2022 08 06 Alem Ghebremikaelሓርበኛ ብጻይና ተጋዳላይ ዓለም ገብረሚካኤል ብ02.10.1951 ካብ ወለዱ  ገብረሚካኤል ገብረኣብን ተበርህ  ግደይን  ኣብ መብረድ እገላ ሓጺን  ተወልደ።  ዕድሚኡ ንትምህርቲ ኣብ ዝበጽሔ እዋን ኣብ ድቀምሓረ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እምነት ምስዮን (Faith Mission) ተማህረ። ብጻይ ኣለም ኣብ ግዜ ንእስነቱ በሊሕን፣ ተሪርን፣ ንጡፍን፣ ቅልጡፍን ዕላምኡ ከም ዕዀት ዘይስሕትን ስለ ዝነበረ ዕዀት ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ።  ዕድሚኡ ዓቕመ ኣዳም ምስ ኣኸለ ፖሊስ ተኸትበ። ኣብ አዋን ትምህርቱ ይኹን ድሒሩ ፖሊስ ኣብ ዝተኸተበሉ፣ ኣብ ስፖርት ከም ጉያን ካልእን ንጡፍ እዩ ዝነበረ። ብጻይ ኣለም ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተማህረን ድሒሩ ፖሊስ ምስ ተኸትበ’ውን ኣብ ናይ ፖሊስ ቤት ትምህርቲ ተመዲቡ ኣብ’ታ ከተማ ምንባሩ ቀጸለ። እታ ፖሊስ ትብል ቅጽል ስም ግን ድሕሪ እዚ ግዜ እያ ለጊባቶ።

 ናይ ፖሊስ ኣገልግሎቱ እናፈጸመ እንከሎ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት መሰረት ናይ ትሕተ-ባይታ ተቃላሳይ ኰነ። ኣብ መስመር ስውእ ዶክተር ፍጹም ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ውሽጢ ንከምኡ ፖሊስን ካልኦትን ኣብ ምውዳን ንጡፍ እዩ ዝነበረ። ንግዜ ዓመታዊ  ዕረፍቱ፡ ንቆሓይቶን ሶይራን ብምኻድ ስርዒታዊ መስመርን ኣገባብን ኣብ ምሕያል’ዩ ዘሕልፎ ዝነበረ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ካብ’ቶም ብፍሉይ ዝልለዩ፡ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተኻየዱ፡ ክጥቀሱ ዘለዎም ፍጻሜታት ዝስዕቡ እዮም።

  • ኣብ ክለብ ግራንድ ኢታልያ (ጥቃ ጂራ ፍዮሪ ወይ ሲነማ ደቀምሓሪ) ዝተኻየደ ስርሒት
  • ኣብ ሹቕ፡ ብብዝሒ ወተሃደራት ኢትዮጵያ (ጦር-ሰራዊት) ዝኣትውዎ ዝነበረ ባር (ጥቓ ባር ኮኾብ) ናይ ኢድ ቦምባ ኣብ ማእከሎም ደርበይሎም። ኣብ’ዚ እቲ ዘገርም ነቲ ስርሒት ኣካይዱ እንደገና ናብ’ቲ ባር ኣትዩ፣ በቲ ሞይኡ ፖሊስ ኮይኑ ነቲ ኹነታት ከም’ቲ ዘድሊ ምዕዋቱ ኣረጋገጸ።

አብ’ታ ከተማ’ቲኣ ኣብ ዝነበረሉ ኣዋን፡ ብዙሕ ናይ ቃልሲ ስርሓት ኣብ ውሽጢ’ታ ከተማ የካይድ ዝነበረ እዩ። ህላወ ሰውራ ኣብ ምርግጋጽን፡ እቶም ንህዝቢ ብምሸት ምሸት ዘርዕዱ ዝነበሩ ጦር-ሰራዊት እውን ከም ዝርዕዱ ዝገብር ዝነበረ ጅግና ተቃላሳይ እዩ።

ምስ ሓርበኛ ስውእቲ ኣብርሄት ኣብርሃ ሻውል ኣብ’ቲ ናይ ከተማ ስርርዓት ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ ማእከል ካምፖ ብዙሕ ዝልለ ስርርዕን ዕውት ውድባ ገብሩ። ንናይ ኢትዮጵያ ሰለይቲ ዝነበሩ’ውን ብምልላይ መስመሮም ከም ዝሕዙ ግበርዎም።

እቲ ንስቪላዊ ህይወቱን ናይ ትሕተ-ባይታ ቃልሱን ራሕሪሑ፡ ናብ ቅሉዕ ህይወት ቃልሱ ዝኣተወሉ ካልኣይ መድረኽ፣ ካብ ዕረፍቲ ከም ዝተመልሰን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝቀነየን ተመሲሉ፡ ናብ ቦትኡ ድሕሪ ምምልስ፣ ምስ ናይ ውሽጢ ብጾቱ ብምስምምማዕ ዋርድያ ኮይኑ ከምሲ’ሞ፡ ኩሉ ምስ ደቀሰ፡ ንሓደ ዘይተወደብ ፖሊስ ድቃስ ኣብዩኒ ብምባል ኣብ ክንድኡ ዋርድያ ክኸውን ብምጥባር፡ ምስ ብጾቱን ምሉእ ዕጥቆምን ብ1974 ንሜዳ ከም ዝወጹ ኰነ።

ሓርበኛ ብጻይ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ኣብ ወተሃደራዊ ሞያኡ ብቑዕ ብምንባሩ፣ ኣብ ሜዳ’ውን ስልጠና ብምሃብን ወተሃደርዊ ስነ ስርዓት ኣብ ተግባር ብምውዓልን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ተጋዳላይ ኣለም ክሳብ መፋርቅ 1975 ከም ኣባል ጸጥታ ደቀምሓረን ከባኣቢኣን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ቀጺሉ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ጋንታ 104 ኣባል ናይ ከተማ ራዕድን ሽበራን (ፈዳይን) ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግመ ስርርዕ ምስ ተገብረውን ኣብ ጋንታ 62 ኣባል ናይ ከተማ ራዕድን ሽበራን (ፈዳይን) ኮይኑ ብጅግንነት ተቓሊሱን ኣቃሊሱን እዩ። ኣብ ናይ ቃልሲ ርብርብ ምስ ጸላኢ በብጊዜኡ ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ናይ ውሽጢ ከተማን ደገን ግጥምያታት ኲናት፡ ማለት ኣብ ኣፍደገን ውሽጢ ኣስመራን ዝተሳተፎም ብዙሓት ዕዉታት ኣሎዉ እዮም። ንኣብነት ኣብ ዕሳባት 62 ከሎ’ውን ኣብ’ቲ ኽፉእ ኲናት ዝነበረ ናይ ጻዕዳ ሓመድ (ንጥርሙዝ ፋብሪካ ዝኸውን) ምውሳድ (ኣብ ማይ ዕዳጋን ጉዋን) ኣብ ዝተኻየደ ውግእን ከምኡ’ውን ኣብ  ውግእ ምድምሳስ  ናይ ራያ ፕሮጀክት ተሳቲፉ ነበረ። ድሒሩ’ውን ከም ኣባል ሰውራዊት ሽማግለ ክፍሊ ጸጥታ ብምዃን ኣብ ከተማ ተሰነይ ሰሪሑ እዩ።

ብድሕሪ እቲ ናይ ተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምውጻእ፡ ሓርበኛ ብጻይና ኣለም ካብ 1980-81 ኣብ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ኣብ ካርቱም ይሰርሕ ነበረ።  ድሕሪ’ዚ ካብ ሱዳን ንስደት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ኣተወ’ውን፡ ኣብ ተሓኤ-ማ/መሪሕነት (ሳግም) ናይ ሎሚ ደሞክርስያዊ ግንባር ሓርንት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብምስላፍ ብደርጃ ማእከላይ መሪሕነት ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይት ተመዲቡ ብተወፋይነት ሰሪሑን ኣገልጊሉን እዩ።

ሓርበኛ ብጻይና ኣለም ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቱ፡ ምስ ሓርበኛ በዓልቲ-ቤቱ ብጸይቲ ህይወት ኣድሓኖም ንፍትሓውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብጉልበቱን ንዋቱን ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክቃለስ ዝጸንሐ ብጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን እንዳ ተቓለሰ ዝሐለፈ ጽኑዕ ሓርበኛ ብጻይ ኢዩ። ብርግጽ ሰብ መዋታይ፡ ታሪኽ ግን ነባሪ እዩ።

እንታይሞ! ታቃላሳይ አይነብርን እዩ እንታይ ድኣ እቲ ሒዝዎ ዝጸንሔ ቅኑዕን ፍትሓውን ዝኾነ ቁዱስ ዕላማ ናይ ህዝቢ ግን፡ በቶም ዝተረፉ አብ ቃልሲ ዝሳተፉ ውጽዓት ተቃለሲቲ ህዝብታት ኤርትራ ናብ ፍጹም ዓወት ከም ዝብጽሕ ግን አይንጠራጥርን።

 ብጻይና ኣለም ገብረሚካኤል ብጽንዓት ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ክዉን ንምግባር ብምሉእ ሕልናን ጻዕርን ኣብ መዕረፊኡ ንምብጻሕ ቃልስና ይቕጽል። ሓርነታዊ ዓወት ህዝብታት ኤርትራ ከኣ ናይ ግድን ክዉን ክኸውን ኢዩ።  

ስለ’ዚ ኩቡር ብጻይናን ሓውና ተጋዳላይ ብዕለት 06.08.2022 ካብ ጉዕዞና ብኣካል ተፈልየ። ሽሕ እኳ እዚ ኹቡር ብጻይ ብምኽንያት ዕረፍቱ ብአካል እንተ ተፈልየና ብመንፈስን ብሐሳብን ግን ክሉ ግዜ ኣብ ጎንና አሎ። ንዕላማኡ ኣብ መፍጸምታኡ ንምብጻሕ ሓደራኡ ንቀበል።

ጽንዓት ንክብርቲ ሓርበኛ በዓልቲ ቤቱን ደቁን፡ ጽንዓት ንኹሉም ቤተሰቡን ፈተውቱን ብጾቱን።

ንሓውናን ብጻይናን ኣለም ገብረሚካኤ ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ።

ደሞክርስያዊ ግንባር ሓርንት ኤርትራ (ደግሓኤ)  ዞባ ኤውሮጳ

07-08-2022