ካብ ውዕሎ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ (ተወከልቲ ህዝቢ ኢጣልያ) ሓደ ኣብነት፡-

ጸብጻቢ ኣገልግሎት ዜናን ሓበሬታን ኢጣልያ “ኣንሳ”- ሓጺር መደረ ሲኞረ ሮቤርቶ ፊኮ ኣቦ-መንበር፡

እዚ ብቐጻሊ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ዘቤት እዛ ሃገር ክቐርብ ንሰምዖ ዘለና ምዕዝምዛም፡ ብወገነይ ከም ኣቦ-መንበር ታሕተይዋይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢጣልያ ተቐባልነት የብሉን። ኩቡራት ኣባላት ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ’ውን ምስ ናትይ ርእይቶ ዝሰማምዕ ሓሳብ ክህልወኩም በዓል ምሉእ ተስፋ’የ።

ንምዃኑ እዚ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ዘቤት ንሰምዖ ዘለና ምዕዝምዛም እንታይ ይኹን’ዩ ዝብል ዘሎ፡ ማእከሉ እንታይ’ዩ? ብስደተኛታት ስለ ዘዕለቕለቕና ኒዮው ንበሎም ኣይነቕርቦም እኳ’ዩ ዝብል ዘሎ። ተመልከቱ ኣሕዋትን ኣሓትን መርገጽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ዘቤት እዛ ሃገር፡ ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ወደባት ኢጣልያ ንዘምረሓ መራኽብ፡ ናብ ወደባትና ከይጽገዓ ብርሑቕ ንኸልክለን። እንተተጸጊዐን ከኣ ናብ ትሪፖሊ (ሊብያ) ንምለሰን’ዩ ዝብል ዘሎ። ከምኡ ዝብል ትእዛዝ’ዩ ኣመሓላሊፉ። እነሆ ከኣ ተግባራዊ ክኸውን ንዕዘብ ኣለና።

ሓደ ኣብነት ከቕርብ፡ “ ዲቾቲ” ትበሃል ኣዝዮም ብነዊሕ ጉዕዞ ዝተሰነፉ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ፡ ንኣዛዚኣ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከጸግዓ ከምዘይፍቀደሉ ተነጊርዎ። ኣብታ መርከብ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣለው። ነብሰ ጾራት ኣለዋ። ብዕድመ ዝደኸሙ ኣቦታት ኣለው። ብሕማም ዝተደነሱ ኣለው። ዳርጋ ኩሎም ከኣ ብጥሜትን ነዊሕ ጉዕዞን ዝተዳኸሙ’ዮም። ነዚኦም ናበይ ክድርብዮም ዝብል ጥርዓን የቕርብ እቲ ካፒቴን። ዝተዋህቦ መልሲ ሓጺርን ዘየጋላብጥን’ዩ። ባዕልኻ ትፈልጥ ዝብል ነቓጽ መልሲ።

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ዘቤት ኢጣልያ ሲኞረ ማቴዎስ ሳልቪኒ ስምዓኒ እዘን ናባና ዘምረሓ ዘለዋ መራኽብ ካሴታት ባናና ድንሽ ወይ ተምሪ ማእከላይ ምብራቕ ኣይኮናን ጽዒነን ዘለዋ። እንታይ ደኣ፡ ትንፋስ ዘለዎም ሰባት። ሰባት ከማይ ከማኻ ከም ኩሎም ክቡራት ተወከልቲ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ኢጣልያ። ስለዚ ከኣ ሰባት ዝኸማና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክድሕኑ ስለ ዘለዎም ንድሕነቶም ክንሓስብ ኣለና። የቐኒየለይ።

ማቴዎስ ሳልቪኒ ሚኒስተር ጉዳያት ዘቤት ኢጣልያ ድማ ከም’ዚ ክብል መሊስሉ፡ “ኣየ ሮቤርቶ ፊኮ” ኣነን ንስኻን ዘይንፋለጥ ኮይናስ ሓላዪ ተሓላቒ ናይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይንካ ትቐርብ ኣለኻ? በልባ እዛ ብዘይካ ኖ ኣይከውንን’ዩ ኣይቅበሎን’የ ምባል ካልእ ዘይትፈልጥ መልሓስካ ከመ ኢላ’ያ ብሃንደበት ሰብኣዊት ኮይና? እሞ ቬድራይ ቬድሬም። ብዝኾነ እዚ ትብሎ ዘለኻ ተቐባልነት የብሉን። ኣዝንኻ ክሰምዖ ይድለ ኣይድለ ድሕሪ ደጊም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ወደባትና ዝጽገዓ መራኽብ ነናብ ዝተበገሳሉ ክምለሳ’የን። ኣኸለ።

ትርጉም ዓ.ኢ

ባሕቲ ሚያዝያ 2019

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 06-04-2019