መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መውስቦን ፖለቲካ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህልው ዘለዎም መሰረታዊ ነገራት’ዮም። ክህልው ዝገብሮም ከኣ፡ መውስቦ ኣብ ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብ (ህዝቢ) ፖለቲካዊ ኣባልነት ድማ ኣብ መዳይ ምሕደራ ህዝቢ ብዘለዎም ወሳኒ ቦታ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብወለዶታት እናተተኻኸአ ክቕጽል፡ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣነስታይ ናይ ግድን መውስቦ ክህሉ ኣለዎ። ክዋሰቡ እንከለው ኸኣ ከም እንስሳ ብፍኑው ዘይኮነ፡ ስርዓት ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ዝኣምነሉ ዘኽብሮን ሕጋዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓተ መውስቦ ዝተኸተለ ክኸውን ይግባእ። ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ፡ ንጹር ራእይን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ኣነባብራ እንስሳ ዝፈልዮ ስለ ዘይብሉ፡ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ። ፖለቲካ  ከም ቀላሲ ወሳኒ ኩለንተናዊ ዛዕባ ህዝብን ሃገርን መጠን፡ ፖለቲካዊ ኣባልነት ሰብ ረኣኹ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ክኸውን የብሉን። ሓሳብ ወይ ኣረእእያ መሰረት ዝገበረ ኣባልነት ክኸውን ይግባእ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ እዞም ክልተ መሰረታዊ ረቛሒታት ኣብ ኤርትራ ከመይ ይኸዱ ኣለው ብሓላፍነታዊ ስምዒት ጠመተ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ። እንተወሓደ ከም ኣገንዝቦ ኣብ ንቡር ቦታኦም’ዶ ኣለው የለውን ናይ ኩሉ ግዱስ ዋኒን ክኸውን ይግባእ። ብወገነይ ኣብ ክልቲኦም መእረምታ ዘድልዮ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኾነ ኣካይዳ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብርግጽ ናይ ክልቲኦም መበገስን ሸቶን በበይኑ ስለ ዝኾነ፡ ብማዕረ ሚዛን ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ኣብ’ዚ ዘይንቡር ኩነታት ዝኣተውሉ ምኽንያት’ውን ሓደን ተመሳሳልን ኣይኮነን። እቲ  ንንቡር ኣካይዳ ዝዳፋእ ዝተኣታቶ ዘሎ ዘይንቡር  ኣካይዳ ኣብ ስርዓተ መውስቦ፡ ብቐጥታ ድዩ ብዘይቀጥታዊ ከምኡ ክኸውን ዝደረኾ ምኽንያት፡ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዝኽተሎ ዘሎ ዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ሃላልነት’ዩ። ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ግን፡ ፖለቲካዊ እንዶ ዘይብሎም  ልኩማት  ዝሓወሰ ምዃኑ ከይዘንጋዕና፡ እቶም ዝበዝሑ  ረድዮም መሪጾም ዝኣተውዎ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብዝኾነ ማሕበራዊ መውስቦ ኣብ ኤርትራ ናቱ ዝኾነ ፍሉይ ባህላውን ሃይማኖታውን ኣገባብን ክብርን ኣለዎ። ፖለቲካን ፖለቲካዊ ኣባልነት ከኣ ብዓለም ደረጃ ናቱ ዝኾነ ኣረኣእያን መትከላዊ መምዘኒታትን ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብክልቲኡ ወገን ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ፡ እቲ ሓደ ብምኽሪ እቲ ካልኣይ ዝተወደበ ህዝባዊ ቃልሲ ዝጠልብ ሓድሽ ተርእዮ’ዩ። ፈላሊና ንርኣዮም፡

ሀ. ስርዓተ መውስቦ ብዝምልከት፡-

ስርዓተ መውስቦ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ዘመናት ዘቑጸረን ባህላውን ሃይማኖታውን ሕግታት ዝተኸተልን’ዩ። ኣብ ሃይማኖት እስልምና ኮነ ክርስትና ዝግበር መውስቦ፡ ካብ መጀመርያኡ ኣፍልጦ፡ ፍቓድ፡ ምኽርን ተጽዕኖን ወለዲ ዝነበሮ’ዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ተጻመድቲ መናእሰያት፡ ቀዳማይ፡ ብዕድመን ነገራዊ ትሕዝቶን ንዕኡ ብሓላፍነት ክስከም ዝኽእል ዓቕሚ ስለ ዝሓጽሮም። ካልኣይ፡ እቲ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ዝርዓተ መውስቦ ዝኽተሎ ስሩት ባህላውን ሃይማኖታውን ሕግታትን ክብርታትን እንታይን ከመይን’ዩ ግቡእ ኣፍልጦ ስለ ዝጎድሎም። ካብ ቅድመ ሕጸ፡ ኣብ ሕጸ፡ ወግዓዊ መርዓን ሓሊፎም ሓዳሮም ክሳብ ዝወጽኡ፡ ኩሉ ሽነኻዊ ሓልዮት፡ ደገፍን ምኽርን ወለዲ ኣይፍለዮምን። ወለዲ ንደቆም ምስ መን ከም ዘዋስብዎም፡ መዓስ ከም ዘዋስብዎም፡ ካብ ናቶም ናይ ህይወት ተመክሮ ተበጊሶም ብምሉእን ሓላፍነት ስለ ዝገብርዎ፡ በቶም ሓደስቲ ተጻመድቲ እዚ ዝበሃል ቅሬታ ኣይቐርብን። ብዘይ ኣፍልጦን ምርጫን ተጻመድቲ ብወለዲ ጥራሕ ክውዳእ ቅኑዕ ኣይኮነን። መሰል ምግሃስ’ዩ፡ ድሕረት’ዩ ዝብል ርእይቶታት’ኳ ዝስማዕ እንተኾነ ገዛኢ ሓሳብ ግን ኣይነበረን። እቲ ብተበግሶን ተጽዕኖን ወለዲ ዝገበር መውስቦ ግን፡  ምስ ብማሕበራዊ ንቕሓት ክግራሕን ክእረምን ዝኽእል ዝህልዎ ውሱን ጉድለታት፡ ተጻመድቲ ኣብ ቃሎም ጸኒዖም ብሓልዮትን ምክብባርን ክቕጽሉ ኣብ ምግባር ዝነበሮ  ኣወንታዊ ጽልዋ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ኩሉ ክበሃል ዝኽእል ሃይማኖተኛ ህዝቢ’ዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ስርዓተ መውስቦ፡ ብስርዓተ ሃይማኖት ይእሰር ብምንባሩ ኣብ መንጎ ተጻመድቲ ዘጋጥም ፍትሕ ዝጋነን ኣይነበረን። ጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ ዘይኮነት ወዲ ተባዕታይ’ውን ክሳብ ሕጋዊ መርዓ ተዓቒቡ ዝጸንሓሉ ኩነታት ስለ ዝነበረ ነቲ ምትእምማን ዝያዳ ሓይሊ ይህቦ ነይሩ።  ብፍላይ ድሕሪ ቆልዓ ምውላድ፡ ሀ. ዝኣተውዎ ሃይማኖታዊ ማሕላ ( ቃልኪዳን) ንዘይምጥሓስ) ለ. ቆልዑ ብሰንኪ ምፍልላይ ወለዲ ብኣካልን ብስነ-ኣእምሮን ከይጉድኡ፡ ሐ. ናይ ክልቲኦም ወለድን መቕርብን ሕማቕ ከይስመዖም ካብ ዝብል ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ዘጋጥሞም ዘይመሰረታዊ ገርጨውጨው ብምርድዳእን ብሓላፍነታዊ ስምዒት ብይትረፈኒ እናፈትሑ፡ ክሳብ ሕልፈተ ህይወት ኣብ ቃሎም ጸኒዖም ይቕጽሉ ነይሮም።  ኣብ ንኡስ ዕድሜአን በዓል ቤተን ብሞት ዝተፈልየን ወይ ድማ ብሰንክቲ ዝካየድ ዝነበረ ዝተናወሐ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ሰቡኡተን ናብ ገድሊ ዝኸድወን ኣዴታት ኣብ ቃለን ጸኒዐን ዝኸፍላኦ ዝነበራ ዋጋ ብኽብሪ ዝግለጽ ኣብነት’ዩ። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ርኻብ ሃገራዊ ስልጣን ካብ ዝደየበሉ ግንቦት 1991 ንደሓርን ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ክግልገለሉ ዝጸንሐ ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ማሕበራዊ ባህላዊ ክብርታት ከም ዘይሰልጠነ ድሑር ተራእዩ ክነዓቕ ጀሚሩ። ብዘይ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትን ህዝባዊ ዘተን ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብዝብል ንገድልን ተጋዳላይን ልዕሊ ህዝባዊ ስልጣንን ህዝባዊ ማሕበራዊ ክብርን ዘቐድም ፖለቲካዊ ዕንደራ  ደረጃ ብደረጃ ክህረም ይግበር ኣሎ።

ንስሩት ርጉእ ስርዓተ መውስቦ፡ ሃይማኖታዊ ሕግታትን ክብርታትን ኤርትራ ካብ ዝጎድኡ

“ቆፎ ብማይ ዓብያ ማይ ትጸልእ” ከም ዝበሃል ንስለ ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ናብ ቃልሲ ወጺኡ፡ ብኩለንተናዊ ደገፍ ህዝቢ ካብ ጉጅለ፡ ውድብ፡ መንግስቲ ዝበጽሐ፡ ንህዝባዊ ልኡላውነትን ኣወንታዊ ህዝባዊ ክብርታትን ሃይማኖታዊ ሕግታትን ዝንዕቕን ዝጥሕስን ብኣንጻሩ፡ ንገድልን ተጋዳላይን ብዝተጋነነ መልክዑ ፍሉይ ኣፍልጦን ክብርን ዝህብ ሒዝዎ ዝኣተወ፡ ልጓም ኣልቦ ሃላሊ ፖለቲካዊ  ኣተሓሳስባን ኣካይዳን፤

እቲ ብጉልባብ ገድልን ተጋዳላይን ውልቃዊ ስልጣኑ ዘደልድል ዝነበረ ሓይሊ፡ ብዝተቖጻጸሮ ማዕከናት ዜና፡ ኩሉ ሽነኻዊ ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታትን ተሓጊዙ፡ “ባህሊ ገድሊ” ንዝብሎ ቦታ ንምሃብ ብቀጻልን ብዝተወደበ ኣገባብን ብዝገበሮ ጎስጓስ፡ ህዝባዊ ባህላዊ ክብርታትን ሃይማኖታዊ ሕግታትን ክብርታትን ክዝረግ ክሃስስ ብምግባሩ፤

 ህዝቢ ምስ’ቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ኲናትን ምጽናሑ፡ ንተጋደልቲ ደቅናዮም። ኩሉ ዝፍልጡ’ዮም። ህዝባዊ ሓልዮት ዘለዎም’ዮም ዝብል  ግጉይ ርድኢት ስለ ዝነበሮ፡ “ፍቕረይ ወዲአ” እናተባህለ ይፍጸም ንዝነበረ ፍኑው ጾታዊ ርክብ፡ ምርኻስን ፍትሕን ብኣጋ ሓደጋኡ ተገንዝቡ ዓገብ ዘይምባሉ፤

ካብ 1994 ዝጀመረ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም መሰረት ዘይገበረን ወድዓዊ ኣስገዳድን ዘይነበሮ ግዱድ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ተገፊፎም ኣብኡ ዝኣተው ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎ መንእሰያት፡ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብስሩዕ ይወሃቦም ብዝነበረ ንንቡርን ኣወንታውን ማሕበራዊ ክብርታት ዘንዕቕ፡ ነነውርን ዘይንቡርን ፍኑው ኣካይዳታት ዘተባብዕ ኣዕናዊ ኣስተምህሮ፡ ንቡር ስርዓተ መውስቦ ቦታ ስኢኑ ተናዒቑ። ዘይንቡር ፍኑው ጾታዊ ርክብ ከም ቃሕታኡ ክኸይድ ብዘይ ወግዓዊ ኣዋጅ ብተግባር ተለቒቑ።  “ ንዓኻ ሕድጊ ንዓይ መጣየሲ” ጭቡጥ መርተዖ’ዩ፤

እኩባት ሰብ ብረት ስለምንታይ ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝሓቱን ገዛእ ርእሶም ካብ’ቲ ነውርታት ዝግድቡን ኣብ ዘዝኸድዎ ዓድታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዕማጽ፡ ኣንስቲ ሓዳር ምርኻስ፡ ኣብ ርእሲ ቃል ኪዳንካ ውሽማ ኢልካ ንምግላጽ’ውን ዘጸግም ፍንውነት ዘይከናኸንዎም ቆልዑ ምውላድ፡ ከም ንቡርን ስልጣነን  ቆጺሮም ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩን ዘለውን፣ ናይ’ዚ ቀዳማይ ተሓታቲ ብርግጽ እቲ ከም ንወተሃደራት ዝተለገሰ ፍሉይ መንግስታዊ ሓለፋ ብምትብባዕ ንመናውሒ ውልቀ ስልጣኑን ዝግልገለሉ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ’ዩ። 

ኤርትራ ብዝተኸፍለላ ክቡር ዋጋ ኣብ ክንዲ ኣብነት ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ትኸውን ብኣንጻሩ ናብ ምድራዊት ሲኦል ስለ ዝተቐየረት፡ ብፍላይ ካብ 2001 ንደሓር መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ስደት ይውሕዙ ኣለው። ዕድል ዝረኸቡ ኣብ ተነጻጻሪ ውሑስ ቦታ በጺሖም፡ ዘይሰለጦም ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ፡ በረኻታት ሲና፡ ማያት ማእከላይ ባህሪ ተሪፎም።  እቶም ዕድል ገይሮም ብህይወት ዝተረፉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበታቲኖም’ዮም ዝነብሩ ዘለው። ገሊኦም ኣብ ዝሓሸ ሰላም፡ ደሞክራስን ናይ ስራሕ ዕድላትን ዝርከበለን ሃገራት፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት፡ ውሕስነት ዕለታዊ መግቢ ኣብዘይብሉን ኮታ ብቦታ ርሕቀት ብደረጃ መነባብሮ ተፈላልዮም ይነብሩ ኣለው።  ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሰብ ዝሰርሖ ጸገም ወዲቖም እናሃለው’ውን ግን ኣብ ዝሃለው ይሃልው ምስ ስድራ ቤቶምን መተዓቢቶምን ዝምድናኦም ኣይበተኹን። ብመንገዲ’ቲ ምዕቡል ዘመን ኣምጸኦ መራኸቢታት ኣቢሎም ደሃይ ይለዋወጡ’ዮም።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብ ዝተወልድሉ ዓዲ ብምኽሪ ኣፍልጦን ፍቓድን ወለዲ፡ ብመቕርብ ዓርኪ መሓዛ ተዓጂቦም ክፍጽምዎ ዘይከኣሉ ባህሪያውን ማሕበራውን ግዴታ ምምስራት ሓዳር ብርሑቕ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክፍጽምዎ ንዕዘብ ኣለና። እዚ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጅምር ሌላ መውስቦ ቀዳማይ መዕቀኒኡ ግዳማዊ ተኽለ ሰብነትን ገንዘብን ምግባሩ ድማ’ዩ እቲ ዘስክፍ። ስእሊ ብምልውዋጥ  ቅርጺ ኣካላት ደጋጊምካ ብምርኣይ’ዩ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝበጽሕ። ብቐንዱ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከብ ሰብ ምስሊ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዝርከብ ሰብ ኣገላቢጡ ብምርኣይ፡ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ከኣ ኣብኡ ንምብጻሕን በዓል ገንዘብ ንምዃንን ዝዓለመ ብምኳኑ፡ ንመሰረታዊ መዕቀኒታት መውስቦ የፍኩሶ። እዚ ዓገብ ‘ምበር ክተባባዕ ዝግበኦ ተግባር ኣይኮነን። ምኽንያት ኣብ መንጎ ክልተ መጻምዲ ዝግበር ሓቀኛ ሓዳር ቀጻሊ ህይወት እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ዝውስን ረዚን ዛዕባን፡ ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ዝጠልብ’ዩ። ገንዘብን ግዳማዊ ቅርጽን እቲ ገንዘብ ይጠፍእ፡ እቲ ቅርጺ ኣካላት ድማ ምስ ዕድመን ካልእን ተተሓሒዙ ይቕየር’ዩ። ቀዋሚ ኣይኮነን። ስለዚ መሰረታዊ መዕቀኒ ሓቀኛ መውስቦ፡ ዝተቐራረበ ባህሪ፡ ምዕብሉን ሓላፍነታዊ ስምዒትን ክኸውን ይግባእ።

እዚ ንዕዘቦ ዘለና ሀ ኢሉ  ብዳማዊ ተኸለ ሰብነትን ገንዘብን ዝመዛዘን መውስቦ ብማሕበራዊ ሚዲያ፡ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኮነ ኢሉ ማሕበራዊ ክብርታትናን ንምድምሳስ ዘተባብዖ፡ ባህልን ስደት ዝፈጠሮ ተጽዕኖ ምዃኑ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ናብ ንቡር ንምምላስ ልዑል ልቦናዊ ውሳኔን መኸተን ዘድልዮ ዛዕባ’ዩ። “ውሕጂ እናሰሓቕካ ይወስድ” ከም ዝበሃል  ከም ህዝቢ ባህሊ ዘይብሎም ሃይማኖት ዘይብሎም ህዝቢ ከይንኸውን ትኹረት ክንገብረሉ ይግባእ።

እዚ ምስ ካልእ ህዝቢ ኣይንዋሰብ ተወሃሂድና ኣይንንበር ከስምዕ የብሉን። ተሰማሚዕናን ተወሃሂድናን  ንምንባር  ልዑል ግምትን ክብርን ሂብና ክንሰርሓሉ ዘለና ዛዕባ’ዩ። ሰባት ስለ ዝኾና ኣብ ከባቢና ምስ ዘለው ሰባት ክንዋሰብ’ውን ባህሪያዊ’ዩ። ከምኡ ምግባር ነውሪ ወይ ገበን ኣይኮነን። እዚ  ብኣጋጣሚታት ዝግበር መውስቦ ንባህልናን ስርዓተ መውስቦናን ዘየንጸባርቕ ከይኸውን ንጠንቀቕ፡ ንዓና ንምሰል’ዩ እቲ መሰረታዊ መልእኽቲ። ንገብሮ መውስቦ ኣበይን ምስ መንን ብዘየገድስ ውሕስነት መታን ክህልዎ፡ ብማዕዶ  ብስእሊ ብግዳማዊ ተኽለ ሰብነት ብገንዘብ  ክግዛእ የብሉን። ምሉእ ኣፍልጦ ፍቓድ ደገፍን ምኽርን ወለድን ስሩት ስርዓተ መውስቦናን ኣሳሪ ስርዓተ መውስቦና ዝኾነ ስርዓተ ሃይማኖትናን ከቀድም ኣለዎን ይግባእን። እዚ ብግዝያዊ ስምዒት ብድሕረት ብንዕቀት ክሕለፍ ዘይግበኦ መሰረታዊ  ማሕበራዊ መልእኽቲ’ዩ።

ብማሕበራዊ መራኸቢታት  ዝጀመረ ሌላ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይርካ ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ  መርዓ በጺሑ ቃል ኪዳን ተኣሲሩ  ርሑስ ጋማ ምስተባህለ፡ ካብ ድሕሪ ሳልስቲ ጀሚሩ ኣብ ውሑዳት ዘይኮኑ መጻምዲ ዝፍጠር ዘሎ ገጽ ምቕያር፡ ምጥርጣር፡ ሕሜታ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝፈርስ ዘሎ ሓዳር ብኣጋጥሚ ዝተኸስተ ኣይኮነን። ብዘይ እኹል ኣፍልጦ ፍቓድን ምኽርን ወለዲ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ውሕደት፡ ከምኡ’ውን ብእምነት ንኣወንታዊ ባህላዊ ስርዓተ መውስቦን ሃይማኖታዊ ግዴታን ተቐቢሉን ኣኽቢሩ ስለ ዘይፍጸም’ዩ። ናይ ህዝቢ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ብካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ሰሪዕካ፡  ብግዝያዊ ስምዒትን ግዝያዊ ጠቕምን እናተመራሕካ፡ ብዝኾነ መንገዲ ምስ ዝኾነ ሰብ ተዋሲበ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ይብጻሕ ተፈጢሩ ዘሎ ገዛኢ ኣተሓሳስባ፡ ዋላ ጠንቂ  መናእሰያትና ኣይኹኑ፡  ግን ካበይ ናበይ ንኸይድ ኣለና ትኹረት ተዋሂብዎ ክግራሕ ክእረም ይግባእ።

ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብዝምከት፡-

ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ፖለቲካ ሓሳብ’ዩ። ፖለቲካ ስነ-ፍልጠት’ዩ። ፖለቲካ ሰማያዊ (ሃይማኖታዊ) ኣይኮነን ምድራዊ’ዩ። ፖለቲካ ኣብ ከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ቁልፊ ቦታ ዘለዎ ዓውዲ’ዩ።  ፖለቲካ ንከተዕውቶ ትደልዮ ነገር መተግበሪ’ዩ።  ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። ፖለቲካ ብምኽባር መሰልን ረብሓን ህዝቢ ወይ ጸረ-ህዝቢ ዝምዘን ዝተፈላለየን ብባህርን ምርጫን ዝውሰን ጉዳይ’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ሕቡእ ኣይኮነን ግሉጽ’ዩ። ፖለቲካ ደረቕ ኣይኮነን ዝሰፍሕን ዝመሓየሽን’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣብ ውልቀ ሰብ ብዝፍጠር ዝንባሌ ይጅመር። ካብ ውልቀ ሰብ ናብ ሰባት፡ ካብ ሰባት ናብ ንኡስ ጥርናፈ (ጉጅለ) ካብ ጉጅለ ናብ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ....እናበለ ዝዓቢ’ዩ። ፖለቲካ ሕጊ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ሓሳብ ስለ ዝኾነ ሰባት ብኣባልነት ዝሕቆፍሉ መምዘኒ ኣለዎ። ከዐውቶ ናይ ዝደልዮ ዕላማ መበገስን ሸቶን ዝተነጸረን ዝተሰነደን መደብ’ዕዮ፣ ኣባላት መሰሎም ዘኽብርሉን ግዴታኦም ዝፍጽምሉን ውሽጣዊ ሕግታት ኣለዎ። ሕጋዊ መሪሕነት ኣለዎ። እዚ ዝተጠቕሰ ሰነዳትን መሪሕነትን ካብ መዓስ ክሳብ መዓስ ከም ዘገልግል ንጹር ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣለዎ። እቲ ሰነዳት ዝመሓየሸሉ፡ እቲ መሪሕነት ዝሰነፈ ዝወርደሉ፡ ዝጎደለ ዝምላኣሉ፡ ዝተጋገየ ብሕጊ ዝሕተተሉ፡ ክቕጽል ዘይደለየ ዝሰናበተሉ ዓንቀጻት ኣለዎ። እዚ ኣብ ንቡር ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ’ዩ።

ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኤርትራ ግን ንቡር ፖለቲካ ካብ ዝጠፍእ ነዊሕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ብ1994 ጉባኤ ምስ ዝገበረ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ዓመት 2023 ጉባኤ ኣየካየደን። ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ብዝኾነ ተጽዕኖ ዘይኮነ ብባዕላዊ ውሽጣዊ ኩነታቱ፡ ስሩዕ ጉባኤ ዘየካየድ ፖለቲካዊ ውድብ ውድብ ኣይኮነን። ስሩዕ ጉባኤ፡ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝበኾረሉ፡ ብፖለቲካዊ ፕሮግራም ተመሪሕካ፡ ብሕገ-ህንጻ ተማእኪልካ ምኻድ ዝበሃል ኣይህሉን። እሞ እዞም ናይ ሓባር ሰነዳትና መምርሒና፡ ሕጋዊ መሪሕነትና ኢሎም ከቕርብዎ ዝኽእሉ ጭብጢ ኣብ ዘይብሎም ንሕና ምስ መንግስትና መራሒና ዝብሉ ወገናት ደኣ ካበይ ይብገሱ? ካብ ግምታዊ መደምደምታ ብዝደሓነ ጭቡጥ ሓባራዊ መረዳእታ ንምርካብ፡ ብግቡእ ክግምገም፡ ክፍተሸ፡ ክምርመር፡ ክትንተን ኣለዎን ይግባእን።

ስለምንታይ’ሲ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ (ፕሮግራም) ሕገ-ህንጻ፣ ሕጋዊ ፖለቲካዊ መሪሕነት፣ ብስሩዕ ፖለቲካዊ ህይወት ዘሕልፍ ፖለቲካዊ ውድብ ህግደፍን ፖለቲካዊ ኣባልነት ህግደፍን ዝበሃል የለን። ብንቡር ፖለቲካዊ ኣካይዳ ህግደፍን ኣባል ህግደፍ ዝበሃል ዘየለ ክንሱ፡ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ግን ኣለው። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብስም ህግደፍ ክፈሉ ዝበሎም ዝኸፍሉ፡ በሉ ዝበሎም ዝደግሙ፡ ግበሩ ዝበሎም ዝገብሩ ልዕሊ ካልእ ናይ ፖለቲካ በላሕቲ፡ ብምኽባር ልኡላውነት ኤርትራ ዝያዳ ዝግደሱ መሲሎም ዝቕርቡ ሰባት ኣለው።

 መበገሲ ናይ’ዚኦም፡- ቀዳማይ፡  ካብ መስመር ሰብኣውነት ዝወጽኡ’ዮም። ካልኣይ፡ ናይ ምሕሳብ ተፈጥራዊ ህያቦም ዝተሰልቡ፡ ንህግደፍ ከም ሃይማኖቶም ንኢሳያስ ከም ፈጣሪኦም ዝተቐበሉ’ዮም። ሳልሳይ፡ ብነዊሕ ናይ ፖለቲካዊ ስብከት ብጽልኢ ጎሬቤት ህዝቢ ዝሰኸሩ፡ ንሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣጥፊኦም ኣብ’ዛ መድሪ ነበይኖም ክንበሩ ዝሓልሙ ናይ ሕልና ባሮት’ዮም።

ናይ መወዳእታ ሸቶኦም፡- ቀዳማይ፡ ምዕቃብ ነጻነት፡ ምኽባር ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዘይኮነ ግዳማዊ ምስሊ ኢሳያስ እናተሳለሙ ናይ ስልጣን ጥሙሑ ምሕላው’ዩ። ካልኣይ ከም ጭቡጥ መረጋገጺ ፖለቲካዊ ኣባልነቶም ገበናዊ ተግባር ምፍጻም’ዩ። ሳልሳይ  ንስለ ልኡላውነት ሃገር ዝተኸፍለ ይከፈል እናጨርሑ ብህይወትን ዕድልን ህዝቢ እናላገጹ ዕድመን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ምስ ዕድመን ስልጣንን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከብቅዕ ምግባር’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ዝግለጽ ኣወንታዊ ኣበርክቶ የብሎምን። ስለዚ ካብ ስሩት ማሕበራዊ ክብርታትናን ሃይማኖታዊ ስርዓትናን ውጽእ ዝበለ ዝተኣታቶ ዘሎ መውስቦ ብማሕበራዊ ሜዲያ ብእሩምን ሓባራዊ ሓላፍነታዊ ስምዒትን ንምግራሕ፡ ኣብ ዘየለ ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ኣባልነት ብገበን ኣብ ትሕቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንዝተቐበሉ ኸኣ ንምቕላዕ ብፍልጠት ንረባረብ።

                                                     ካብ ክብሮም ከሰተ

                                          ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                            29 ጥቕምቲ 2023