ኣብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ብለዕለዎት ሓላፍቲ መንግስቲ፡ ምሁራትን መዕከናት ዜናን ኢትዮጵያ፡ ደግሲ ናይቲ 30 ዓመት ዝወሰደ’ሞ ኣብ 1993 ከኣ ብህዝበ ውሳኔ መደምደምታ ዝተገብረሉ ደማዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስማዕ ዘየቋርጽ ዝውቱር ኮይኑ ኣሎ፡፡ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ባህሪያዊ ሃብትና’ዩ፡ ንሕና ብዙሓት ንሳቶም ውሑዳት፡ ሕራይ እንተደኣ ኢሎም ብሰላም ኣይፋል እንተይሎም ብሓይሊ ክንውንኖ ኢና ዝብል መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳዊ  ጎስጓስ ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ብፍቕዲ ንሕና ስለ ንበዝሕ መበገሲ ዝገበረ፡ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ባህሪያዊ ሃብትና’ዩ ዝብል ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ሓድሽ ወፍሪ፡ ብቐጥታ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጥሕስ’ዩ። ንልኡላውነት ኤርትራ ምጥሓስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ንዕቀት’ዩ። ግጥሙ  ምስ’ቲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝቢ ክኸውን ከኣ ናይ ግድን’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብሓይልን ብሕግን ዝተሳዕረ ደግሲ ትምክሕታዊ ዕንደራ  ንመክት ዝብል ቁጠዐ ፈጢሩ ዝርከብ።

 ኣብ ውሽጣዊ ማያዊ ካርታ ኤርትራ ዝርከብ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ካብ ኤርትራውያን ወጻኢ ባህሪያዊ ሃብትና’ዩ ዝብሉ ወገናት ብርግጽ ዓመጸኛታት’ዮም። ስለምንታይ’ሲ ብፍቕዲ ብዙሓት ስለ ዝኾና ኢልካ ዘይናትካ፡ ዘይዋንነትካ ናተይ’ዩ ዋንነተይ’ዩ ኣይበሃልን። ህዝቢ ኤርትራ ብቁጽሪ ውሑድ ስለ ዝኾነ ልኡላዊ ግዝኣቱ እንተወረርና ኣብ ዝበጽሖ የብሉን፡ ብሓይሊ ክንገዝኦ ኢና ንዝብሉ፡ ኣይፋልኩምን ሓዊ ኣይትጻሕትሩ ኣደብ ግበሩ ኢልካ ምዝኽኻር ሓላፍነታዊ ‘ምበር ፈኸራ ኣይኮነን።

 ሓንሳብ ወደብ ዓሰብን ቀይሕ ባሕርን ባህሪያዊ ዋንነትና’ዩ፡ ካልእ ግዜ ከኣ ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር ስለ ዝኾነት ብሓይልና ድሌትና ክንገብር ኢና ማለት ገዛእ ርእሱ ዝራጸም ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ መንጎ ኣነ ንመሰል ንመሬተይ ዝብል ብዱልን ኩሉ ንዓይ ዝብል ሕጊ ዘይቕይዶ ስሱዕን ዘሎ ናይ ሞራል ፍልልይ ብግቡእ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ስዑር ግን ከኣ ሓደገኛ ሕልሚ’ዩ። ቅድሚ 34 ዓመት ዝነበረ ትዕቢት ዝፈጠሮ መዘዝ ዘይምዝካር’ዩ። እዚ ሓደገኛ ሕልሚ’ዚ ዋጋ ከኽፍል ይኽእል’ዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምንብርካኽ ዓቕሚ ግን የብሉን። ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ከም ህዝቢ ጉድኣት ‘ምበር ዝህቦ ረብሓ የለን።  ስለዚ ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ንቕሎ’ዚ ዘምጸኦ መዘዝ ኣቐዲሙ ብንቕሓት ተገንዚቡ፡ ዘይናትና ኣይደልን ኣብዘይ ኲናትና ኣይንኣቱን  ክብል ኣለዎ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ድማ ብቐንዱ ናብ ዘቤታዊ ገዛኢ ዘነጻጸረ፡-

 ሓደ፡ ብሓይሊ ሒዝኩሞ ካብ ዘለኹም መሬት ኢትዮጵያ ውጽኡ፤

 ክልተ፡ ብስምምዕ ኣልጀርስ መሰረት ኮሚሽን ካሕሳ ዝወሰነልና ዘይተኸፍለ ሕሳብ ኣለና፤

 ሰለስተ፡ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተወስደ ገንዘብ ከነምልስ ኢና ዝብል ርእይቶ ክቃልሑ ጀሚሮም ኣለው።

 እዚ ሰለስተ ነጥብታት’ዚ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ እንተተኸቲሎም ከም ሕቶ ንምንታይ ይለዓል ዝበሃል ኣይኮነን። ሰለስቲኡ ዘዛርብ’ዩ። ኣብ’ዚ ክንብሎ ዘለና ከም’ዚ ዝበለ ጉዳይ ብሓይሊ ዘይኮነ ብሕጊ’ዩ መደምደምታ ዝርከብ’ሞ ሕጋዊ መንገዲ ተኸተሉ ዝብል ምኽሪ ምልጋስ’ዩ።  

ደላይቲ ሰላምን ፍትሕን ኤርትራውያን ነዚ ድሒሩ ብወገን ኢትዮጵያ ክለዓል ጀሚሩ ዘሎ ሕቶ፡ ካብ’ቲ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ባህሪያዊ ዋንነትና’ዩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ትዕቢተኛ ርእይቶ ብትሕዝቶኡ ዝተፈልየ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። መንኡ ምኽንያታዊ መንኡ ኸ ኣይምኽንያታውን ኣብ ምልላይ ክንደናገር የብልናን። ካብ ስምዒት ርሒቕና ብፖለቲካ ንቑሓት፡ ብዓይኒ ፍትሒ ፍትሓውያን፡ ብዓይኒ ሕጊ ሕጋውያን ኮይና ነቲ ቅኑዕ፡ ቅኑዕ። ነቲ ጌጋ፡ ጌጋ ክንብል ኣለና። ከም ህዝቢ መለለይና ክኸውን ዘለዎ እዚ’ዩ። ክብረትን ሓይልን ህዝበና’ውን ንሱ’ዩ።

ብካልእ ገጽ ድማ፡ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ከም ህዝቢ እናጽነተና እንኮሎ፡ ተጣባቒ መሬታዊ ልኡላውነት መሲሉ ብዝዘርኦ ጽልእን ነጋሪት ኲናትን ከይተደናገርና፡  ሕቶ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ዳግማይ ንክለዓል ዕድል ዝፈጠረ ንሱ ባዕሉ’ዩ ኣብ ዝብል ናይ ህልኽ ስምዒት ኣቲና ኣብ ልኡላዊ ግዝኣትና ዝተዛበዐ ርድኢት ከይንሕዝ ክንጥንቀቕ ይግባእ። እቲ መሬት ናትና፡ እቲ ትዕቢታዊ ንዕቀት ድማ ኣብ ልዕሌና ብምዃኑ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ክንምክቶ ኣለና።

 እንተቲ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዛጊት ሕጋዊ መስርሑ ኣይተዛዘመን። እቲ ውሳኔ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ደኣምበር፡ ኣብ መሬት ኣይተጠረረን። ብሕጊ ብወግዒ ምርኽኻብ ኣይተገብረን። ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ካርታ ዝሰፈረ ወሳኔ ብሕጊ ኣብ ባይታ ኣረክቡኒ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝሓትት ብኣጋጣሚ ብሓይሊ ሒዘዮ ስለ ዘለኹ ኣይወጽእን’ዩ ዝብል ዘሎ። እዚ “ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ከም ዝበሃል ብህይወት ህዝብታት ኤርትራ ምጥላዕ’ዩ። እዚ መንገዲ’ዚ ብኹሉ ሸነኹ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድኹም ጎኒ ዘውድቕ’ዩ። ብሕጊ ንኤርትራ ዝተበየነ መሬት ብሓይሊ ዘይኮነ ብሕጊ’ዩ ዝጸንዕ። ስለዚ ብሓይሊ ካብ ዝሓዝካዮ ውጻእ፡ ዝተረፈ መስርሕ ሕጊ መሊኡ ክትግበር ብሕጊ ሕተት ሓባራዊ መርገጽና ክኸውን ኣለዎ።

ኮሚሽን ካሕሳ ዘሕለፎ ውሳኔ ይውሕድን ይበዝሕን እንተዘይኮይኑ ኣብ ልዕሊ ክልቲኣቶም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ ናይ ገንዘብ ካሕሳ በይኑ። እቲ ብይን ግን ንዓና ንኤርትራውያን ልዕሊቲ ናይ ገንዘብ ካሕሳ ዝኸይድ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ብዶብን ባድመን ዝተመኽነየ ብዙሕ ሰብኣዊ፡ ሞራላዊ ኮነ ነዋታዊ ዕንወት ዘብጸንሐን ስንብራቱ ክሳብ ሕጂ ዘሳቕየና ዘሎን ኲናት 1998 መን ጀመሮ፡ ብኸመይ ከ ተጀመረ ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ዝህብ ውሳኔ ስለ ዝኾነ፡፡ ስለምንታይ ብናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ተደናጊሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መን ወራሪ ሓቂ ክፍለጥ ስለ ዝሕግዝ። ኢትዮጵያውያን ሕጂ ኮሚሽ ካሕሳ ዝወሰነልና ገንዘብ ይወሃበና እንተበሉ ኣይተጋገዩን። በቲ ሓደ ወራሪ ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ምዃኑ የረጋግጹ፡ በቲ ካልእ ከኣ ዝተበየነሎም ገንዘብ ይረኽቡ።

እቲ ሳልሳይ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ ናይ ንግዲ ስምምዕ፡ ከመይ ከም ዝነበረ፡ መን እንታይ ከም ዝኸሰበን ዝኸሰረን ስለ ዘይንፈልጥ፡ ብስምምዖም መሰረት እንታይ ይበሃሃሉ ንዓታቶም ዝምልከት’ዩ ዝኸውን። እዚ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ድዩ ትካላት መንግስቲ ዝፍጠር ዘይምቅዳው ብተዘዋዋሪ ንህዝቢ ኣይጎድእን ማለት ኣይኮነን። ይጎድእ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ብዘይ ምርጫን ባይቶን ዝግዛእ ዘሎ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ግን፡ ብፍላይ እቲ ናብ ዘቤታዊ ገዛኢ ዘነጻጸረ  ባዕልኻ ተዋጻኣዮ ካብ ምባል ሓሊፍካ ዝበሃል ነገር ኣይህሉን።

 

                                                      ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                          07 ሰነ 2025