ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምልላይ ነዊሕ ግዜ’ዩ ወሲዱ። ሕጂ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ካብ’ቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ሓራ ኣይወጽኡን።  እታ ሃገር ምስ ዝመጸትሉ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝነበረ ምረትን ብምትእስሳር፡ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቋዕ ኣልገሰ’ምበር ዘቤታዊ መግዛእትስ ሓላል’ዩ ብዘስምዕ ዝተቐበሉ ኣለው’ዮም። ጠንቅን ሳዕቤንን መንገዲ ዓወትን ውድቀትን ዘርኢ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ስለ ዘይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝንጸር ተደዋዊሱ።

ካብ ክወስዶ ዝግበኦ ንላዕሊ ከኣ ወሲዱ። ካብ’ዚ ዝተበገሰ ናይ ትማሊ ጽንዓትን ትብዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጡ ተዓዘብቲ  ኣሉታዊ ርእይቶ ከንጸባርቑ ጸኒሖም። ሓቆም ድማ’ዮም። እቲ ጨፍላቒ ጉጅለ ብክልተ እግሩ ረጊጹ ከይገበለ፣ ሰብኣዊ ህይወትን ሃብትን ከይጠፍአ፣ ማዕቢሉ ዝነበረ ሓበራዊ ሃገራዊ ስምዒት ብኣሉታ ከይተጸልወ፣ ማሕበራውን ሃይማኖታውን መተኣሳሰሪ ክብርታትና ከይተናገዐ፣ ከም ህዝቢ ኣብ ኣሉታዊ ትዕዝብቲ ከይወደቕና እንተነውሐ ኣብ መወዳእታ 90ታት ኣይፋል ንሃላሊ ፖለቲካዊ ዕንደራ ዝብል ተጽዕኖ ፈጣሪ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክውለድ ነይርዎ። ግን ኣይኮነን። ሎሚ ግን “ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ከም ዝበሃል” ብሳላ ተበግሶ ብርጌድ ንሓመዱ ዝተዳኸመ  ናይ ቃልሲ ኒያት ከም ብሓድሽ ይበራበር ኣሎ። እቶም ኣሎታዊ ትዕዝብቲ ዝነበሮም ገለ ደው ኢሎም ክዕዘቡ፡ ገለ ኸኣ ነቲ ንፈልጦ ትብዓት ህዝቢ ኤርትራ ዘሐድስ ሓይሊ ብሃንደበት ተወሊዱ እናበሉ ኣድናቖቶምን ደገፎምን ይገልጹ ኣለው።

ሓደ ናይ ነዊሕ ግዜ እምቢታ ንተበራራይቲ ገዛእትን ውህሉል ተመክሮ  ናይ ቃልስን ዘለዎ  ህዝቢ፡ ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝበለ ኢደ እግሩ ዘይፍለጥ፡ ኣብ ትማሊ ከም’ዚ ነበርኩ ገበርኩ፡ ምፍጣርን ምርባሕን ጽልኢ ዝተጸምደ፡ ህዝባዊ ክብርን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዝሕርሙ ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ዝቖመ ሓይሊ 32 ዓመት ምጽናሕ፡ ብዓይኒ ተዓዘብቲ ዝገርም፡ ብዓይኒ ለባማት ኤርትራውያን ከኣ ዘሕፍር’ዩ። ኣንጊሆም ንፖለቲካዊ ባህሪያት እዚ ጸረ-ህዝቢ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝተረድኡ ኤርትራውያን ኣይነበሩን ማለት ግን ኣይኮነን። ነይሮም’ዮም። ፖለቲካዊ ተንታኖም፡ መርገጾምን ናይ ከመይ ይወገድ ስልታዊ ፖሊሲኦምን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውድባት ነይሮም’ዮም። ከቢድ ዋጋ እናኸፈሉ መጺኦምን ገና ይቕጽሉ ኣለውን’ዮም።

       ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ገምጊሞምን  ናቶም ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ቀሪጾምን ዘይኮነ፡ ብዓይኖም ካብ ዝረኣይዎን ኣብ ርእሲኦም ካብ ዝበጽሐን ዕለታዊ ጨካን ተግባርን ሞራላዊ ሃሰያን ተማሪሮም፡ ካብ ውሽጢ’ዚ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ዝተበገሱ ናይ ተቓውሞ ፈተነታት’ውን ነይሮም’ዮም።  ሕጂ’ውን ኣለው’ዮም።  ንሳቶም’ውን ስለ ዝተቓወሙ ጥራሕ ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም’ዮም። ብግዚያዊ ስምዒታዊ ረስንን ፖለቲካዊ የዋህነቶምን ዝግለጹ፡ ናዕቢ ሰራዊት 1993፣ ተቓውሞ ተመሃሮ ዩኒቨሪሲቲ ኣስመራ 2001፣ ፋሽሽትነት እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝተጋህደሉ ጨፍጫፍ ውጉኣት ሓርነት 1994፣ ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታቶ ዝጠለቡ ፖለቲከኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን 2001፣ ጅግና ወዲ ዓሊ ብኽብሪ ዝወደቐሉ ዘይዕወት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ 2013፡  ገለ ካብ’ቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ  ብእኩብ መልክዕ ዝተገብሩ ኣብነታት’ዮም። ብደረጃ ውልቀ ሰባትን ሃይማኖታዊ መልክዕን  ዝነበረን ዛጊት’ውን ዘሎ ብቱን ተቓውሞን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ገበናት ከይዘናጋዕና ማለት’ዩ። እዚ ኩሉ ግን ተፈቲኑን ዋጋ ድማ ኣኽፊሉን ደኣምበር፡ ተጽዕኖ ፈጣሪ ንምዃን ኣይበቕዐን። ዛጊት ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ጠንቅን ሳዕቤንን ፈላልዩ ኣብ ምንጻር ኣይተዓወተን። ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ኣዕሲሉ ከቃልስ ኣይከኣለን። ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብኣረኣእያን ተግባርን ዘሕምም በትሪ ኣይዕረፈን። ትርጉም ዘለዎ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ዓለምን ዲፕሎማስያዊ ስሕበትን ኣይፈጠረን።

ኣብ  መረበቶምን ሃገሮምን ብሰላም ከይነብሩ፡ ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ከየሕልፉ ዝባኑ ብዝቐልዐ ትዕቢትን ጭካኔን  ዝተነፍጉ ዜጋታት ብሓፈሻ፡  መናእሰያት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝበለ ዘቤታዊ መግዛእቲ ካብ ምንባር፡ “ሞት ወይ ሕየት” ዝብል ግዱድ ግን ከኣ ተባዕ ውሳኔ ተሰዲዶም፡፡ ብዙሕ መስገደል ሓሊፎም ሰብ ብሰብነቱ ኣብ ዝኽበረለን ሃገራት  ካብ ዝኣተው ወገናት፡ ናይ ስደተኛ መሰልን ዕቑባን ምስ ረኸቡ፡ ካብ’ቲ ቅድም ዝነበረ ዝተፈልየ ሜላ ናይ ቃልሲ ሒዞም ተቐልቂሎም። ብንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ዘይኮነ፡ ብተግባር ዝዛረብ፡ ዝተለሞ ድማ ኣብ ዝፍጽም ብርጌድ ንሓመዱ ተጠራኒፎም ነቲ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዓፈና እንኮ-ሰባዊ ኣገዛዝእ ዝርከብ ህዝቢ  ተስፋ ቀጻልነትን ዓወትን ሂበሞ።  ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ውልዶ ዕድሜኡ ሓባራዊ ጭርሖን ሓባራዊ ሕራኔን ወኒኑ። ኣብ ርሑቕ ኮይኑ ዘይኮነ ብቐረባ፡ ብስም ባህላዊ ፈስቲቫልን ሃገራዊ በዓላትን ኤርትራ፡ ማሕበራዊ ነውሪ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ተራ ጽልእን ጭካኔን ኣብ ዝስበኸሉ ኣዳራሻት እናተረኽበ፡ ንህይወቱ ከይሰሰዐ፡ ብዝወስዶ ዘሎ ዝተናበበን ተኸታታልን ተባዕ ስጉምቲ፡ ጭቡጥ ዓወታት የመዝግብ ኣሎ። ኣብ ጸላኢ ራዕዲ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ለውጢ ተስፋ፡ ኣብ ከባብን ዓለምን ዘሕድሮ ዘሎ ኣወንታዊ ጽልዋን ኣብ ዝሓለፉ 32 ዓመታት ካብ ዝተገብሩ ንጥፈታት ዝተፈልየ’ዩ። ብርግጽ ነበራት ፖለቲካዊ ውድባት ብመንጽር ጸላኢ ዝኽተሎ ኣዕናዊ መርሆ፡ ካብ መጀመሪያ ኣትሒዞም ናይ ሓይሊ ሓሳብ ልዕልና ነይርዎም’ዩ። እቲ ሓይሊ ሓሳብ ብተግባር ይስነ ስለ ዘይነበረ ግን፡ ኣብ ባይታ ወሪዱ ኣብ ህዝቢ ተዘሪኡ ከፍሪ ኣይከኣለን። ብፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጸለመ ጸላኢ ክጥቅዑ፡ ክእሰሩን ክቕተሉን ‘ምበር፡ ገዛእ ርእሶም ኣድሒኖም  ፈጠርቲ ተጽዕኖ ክኾኑን ኣይከኣሉን። ከም’ቲ “ቅኑዕ ሓሳብ ብዘይተግባር ፍረ የብሉን” ዝበሃል ምስላ  ምዃኑ’ዩ።

 ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ምስ ባህርን ተግባርን ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝደሓረን ዝጨከነን’ዩ። ዝደሓረ ዘብሎ፡ ሓባራዊ ወይ ኮሜታዊ ኣሰራርሓ ዘይፈልጥ ብድሌትን ትእዛዝን ሓደ ሰብ ጥራሕ ዝምራሕ ምዃኑ፣ ኩሉ ነገር ብስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ ይመሓደር ይነባበር ዝብል  ጨካን እምነት ዝኽተል ብምዃኑ፣ ዝነበረ ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዜጋታትን ትካላትን ክድስክል ኢሉ’ውን ክመውት ምውሳኑ፣ ካብ ራስያን ኮንትሮ ባንድን ከምኡ’ውን  ክብሪ ህዝብን ሃገርን ኣዋሪዱ ብመንግስታዊ ዕሱብነት ብዝረኽቦ ዘይሕጋውን ዘይቀዋምን ገንዘባዊ እቶት ህዝቢ ክመርሕ ዝተኣማመን ምዃኑ፣ ሓሶትን ጽልእን ቀዋሚ መምርሒኡ ምግባሩ፣ ንትምህርትን ምርምርን  ብስኽራንን ዕጥራንን ብምትክኡ ኣብ ክንዲ ዝሓፍር መን ከም ምሕደራ ኢሉ ምጅሃሩ’ዩ። ዝጨከነ ዘብሎ ከኣ፡  ምሉእ ብምሉእ ካብ ፍትሓዊ ኣረኣእያን መስመር ሰብኣውነትን ወጺኡ፡ ህዝቢ ኣድኪኻ ብፋሽሽታዊ ጭካኔ ሞራሉ ክስበር ብምግባር ቀጻልነት ስልጣን ምውሓስ ብዝብል ኣረኣእያ ዝምራሕ ምዃኑን’ዩ።

 ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ድሕረትን ፋሽሽታዊ በትርን ህይወት ዘለዎ ዘምስልዎ ከኣ ሽሾ ስለያ፡ ብስመ ሓይልታት ምክልኻል ዝጽውዑ እኩባት ሰብ ብረትን እዚ ህዝቢ ካብ ኢሳያስ ወጻኢ መራሒ የብሉን፡ ኢሳያስ ገለ ሓደጋ እንተጋጢምዎ ህላወን ቀጻልነት እዛ ሃገር ከብቅዕ’ዩ ዝብል ዕሙት ኣምልኾ ዘለዎም ዜጋታትን’ዮም። እዚኦም ከም ሰባት ንናቶም ሰብኣዊ ክብሪ ዘይከላኸሉ፡ ንጭካኔ፡ ስርቕን ኮንትሮ ባንድን ከም ኤርትራዊ ብልሕን ትብዓትን ዘተባብዑ፡ ብቤላ ቤሎ ዝምርሑ ጾር ህዝቢ ኤርትራ’ዮም። እዚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብሽሾ ስለያ፡ ጸጥታን ዕሙታት ኣምለኽትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ልክዑ ብዝሓለፎ ሓሻሽነትን ዝምውናን’ውን ብዕላማ ዝሰርሕ ምዃኑ’ዩ። ነዚ ዝስከም ምንጪ ገንዘባዊ እቶት ድማ ኣብ ኤርትራ የለን። ብኣድኪኻ ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ውሳኔ፡ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሑ ዜጋታት ከህልው ስለዘይተደልየ እዝዩ ዝበሃል ፍሉጥ ምንጪ ሃገራዊ ኣታዊ የለን። ዘመናዊ ሕርሻ ዝበሃል ንፍርዲ ኣይትርትዑና እንተዘይኮይኑ የለን። ናብ ዕዳጋ ዝቐረብ ካብ እንስሳ ዘቤት ዝርከብ ፍርያት የለን። ወደባት ደስኪሉ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ ናብ ደረጃ ተጸባይነት ወሪዱ’ዩ።

ስለዚ  እቲ እንኮ ብምድንጋርን ምፍርራሕን ካብ ኤርትራውያን ዝረኽቦ ምንጪ ገንዘባዊ እቶት፡ እዚ ብርጌድ ንሓመዱ ኣለልይዎን ምሉእ ንምሉእ ንምምካኑ ዝረባረበላ ዘሎ፡ ብኣካል ካብ ኤርትራ ብሓሳብ ካብ ሰብኣውነት ተሰዲዶም፡ ኣብ ዝተፈላላየ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ናይ ሕልና ባሮት ብዝተፈላለየ ምስምስ ዘእትዎ ሸርፊ ወጻኢ’ዩ። ነዚ ምንጪ’ዚ ክደርቕ ምግባር ሕቖ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምስባር’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብርጌድ ንሓመዱ ጥራሕ ዘይኮነ ጉጅለ ኢሳያስ’ውን ተረዲእዎ ኣሎ። ስለ ዝተረደኦ ድማ’ዩ ንግብራዊ ጽፍዒት ብርጌድ ንሓመዱ ምጽዋር ስኢኑ፡ ምስ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝተዘርግሑ ቅሉዓትን ሕቡኣትን መጋበርያታቱ ብስንባደ ዕብድብድ ዝብል ዘሎ።

 መን’ዩ ኤርትራዊ ዜጋ ምስክርነት ክህብ ኮነ ሕጋውነት ከልብስ ዘኽእል ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ክንሱ፡ ነቲ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘርኢ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ብሓፈሻ፡ ንዘይምሕር በትሪ ብርጌድ ንሓመዱ ከኣ ብፍላይ፡ ብከባቢያዊ ስምዒታት ከፋፊሉ ብምዝሕሓል ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ንዓይ ዘምልኹ ኤርትራውያን’ዮም። ንዓይ ዝቃወሙ ኩሎም ጸረ-ህዝቢ ኤርትራን ተጋሩን’ዮም ዝብል ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ዘካይድ ዘሎ።

 “መን መርዓት ምስ በለክን ትኮሓላ” ከም ዝበሃል፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ኣነ ሕጋዊ መንግስቲ’የ ክብል ዘኽእሎ ዝኾነ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክንሱ፡ ኣምለኽትን ልኩማትን ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፡ ከይሓፈረ እከለ ኤርትራዊ፡ እከለ ኤርትራዊ ኣይኮነን እናበለ ህዝቢ ንምፍልላይን ንምግጫውን መርዛም መልእኽቲ ይነዝሕ ኣሎ። ዜግነት ብድሌትን ልግስን ዝወሃብን ዝኽልከልን ተራ ነገር ኣይኮነን። ዜግነት ኣባል ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ምስ ምዃንን ዘይምዃንን ዘተኣሳስር ምኽንያት የብሉን። ዜግነት ብዝኾነ ኣጋጣሚ ( ብሕጋዊ ይኹን ብምድንጋር) ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንዝደየበ ሓይሊ፡ ድሌታቱ ምስ ምፍጻምን ምቅዋምን ዝምዘነሉ ኩነታት የለን። ዜግነት ፖለቲካ’ኳ እንተኾነ ግን ብሕጋዊ ኣገባብ’ዩ ዝረአ፡ ዝወሃብን ዝኽልከልን። ዜግነት ዝህብን ዝኽልክልን ሕጊ ከኣ፡ ብሰብ ሞያ ሕጊ ተነዲፉ (ረቒቑ) ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ብነጻነት፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ይእቶ፡ እዚ ይውጻእ፡ ዓንቀጽ ክንድዚ ብኸም’ዚ ይመሓየሽ ወይ ይተካእ ...ወዘተ እናበሉ ብዝተዛተይሉን ዘብሰልዎን መስርሕ ሓሊፉ፡ ብሕጋውያን ወከልቶም ብሕጊ ዝጸደቐን ናትና ኢሎም ብዝቕበልዎን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ብዝፈቕዶ መሰረት’ዩ ዝውሰን። ኣብ ዓለም ዝስርሓሉ ሕጋውን ወግዓውን ኣገባብ እዚ’ዩ።

ብናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ግርህነት ( ዘይብስለት ፖለቲካ) ኣብ ምሉእ ምሕረት እንኮ-ሰብ ዝወደቐት ሃገረ ኤርትራ ግን፡ ብፍጹም ትመሓደረሉ ቅዋም የብላን። ዝኾነ ይኹን ብህዝቢ ዝቖመ ሕጋዊ ስልጣንን ተሓታትነትን ዘለዎ ተመጋጋቢ ሰንሰለታዊ ባይቶኣዊ መድረኻት የብላን። እቲ ብገለ የወሃት ኣለና፡ ኣብ ተግባር ይስርሓልና ዝበሃለሉ ዝነበረ ብቅዋም 1997 ዝፍለጥ በይናዊ ህግደፋዊ ሰነድ፡ ብፈጣርን ናይ ዕድመ ልክዕ መራሕን እቲ ጉጅለ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝሞተ ብወግዒ ተሓቢሩ’ዩ። እሞ በየናይ ፖለቲካውን ሕጋውን መሰረት ደኣዩ ንዓይ ዘምልኹ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም። ንዓይ ዝቃወሙ ትግረዎት’ዮም ዓጋመ’ዮም’ ወያነ’ዮም ዝብል ወፍሪ ዘካይድ ዘሎ? ንምዃኑ ኸ ኤርትራ ኣብ 1993 ብዝተኻየደ ህዝበ ውሳኔ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ካብ ምዃናን ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ኣፍልጦም ካብ ምርካባን ወጻኢ፡  ንዜግነት ዝምልከት ቅዋም መሰረት ዝገበረ ሕጊ ኣለዋ ድዩ? እቲ ኩሉ ኣነ ኤርትራዊ ዜጋ’የ ዝብል ዘሎ ኸ ካብ ኤርትራዊ ትውልዱን ሃገራዊ ስምዒቱን ወጻኢ ካብ ቅዋም ዝምንጩ ሕጋዊ  ናይ ዜግነት መሰነይታ ኣለዎ ድዩ ንዝብል ሕቶ ካብ ዝተለምደ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝሰገረ ተራ ጸርፍን ከፋፋሊ መልእኽትን ምቅላሕ ሓሊፉ ጭቡጥ ሕጋዊ መረዳእታ ሒዙ ክማጎት ኣይክእልን።

ቀዳማይ፡ ኣይኮነን እዚ ብደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ብቐጥታ ከም ህዝቢ ምስ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ዝውስን ናይ እምቢታ ቃልሲ፡ ገለ ዜጋታት ብተነጻል ድዩ ብእኩብ ደረቕ ገበን እንተዝፍጽሙ’ውን ብመጠን ዝፈጸመዎ ገበን፡ ብሃገራዊ ሕጊ’ዮም ዝሕተቱን ዝፍረዱን ‘ምበር፡ ብድድ ኢልካ ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ምባል ርእሱ ዝኸኣለ ከቢድ ገበን’ዩ። እዚ ብገበን ዘሕትት ወፍሪ ብተግባር ኣብ’ቶም ኣይኮንኩምን ዝበሃሉ ዘለው ዘምጸኦ ለውጢ የለን።  መሰልና ይከበር፡ ብድሌት ውልቀ ሰብ ኣይንምራሕን ንኹልና ዝጥርንፍ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ይሃልወና ንዝብሉ ተቓለስቲ፡ ክሳብ ኣይተወለድካን እንተተበጺሑ ግን ዝስዕብ መልሲ ኣይተፈጠርካን ምዃኑ ምርዳእ ጽቡቕ’ዩ። ስለዚ “ጨው ንባዕልኻ ክትብል መቅር እንተዘይኮነ  እምኒ ተባሂልካ ክትድርበ ኢኻ” ከም ዝበሃል፡ ስልጣን ሓደ ሰብ ንምንዋሕ፡ ንኤርትራውያን ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ዝብሉ ዘለው ወገናት፡ ንኻልእ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሶም ክብሉ ሳዕቤኑ ቀሊል ከም ዘይኮነ ካብ ሕጂ ክርድኡ ይግባእ።

 ካልኣይ ንእንኮ-ሰባዊ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኣይንቕበልን ካብ ሒዝዎ ዘሎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክውገድ ኣለዎ ንዝብሉ  ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃላሱ  ወገናት፡ ትግረዎት’ዮም። ዓጋመ’ዮም። ወያነ’ዮም ምባል ዝተደልየሉ ምኽንያት ከ መንቀሊኡ እንታይ’ዩ?  ብጭብጢ ክቐርብ ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንመሰልን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ዝጻባእ  መርገጽ ነይርዎን ኣለዎን ድዩ? ብተግባር ከ ኣብ ታሪኹ ዝገበሮ ወራርን ወስታን ኣሎ ድዩ? ህወሓትን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡን ከ ከም ውድብ ካብ ዝተመስረተሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ፍትሓውነት ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራን ኣፍልጦ ልኡላውነት ኤርትራን ዝተዛበዐ ኣሉታዊ ርድኢት ነይርዎን ኣለዎን ድዩ? ብተግባር ከ ብውሳኔ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንዝተኸፍተሉ ወራር ካብ ምምካት ወጻኢ ዝገበሮ ወራርን ዘርኣዮ ወስታን ኣሎ ድዩ?

 በዞም ሎሚ መሻርኽቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኖም፡ ናይ ግድን ኣፍ ደገ ባሕሪ ክህልወና ኣለዎ። ወደብ ዓሰብ መለስ ዜናዊ ኣሕሊፉ ዝሃቦም ተፈጥሮኣዊ ሃብትና’ዩ። ንኢሳያስ ሒዝና ከነምልሶ ኢና ዝብሉ ዘለው ወገናት፡ ብሃገራዊ ክሕደት እናተኸሰሰ ብሓሳብ ብመትከል ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብምድጋፍ ናይ ደምን ህይወትን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝብን ወድብን’ዶ ኣይኮኑን? ነዚ ሓቂ’ዚ ጸለሎ ለኺኻ ካብ ታሪኽ ክትስርዞ እንተተደልየ’ውን ኣይከኣልን። ነቲ ስሩት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሎ ማሕበራዊ ሕውነትን ቦታዊ ቅርበትን ግብረ እከያት እንተደለዩ’ውን ክበትክዎን ክሰብርዎን ዘኽእል ዕድል የለን።   እዚ ወፍሪ’ዚ ናይ ዝፈሸለ መራሕን ዝኸሰሩ ኣምለኽትን መሰረት ዘይብሉ ግዝያዊ ጫቕጫቕ’ዩ።

ጸረ-ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ምርዳእ ጥራሕ ከይተሓጽረ፡ ሰውራ ኤርትራ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ሰፊሕ ምድላዋት ተገይሩ ኣብ ዝተወፍረሉ ፈታኒ መድረኽ፡ ሳሕል ከይዱ ህይወት ኣሽሓት ተጋደልቱ ከፊሉ ኣብ ምፍሻል ሻድሻይ ወራር ልሉይ ተራ ዝተጻወተኮ ውላድ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ’ዩ። ብጀማርነት ኢሳያስን ምእዙዛት ጀነራላቱን ብዶብን ባድመን ተመኽንዩ ዝተወለዐ ኣብራሲ ኲናት 1998-2000 ባዶ ጃህራን ፈኸራን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ዝተቓልዐሉ፡ ተስፋ ቆሪጹ ፋይላቱ ሒዙ ናብ ዝተለምደ ጎቦታት ሳሕል ንምኻድ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ክሳብ ኣስመራ ኣቲና ዳግማይ ሓደጋ ብዘይኾነሉ ሃሪምናዮ ንመለስ ዝብሉን፣ ብሓይሊ ብወራር ዝተታሕዘ መሬትና ከነምልስ ተገዲድና ዝኣተናዮ ኲናት’ዩ።  ሕጂ መሬትና ብሓይሊ ኣምሊስናዮ ኣለና። ዝተርፍ ጉዳይ ሕጊ’ዩ። ናይ መሬት ይግበኣኒ ሕቶ ብሕጋዊ ኣገባብ’ዩ ናይ መወዳእታ ብይን ዝረክብ። ክሳብ ኣስመራ ምኻድ ይከኣል’ዩ ግን ንልኡላውነት ኤርትራ ምድፋር’ዩ ።  እዚ ከኣ ምስ መሰረታዊ ፍትሓዊ እምነትናን መትከልናን ኣይሰማምዕን ብዝብል ገስጋስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ዘለዎ ከይቕጽል ምስተገትአ እቲ መሪሕነት ኣብ ክልተ ተገሚዑ።  በዓል ስውእ መለስ ዝነበርዎ ኣይንቕጽልን ዝበለ ሸነኽ ናይ ዝበዝሑ ካድራትን ኣባላት ደገፍ ስለ ዝረኸበ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ተዓጺፉ።

እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሂቕታ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ጥራሕ ከም ተርእዮ ተኸሲቱ ዝቐሃመ ኣይነበረን። ነቲ ዶባዊ ኲናት ሽፋን ብምግባር ንወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ንሓዛ ዝብል ርእይቶ ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኢህወደግ’ውን ተላዒሉ’ዩ። መርገጽ እዞም ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓትን ኣምለኽቱን ብጥቕራን ብህዝቢ ኤርትራ ከም ወረርትን ጸላእትን ክራኣዩ ዝስበኸሎም ዘሎ መሪሕነት ህወሓትን ገለ መሪሕነት ካብ ኣባላት ውድባት ኢህወደግን ነቲ ዝተለምደ ፍትሓዊ መትከላዊ ጽንዓት ዘረጋገጸ’ዩ ነይሩ። ከም ፖለቲካዊ ውሳነ ከምኡ ምግባር ቅኑዕ ኣይኮነን። ብመትከል ኣይንድግፎን።  ከምኡ እንተደኣ ገይርና ከኣ ብዓይኒ ሕጊ ወረርቲ ኢና ንኸውን ብዝብል ክትዕ ከም ዘምከንዎ ተጋዳላይ በረከት ስሞኦን ኣብ መጽሓፉ ኣስማት ናይ’ቶም ንውረር ዝበሉን ኣይፋል ዝበሉን ረቚሑ ኣስፊርዎ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ሃዲዶም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን ንኹሉ ካብ ህግደፍ ዝተማህርዎ ንህዝቢ ትግራይ ዘቆናጽብ ድሑር ርእይቶታት ተጻዊሩ፡ ብዓይኒ ሰብኣውነትን ሕውነትን ብጸጋ ተቐቢሉ ዘተኣናገደ፡ ውድብ ህወሓት ከኣ ካብ መጀመሪያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፍትሓዊ ሕቶኡ ጸኒዑ ዝቐጸለን ብመትከል ዝግዛእ ሓይልን ክንሱ፡ ከም ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣምሲልካ ከተቐርቦም ምስ’ቲ “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብል ረዚን ኤርትራዊ ብሂል ዝጋጮ ውጹእ ክሕደት’ዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ብገበናዊ ተግባራት ዝሓበጠ በይናዊ ስልጣን ካብ ጠንቂ ናብ ሳዕቤን ኣውሪድካ ንምድሓን ዝተማህዘ፡ ንፖለቲካዊ ዓቕምን ኣገንዝቦን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ መሰረት ዘይብሉ ተራ ፕሮፖጋንዳዊ ጸለመ’ዩ።

እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኢሳያስ ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ካብ ናይ ተበሊጸ ተሰጊረ ክፉእ ሕማም ሕስድና ወጻኢ እዚ ገይሮም ኢሉ ከቕርቦ ዝኽእል መትከላዊ ጌጋ ኮነ፡ ግብራዊ ወስታ የለን።  ብግልባጡ ግን ንሱ ንህወሓት ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክደኪ ርእሱ ከድንን ኢሉ’ውን ክጸንት ዝከኣሎ ኩሉ ገይሩን ገና ሕጂ’ውን ይገብር ኣሎን። ኣብ 1985 (1977 ግእዝ) ኣጋጢሙ ዝነበረ ከቢድ ደርቂ፡ ህዝቢ ትግራይ ብመሬት ኤርትራ ሓሊፉ ህይወቱ ካብ ሞት ከይድሕን መንገዲ ከልኪሉ ብዘተዘዋዋሪ ንሞት ፈሪድዎ። ስርዓት ደርግ ተሳዒሩ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ንትግረዎት ገበን ተረኺብዎም ዘይኮነ ብዘርኦም ብመንነቶም ካብ ምሉእ ኤርትራ ተኣርዮም ሃብቲ ጥሪቶም ተዘሚቶም ክባረሩ ገይሩ። ንትግረዎት ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ኢትዮጵያውያን ወሊደን ዘርኢ ኣባላሽየን ዝተባህለ  ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸራ  ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብመምርሒ ዘርኢ ምጽራይ ብሓይሊ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክባረራ ተገይሩ።  እዚ ነቶም  ክሳብ ሕጂ ካብ መከራ ዘይወጹ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ተደርብዮም ብልመና ዝነባበሩ ዘለው ኤርትራውያንን ተጋሩን ግዳያት ሓቲትካ ምርግጋጽ ይከኣል’ዩ።

ድሕሪ ኲናት ባድመ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ፡ ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብዝተሓቑፉ ስማውያን ስነ-ጥበበኛታት ብመልክዕ ደርፊ፣ ግጥሚ፣  ድራማ (ንኣብነት ጠራራይ)፣ ጋዜጣ፣ መጻሕፍቲ፣ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ...ወዘተ ብመደብ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ናይ ጽልእን ምቁንጻብን ስራሓት ውጽኢቱ እዚ ኣብ 2020 ብተግባር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተዓዘቦ ብደይ መዳይ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ወፍሪ ዘርኢ ምጽናት’ዩ።  ብኣንጻሩ ክቕየሙን ኣብ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ክኸሱ ዘምሕረሎምን ጭብጢ ዘለዎምን፡ ዘይኢዶም ዝረኸቡ ብልቦናኦም ብፍትሓዊ መትከላዊ ጽንዓቶም ብደናቑር ፖለቲካ ከም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ወፍሪ ጸለመ ዝካየደሎም ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ህይወሓትን’ዮም። ጉጅለ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓው ህዝቢ ትግራይ ዝመረረ ጽልኢ ከሕድር ዝገብሮ ዘሎ ጽዑቕ ወፍሪ ጸለመን ርእሰ ነጻነት ዘይብሎም ወተሃደራቱ ኣብ መሬት ትግራይ ኣትዮም ዝረኸብዎ ሰብ  ተኲሶም ብምቕታል ከጽንትዎ ዝህብዎ ዘለው  ትእዛዝን ካብ ክፉእ ሕማም ሕስድናን ምንዋሕ እንኮ-ሰባዊ ስልጣንን  ካልእ መረዳእታ ዝርከቦ ኣይኮነን።

 ገዛእ ርእስኻ ካብ ሰብኣዊ ሚዛን ምውራድ ኣብ ትዕዝቢ ለባማት ካብ ምእታውን  ይጥፍኡልና ከነጥፈኦም ኢና  ማለት ከ እንታይ ዝብልዎ ተረድኦ’ዩ? ህዝቢ ኤርትራ ብህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ከም ዝተበደሉ ዘእምን ታሪኻዊ መርተዖ የለን። መርተዖ እንዝርከቦ’ውን ተበዲለ በሃሊ ብሕጊ’ዩ በደሉ ዘዋራርድ ዝከሓስ ‘ምበር፡ ህዝቢ ትግራት ዝበሃል ጎረቤት ኣየድልየናን ክጠፍኡ ኣለዎም ከነጥፈኦም ኢና ማለት እዞም ሰባት ናይ ተፈጥሮ ሰብ ምዃኖም ንኽትቅበል ዘጸግም’ዩ። ብባህሪ ‘ምበር በተግባር ንህዝቢ ትግራይ ከጥፍእዎ ኣይክእሉን። ነቲ ባህሪያዊ ናይ ጉርብትና ወሰን’ውን ክልውጥዎ ኣይክእሉን። ነቲ ብደም ዝተኣሳሰረ ስሩት ህዝባዊ ሕውነት’ውን ግዝያዊ ኣሉታዊ ስምዒታት ካብ ምፍጣር ዝሓልፍ ክበትክዎ ኣይክእሉን። ንህዝቢ ትግራይ እንተሰሊጥዎም ክጽንትዎ፡ እንተዘይሰለጦም ከኣ ኩሎም ብኤርትራውያን ከም ሕንጉጉ ክረአ ካብ ዘለዎም ውዱቕ ኣተሓሳስባ ተበጊሶም፡ ናይ ኤርትራውያን ኤርትራዊ መበቆል ክሓኩ ይመጣጠሩ ኣለው። እዚ  ምስ  ምኽባር ልኡላውነት ኤርትራን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዘተኣሳስር ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የብሉን።  እዚ  ፖለቲካዊ ገበናዊ ዕብዳን’ዩ። ጻምእ ስልጣን ሓደ ሰብ ንምርዋይ መሰረት ዝገበረ ናይ ብዙሓት ሓባራዊ ዕብዳን።

 ኣብዚ ሎሚ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣድክዩን ኣርዒዱን ብዘገምታ ንምቕታል ብተወፋይነት ዝሰርሕ ዘሎ ኣካል፡ ናይ ብዙሓት ሓባራዊ ዕብዳን ከም ተመክሮ ሕጂ ዝጀመረ ኣይኮነን። ብ1973 ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተላዕለ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ጻምእ ስልጣነይ ኣብ ሓደጋ ወደቐ ካብ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ኢሳያስ ዝተበገሰ፡ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ንምስዓር ኣካል ቅተል ዝሰረተ እምነቱ ግልቡጥ መጎት፡ ከፋፈልቲ፡ ኣውራጃውያን ብዝብል ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ስኻር ዝተዓጀበ  ብስመ ውድባዊ ጥርናፈ  ዝተፈጸመ  ኣካላዊ ቅንጸላ’ዩ። ብዘይ ዝኾነ ዝጭበጥ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ኮነ ሃገራዊ ክሕደት፡ ኣብ ውሽጢ ኮይንካ ክፍታሕ ዝከኣል ክንሱ፡ ሃይማኖታውን ቦታን ስምዒታት ብምርስሳን( ንሕናን ዕላማናን ምውካስ ይከኣል’ዩ) ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ኣካል ዘጉደለን ኣብ መንጎ ተሓኤን ህግሓኤ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ፖለቲካዊ ዕብዳን ዘበገሶ።ዩ።

 ኣብ 2001 ብሃገረ ደረጃ ጽገናዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክግበር ዝጠለቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ብክሕደት ሃገር፣ ኣውራጃውያን፣ ልኡኻት ወያነ፣ መጋበርያ ሲ ኣይ ኤ  ተባሂሎም ተጨውዮም ህጣሞም ዝጠፍእሉ፡ ድሌትን ውሳኔን ሓደ ሰብ ንምፍጻም ብሆታን ፈኸራን ብዙሓት ሓባራዊ ዕብዳን ዝተደገፈ’ዩ ነይሩ። ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ነባራት ፖለቲካዊ ውድባት ብሓሙሻይ መስርዕን ወያኔን ክኸይድ ዝጸንሐ ወፍሪ ጸለመ ጭውያን ቅንጸላን ሃገር ቅድሚ ኩሉ፡ ምዕቃብ ነጻነት፡ ምኽባር ልኡላውነት ብዝደጋግሙ ፖለቲካዊ ሩሕ ዘይብሎም ኣምስሉ  “ንሕና ንሱ” በሎም ኣጥፈኣዮም ቀንጽሎም ሓባራዊ ዕብዳን ተዓጂቡ’ዩ ክካየድ ጸኒሑ። እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ብርጌድ ንሓመዱ ቦታ እናጠቐስካ፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ትግረዎት’ዮም። ዓጋመ’ዮም። ወያነ’ዮም። ጸረ-ልኡላውነት ኤርትራ’ዮም ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ዝወደቐ ሕሱር ሓባራዊ ወፍሪ ከኣ መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚኡ እናተሰርሓሉ ዝመጽአ ሕሱር ወፍሪ ደኣምበር ሓድሽ ኣይኮነን።  እዚ ናይ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ከፋፊልካ ብዋጋ ደምን ህይወትን ግሩሃት ስልጣንካ ዓቅብ ኣኽብር ዝብል ስልቲ ዘንቀሎ’ዩ። ስዕረቶም ኣብ ቀረባ ርሕቀት ናይ ዝተራእዮም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተሓቢኦም ክኸዱ ናይ ዝጸንሑ ነባራት ተጋደልቲ፡ መራሕቲ ውድባት፡ ምሁራት ኢና በሃልቲ ዝሓወሰ   ሓባራዊ ዕብዳን ዝተጋህደሉ’ዩ።

ብዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝወስዶ ዘሎ ተኸታታሊ፡ ግብራውን ውጽኢታውን ስጉምቲ እዚ ዝስዕብ ሓቅታት ክገሃድ ገይሩ ኣሎ።

  1. ኣብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ተጻዋርነት ኮነ፡ ሽግራት ብሓይሊ ሓሳብ ብሓባራዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ቅሩብነት ዘይብሉ፡ ኩሉ ነገር ብስነ-መጎት ሓይሊ ብጎነጽ ክፈታሕ ኣለዎ ኢሉ ንዝኣምን ጉጅለ ፊት ንፊት በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ምዝራቡ ቅልጡፍ ፍረ ከም ዘምጽእ፣
  2. ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ፕሮፖጋንዳ፣ ዲፕሎማሲ፣ ጸጥታ ኮይኖም ንዘገልግሉ ባሮትን መሓውር ጥፍኣትን ዝጥቀምሉ ሜላ ብምጽናዕ፡ ኣብ’ቲ ካብ ስሩትን ክቡርን ባህልና ወጻኢ ማሕበራዊ ነውሪታት ዝፍጽምሉ፡ ስልጣን ውልቀ-ሰብ ንምሕላው ኣብ መንጎ ዜጋታትን ህዝብዝታትን መሪር ጽልእን ምትፍናንን ከመይ ንፍጠር፡ ንሰባት ከመይ ነጸልም ንቀንጽል ናይ ጥፍኣት ስብከት ዘካይድሉ ኣደራሽ ተረኺቡ መደቦም ንምብርዓን ግብራዊ ስጉምቲ ብምውሳዱ ኣብ ጸላኢ ራዕዲ ክፍጠር ገይሩ፣
  3. ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ኮይኖም እቲ ኣንጻር ምልኪ ዝተላዕለ ቃልሲ ሓቢሩን ሓኒኑ ንቕድሚት ከይስጉም ብዝተፈላለየ ምስምሳት ከዐንቅፉ ዝጸንሑ ሰባት ብባህርን ብተግባርን ኣካል ኣምሳል እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምዃኖም ኣቃሊዑ፣
  4. እቲ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባብ ንሓቀኛ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክቃለስ ዝጸንሐ፡ ኣብ ግብራዊ ወፍሪ ብርጌድ ንሓመዱ ብምስታፍ መደባት ጸላኢ ኣብ ምርዓን ኣወንታዊ ኣስታዋጽኦ ክገብር ደሪኹ፣
  5. ቻይናውያን ጸላኢና ከጸልመና፡ ክሃድነና፡ ክቐትለና ኣለዎ። ከምኡ እንተደኣ ገይሩ ጽቡቕ’ዩ። ስራሕና ብግቡእ ንሰርሕ ከም ዘለና መረጋገጺ’ዩ ከም ዝብልዎ፡ ዕድመ ይሃቦም ንተበዓት ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ፡ እቶም ማእከላይ መርገጽ ብመሓዝ፡ ንሕና ምስ ሰራዊትና፣ ኣነ ሃገረይ ይፈቱ’የ፣ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ኣይድግፍን፣ ዝተኸፍለ ይከፈል ብቐዳምነት ምኽባር ልኡላውነት ሃገር፣ ኤርትራ ብናይ ኣሽሓት ስውኣት ዝመጸት ናይ ስውኣት ሃገር’ያ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ምቅዋም ንስውኣት ምጥላም’ዩ ...ወዘተ ብዝብል ዘይበሰለ ነጻ ርእይቶ ዝመስል ግን ከኣ፡ ብውሽጢ ብድሑር ፕሮፖጋንዳዊ ስብከት እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝተሰልበ ኣተሓሳስባ ሒዞም ዝዕንቅፉ ዝነበሩ ወገናት በዓል መን’ዮም? ደለይቲ መሰረታዊ ስርዓታዊ ለውጢኸ ኣብ ምንጻር ሓደ ኣንፈት ኣርእዩ፣
  6. እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ መንጎ ፈታውን ጸላእን ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝውስን ቀዳማይ ግርጭት ‘ምበር፡ ብደረት ግራት ናይ ዝተሰሓሓቡ ክልተ ሓረስቶት ወይ ብመጋሃጫ ናይ ዝተባእሱ ክልተ ተዳወብቲ ዓድታት ዘይመሰረታዊ ግርጭት ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ዕሙር ጓይላ ብከበሮ ጉብዝናኦም ናይ ዝፈታተኑ መንእሰያት ግዝያዊ ማሕበራዊ ባእሲ’ውን ኣይኮነን። እዚ ፖለቲካ’ዩ። ኣብ መንጎ ኣብ ሃገርካ ብሰላም ከይትነብር ዝኽልክል፡ ዝሃነጽካዮ ኣባይቲ ዘፍርስ፡ ብረሃጽካ እናጀራ ካይትበልዕ ኮነ ኢሉ ዝዕንቅፍ ዘድኪ፡ ኤርትራውነትካ ንምሕካኽ ብመደብ ዝሰርሕ፡ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምዝራግ፡ ሽጉጥ፡ በላሕቲ መሳምር ዝተሸኽሎ ኣባትር፡ ጠራሙዝ ዓጢቑ ሓሳብ ንምስዓር ኣካል ምቕንጻል ዝብል መምርሒ ሒዙ ምስ ዝወፍር ደመኛ ጸላእን ዝካየድ ዘሎ ፈጺሙ ዘይዕረቕ ቀዳማይ ግርጭት ምዃኑ ኣመት ሂቡ ኣሎ፣
  7. ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሰፊሕ ሸፈና ማዕከናት ዜና ዓለም ክረክብ፡ ባህርን ተግባርን ጸላኢ ብግልጺ ክፍለጥን፡ ዝተፈላለዩ መንግስታት ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳ ገይሮም ክዘራረቡ ዘገደደ ሓቕታት ኣግሂዱ ኣሎ። እዚ ክቡር ዋጋ ዝኽፈሎ ዘሎ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሓበን’ዩ።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ  ብማሕበራዊ ስድራ ቤታዊ ዝምድና ክለሳለስ የብሉን።  ናይ ክልተ ካብ ሰዓርን ተሰዓርን ወጻኢ ክዕረቕ ዘይኽእል ደምበ መሰረታዊ ግርጭት’ዩ። እቲ ሕጂ ተጎሃሂሩ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ዝካየድን ከቢድ ዋጋ ዝኽፈሎን ዘሎ ጥምጥም ኣብ ኤርትራ እንኮ-ሰባዊ ኣገዛዝኣ ምሉእ ንምሉእ ተወጊዱ ልኡላውነት ህዝቢ ብሓሳብ፡ ብሕግን ብተግባርን ግብራዊ ክሳብ ዝኸውን ፕሮግራሙ ኣጻፊፉን ውደቤታቱን ኣስጢሙን ብናህሪ ክቕጽል ኣለዎ። ኩሉ ሓቀኛ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ብሓሳብን ብተግባርን ምሉእ ደገፉ ክህቦ ኣለዎ። እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ፡ ብሓይሊ ሓሳብ፣ ብ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብዲፕሎማሲ፣ ብቁጠባ፣ ብመራኸቢታት ተበጣጢሱ ኢዱ ክሳብ ዝህብ ቀሚሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ዓይነት ምኽንያት ክቀርብ የብሉን። ጸላኢ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምፍልላይ ዘካይዶ ወፍሪ እዝኒ ክወሃቦ ኣይግባእን።  ቀልቢ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክስሕብ የብሉን። እቲ ወፍሪ ጸለመ ብትካል ደረጃ ይበሃል ብውልቀ ሰብ ጽባሕ ብሕጊ መታን ክሕተቱ መን ኢልዎ መዓስ ተባሂሉ ብግቡእ ተቐሪጹን ተሰኒዱን ክተሓዝ ኣለዎን ይግባእን። ንሳቶም ዘዝበልዎ መልሲ ክንህብ ግን ወርቃዊ ግዜና ከነባኽን ኣይግባእን።  ምሉእ ግዜና ኣብ ምድልዳል ውሽጣዊ ሓድነትናን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጸላኢናን ዘትኮረ ይኹን።  ስለምንታይ ድሕሪ ሕጂ ዳውንዳውን ዝብል ጻውዒት ከብቅዕ ኣለዎ። እሱራት ይፈትሑ፡ ቅዋም ይተግበር ዝብል ጻውዒት ከኽትም ኣለዎ። ኣብ ፖለቲካ ዘየሰማምዕ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ ይፈታሕ ማለት ናይ ለባማት ኣተሓሳስባ’ዩ። 32 ዓመት ጻውዒት ሰላም ተገይሩ ግን “ኣብ ዘይሰምዐካ ደብሪ ኣይትማህለል” ኮይኑ ነገሩ ካብ ምእሳር ምስቓይ ምድካ ምቕታልን ሓሊፉ ነዓይ ዝተቓወመ ኤርትራዊ ኣይኮነን። ትግረዋይ’ዩ። ዓገመ’ዩ። ወያነ’ዩ ኣብ ዝብል ውጹእ ፋሽሽትነት ካብ ተበጽሐ እቲ መፍትሒ ብስረኻ’ዩ። “ኣይተወለድካን ንዝበላካ ኣይተፈጠርካን በሎ” ኣኸለ።

 

                                                             ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                    21 መስከረም 2023