ካብ ወነንቲ ቀይሕ ባሕሪ መልሲ

ዓመጽ ልምዲ ኮይንኩም ደግሲ

ውግእ ወረ ውግእ ያኽለና ሎምሲ፣

.ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ዩ ዝሽመት እኽሊ፣

 

ህዝቢ ኤርትራ ንርስቱ ዋጋ ከፊሉ

ካብ ሑሉፍ ታሪኽምክ ዘይትማሃሩ

ንብዝሕኩም ኣሚንኩም ካብ ትጃሃሩ፣

 

ኤርትራዊ ኣደ ዶ እዚ ትፍደ

ከብዳ ገዲፋ ዝቐጨውት ዝገዓተት

ደቃ ክምለሱላ ሃንቀው እንዳ በለት

ድምጺ ጥይት ሰሚዓ ከይደቀሰት፣

 

ንኢሰያስ ጸሊእካ ንጉሒላ ብኢዱ

ኣይፋል ንኤርትራውነቶ ዝኸሐዱ

ምስ ወግሔ ጽባሕ ናበይ ትኸዱ፣

 

ዓገብ ን34 ዓመታት ኣኼባ ኣኼባ

ብሙህራት ኣንነት ዝመልኦ ዘረባ

ወሲንካ እዩ ዝስገር ሩባ ምስ ኩርባ

ኤርትራ መድሕን ይደሊ ኣሎ ህዝባ፣

 

ብካድራትና ኣብ ተባህለ ዓመታት ሐሊፉ

ሙህራት ናዓና ስምዑ ክብሉ ፍጹም ዘስከፉ

ጅግናስ ወሲኖም እዮም በጃ ህዝቦም ዝሐለፉ፣

ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባጉንባሕ ዛግራ ይብልዎ

ንኤርትራ ንኢሰያስ ሐዊስካ ብዙሕ ጸላኢ ኣለዋ

ደቀባታ ዋጋ ከፊሎም ካብ ኢትዮጵያ ሐራ ገሮምዋ፣

 

ንጠቕሚ መንዩ ጨናፍራት ምብዛሕ

ንጉድለታት ክንዲ ምእራም ፋሕ ፋሕ

ቅድሚ ኹሉ ንድሕነት ህዝቢ ንስራሕ

ህርፋን ስልጣን ይጽናሐልኩም ንጽባሕ፣

 

የዋህ ኤርትራዊ ዘረባይ ስምዓኒ

ዓፍራ ከይትረግጽ መሲሉካ እምኒ

ሕልምታት ኢሰያስ መዓስ ጠፊኡኒ፣

 

ህዝብና ብስኒት ክነብር ምስ ጎሮቤቱ

ዓገብ ንውድባት ንዓበይቲ ንናእሽቱ

ቅድሚ ኩሉ ንጃንዳ ህግደፍ መክቱ

ኤርትራዊ ክጥቀመሉ ንባሕሩ ርስቱ፣

 

ብዋህዮታት ህግደፍ እንታይ ዘይተባህለ

ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቁ ዋጋ ዝኸፈለ

ካብ ኢትዮጳያ ሐራ ክኸውን ስለ ዝደለ፣

 

ህግደፍ ብልጽግና ህወሐት ተናኸስቲ ጻጸ

ህግደፍ ፈሪሱ መሰል ህዝብና ምስ ተረጋገጸ

ንወደባትና ቀረጽ ይኽፈል ፍቕሪ ዝመረጸ፣

 

ልሳን ጭፍራ ህግደፍ ኣወል ሲዒድ ዕቅርቢት

ንኢሰያስ ሐዊስካ ሕልሚ ኢትዮጵያዊያን ኤሊት

ኤርትራዊያን ኣይበርሃልኩምን ዶ እቲ ውዲት

ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ትንቢት፣

 

ያታዊ ምስላ ብኮኮብ የማነ ዝተዘየመ

ብኢሰያስ ውዲት እንዳ ተደጋገመ

ንዓይኒ ኤርትራዊያን ሸፊንዎ ግመ፣

 

ላም ሲ ምስ ሐራዲኣ ማይ ትሰቲ

ናይ ጉጅለ ኢሰያስ ህግደፋዊ ልሙድ ስልቲ

ምስ ብልጽግና ጸኒሕካ ምስ ህዋሐት ልፍንቲ

 

ብስኒት ክንዲ ጸረ ህግደፍ ንብል ቱታ

ዓገብ ብህግደፍ ዝበሎ ድግማ ህውተታ፣

ንፍትሐዊ ቃልሲ ክንገብረሉ መደምደምታ

ኤርትራ ብሕጊ ክትማሐዳደር ብደቀባታ፣

  

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ  ኤርትራ፣ ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ብበርሀ  ኣባል ተሐኤ ካብ ሃገር ጀርመን።