ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብገዳማዊ ሓይሊ ዘይኮነ ብዘቤታዊ ገዛኢ ናይ ህልውና ሓደጋ ካብ ዘጋጥሞ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝጠንቁ ስቓይ ከኣ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዓቐንን ብዓይነትን ይውስኽ ደኣምበር ይቕንስ የለን። ዓቕሉ ዝጸበቦ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ብዘረኸብዎ ኣጋጣሚታት ተጠቒሞም ህይወት ንምድሓን ብእግረይ ኣይውጽእኒ ካብ መቑሕ ባርነት ክሃድሙ፡ ካብ ኤርትራ ሰጊሮም ዘዕርፉለን ጎረባብቲ ሃገራት ክሳብ ብባሕሪ ድዩ ብኣየር ናብ ርሑቕ ስደት ይጎዓዙን መሊሶም ኣብ ካልእ መጻወዲያ ይእትው ኣለውን።

 ዜጋታትና ኣብ ማይበቶምን ሃገሮምን እፎይታን ክብርን ኣይረኸቡን። ኣብ ጉዕዘኦም ከኣ ግዳይ ምንጪ ኣታዊ ደላሎ ይኾኑ ናይ ኣድሕኑና ኣውያት የስምዑ ኣለው።  ኣብ ልምዓት እንተዝውዕል ብዙሕ ሽግራት ከቃልል፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር ዝኽእል ዝነበረ ኤርትራዊ ገንዘብ፡ ኣብ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ዝተዋፈሩ ነጋዶ ደምን ጽላል ዝኾንዎም መሓውራት መንግስትን ጁባ ኣትዩ ይጠፍ ኣሎ። ልዕልቲ ገንዘብ ከኣ ኤርትራዊ ዜጋ ሰብኣዊ ክብሪ ስኢኑ ይዋረድ፣ ይጋፋዕ፣ ይእሰር፣ ይቕዘፍ ኣሎ።

 ብወግዓውን ብዘይ ወግዓውን፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን  ኣንጻር ዓመጽን ዓመጽትን ኢና ዝብሉ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝነጥፉ ምጥርናፋት፡ (ውዳቤታት) ከኣ እንተዘይበዚሖም ኣይወሓዱን። ብተናጸል ንስለ ህዝቢ ቆይምና ዝብሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ውድባት፡ ግንባራት ብዙሓት’ዮም። ስቪክ ማሕበራት’ውን ከምኡ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት እንተዘይበዚሖም ኣይውሕዱን።መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ሕጋዊ ወረቐት ዘለዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ወግዓዊ ፍቓድ ዘለዎምን ዘይብሎምን ማዕከናት ዜናን ኣለው’ዮም። እዚኦም ኩሎም ብመንጽር ቆይምናሉ ዝብልዎ መትከላት፡ ብከም’ቲ ዝድለ ድምጺ ግፉዓት ስደተኛታት ኮይኖም ዓገብ ክብሉ ኣይስምዑን። ጌርና እንተኢሎም ከኣ ንፍርዲ ኣይትርትዑና ዓይነት ጅምር ግድፍ ‘ምበር ቀጻልነት ብዘለዎ፡ ተናቢቦም ብሓባር ወፊሮም ነቲ ዝጀመርዎ ኣብ መደምደምታ ከብጽሕዎ ኣይረኣዩን። ሕድሕዶም ኣፍልጦ ተወሃሂቦም ብግቡእ ተናቢቦም ተሓታትነት ብዘለዎ መደባት ሰሪዖም ስለ ዘይወፍሩ ከኣ፡ ነቲ ስለኻ ዝብልዎ ህዝቢ ኣይኮነን ብተግባር ካብ ኣትይዎ ዘሎ ስቓይ ከድሕንዎ ተስፋ ክኾንዎ ኣይከኣሉን።

 መሰረታዊ  ፖለቲካዊ ለውጢ ዘምጽእን ሰብኣዊ ክብረት ዘውሕስን  መስመር ንጎኒ ገዲፎም፡ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ድሕነትን ክብረትን ልኡላውነት ሃገር ዝብል ብዘቤታዊ ገዛኢ ዝቃላሕ ፕሮፖጋንዳ  እናደገሙ “ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ” ከም ዝበሃል፡ ድሑር ማሕበራዊ ሕማማት እናሳወሩ ሕድሕዶም ክካሰሱ ግፉዓት ዝድሕንሉ ወርቃዊ ዕድላት የባኽኑ ኣለው። ኣብ ውሽጢ ሃገር ድዩ ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ንዝበጽሕ ኢ-ሰብኣዊ በደላት ንምክልኻልን ንምፍታሕን ሓቢሮምን ተናቢቦምን ክወፍሩ ዝግበኦም ክንሶም፡ ኣመት ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝከላበት ዝእሰርን በስገዳድ ዝባረርን ዘሎ ወገኖም ዘይምግባሮም እምበር’ዶ እቲ ኢና ዝብልዎስ ሓቂ’ዩ ዝብል ሕቶ ከተልዕል ይደፍኣካ።

 ዘቤታዊ ጸላኢ ኣብ ምፍራስ ሓቢሮም ከይሰርሑ ብናይ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ዕላማታት ክረዳድኡ እንተዘይከኣሉን ግዜ እንተወሰዱን፡ ተጽዕኖ ዝፈጥር ጸጥታዊ ስግኣት ኣብ ዘይብሉን ናይ ምዝራብ መሰል ኣብ ዝተኽብረሉ ምዕራባዊ ዓለም ብዝርከቡ መሓውራቶም ኣቢሎም ድምጺ ግፉዓት ዘይምዃኖም ብርግጽ የተዓዛዝብ። ኤርትራውያን ሰብኣዊ መሰሎም ይርገጽ ኣሎ። ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ንመሰል ስደተኛታት ይከበር። መንግስታት ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ሊቢያ፣ ኬኒያ፣ ኡጋንዳ ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ትፍጽምዎ ዘለኹም ጃምላዊ በደላት ደው ኣብሉ። ምስ’ቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ብትፈጥርዎ ፍቕርን ፍትሕን ህዝቢ ኣይተከላብቱ። ናይ ህዝብታት ታሪኻዊ ዝምድናን ባህግታት ሰላማዊ ሓባራዊ ዕቤትን ኣይተበላሽው።

 ህይወቶም ከድሕኑ ሃዲሞም ንዝመጽእኹም ኤርትራውያን ሰብኣዊ መሰል ኣይትንፈጉ ኣይተጋፍዑ። ገበን ዝፈጸሙ ውልቀ ሰባት እንተሃልዎም ብመጠን ዝፈጸምዎ ጌጋ ብሕጊ ይተሓተቱ። ብጉልባብ ሃገራዊ ጸጥታዊ ስግኣት ጃምላዊ ማእሰርትን ኣስገዲድካ ንቀታሊ ምርካብን ሕጋዊ ኮነ ሞራላዊ ቅቡልነት የብሉን። ብሓቂ ጸጥታዊ ስግኣት ኣለና እንተተባሂሉ’ውን መፍትሒኡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ምግፋዕን ምብራርን ዘይኮነ ርግእ ኢልካ ምጽራይ’ዩ። ብዋሕስ ክነብሩ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፈልጦን ዝከታተሎን መዓስከር ከፊትካ ኣብኡ ክዕቆቡ ምግባር፡ እኹል ግዜ ሂብካ ካብ ሃገርና ውጹልና ኢልካ ናብ ሳልሳይ ሃገር ውጽኡልና ዝብል ኣማራጺታት እናሃለወ፡ ብዘይ ፍርዲ ሰባት ንነዊሕ ግዜ ምእሳርን ምብራርን ጥሕሰብ ሰብኣዊ መሰል’ዩ ኢሎም ሓባራዊ ዲፕሎማስያውን ዜናውን ወፍሪ ክገብሩ ዘይምኽኣሎም ይገርም።

 እዞም ኣብ ክሊ ደምበ ተቓውሞ ዘለው ምጥርናፋት(ውዳቤታት) ሎሚ ኣብ’ዚ ፈታኒ ወቕቲ ድምጺ ግፉዓት ኮይኖም እንተዘይተረኺቦም፡  መዓስን እንታይ ምስ ኮነን’ዮም ወገን ህዝቢ ምዃኖም ከረጋግጹ? ናብ ኤምባሲታት ሃገራት ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ሊቢያ፣ ኬኒያ  ከይዶም ዓገብ ምባል፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ዝምልከተን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጭቡጥ መረዳእታ ሒዞም መዓጹ ኳሕኲሖም ቀሪቦም ነቲ ኩነታት ንምርዳእ እንታይ የጸግሞም? ዘወሃህድ መሪሕ ምስኣን? ወይስ ተስፋ ምቑራጽ ንስንፍና ኢድካ ምሃብ?   

ብፖለቲካ፡ ብሕጊ ኮነ ብተግባር ናብ ሓቂ ዝቐረበ ጭቡጥ መረዳእታ ኣብ ዘይብሉ፡ “ጽምዶ” ዝብል ተራ ፕሮፖጋንዳ ዘቤታዊ ጸላኢ ካብ ምክትታል፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ኣብ ሱዳን ካርቱም፣ ኣብ ካይሮ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሊብያ፣  ዶባት ኡጋንዳ ኬኒያ  ዘሕልፍዎ ዘለው ስቓይ ትኹረት ክስሕብ፡ መፍትሒ ንምርካብ ብጽፉፍ መጽናዕቲ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክእቶ ይግባእ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ የድሊ ኣሎ። ኣነ ድማ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ ገዛእን ናይ ለውጢ ኣካልንየ እናበልካ፡ኣብ ዜጋታትካ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰት ሸለል ኢልካ፡ ናብ’ቲ  “ጽምዶ” ዝብል ባዶ ፕሮፖጋንዳ ትኹረት ምግባር ምልክት ዛዕባኻ ምዝንጋዕን’ዩ።  

ብመሰረቱ ምጥርናፍ (ውደባ) ዘድሊ’ኮ ንስም ንዝና ንውልቀ ክብሪ ኣይኮነን። ዝተፈላለየ ዝዓይነቱን ደረጃኡን ጸገም ህዝቢ ንምፍታሕ፡ ናይ ተሰማዕነት ሓይሊ ንምርካብ’ዩ። ብወግዒ ኣነ እከለ ዝተበሃልኩ ኣካል ደምበ ተቓውሞ ዝኾንኩ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ውድብ፣ ግምባር፣ ስቪክ ማሕበር፣ ሃይማኖት፣ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል፡ ወናኒ ኣካያድን በዓል ሞያን መዕከን ዜና’የ እናበልካ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዜግነቶም ስደተኛታት ብምዃኖም ዝከላኸለሎም ወገን ስኢኖም ግዳይ ናይ ጸጥታ ኣካላት እናኾኑ እንከለው፡ኣለናልኩም ዝብል ድምጺ ዘይምሃብ፡ ዘይተገዳስነት ወይስ ካብ ዝርገተ ሓሳብ ዝብገስ መርሆ ምስኣን? 

                                                           ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                            16 ሓምለ 2025