ፓስፖርት ኤርትራ ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣገደስቲ ሰነዳት መገሻ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ወረቐት ከቕርቡ ዘገድድ መስርሕ፡ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን ውዱቕ ከምዝገበሮ ተገሊጹ።

መንግስቲ ጀርመን፡ ናብታ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣትዮም ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ብመስርሕ 'ምትእኽኻብ ስድራቤት' ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባላት ስድራኦም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፖስፖርትን ካልእ መሰነይታ ሰነዳትን ከምጽኡ ከምዘለዎም ከገድድ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ጀርመን’ውን እንተዀነ፡ እቶም እታ ዓዲ እትደልዮ ግቡኣት ኣማሊኦም ዜግነት ናይ ጀርመን ክወስዱ ዝግባኦም ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰነዳት ከምጽኡ ከምዘለዎም ስለዝሕበሮም፡ ንጉዳዮም ብጠበቓ ንኽማጐቱ ናብ ዘየድሊ ወጻኢታት ክቃልዑ ምጽንሖም ዝሕብሩ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ሚያዝያ 2021 ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ጀርመን ብዝኽተሎ ተሪርን ዘየድልን ሕግታት ኣብ ጸገም ብምውዳቘም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅድሚኡ’ውን ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።

ኤርትራዊ ክኢላ ሕጊ፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ መኮነን ምስ ስጳኛዊት ሳራ ፓላሲዮስ ኣራፒለስን ብሓባር ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣዳልዮም ነይሮም።

 

እቲ ብምትሕብባር 'ኢኳል-ራይት'ን 'ኢንተርናሽናል ረፊዩጂ ኣሲስታንስ ፕሮጀክት'ን ዝተባህሉ ተጣበቕቲ ጕጅለታት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሰብመዚ ጀርመን ዝጠልብዎ ወግዓዊ ሰነዳት መንነት ሓደ ካብ ማሕንቘታት መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤታት ምዃኑ የነጽር።


ምንጪ ስእሊ, ZEKARIAS KIBREAB መግለጺ ስእሊ,ገለ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝካየድ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፍታት ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ ከም ፓስፖርት፡ ካርድ መንነት፡ ምስክር ወረቐት መርዓ፡ ጥምቀትን ልደትን ዝበሉ ሰነዳት ከቕርቡ ከምዝሕተቱ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

"ኤርትራ ብግቡእ ዝሰርሕ ስርዓተ-ሰነድ የብላን። ከምኡ ስለዝዀነ፡ ብዙሓት ምዕራፋት ሂወት (ከም ልደትን መርዓን) ብዘይ ወግዓዊ ሰነድ ይተርፉ" ክብል ኢኳል-ራይትስ ይገልጽ።

ኣብታ ሃገር ወረቐት ምስክር ልደት ብስሩዕ ከምዘይወሃብን፡ እቲ ዝወሃብ ንባዕሉ ሓደ ከምዘይኰነን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምዝፈላለን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

"ከም ናይ ልደትን ካልኦት ኣገደስቲ ሰነዳትን ግድፈት ፊደላት ምርካብ'ውን ዘይልሙድ ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ጸገም ምዕሩይነት [standardization] ኣብ ኤርትራ ልሙድ ስለዝዀነ" ድማ ይብል።

ክኢላ ዓለምለኻዊ ሕግን ሰባዊ መሰላትን ዝዀነ ዶ/ር ዳኒኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕላማ ናይቲ ጸብጻብ፡ ጥርዓናት እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ብምቕራብ ንጥብቅናን ምጕትን ከገልግል ትጽቢት ከምዘሎ ይገልጽ።

ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝወጹ ስደተኛታት ሰነዳዊ መርትዖታት ከቕርቡ ዝኽእልሉ መንገዲ ጸቢብ ምዃኑን፡ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ቅጥዕታት ከኣ ርትዓዊ ከምዘይኰነን ይዛረብ።

"ንሓደ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝመጸ ስደተኛ፡ (ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ብኸምኡ ስለዝኣትዉ)፡ ካብቲ ብቐንዱ ሃዲሙ ዝመጸሉ ሃገር፡ ኤምባሲ ከይዱ፡ ወረቐት ሰነድ ወይ ካልእ ነገራት ከምጽእ ክትሓቶ ቅቡል ኣይኰነን።

"ምኽንያቱ ናብታ ዝሃደምካላ ሃገር ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ፡ ወይ ከኣ ናብ ተደናጋጽነትን ምሕረትን ናይቲ ንዕኡ [መንግስቲ] ዝውክል ኤምባሲ ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ።"

እዚ ድማ፡ "ምስቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝራጸም'ዩ" ዝብል ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ናብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኪዱ ምባል ነቶም ስደተኛታት "ሓደጋታት ኣለዎ" ብምባል ገሊጹ ነይሩ።

ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብ ኤምባሲታት ሃገሮም ዝዀነ ኣገልግሎት ንምርካብ ካብ ኣታዊኦም ክልተ ሚእታዊት ክኸፍሉ፣ ካብታ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝወጹ ስደተኛታት ድማ፡ ኣብቲ ኤምባሲ ቀሪቦም ወረቐት ጣዕሳ ክመልኡን ይግደዱ’ዮም።

ካብዚ ብምብ

ገለ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝካየድ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፍታት ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን

ጋስ እተን ከም ሃገረ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትርር ዝበለ ሕጋጋት ዘለወን ሃገራት፡ ነቶም ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሃዲሞም ዝወጽኡ ስደተኛታት፡ "ተመሊሶም ናብ መንግስቲ ኤርትራ ክሰግዱን መጋበርያ ናይቲ ዝሃደምሉ መንግስቲ ክዀኑን" ከምዘገድዶም ርእይቶታት ክወሃበሉ ጸኒሑ’ዩ።

ብሰሉስ ግን ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ነቲ ጉዳይ መርሚሩ፡ እቶም ስድራኦም ክጥርንፉ ዘኽእል መሰል ዘለዎምን፡ ሕቶ ዕቝባኦም ቅብል ኰይኑ ክንሱ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰነዳት ከምጽኡ ዘይክኣሉን ብቐጥታ ፓስፖርት ክወሃቦም ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቝ።

ነዚ ውሳነ ኣመልኪታ ኣብ ጀርመን እትነብር ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ፌቨን ጊደወን፡ “ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ጀርመን ነቶም 'ብትራቭል ዶኵመንት' ናብ ጀርመን ክምጽኡ ዝኽእሉ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ኣምጽኡ ዝብል ሕጊ’ዮም ክኽተሉ ጸኒሖም፣ ሕጂ ግን እቶም ናብ ጀርመን ክኣትዉ ዘኽእል ምኽንያት ዘለዎም ብቐጥታ ትራቭል ዶኵመንት ክወሃቦም ጸዲቝ ኣሎ፣ ስለዚ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ከይዶም 2 ሚእታዊት ክኸፍሉ ይዅን ናይ ጣዕሳ ክመልኡ ኣይክግደዱን’ዮም፡” ትብል።

ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ብፖለቲካዊ ይዅን ብቝጠባ ዑቕባ ዝሓትት፡ ብምጥርናፍ ስድራቤት ናብቲ ሃገር ክኣቱ ንዝደሊ ብሓፈሻ፡ ብመንግስቲ ጀርመን፡" መረጋገጺ ሰነዳት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣምጽእ" እዩ ክበሃል ጸኒሑ።

ፌቨን ጊደወን፡ እዚ ክሲ ብሓደ ሰብ ከምዝተጀመረ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ንብዙሓት ሰባት ከሳቒ ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑን’ያ ትሕብር።

“ገሊኦም ከይፈተዉ ሰነዳት ንምርካብ ንመንግስቲ ኤርትራ 2 ሚእታዊት ክኸፍሉን ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ዝተገደዱን ኣለዉ፣ ገለ ኸኣ ተበሳጭዮም ነዛ ዓዲ ገዲፎማ” ትብል።

ንሳ ኣተሓሒዛ፡ “ኣብ ነሓሰ ኣብ ፌስቲቫል ናይ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞታትን፡ መንግስቲ ጀርመን ነዚ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣካይዳ ዝያዳ ከስተብህለሉን ጸገማት ኤርትራውያን ኣተኵሮ ክህቦን ደሪኹ’ዩ” ትብል።

እቲ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ብ 1 C 9.21 ዝብል ዓንቀጽ ዝመሓላለፎ ውሳነ፡ ንብዙሓት በቲ መንግስቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣተሓሕዛ ኣብ ጸገም ዝወደቝ ኤርትራውያን መስተርሆት ከምዝፈጠረሎም ርእይቶኦም ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።