ካብ እዝኒ ዓይኒ፡ ካብ ቃል ተግባር’ዩ ዝያዳ ዝእመን። ድሕሪት ምልስ ኢሉ ከም ህዝቢ ዝመጻእናሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ንዝዝክርን ዝግምግምን ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ኮነ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብገለ ኤርትርራውያን ዝንዛሕ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ ርትዓዊ ሚዛንካ ዘስሕት ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ ፖለቲካዊ ተፈጥሮን ፋሽሽታዊ ተግባርን ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ብእዝኒ ጽሮት ዘይኮነ ብዓይኒ፡ ብቃል ዘይኮነ ብተግባር ዝፍለጥ ስለ ዝኾነ ብፕሮፖጋንዳዊ ስብከቱ ተደናጊረ፡ ሓቂ መሲሉኒ ኢልካ ከተመኽንየሉ ዘኽእል ቦታ የብሉን።
ብዛንታ ብክለሰ-ሓሳባዊ ተንታን ዘይኮነ ብተግባር ልዕሊ 34 ዓመት ካብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መሰላት ክሳብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ጨፍሊቑ፡ ብስም ስውኣትን ምኽባር መሬታዊ ልኡላውነትን እናተመጻደቐ ንዝገዝአካ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት በቲ ልክዑ ከተለሊ ዘይምኽኣል መሰረታዊ ዛዕባኻ ምዝንጋዕ፡ ካብ ጥዑይ ሰብኣዊ ሕልና ምውራድ፡ ኣብ ከማኻ ሰባት ምምላኽ ’ዩ።
ድሕሪ 34 ዓመት ዘስካሕክሕ ዘቤታዊ መግዛእቲ ሓድሽ ናይ ሰላም፣ደሞክራሲ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ልኡላውነት ህዝቢ፣ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ዝተመስረተ ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት …ዝብል ኣወንታዊ ሓሳብ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምጽባይ ፖለቲካዊ በሃምነት’ዩ። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ቅድሚ ምስ ካልእ ኣብ’ታ “ትማሊ ሻዕብያ ሎሚ ሻዕብያ ጽባሕ ሻዕብያ” እናበለ ዝፍክረላ ማይ ቤቱ ምትእምማን የብሉን። ጽምዶ የብሉን። ምስ’ቲ ኩለንተንኡ ከፊሉ ኣብ ደረጃ መንግስታዊ ርኻብ ዘብጸሖ ህዝቢ ኤርትራ ከብድን ሕቖን ዝኾነ ጸረ-ህዝቢ ገዛኢ’ዩ። “ ንልዕለኻ ባሪያ ንትሕተኻ ጎይታ ኮይንካ ኪድ” ብተግባር ዝንበብ ዘይተጻሕፈ ሕጊ ዝምራሕ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ። እሞ ኣብ ማይ ቤቱ ብጎይታን ጊላን ዝምራሕ ጸረ-ሰብኣውን ደሞክራስያውን ገዛኢ ደኣ፡ በየናይ መለክዒ’ዩ ምስ ካልእ ህዝቢ፡ ክእመን ዝኽእል ተሓታትነት ዘለዎ ጥዑይ ዝምድና ክፈጥር’ዩ ኢልካ ዝሕሰብ?
ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ናይ ህልውና ሓደጋ ከጢምዎ ኣብ ዘሎ ኣዝዩ ፈታኒ ወቕቲ፡ ገለ ወገናት “ሰብኣይ ክልተ ኒዮው ነጀው ክብል ሞተ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ መንጎ ሰናይ ድሌትን ጭቡጥ ክውንነትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ምስማዕ የተዓዛዝብ። ተበታቲኑ ኣብ መዓልታዊ ዋኒኑ ተጸሚዱ ዝውዕል፡ ግን ከኣ ብጻምእ ሰላምን ደሞክራስን ዝሳቐ ዘሎ ዘይተወደበ ሓፋሽ ድምጺ ሰላምን ዕርቅን ሰሚዑ ዕልል እንተበለ ንቡር’ዩ። እንተተደናገረ’ውን ኣይገርምን። ናይ ለውጢ ተቓላሳይ’የ እናበልካ ጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ዘቤታዊ ገዛኢ፡ ከም እንደገና ብሓድሽ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ተሰሪሑ ከም ዝመጽአ፡ ንናይ ጥፍኣት መደቡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብኣወንታ ከተቃልሓሉ ምፍታን ግን ካብ ዕድሜኻን ተመክሮኻን ዘይምምሃር’ዩ።
ህልዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ሓቀኛ ሰላምን ዕርቅን ዘመንጩ ሓሳብ ቅድሚ 1991 ኣይነበሮን። ኣብ’ዚ 34 ዓመት ዘቑጸረ ዘመነ ኢደ-ወነናዊ ስልጣኑ ኣየርኣየን። ንቕድሚ’ውን ከም’ዚ ዓይነት ቅኑዕ ኣረኣእያ ክውንን’ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለምንታይ? ብባህሪኡ ጽልኢ ይፈጥር፡ ኲናት ይውልዕ፡ ንዕኡ የመሓድር፡ እቲ ሓደ ደማዊ ኲናት ዘጥፈአ ኣጥፊኡ ምስ ኣዕረፈ፡ ካልእ ደማዊ ኲናት የጀምር’ሞ ንዕኡ የሳሲ ደኣምበር፡ ዘይተፈጥሮኡ ክገብር’ሲ ኣይክእልን። ህዝባዊ ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ምስኡ ኣይኸይድን። ነዚ ጭቡጥ ሓቂ’ዚ ዘይምቕባል ንካልእ ዘይኮነ ገዛእ ርእስኻ ምትላል ምውራድ’ዩ ትርፉ። ብተግባር ኣብ ዝባን ኣሓትካን ኣሕዋትካን ገዛእ ርእስኻን ንዝፍጸም ኢ-ሰብኣዊ በደል፡ ተቐቢልካ ርእስኻ ደፊእካ ምኻድ ምስ ባርነት ምልምማድ ‘ምበር ፖለቲካዊ ብስለት ወይ ሕሉፍ ተገዳስነት ብኽብረት ልኡላውነት ሃገር ኣየመልክትን።
ብዝተጸምደ ቅኑዕ ኣረኣእያ ዘይተደገፈ “ ጽምዶ” ንዝብል ባዶ ቃል ሒዝካ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሚዛን ዘይብሉ ናይ ምልፍላፍ ኣመል ንዘለዎ ሰብ ማዕረ ወግዓዊ ሚኒስተርን ልዕሊኡን ሰሪዕካ፡ እዚ ንሱ ዝብሎ ዘሎ ናይ መንግስቲ ርእይቶ’ዩ። ኢሳያስ ካብ ቀደሙ ንቕድሚት ክገብሮ ንዝደሊ ብከም’ዚ’ዩ መልእኽቱ ዘመሓላልፍ፡ ክስቶ ኣበይ ወዓለ እንታይ ተዛረበ ክትከታተልን መሊስካ ከተቃልሓሉን ነብስኻ ምርሳዕ፡ ዓይኒኻ ንዝረኣዮን ብተግባር ንትነብረሉ ዘለኻን ወድዓዊ ሓቂ ምኽሓድ’ዩ። ቀዳምነት ምድሓን ህዝብን ሃገር ኢልካ ካብ ክትጭርሓሉ ዝጸናሕካ ምውጻእ፡ ናይ ሕልና ምሩኽ ምዃን’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ናይ መርገጽ ገልበጥበጥ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክኽሰት ምርኣይ እቲ “ኣይትብዝሑስ ኣይመርገምን ኣይትርብሑ” ዝብል ያታዊ ብሂል የዘኻኽረካን። የሕፍረካን።
ኣነ ኣንጻር ዘቤታዊ ገዛኢ’የ፡ ደላዩ ፍትሒ’የ፡ ኣካል ኣምሳል ደምበ ፍትሒ’የ፡ ዝብል ውልቀ ሰብ፣ ምንቅስቓስ ኮነ ውድብ ኣይኮነን በዚ ብሕማም ምልፍላፍ ዝተለኽፈ ዝተባህሎ ድማ ዝደግም ሰብ፡ ብኣፈኛ ኢሳያስ የማነ ገ/መስቀል ኮነ ባዕሉ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንዝግበር መደረ ክከታተል ግዜኡ ከባኽ ከም’ዚ ኢሉ እናበለ ክዝርገሓሉ ኣይግባእን። ስለምንታይ ተመክሮ 34 ዓመት ከም ዘረጋግጾ መንገዲ ዘቤታዊ ጸላኢ፡ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ፡ ዘይፍትሓዊ ኲናት፡ ህልቂትን ዕንወትን ዘስዕብ ውዲት ‘ምበር፡ ንሓቀኛ ናይ ህዝብታት ሰላም፡ ሓባራዊ ዕቤትን ምክብባርን ዘገልግል ግሉጽ ዝእመን ፖለቲካዊ ባይታ ዝምድምድ ኣይኮነን። ምስ ሱዳን ብዙሕ ግዜ ተባኢሰ ተዓሪቐ ኢሉ። ስም ኢራን ተዛሚደ ተባኢሰ ኢሉ። ምስ ቐጠር ተዛሚደ ተባኢሰ ኢሉ። ምስ ኢሜራት ዓረብ ተዛሚደ ተባኢሰ ኢሉ። ምስ ስዑዲያ ተባኢሰ ተዓሪቐ ኢሉ። ምስ ግብጺ ተባእሰ ተዓሪቐ ኢሉ። ምስ ኢትዮጵያ ተባኢሰ ተዓሪቐ ኢሉ። ምስ ራሻ ቻይና ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣለኒ ኢሉ …ወዘተ ካብ’ዚ ኩሉ ናይ መን ሰሚሩ ቀጺሉ? ንህዝቢ ኤርትራ ኸ እንታይ ጠቒሙ?
ሕጂ ድማ ነቲ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ድሑር ማሕበራዊ ጽልኢ ብምፍብራኽ፡ ዶባት ብምዕጻው ብኣካል ካይራኸብ ገይርዎ ዘሎ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ክዕረቑ ኣለዎም ኢሉ። ብራማን ዛላምበሳን ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ዕርቂ ተጀሚሩ እናበሉ፡ ዘቤታዊ ጸላኢ ብወግዒ ኣፈኛኡ ኮነ ልኡኹ ምዃኑ ገሊጽዎ ዘይፈልጥ ውልቀ ሰብ ዝነዝሖ ቤላ ቤሎ እናተመርሑ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ክስቶ ምስ ክስቶ ጽምዶ ሓደ፡ ጽምዶ ክልተ፡ ጽምዶ ሰለስተ፡ ጽምዶ ኣርባዕተ ይገብር ኣሎ። እዚ ሓድሽ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን’ዩ። እንኮ ንጸላእትና ዘንበርክኽ ንልኡላውነትና ዘውሕስ ፖለቲካዊ ጥበብ’ዩ፡ ነተባብዓዮ ዝብሉ ዘለው ወገናት ኣይፋልኩምን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ካብ ድሌቶም ወጻኢ ብኣካል ተረሓሒቖም ‘ምበር ዕርቂ ዘድልዮ ባእሲ ኣይነበሮምን የብሎምን’ሞ ኣብ ልብኹም ተመለሱ። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኣብ’ቲ ሕጋውን ፖለቲካውን ሃለዋቱ ዘጥፈአ ግምባራዊ ማይ ቤቱን ምስ ህዝቢ ኤርትራን ዘይገበሮ ዕርቂ፡ ምስ’ቲ ተዓዲሙ ኣትዩ ዝጨፍጨፎ ንብረቱ፡ ገንዘቡ፡ ጥሪቱ፡ ዘራእቱ፡ ታሪኻዊ ሓድግታቱ ዘብረሶ ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብተራ ፕሮፖጋንዳ ክዕረቕ ስለዘይኽእል ደው ኢልኩም ሕሰቡ። ፖለቲከኛታት ኮይንኩም ፖለቲካዊ ሚዛን ምሓዝ ምሕላው እንተዘይከኣልኩም፡ ሰባት ኢኹም’ሞ ጥዑይ ሕልና ናይ ዘለዎ ሰብ ሕልና ይሃልኩም ዝብል ሓላፍነታዊ ምኽሪ ክልገሰሎም ሕማቕ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ከም ህዝቢ ዝተባእስሉ ግዜ፡ ምኽንያት፡ ኣብ ታሪኽ ዝተመዝገበ ጭብጢ የለን።ካብ ኣብራኽ ‘ቶም ህዝብታት ዝወጽኡ ንረብሓኦም ዝሰርሑ ጉጅለ ሸፋቱ ኣብ’ቲ ይኹን ኣብ’ቲ ዝተፈጥረ ባእስን ዝተፈጸመ ገበን እንተደኣ ሃልዩ ዝሕተትሉ ፈጸምቱ ‘ምበር እቶም ህዝብታት ኣይኮኑን። ኣብ በበይኑ እዋናት ብዝነበረ ናይ መሳፍቲ ምርጋሕ ዝተፈጥረ ጸገማት እንተነይሩ’ውን ከምኡ ዝሕተትሉ እቶም መሳፍንቲ ‘ምበር ህዝብታት ኣይኮነን። ነቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ኣብራሲ ኲናት 1998 መን ወራር ጀመረ፡ እንታይ ዕንወት ኣብጸሓ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ብዘለዎ ኮሚሽን ካሕሳ ዝተረጋገጸ ስለ ዝኾነ ምስ ባእስን ዕርቅን ክልቲኣቶም ህዝብታት ዘተኣሳስር ስለ ዘይብሉ፡ ህዝብታት ይተዓረቑ ወይ ተዓሪቖም ዘይኮነ፡ ከም’ቲ ብወገን ትግራይ ዝስማዕ ዘሎ ኣወንታዊ መልእኽቲ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝብል ሓሳብ ይተኣረም።
ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ናይ ጽንተት ኲናት ህዝቢ ኤርትራ ብስሙ ተሸቂጥሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ከኣ ግዳይ ኮይኑ ደኣምበር፡ ክልቲኣቶም ህዝብታት ኣይኮነን ክበኣሱ ስለምንታይ ናይ ጽንተት ኲናት ክካየድ ተመሪጹ ብወግዒ ዝፈልጥዎ ነገር የለን። ነዚ እቲ ተዓዲመ ኣትየ ተልእኾይ ብግቡእ ፈጺመ ብዓደምተይ ተመስጊነን ተናኢደን ተመሊሰ “ ኣመሪካ ትመክር፡ ወያነ ይፍክር፡ ንሕና ንስዕር ንድክር” እናበለ ዝጭርሕ ዝነበረ ገዛኢ ኤርትራ’ዩ ዝሕተተሉ። ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ክዕረቑ ኣለዎም፡ ተዓሪቖም ዝብል ኣረዳድኣ ግን መሰረታዊ ጌጋ’ዩ። መዓስ ተባኢሶም ክዕረቑ? ብመሰረቱ ዕርቂ ዘድልን ዝግበርን ኣብ መንጎ ብኡሳት’ዩ። ዘይተባእሱ ህዝብታት ይተዓረቑ ወይ ተዓሪቖም ማለት ንዕቀት ህዝቢ’ዩ። ብፖለቲካ ዘይኮነ ብደምን ሓቀኛ ሕውነትን ዝተኣሳሰሩ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ካብ ድሌቶም ወጻኢ ዶባቶም እንተተዓጽወ ብኣካል ተፈላልዮም ‘ምበር ተባኢሶም ኣይበሃልን። ብ15 ሰነ 2025 ኣብ ሩባ መረብ፡ ብ22 ሰነ 2025 ከኣ ኣብ ዛላንበሳ ነበርቲ መዳውብቲ ዓድታት ናይ’ቲ ከባቢ ህዝቢ ተራኺቦም ዕርቂ ገይሮም። ሕብስቲ ቆሪሶም። ተሰዓዒሞም።”ዝሓለፈ ይኣኽለና ደጊም ኣብ መኣዲ ሰላም ተሰሪዕና መጻኢና ነጸብቕ” ኢሎም ዝብል ብፍላይ ብደገፍቲ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ክቃላሕ ቀኒዩ። እወ ኣብ መረብ ኮነ ዛላንበሳ ህዝቢ ነይሩ፡ ዕልልታ’ውን ይስማዕ ነይሩ። ተፈላልዩ ዝጸንሐ ህዝቢ ክራኸብ፡ ዕልልታ ከስምዕ ጽቡቕ’ዩ። እሞ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ብኣካል ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣሕዋት ህዝብታት ተራኺቦም ድዩ ክበሃል ዘለዎ ወይስ ተዓሪቖም? እቲ ኣረዳድኣ ንህዝቢ ብዘኽብር ሓቀኛ መግለጺኡ ክስተኻኸል ይግባእ።
ካብ ክብሮም ከሰተ
07 ሰነ 2025