ጸብጻብ ናይ ኣብ ክልተ መዓልታት፣ ማለት ካብ ዕለት 22.02. ክሳብ ዕለት 23.02.2020 ኣብ ፍራንክፎርት ሃገረ-ጀርመን ዝተኻየደ ሰሚናር

ድሕረ-ባይታ፦ እዞም ድሒሩ ስሞም ዚጥቀስ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ድሕሪ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ክሊ ሓድነታዊ ዛዕባ ዚተኻየዱ ዝተፋለለዩ መድያዊ ኣኼባታትን ናይ ዕላማ ምድላዋትን፣ እንሆ ሎሚ ንኣባላት ናይዞም ብቚጽሪ 14 ዚበጽሑ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝነብሩ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ብኣካል ተራኺቦም ናይ ክልተ መዓልታት ዝወሰደ ሰሚናር ብምክያድ፣ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ተንጠልጢሉ ዘሎ ከቢድ ናይ ዕንወትን ፋሕብትንን ሓደጋታት ዘድሕን መዋጽኦ ንምፍታሽ ተጋቢኦም።

 ኣጀንዳታት ሰሚናር፦

  1. ተመክሮ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ንሓድነት ዝዓለመ ፈተናታትን ኣብ መዋእል ፖለቲካዊ ቃልስና እንታይ ይመስል ጸኒሑን ኣሎን
  2. ነዚ ዝሓለፍናዮ ተመክሮ - ብንጹር ፈሊጥናን ፈሊናን - ብምርኣይ፣ ቅኑዕ ገምጋም ኣብ ልዕሊኡ ከነቐምጥ፣ ብኡ መጠን ከኣ ንዝተጋገናዮ ከንእርም፣ ንዝተጎዳእናዮ ከኣ ከንፍውስ ይግብኣና። እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ምእንቲ …እንታይ ዓይነት ረቛሒታት ክማላእ ይግባእ? ካብ ዝጸናሕናዮ ጽልግልግ መዋእል ወጺእና ክንርእዮም ዘሎዉና ነገራት ምፍታሽ
  3. ኣብ’ዚ ዘሎናዮ መድረኽ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ በደላት መሪርዎ፣ ኣብ ክጻወሮም ዘይክእል ደረጃ ተሰጋጊሩ ከም ዘሎ ነፍሲ ወከፍና እንምስክሮ ሓቂ እዩ። ነዚ መበገሲ ዝገበረ ብውሽጥን ብደገን ንውልቀ-መላኺ ዝብድህ ናይ ተቓውሞ ማዕበል - ብ”ይኣክል” ዝልለ - ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም፣ ከምኡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ጀርመን ይካየድ ኣሎ። ነዚ ኣገዳሲ መድረኻዊ ክስተት’ዚ ዘሎና ሚዛን
  4. ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ሃገረ-ጀርመን ሜዳ ሓላፍነትን ድሩትነትን። መሰረታት ፖለቲካዊ ውድባት ክህልዎም ዝኽእል ስልጣን

ክትዓት ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ቀዳማይ ዛዕባ

 ሓይል ጎኒ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ

ሀ/ ብቀጻሊ ተወዲብካ ምቅላሱ

ለ/ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተነታትን ዓቕሊ ጽበትን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ሃገራዊ መስመርን ዘርኣዮ ቅኑዕ       ተኣማንነቱ

ድኹም ጎኒ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ

         ሀ/ ሓቢርካ ዘይምስራሕ፣ ጸላኢኻ ብግቡእ ኣለሊኻን ፈሊኻን ዘይምምካት

         ለ/ ቅድምያታት ሃገርን ህዝብን ምዝንጋዕ፣ ሕቶ ስልጣን ኣብ ዘይግዜኡን ቦታኡን ምትሕውዋስ

ሐ/ ክብሪ ሕድሕድካ ዝጥሓሰ ስነ-ግብርን ሞራልን ምዝውታር፣ ንሰባትን ንርእይቶኦምን ፈላሊኻ ዘይምርዳእ

ንሓቢርካ ምስራሕ ቀንዲ ዓንቀጽቲ እናተባህሉ ካብ ዝተጠቕሱ ነገራት፣ ከም ኣብነታት

  • ሕቶ ስልጣን ቅድሚ ሕቶ መትከል ስለ ዝርአ
  • ኣብ ዘይመሰረታውያን ኣገባባት ዘሎ ኮለላት፣ ብጎነጽ’ዶ ብሰላማዊ መንገዲ ንህላው ህግደፋዊ ምልኪ ካብ ሃገር ትኣልዮ
  • ነንውድብካን ነንመሪሕነትካን ጸቕጢ ብምግባር ካብ ጽጋብ-ኣሕዋት ክወጹ ከሎዉ ዓገብ ዘይምባል
  • ንህዝቢ ዘስርሕን ዘሳትፍን ኣገባብ ቃልሲ ዘይምኽታል፣ ንህዝቢ ዕዮ-ገዛኡ ክገብር ዘይምምራሕ። ሃገር ንኩሉ ወዲ ሃገር ስለ ዝዀነ፣ ህዝብናን ቅዋሙን ዝሃበና ክንከውን ምባል ብሓደ ሸነኽ፣ ኣበዮ ምግብኣት ብሕቶ ስልጣን ምውጣጥ በቲ ካልእ ነንባዕላቶም ተጻረርቲ ጕዳያት ምዃኖም
  • ሓደ ጠርናፊ ባይታ ወይ’ውን ባይቶ ኣቝምካ ከተብቅዕ ተመሊስካ ከኣ ናይ ኮታ -ናይ ካባናን ካባኹምን - እኽብካብ መሪሕነት ከተቑውም ዝርኣ ፍርቂ-ብሱል ዕዮታት
  • ንባህላዊ ያታና - ባይቶኣዊ ልምድታትን ሕጊ-እንዳባን - ምስ ህልዊ ጠላባት ሕቶ ስልጣን ከነዋስቦ ዘይምኽኣልና

ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ካልኣይ ዛዕባ

ንፍረ ሰውራ-ኤርትራን ጻማ-ጻዕሪ ህዝብናን ከይነስተማቕር እቲ እንኮ ዕንቅፋት ህልውና ጕጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ምዃኑ ዝኾኑ ክልተ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ዘይፋላለይሉ ጉዳይ ኴይኑ’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኻድን ምስ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ምስጡር ስምምዓት ብምኽታሙን ሎሚ ዝርኣ ዘሎ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ፣ ንባሕርናን መሬት-ዓደቦናን ከኣ ዳግም ኣብ ረግጺ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዘእቱ መናውራት፣ መን’ዩ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ እንዳዀነ መጺኡ’ሎ። ምእንት’ዚ፣ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ቅድሚ ኣህጕራዊ ዲፕሎማስያ ብቑዕ መተካእታን ተግባሪ ዓቕሚን ንምጽዓድ ሓደ ሰፊሕ ግንባር ናይ ደለይቲ ፍትሒ ክቘዉም ኣለዎ። ቅድሚ ዝኣገረ ንቅድምያታት ልኡላዊት ሃገር ዘውሕስ ስጕምታት ክውሰዱ ከኣ ቆጸራ ዘይህብ ጕዳይ ኴይኑና ኣሎ። እቲ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ድሒሩ ከኣ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘጥፍኣ ጕጅለ፣ ሎሚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነናን ዕድሜናን ምስ ተረፍ-መረፍ ደርግን ሓይሊ ዶር. ኣቢይ ኣሕመድን ብምምሕዛው ታሪኽ ክድገም ንርእዮ ኣሎና። ናይ’ዚ እዋን ጠለብ

  • ብዘይ ውዓል ሕደር ንስርዓት ህግደፍን ውልቀ-መላኺ ኢሰያስን ምልጋስ
  • ናይ ስልጣን ሕቶ ምስ ምቛም ቅዋማዊት ሃገረ-ኤርትራ ጥራይ ከም ዝተኣሳሰርን ዝለዓልን ምፍላጥ
    • ሕቶ መሬትን፣ ሕቶ ቅዋምን፣ ሕቶ ባንዴራን፣ ናይ ህዝቢ ዋንነት ምዃኑ ክስመረሉ

ክትዓት ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ሳልሳይ ዛዕባ

  1. ስቪካዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን (ይኣክል) ዘይፋላለ ኣካል ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን እዮም።
  2. ንሕና ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣካል ዝተባህለ በርጌሳዊ ማሕበራት ጥራይ ዘይኮናስ፣ ቀንዲ ኣበገስቱ ኢና’ውን ክንብል ንኽእል ኢና።
  3. ዘሎናዮ መድረኽ ቃልሲ ጸረ-ህላወ ምልኪ ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ብፖለቲካ ዝተወደበን ብበርጌስ ዝተወደበ (ዘይፖለቲካው)ን ተባሂልካ ምፍልላይ ከብቅዕን፣ ኩሉ ትዅረት ቃልስና ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ከቕንዕን ኣለዎ!
  4. መንእሰያት ምጥርናፍን ምውሳእን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ። እዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ’ዚ ዝወረዶ ፍሉይ ማህሰይቲ ኣለሊኻ ምእላዩን ምትብብዑን ሎሚ’ውን ሓላፍነት ናይ’ቲ ምእንትኡ ኩሉሻብ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ደላይ-ፍትሒ ካብ ቀዳማይ ወለዱ ክመጽእ ይግብኦ። ምእንት’ዚ ብንቕሓት ምስ መንእሰያት ዝምድና ምንዳይ።
  5. ደቂ ኣንስትዮ ዘሎወን ግደ ኣብ ቃልሲ ትማልን ሎምን ብኣትክሮ ምስትብሃል። ኣዴታት ምስ’ቲ ኣብ ስድራ-ቤት ዘሎወን ዝያዳ ጾር፣ ናይ ሃገርን ህዝበን ጾር’ውን ከም ኵላትና ብጽሒተን ኣለወን። ምእንት’ዚ ንተደራራቢ ዕማማተንን ሸኸምን ኣብ ግምት ዘእቱ ምትብባዕን ደገፍን ክወሃበን ግቡእና’ዩ። ውጽኢት ፍረ ኣስተዋጽኦ ናታተን ከአ ተመሊሱ ነዚ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ጥቕምን መዓላን’ዩ።

ክትዓት ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ራብዓይ ዛዕባ

ተጋባእቲ ሰሚናር ኣባላት ዝተፋላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን እዮም። ስለዚ ናብ ወውድባቶም/ሰልፍታቶምን መራሕቶምን ዘሎዎም ታኣማንነት መርገጻዊ እምነትን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ይኹን እንበር ንሕሉፍ ናይ ምፍልላይ ተመክሮ ብዘየዳግም ብኣሉታ ሚዛኖም ስለ ዘቐመጡ፣ ኣብ ሃገር ጀርመን ብሓደ ክሰርሑን ናይ ሓበር ሰፊሕ ግንባር መታን ክፍጠር ብዘለዎም ዓቕምን ውድባዊ ጽልዋታትን ተጠቒሞም ናናብ ውድባቶምን መሪሕነታቶምን ጸቕጢ ክገብሩን ርእዮም።

ü  ሓድነት ሓይሊ’ዩ

ü  ብሰንኪ ፍልልያትና በዂሩ ዘሎ ዓቕሚ ውዱብ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ዳግም ክበራበር’ዩ

ü  ብሰነኪ ምፍልላይ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ውዱብ ዓቕናምና ብሰብ፣ ብንዋት፣ ብንያት ብዝተዓጻጸፈ ክብርክት’ዩ

ü  ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና በዚታት ተታባቢዑ ኣድላዪ ሓድሕዳዊ ምቅርራባትን ስጉምትን ክወስድ’ዩ

ü  ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓንኬል ብሓደ ምምካት ንደላይ ፍትሒ ከም መተካእታ ሓይሊ ከጠምቶ’ዩ

ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ፣ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ!

ኣባላት/ተሳተፍቲ ሰሚናር ዝነበሩ ውድባት ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

  1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
  2. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  3. ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
  4. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
  5. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  6. ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  7. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ (ሰደኤ)
  8. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
  9. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  10. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ
  11. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓደለ)
  12. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
  13. ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
  14. ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

ፖለቲካዊ ውድባተን ሰልፍታትን ኣብ ጀርመን