለበዳ ዝተራእየለን ከም ኢጣልያን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገያሾ ክውሸቡ ምዃኖም፡ ኤርትራውያን ጉዕዞታቶም ከወንዝፉን፡ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ጎስጓስን ሓበሬታ ክህብ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ብቐጻሊ መግለጺታት ብጽሑፍ የውጽእ ኣሎ። ማዕከናት ዜና መንግስቲ'ውን ነዚ የቃልሓ ኣለዋ።

ኣብ መጋቢት 21 ሓደ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ኤርትራዊ ምስ ተረኽበ ድማ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ገለ ትካላት ንግዲ ክዕጸዋን ምንቅስቓስን ምእካብን ክድረት ተወሲኑ።

ብ23 መጋቢት ቁጽሪ ዝተለኽፉ እናወሰኸ ምስ ከዳ ኸኣ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር ኩሉ "ንግዳዊ" በረራታት ተኣጊዱ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ብ26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ካብ 27 ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲን መጓዓዝያን ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብ1 ሚያዝያ ድማ፡ ብስም "ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም" ዝወጸ መግለጺ፡ መንግስቲ ምሉእ ዕጽዋ ከም ዝኣወጀ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቁጠባዊ ሕጽረታትን ዘለዎ መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ሕማም እኹል ምድላዋት ስለዘይገበረ፡ ኣብታ ሃገር ከይተፈትሐ ምስ ዝጸንሐ መሰረታዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ነቲ ኣዋጅ ፈታኒ ኮይኑዎ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ህዝቢ ድራር እለቱ ንምምእራር ካብ ገዛ ክወጽእ ይግድድ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ።

እኹል ዝስተን መተሓጻጸብን ማይ መሰረታዊ መከላኸሊ እቲ ሕማም ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ኣብ ከተማ ኣስመራ ናይ ማይ ሕጽረት ምህላው ሰብ የማርር ኣሎ።

ኣብ ከተማ ከረን እውን መንግስቲ ብቦጣት ብስሩዕ ማይ ክዕድል ጀሚሩ እኳ እንተሎ እቲ ሕጽረት ግን ኣብ ቦትኡ ምህላው ነበርቲ ይዛረቡ።